ድለ

መንነትና

ዜና ቫቲካን ሓዲስ ናይ ቅድስት መንበር ሓበሬታ መርበብ ኣገልግሎት ዜና ኰይኑ፣ ምስ ራድዮ ቫቲካንን ጋዜጣ ሎ ኦሰርቫቶረ ሮማኖን መርበብ ሓበሬታ መድያ ቫቲካንን ኰይኑ  ነቲ ቀንዲ ግድል ‘ንተልእኮ ቤተክርስትያን ንዘድልዩ ጉዳያት ብዝበለጸ ምምላስ’ ዝዓለመ ነዚ ከኣ ኣብ ዘመናዊ ባህሊ ‘ነቲ ናይ ምሕረት ወንጌል ናብ ኩሉ ህዝቢ’ ናብ ዝተፈላለየ ባህልታት ንምምሕልላፍ እዩ።

እዚ ፍጻሜ እዚ ብሞቱ ፕሮፕርዮ ዝበሃል ኣዋጅ ናይ ር.ሊ.ጳ ፍርናቸኮስ (ብቋንቋ እንግሊዝ  ንምንባቡ ብቋንቋ ጣልያን ንምንባቡ) ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ብዝብል ስም ኣብ ኩርያ ሮማና ከም ሓዲስ ክፍሊ ብዕለት 27 ሰነ 2015 ሎሚ ከኣ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኩርያ ሮማና ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ዝጀመረ እዩ።

ዜና ቫቲካን ነቲ ቅልል ዝበለ ንኩሉ ናይ ምእካብ ዲጂቲላዊ ሥነሓሳብ ሰጊሩ ነቲ ብቀጻሊ ዝለዋወጥ ዘሎ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ቦታን ቅርጽን ክምልስን ኣቀዲሙ ባይታ ከጣጥሕን ይእምት፣ ኣብ ብዙሕ ቋንቋታትን ብዙሕ ባህልታትን ብዙሕ መሳርዕን ብምውዳድ ማልቲሚድያ ብዝብል ንኩሉ ዘጠቃልል ንኩሉ ናይ መራኸቢ ብዙሓን መጋበሪታት ክጥቀም ምስ ኩሉ ከኣ ክዋሳእ ‘ንወንጌል ምሕረት ከኣ ናብ ኩሎም ኣሕዛብ ከባጽሕ’ ነቂሉ ኣሎ።

ትሕዝቶኡ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ዘተኰረ እንክኾን ብዛዕባ ውዕሎ ር.ሊ.ጳ፣ ቅድስት መንበርን፣ ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያናትን ዝምልከት ሓበሬታ እናሃበ ብዛዕባ ዓለምና እውን ዝትንክፍ እዩ። ዜና ቫቲካን በተን ናይ ረድዮ ቫቲካን ዘቊማ ናይ ዝተፈላለያ ቋንቋታት ኣሰናዳእቲ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ትምሥረት። (ራድዮ ቫቲካን ብድላይ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ብጉልየልሞ ማርኮኒ ዝተሃንደሰትን ዝተሃንጸትን ኰይና ፈላሚ ፈነወኣ ብለካቲት 12 1931 ዓም ጀመረት)። ቀንዲ ዕላማ ዜና ቫቲካን ሓበሬታ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነ ናብ መላእ ዓለም ተስፋ እምነት ብምብጻሕ ንፍጻሜታት ብብርሃን ወንጌል ትርጉምን ፍታሕን ትህብ።  ቀንዲ መምርሒ ሚዛን ከስ 'ሓዋርያዊ ስብከተ ወንጌላዊ ተልእኮኣዊ ኮይኑ ፍሉይ ኣተኲሮኡ ኣብ ዝርኤ  ህልው  ጸገማት ጥሜትን ካልእ ሽግርን' እዩ (ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ዕለት 4 ግንቦት 2017 ኣብ ምልኣተ ጉባኤ ቤትጽሕፈት መራከቢ ብዙኃን ቅድስት መንበር ዝሃብዎ ማዕዳ ብቋንቋ ጣልያን ንምንባቡ  ጠውቅ)።

ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ

ዶር. ፓውሎ ሩፊኒን

ዋና ኣመሓዳሪ ርእሰ ዓንቀጽ

ዶር. ኣንድረያ ቶርኒየሊ

ምክትላት ኣመሓደርቲ

ሰርጅዮ ቸንቶፋንቲ - ኣለሳንድሮ ጂሶቲ