ድለ

ጽንዓት ኪዳን መንእሰያትን ሽማግለታት ንሰብኣውነት ከድሕን እዩ፤ ር.ሊ.ጳ

‘ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ፣ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ፣ መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ። ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ፣ ካብ ቅድሚኡ ኸኣ ይወጽእ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፣ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ። ፍርዲ ዀነ፣ መጻሕፍቲውን ተገንጸለ’። (ዳን 7.9-10)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

እዘን ዝሰማዕናየን ትንቢታዊ ቃላት ሕልሚ ዳንኤል ምሥጢራዊ ራእይ እግዚአብሔር እንከጋውሓ ማዕረ ማዕረኡ ድማ ዘደንቅ ነገር የብርሃ። እዛ ራእይ እዚኣ ኣብ ምጅማር መጽሓፍ ራእዩ ለዮሓንስ ንረኽበን ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዘመልክታ ኮይነን ኢየሱስ ከም መሲሕ ካህን ንጉሥ ዘለዓለማዊ ኩሉ ዝፈልጥን ዘይልወጥ ምዃኑን ነቲ በዓል ራእይ ይግለጸሉ (ራእ 1.12-15)። ንሱ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ራእይ የንብር እሞ ‘ኣይትፍራህ ኣነ ቀዳማይን ዳሕራዋይን ሕያውን እየ። መይተ ነረ እንተኾነ ሕጂ ንዘለዓለም እነብር ኣሎኹ’ ቢሉ የረጋግጸሉ። በዚ ከምዚኸስ እቲ ንዘመናት ዘርዓደ ዕርዲ ሞት ይእለ ሰብኣዊ ቅርጻ እግዚአብሔር ዘስዓቦ ፍርሒ እውን ይእለ፣ ነዚ ከኣ እቲ ሕያው ዝኾነ ጐይታ ዳግም ብምርግጋጽ ውሕስነት ይህበና። ንሱ እውን እንተኾነ መይቱ እዩ ግናኸ ሕጂ ነቲ ዝተመደበሉ ቦታ ሒዙ ማለት ቀድማይን ዳሕራይን ኣልፋን ኦሜጋን ኮይኑ።

ኣብዛ ምልክታት ሕልኽልኽ ዝበሉላ ፍጻሜ እዚኣ፣ ኣብዚብዙሕ ምልክታት ኣሎ፣  ነቲ ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ እግዚአብሔርን መዋእል ሕይወትን ወቅቲ ታሪኽን ጐይትነት እግዚአብሔር ኣብ ፍጡር ኩሉን ንምርዳእ ክሕግዘና ዝኽእል መግለጺ ኣሎ። እዚ መግለጺ እዚ ከኣ ምስ ሽምግልና ዝተኣሳሰረ እዩ። ብከመይ ይተኣሳሰር ንዝብል ክንምልከቶ ኢና።

ራእይ ዳንኤል ጽንዓትን ሓይልን ናይ ክብርን ጽባቄን ኣድናቆትን የዘንቱ። ክዳውንቱ ኣዕይንቱ ድምጹ ኣእጋሩ ኩሉ ዘደንቅ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ራእይ እዩ ዚዛረብ ዘሎ ራእይ እዩ! ጸጉሩ ከም ሓሪ ጽሩይ ከም በረድ ጻዕዳ ነበረ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንሽማገለ ዘመልክት ቃል ዛቀን ዝብል ቃል ዕብራይስጢ ኮይኑ እዚ ከኣ ዛቃን ካብ ዝብል ቃል ዝተወስደ እዩ፣ ትርጉሙ ከኣ ጭሕሚ ማለት እዩ። ሻሽ ዝመስል ሽበት ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ጥንታዊ ምልክት ኮይኑ ዘይርሳዕ ሕሉፍን ዘለዓለማዊ ህላዌን የመልክት። ንኩሉ ኩሉ ንሕጻናት ጥራይ እዩ ዝምልከት ምባል ኣድላዪ ኣይኮነን! ንእግዚአብሔር ከም ሓደ ዓቢ ሽማግለ ምስ ሻሽ ዝመስል ሽበቱ ምምልካት ጌጋ ንማለቱ ንሕጻናት ግርማ እግዚአብሔር ንምግላጽ ጥራይ እንጥቀመሉ ምልክት ኣይኮነ ኣይኮነን ክብረት ዝመልኦን ርሕራሔ ዝመለልዪኡን ቅዱስ መጽሓፋዊ ምልክት እዩ። እቲ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ኣብ ልዕሊ ወርቃዊ ቀንደላት ዝቅመጥ ነቲ ኣብ ጥንታዊ ዕለታት ዳንኤል ዝተነበዮ እዩ ዘመልክት። ምስ ታሪኽ መላእ ዘመደ ኣዳም ወረ ክንዮኡ ዚጓዓዝ ዝሸምገለ እዩ። ከም ዘለዓለማውነት እግዚአብሔር ብሉይን ሓዲስን እዩ። ከመይ ዘለዓለማውነት እግዚአብሔር ከማኡ እዩ፣ ብሉይን ሓዲስን! ምኽንያቱ ከኣ እግዚአብሔር ወትሩ ብሕዳሴኡ የደንቀና፣ ንክረኽበና ይመጽእ፣ ዕለት ዕለት ብፍሉይ መንገዲ ኣብታ ሁመት እቲኣ ምሳና ኣሎ። እዚ ከኣ ወትሩ ይሕደስ። እግዚአብሔር ዘለዓለማዊ እዩ፣ እዚ ከኣ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ካብ ወትሩ እዩ። ርግጽ እዩ ኣብ እግዚአብሔር ሽምግልና ኣሎ ክንብል ንኽእል እንተኾነ ከም ኣተሓሳስባና ኣይኮነን ወትሩ ዝሕደስ ዘለዓለማዊ እዩ።  

ኣብ ምብራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ብኣቱ ማለት ጐይታ ናብ ቤተመቅደስ ዚኣትወሉ በዓል በዓለ ርክብ ዕለት 2 ለካቲት ይበዓል፣ እዚ ሓደ ካብተን 12 ዓበይቲ በዓላት ሥርዓተ ኣምልኾ እዩ። እዚ በዓል እዚ ኣብ መንጎ ዘመደ ኣዳም ንዘሎ ርክብ ሽማግለታት ስምዖንን ሃናን ምስቲ ሰብ ዝኾነ ንእሽቶይ ሕጻን ዝኾነ ወዲ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ጐይታ ንዝተገብረ ርክብ እንከመልክት ነቲ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ዘሎ ርክብ ክብ የብሎ። ናይዚ ፍጻሜ ጽብቅቲ ኢቆና ማለት ቅዱስ ስእሊ ኣብ ሮማ ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም ዘትራስተቨረ ዘሎ ሞሳይክ ክትምልከት ይከኣል።

ኣብ ቢዛንቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብዚ ዕለት እዚ ጳጳስ ምስ ስምዖን ከምዚ እናበለ ይጽሊ፣ ‘እዙይ እቲ ካብ ድንግል ዝተወልደ ቃል እዩ፣ እዙይ እቲ ኣምላኽ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ስለና ሥጋ ዝለበሰን ንመላእ ዘመደ ኣዳም ዘድሓነን እዩ። ሎሚ መዓጹ ሰማያት ይኽፈት፣ ዘለዓለማዊ ቃለኣብ ካብ መለኮታውነቱ ከይወጸ ግዝያዊ ምጅማር ተቀቢሉ፣ ብፍቃዱ ከኣ ናብ ቤተመቅደስ ሕጊ ብድንግል እኖኡ ቀሪቡ እቲ ሽማግለ ከኣ ኣብ ሕቊፉ ተቀቢልዎ’ እናበለ ይጽሊ። እዘን ቃላት እዚኤን ነቲ ናይተን ንኩለን ኣብያተክርስትያን ቅዱሳት ዝኾና  ቀዳሞት ኣርባዕተ ኢኩመኒካውያን ጉባኤታት ቤተክርስትያን ምስክርነት እምነት ይገልጻ። ስምዖን ኣብታ ንኢየሱስ ሕጻን ኣብ ሕቊፉ ብምቅባል ዝፍጽማ ተግባር እውን ናይሽማግለታት ፍሉይ ጸዋዕታ እተንጸባርቅ ብልጽቲ ኢቆና እያ። ንስእሊ ስምዖን እንክንምልከት ጽባቄ ሽምግልና ንምልከት። ነቶም ናብ ዓለምና ከም ቀጻሊ ውህበት እግዚአብሔር ንዝመጹ ሕጻናት ሓደ ካባኦም ከኣ እቲ ቅድሚ ዘመናት ካብ ሕቊፉ ኣቦ ዝተወልደ ወልደ እግዚአብሔር ምዃኑ እናፈለጥካ ኣብ ሕቊፍኻ ምቅባል ማለት እዩ።

ዘመን ሽምግልናኸስ ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ፍጥረት ዘንበሮ ፍቅሪ ብዘይ ምንም ዕንቅፋት ከተንጸባርቀሉ ናብ እትኽእለሉ ዓለም ገጽካ ምጒዓዝ ኮይኑ ቅድሚ ምስንባት ነዚ ናይ ስምዖንን ሃናን ተግባር ክትፍጽመሉ ዘሎካ ዘመን እዩ። ሽምግልና ምስክርነት ክህብ ኣለዎ፣ ሕመረት ትርጉም ሽምግልናኸስ እዚኣ እያ፣ ንሕጻናት ብሽማግለታት ከምዝተባረኹ ምስክርነት ክህብ ኣለዎ። እዚኣ ከኣ ኣብታ ምፍላም ሕይወት እንብላ ጥዕምትን ከባድን ቃል ማለት ናብቲ ማንም ከሕድጎም ዘይክእል መደብ ሕይወቶም ዝጅምሩሉ ወላ ሞት ከሕድጎም ኣብ ዘይክእሎ ምሥጢር ሕይወት ኣብ ዝጅምሩሉ እያ እትፍጸም። ኣብ ቅድሚ ሓደ ሕጻን ምስክርነት እምነት ምሃብከስ ነዛ ሕይወት እዚኣ ምዝራእ እያ፣ ምስክርነት ሰብኣውነትን እምነትን ጸዋዕታን ምሃብ እውን ከማኡ እዩ። ንሕጻናት ነቲ ዝነበርዎ ሕይወት ዘለዎም ተመኲሮ ክምስክሩ እንከለው ዓቢይ ነገር እዩ። ንሕና ሽማግለታት ነዚ ንክንገብር ኢና ተጸዊዕና ምስክርነት ንክንህብ ነዚ ከኣ ንሶም ንቅድሚት ሒዞሞ ይጐዓዙ።

ምስክርነት ሽማግለታት ንሕጻናት ተኣማኒ እዩ። መንእሰያትን ዓበይትን ነዛ ምስክርነት እዚኣ ከምቲ ሽማግለታት ዘቅርብዋ ሓቀኛን ርሕርሕትን ልቢ ትትንክፍን ገሮም ከቅርብዋ ኣይክእሉን እዮም። ሓደ ሽማግለ ናይቲ ትሓልፎ ዘላ ሕይወት ምንም ጣዕሳ ከየርኣየ ነታ ትመጽእ ዘላ ሓዳስ ሕይወት እንክምርቅ ሓያል ስምዒት እዩ ዝፈጥር። ኣብዚ እቲ ሽማግለ ግዜ ብምሕላፉን ንሱ ከኣ ክሰናበት ምዃኑን ሓሲቡ ፈጺሙ ኣይጠዓስን ኣይጒህን። ከምቲ ዝኸረመ ወይኒ ዝህቦ ሓጐስ ተሕጒሱ እዩ ዝፍጽሞ። ምስክርነት ሽማግለታትከስ ንዕድመ ሕይወትን ስፍሓት ግዜን ማለት ሕሉፍን ዘሎን መጻእን የተኣሳስር። ምኽንያቱ ንሶም ዝኽሪ ጥራይ ኣይኮኑን። ናይ ህልው ግዜን ናይቲ እትመጽእ ተስፋ መጻእን እዮም። እዚ ዕድመታት ሕይወት ከም ዝተፈላለያ ዓለማት ኮይኖም ክረኣዩን ኣብ መንጎኦም መንፈስ ውድድር ኣሕዲሮም እቲ ሓደ ብበለጽ ናይቲ ሓደ ክነብር ክጋደሉ ክትርኢ ብሓቂ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ ጐዳኢ እውን እዩ። ከማኡ ክኸውን የብሉን። ንሰዓታት ግዜ እንተተመልኪትና ሰብኣውነት ናይ ቀደም ቀደም ናይ ጥንቲ እዩ። እንተኾነ እቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ወልደ እግዚአብሔር ቀዳማይን ዳሕረዋይን ናይ ዝኾነ ዘመን እዩ። እዚ ማለት ከኣ ካብ ዓንኬል ዘለዓለማዊ ልደቱ ዘደንቅ ሓይሉን ፍቅራዊ ቅርበቱን ዝወጽእ ዋላ ሓደ የለን ማለት እዩ።

ኣብ መንጎ ሽማግለታትን ሕጻናትን ዝግበር ኪዳንከስ ኪዳን እብሎ ኣሎኹ፣ እዚ ኪዳን እዚ ንስድራቤት ዘመደ ኣዳም ከድሕን እዩ። ሕጻናትን መንእሰያትን ምስ ሽማግለታት ኣብ ዝዝትዩሉ መጻኢ ኣሎ፣ እዚ ዘተ እዚ እንተዘየሎ ግን መጻኢኦም ንጹር ኣይኮነን። ኪዳን ሽማግለታትን ሕጻናትንከስ ንስድራቤት ዘመደ ኣዳም ከድሕን እዩ። በጃኻትኩም ኢለኩም ነቶም ምውላድ ክመሃሩ ዘለዎም ሕጻናት ነታ ጥበብ ኣማውታ ዘለዎም ሽማግለታት ዝህብዎም ለዋህ ምስክርነት ክንመልሰሎምዶ ንኽእል! እዛ ምስ ኩሉ ምዕባሌታታ ትማሊ ዝተወልደት ጐርዞ ጐበዝ ትመስል ሰብኣውነት እዚኣ ንሃዋሁ መዓልቦና ኣጽኒዓ ናይ እትሕዝ ሽምግልና ጸጋ ዳግም ትውንንዶ ይመስለኩም! ርግጽ እዩ ሞት ጽግምቲ መሰጋገሪት ሕይወት እያ! ንዓና ንኩልና ጽግምቲ መሰጋገሪት ሕይወት እያ። ኩልና ብኣኣ ክንሓልፍ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ቀሊል ኣይኮነ። እንተኾነ ሞት ንዘመነ ስግኣት ዛዚማ ግዜ ንእንቆጽረሉ ሰዓት እተደርቢ እውን እያ። ምኽንያቱ ከኣ መወዳእታ ዘይብሉ ጣዕሚ ሕይወት ኣብታ ሁመት እቲኣ እያ እትጅምር። ስለዚ ካብ ጥበብ እዞም ንመንእሰያት ምስክርነት ክህቡ ዝኽእሉ ክልተ ሽማግለታት ንጀምሮ። ነቲ ዝበልኩምኹም ዘተ ንሕሰበሉ! ኪዳን ሽማግለታትን ሕጻናትን ኪዳን ሽማግለታትን መንእሰያትን ከምዘይብተኽ ንግበር። ሽማግለታት ምስ መንእሰያት ዝዘራረቡሉን ሓሳቦም ዝገልጹሉን ታሕጓስ ከማኡ እውን መንእሰያት ጥበብ ሕይወት ንምውራስ ሽማግለታት ዘናድዩሉ ሃዋሁ ንፍጠር። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 August 2022, 16:15
ንኩሉ ኣንብብ >