ድለ

ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት መቑጸርያ

ቤተ ክርስቲያን ክገማምዕ ዝደሊ ናይ ዲያብሎስ መጥቃዕቲ ንኽንነጽግ ናብ ቅዱስ ሚካኤል ብዝቐርብ ጸሎት ምህለላን ናይቲ መቑጸርያ ናይ መዛዘሚ ምልጣን ክኸውን ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ በቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዘነቓቕሕ መረብታዊ ማሕበር ኣቢሎም የቕርቡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ንቤተ ክርስትያን ካብቲ ክገማምዓ ዝፈታተን መንፈስ ክፍኣት ክከላኸሉላ ምእመናን ብውልቅን ብማሕበርን መዓልታዊ ጸሎት መቑጸርያ ክደግሙ ጻውዒት ዘቕረቡሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መእኽቲ ብወግዒ ቀሪቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ መንፈስ ክፍኣት ማሕበረ ክርስቲያን ክገማምዕ ንዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ንምብዳህ ዝሃቀነ ናይ ጸሎት ጐስጓስ ክካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ንቤተ ክርስቲያን ምእመናንን ጽንኩር ኩነት’ዚ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብጸሎት መቑጸሪያ ክማህለሉን ሓለዋ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ክምሕጸኑ ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ ጻውዒት፥ እቲ ዝድገም ጸሎት መቑጸርያ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላልኪ ብዝብል ጸሎት ምህለላል ንማርያን

“ኦ ርሕርሕትን ኦ ጥዕምት ድንግል ማርያም፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍኪ ንምዕቆብ ኣሎና፡ ኦ ብርኽትን ምስግንትን ወላዲት ኣምላኽ ልመናና ኣይተስተናዕቒ ብግዜ ውድቀትና ካብ ክፉእ ኣናግፍና”

ብዝብልን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ክገማምዕ ዝደሊ ናይ ዲያብሎስ መጥቃዕቲ ንኽንነጽግ ናብ ቅዱስ ሚካኤል ብዝቐርብ ጸሎት ምህለላን ናይቲ መቑጸርያ ናይ መዛዘሚ ምልጣን ክኸውን ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ በቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዘነቓቕሕ መረብታዊ ማሕበር ኣቢሎም የቕርቡ።

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብላቲን ስርዓት ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 7 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓለ ማርያም ዘሮዛሪየም ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት፡ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘቕረበዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ፍጻሜ ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ ጻውዒት ክኸውን እንክሎ፡ በታ ዕለት እውን ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ፖምፐይ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ብበዓለ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ምኽንያት ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ዝመርሕዎ ጽሎት ምህለላ ለማርያምን ጸሎት መቑጸርያን ከምዝተፈጸመን ቅዱስነቶም ናብቲ መደብ ጸሎት መልእኽቲ እውን ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ኵሎም ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ጽንኩር ኣዋን’ዚ ክትዕቀብን ፈተናታት ኩሉ ከተሰንፍን ብናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ዘነቓቕሕ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኣቢሎም ስሌኣ ክንጽልይ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዕለት 29 መስከረም 2018 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ብወግዒ ኣቐዲሙ መግለጺ ሂቡሉ ከምዝነበረ ይዝከር።

ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት መቑጸርያ
10 October 2018, 17:20