ድለ

ተደጋጋሚ ጥያቄዎች

ዜና ቫቲካን (ቫቲካንኒውስ) ማለት እንታይ ማለት እዩ?

ዜና ቫቲካን ሓዲስ መርበብ ሓበሬታ ቫቲካን ኰይኑ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮን ቅድስት መንበርን ቤተክርስትያን ኣብ ዓለምን ከምኡ እውን ዓለምሓቈፍ ፍጻሜታት ዝምልከት ዜና ዝርከበሉ እዩ። ዜና ቫቲካን ኣብተን ቀንዲ መራኸቢ ብዙሓን ሓፋሽ እንብሎ ከም በዓል ፈይስቡክ ትዊተር ዩትዩብን ኢንስታግራምን ይርከብ።

ዜና ቫቲካን መጽሔት ዜና ኣለዎዶ?

እወ። ንመጽሔት ዜና ቫቲካን ዕለት ዕለት ክትቅበሉ እንተደኣ ደሊኹም ነዚ ዝስዕብ ብምጥዋዋቅ እዚህ ጠቅ ያድርጉ ነቲ ብነጻ ዝዕደል ዕለታዊ መጽሔት ቫቲካን ክትቅበሉ ትኽእሉ።

ኣብ ዜና ቫቲካን ተክኒካዊ ጸገም እንከጓንፍ ንመን ክተመልክት ይከኣል?

ንመርበብ ሓበሬታ ዜና ቫቲካንን ንዕለታዊ መጽሔትን ዝምልከት ተክኒካዊ ጸገም ክተመልክቱ እንተደለኹም ናብ tigrino@vaticannews.va ወይውን ናብ  webmaster@vaticannews.va ኢመይል ክትጽሕፉ ትኽእሉ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዜና ቫቲካን ዝተመዝገበ ነገራት ክጥቀመሉዶ እኽእል?

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዜና ቫቲካን ዝተመዝገበ ጽሑፍን ካልእ ነገራትን ከመይ ገቢርካ ክትጥቀም ይከኣል ንዝብል ሓበሬታን ውዕልን ብዝምልክት ነዛ ትስዕብ ጠዊቅካ note legali ክትውከስ ይከኣል።

ር.ሊ.ጳ ዝበልዎ ወግዓዊ ቃል ኣበይ ኮን እረኽቦ?

ንኩሉ ወግዓዊ ጽሑፋትን ምሳኡ ዝተታሕዘ ጉዳያት ር.ሊ.ጳ ንምንባብ ኣብታ ንር.ሊ.ጳ ዝተወፈየት ቅዱስ ኣቦና እትብል ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ቫቲካን Santo Padre ንእትብል ብምጥዋቅ ክተንብቡ ንዕድም።  

ንመርሓ ግብር ር.ሊ.ጳ ዝምልከት ዕለታትን ፍጻሜታትን ከመይ ገቢረ ክፈልጥ እኽእል?

ር.ሊ.ጳ ንዝሠርዕዎም ጉዳያት ብዝምልከት ኣብቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዜና ቫቲካን ኣብ መራሕ ዕለት ር.ሊ.ጳ ዝምልከት Celebrazioni Liturgiche ንዝብል ብምጥዋቅ ክርከብ ይከኣል። 

ቡራኬ ር.ሊ.ጳ ከመይ ገቢረ ክረክብ እኽእል?

ኣብ ብራና (ፐርጋመና) ዝተጻሕፉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ር.ሊ.ጳ ንምሕታት Elemosineria Apostolica ንዝብል ጠዊቅካ ብምንባብ ሓበሬታ ክርከብ ይከኣል። 

ኣብ ሓፈሻዊ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ከመይ ገቢረ ክሳተፍ እኽእል?

ኣብ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንምስታፍ ብነጻ ዝዕደል መእተዊ ኣሎ። ከመይ ገቢርካ ከምዝርከብ Prefettura della Casa Pontificia ንዝብል ብምጥዋቅ እኹል ሓበሬታ ክርከብ ይከኣል።   

ናብ ር.ሊ.ጳ መልእኽቲ ንምጽሓፍ ኣየናይ ኣድራሻ ምጥቃም ይከኣል?

ናብ ር.ሊ.ጳ መልእኽቲ ንምጽሓፍ ናብ “Sua Santità Papa Francesco. Casa Santa Marta. 00120 Città del Vaticano” ቢልካ ኪጸሓፍ ይከኣል።

ንኣገልግሎት ምግባረ ሠናይ ናይ ር.ሊ.ጳ ከመይ ገቢረ ከወፊ እኽእል?

ምግባረ ሠናይ ር.ሊ.ጳ ብኦቦሎ ቅዱስ ጴጥሮስ (Obolo di San Pietro) እዩ ዝመሓደር። ነቲ ብዙሕ ጸገማት ኩላዊት ቤተክርስትያንን ንጽጉማት ንምድጋፍን trovi tutte le informazioni qui ንዝብል ብምጥዋቅ ሓበሬታ ክርከብ ይከኣል። 

ንቤተመዘክርን ቦታ ኣታኽልቲ ቫቲካንን ንምብጻሕ ሓበሬታ ኣበይ ይርከብ?

ኣብ ቤተመዘክርን ቦታ ኣታኽልትን ቫቲካንስ ይኹን ኣብ ሓዋርያዊ ኣዳራሽ ካስተልጋንደልፎ ብግሊ ንምጻሕስ ይኹን ብመራሕቲ ተሓጊዝካ ንምብጻሕ ዘድልዩ ቲኬታትስ ይኹን ኣቀዲምካ ንምሕባር Musei Vaticani ንዝብል መርበብ ሓበሬታና ብምውካስ እኹል መምርሒ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንበጻሕቲ ዝኽፈሉ ሰዓታት ኣየኖት ኮን ይኾኑ?

ነተን ር.ሊ.ጳጳሳዊ ባዚሊካ ዝበሃላ ማለት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ጳውሎስ ፍዎሪ ለ ሙራ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራን ቅድስት ማርያም ማጆረ ንምብጻሕስ ይኹን ሰዓታት ቅዳሴን ኑዛዜን ንምፍላጥ ነዙ ጉዳያት ዝምልከት መርበብ ሓበሬታ sito ufficiale del Vaticano ንዝብል ብምጥዋቅ እኹል ሓበሬታ ክርከብ ይከአል።

ንመዘከርታ ዝኾኑ ያታዊ ገንዘብን ቴምብርን ናይ ቫቲካን ከመይ ገቢርካ ክዕደግ ይከኣል?

ንፍሉይ ዝኽርን ኣገልግሎት ቴምብር ቫቲካንን ብዝምልከት ንዝወጹ ያታዊ ገንዘብን ቴምብርን ብዝምልከት ንወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ቫቲካን Ufficio Filatelico e Numismatico ንዝብል ክትምልከት ይከአል። 

ምስ ር.ሊ.ጳ ንዝተላዕሉ ስእልታት ከመይ ገቢርካ ክትዕድግ ይከአል?

ኣብ ዝኾነ ሕዝባዊ ርክባትን ፍጻሜታትን ምስ ር.ሊ.ጳ ንዝተላዕሉ ስእልታት ብዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ Servizio Fotografico Vaticano-Vatican Media ንዝብል መርበብ ሓበሬታ ምውካስ ይከኣል።

ኣብ ከተማ ቫቲካን ንህልው ኩነታት መንበረ ጴጥሮስ ንምዕዛብ ዘኽእል ውሽጣዊ መስኣሊ (ወብካም) ኣሎዶ?

እወ ኣሎ። ኣብ ህልው ግዜ ገለ ክፋል ምምሕዳር ከተማ ቫቲካን ብስእሊ ክትዕዘብ ይከኣል እዩ። Webcam ንዝብል መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ቫቲካን ክትውከስ ይከኣል።