ድለ

TOPSHOT-UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR TOPSHOT-UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR  (AFP or licensors)

ንሃገረ ኡክራይናን ዕጫ መላእ ዓለምናን ናብ ማርያም ነማዕቚብ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሮቡዕ ዕለት 17 ነሐሰ 2022 ዓም ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ፈጸሙ ንተሳተፍቲ ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ ሎሚ እውን ከምብሓዲሽ ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳ ዘሎ ውግ እ ከይንርስዖ ምናዳ ኸኣ ኣብቲ ልሙድ ዓለምሓቆፍ ንግደት መካነ ንግደት እኖና ድንግል ማርያም ቸስቶኮዋ ሃገረ ፖላንድ ኣብ ዝግበር ብዙሓት ደቂ ኡክራይና ከምዝርከቡ እዚኦም ከኣ በቲ ኣብ ዓዶም ዘሎ ውግእ ዝተሰዱን ብሕዝቢ እዛ ዓዲ ማርያም ዝኾነት ሃገረ ፖላንድ ተቅባልን ምክንኻንን ዝረኸቡ ምዃኖም ብምግላጽ ስለ ሰላም ሃገረ ኡክራይናን ዕጫ መላእ ዓለምና ክንምህለልን ናብ ማርያም ክነማዕቊቦን ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ሎሚ እውን ከይደኸሙን ከይሰልቸውን ሃሞምን ቀልቦምን ምስ ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ኡክራይና ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ብምግላጽ ከይርስዖም ሓደራ ኢሎም።

“ከም ወትሩ ሃመይን ቀልበይን ናብ ኡክራይና እዩ! ነዚ ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ኣይረስዓዮ ኢሎም።”

ካብ ሎሚ ሎሚ የቋርጽ ወይውን ዘተ ይጅመር ብማለት ካብ ምጽላይን ምምሕጻንን ንዝምልከቶም ጻው ዒት ካብ ምቅራብን ዘይደኽሙ ቅዱስነቶም እዚ ንምሉእ ዓለም ደመና ሓደጋ ኰይኑ ዘንጸላሉ ዘሎ ንገሊኦም ርሑቅ ዝመስሎም ገሊኦም ግን ኣብ ድርኲዂቶም ኮይኑ ከም በዓል ሃገረ ፖላንድ ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ቀዳመይቲ ጥይት ካብ ዝተተኰሰትላ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ነቲ መወዳእታ ዘይረኣዮ ውሒጅ ስደተኛታት ብምቅባልን ካብ ጐረቤት ክመጽእ ብዝኽእል ስግኣት እናተሸቊረሩን እንክርከቡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ምጒህሃር እቲ ውግእ ብርሑቅ ኮይኖም ዝገብርዎን ዝዛረብዎን ንኩሉ ግሁድ እዩ።

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከምዘረጋግጽዎ ብጸሎቶምን ብመንፈሶምን ኣብ ጐድኒ እቲ ዝሳቀ ሕዝቢ ምዃኖም ብምግላጽ ነፍስወከፍ ሃገር ነዚ ጉዳይ እዚ ክብደት ሂባ ክትሰርሓሉ ድሕሪ ምምሕጻን ኣብዚ ዕለታት እዚ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ኣብ ዝግበር ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ንግደታት ምናዳ እቶም ኣብ ሃገረ ፖላንድ ዑቊባ ረኺቦም ዘለው ደቂ ኡክራይና ብእግሮም ናብ ጃስና ጎራ ሃገረ ፖላንድ ዝርከብ መካነ ንግደት እኖና ድንግል ማርያም ንሰዓታትን መዓልታትን ብምጒዓዝ ስለሰላምን ዕርቅን መላእ ዓለምና ንዝገብርዎ ምህለላ ንሕና እውን ብመንፈስ ክንሓብሮም ከማኡ እውን ነቶም ናብ ዓቢይ መካነ ንግደት እኖና ድንግል ማርያም ዘቸስቶኮዋ ብማዶና ነራ እትፍለጥ ድንግል ማርያም ክንምህለል ንኩነታት ኤውሮጳን መላእ ዓለምን ከኣ ናባኣ ክንወፍዮ ሓደራ ኢሎም።

ነዚ ምህለላን ተጋድሎን ስለ ሰላምን ዕርቅን መላእ ዓለምና እኳ ክነቅርቦ እንተተማሕጽኑ ምሳኡ ብምትሕሓዝ ስለ ቤተክርስትያን ክንምህለል ስለሰላም መላእ ዓለም ብሕልፊ ከኣ ስለ ሰላም ሃገረ ኡክራይና ክነቅርቦ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት እውን ኣዘኻኺሮም ነበሩ፤ ከምቲ ደጋጊሞም ዘመስገንዎ ከኣ ንሕዝቢ ሃገረ ፖላንድ ስለቲ ንጭኑቅ ሕዝቢ ኡክራይና ምቅባሎም ዳግም ኣመስጊኖም።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 August 2022, 11:42