ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነቲ ሰማዕት ህዝቢ ዩክረይን ምሕረትን ሓልዮትን ይምሕጸኑ

ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝፈጸመዎ መንፈሳዊ ተግባር ኣዚዩ የድሊ እዩ እሞ ብጸሎትን ብምስክርነት ህይወትን ንሓድሶ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣብ ክራኮቪያ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መላእ ዓለም ንመለኮታዊ ምሕረት ሕድሪ ከም ዝሃቡ ብምዝካር፡ ነቶም ዳርጋ በቲ ካብ ዝባራዕ ሻድሻይ ወርሒ ብዘቝጽር ዘሎ ውግእ ንዝሳቐይ ዘሎ ህዝቢ ዩክረይን ካብ ጐይታ “ፍሉዩ ምሕረትን ሓልዮትን እምሕጸን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ምሕረት የድልዮ። ብፍላይ እታ ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ውግእ ዘላ ዩክረይን። ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ዩክረይን ካብ ጐይታ ምሕረትን ሓልዮት ክረኽቡ ነቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣቢሉ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዓለም ንመለኮታዊ ምሕረት ሕድሪ ዝበልዎ ብምዝካር፥

ነቶም ሎሚ ኣብቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዓለም ንመለኮታዊ ምሕረት ሕድሪ ኣብ ዝሃብሉ ኣብ ክራኮቪያ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ መለኮታዊ ምሕረት ዝነግዱ ንዘለዉ ብዙሓት ምእመናን ብፍሉይ እዝክር። ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝፈጸመዎ መንፈሳዊ ተግባር ኣዚዩ የድሊ እዩ እሞ ብጸሎትን ብምስክርነት ህይወትን ንሓድሶ። ምሕረት ንነፍሲ ወከፍናን ንብምልእታ ዓለም መገዲ ድሕነት እዩ!  

 ቢሎም ንህዝቢ ዩክረይን እናሓሰቡ፥

ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ህብዚ ዩክረይን ፍሉዩ ምሕረን ሓልዮትን ክግበረሎም ንጐይታ ንለምኖ

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 August 2022, 15:08