ድለ

ጸሎት ምህለላ ለማርያም ዘፖምፐይ፥ ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ንቤተ ክርስቲያን ክገማምዕ ዝደልይ ዲያሎስ ንንጸግ ጸሎት ምህለላ ለማርያም ዘፖምፐይ፥ ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ንቤተ ክርስቲያን ክገማምዕ ዝደልይ ዲያሎስ ንንጸግ 

ጸሎት ምህለላ ለማርያም ዘፖምፐይ፥ ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ንቤተ ክርስቲያን ክገማምዕ ዝደልይ ዲያሎስ ንንጸግ

ነታ ኣብ ጽንኩር ኩነት እትርከብ ሃገረ ሶርያ እናሓሰብኩ ምሳኹም ኣብቲ ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ኣብ ሶሪያን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ማእከላይ ምብራቕን ክወርድ ኣብ ዝዓርግ ጸሎት መቑጸርያ እሓብር

ዕለት 7 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ናይ ላቲን ስርዓት ኣምልዀ መሰረት በዓለ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኣብቲ ኣብ ፖምፐይ ኣብ ዝተኻየደ ጸሎት ሮዛሪየም መሪሖም ዝሓበሩ ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ንቤተ ክርስቲያን ካብቲ ክገማምዓ ዝፍትን መንፈስ ክፍኣት ምእንቲ ክዕቅብዋን ክከላኸሉላን ምእመና ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዓልታዊ ጸሎት መቑርያ ኪደግሙ ዝብል ነቲ ናይ ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐይ ጸሎት ምህለላ ኣማእኪሎም ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ ጻውዒት ዘኪሮም፡ ኣብ ፖምፐይ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ በበዓለ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም ዝፍጸም ጸሎት መቑጸርያ መሪሖም ስብከት ዝለገሱ ኣብ ሶርያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ካርዲናል ማርዮ ዘናሪን ምዃኖም እውን ዘኪሮም፡ ንናይ ፖምፐይ ቅዱስ ስፍራ ፍልዩ ጳጳሳዊ ልኡኽ ንብፁዕ ኣቡነ ቶማስ ካፑቶን ሰላምታኦም እውን ኣመሓላሊፎም፡ ነታ ኣብ ጽንኩር ኩነት እትርከብ ሃገረ ሶርያ እናሓሰብኩ ምሳኹም ኣብቲ ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ኣብ ሶሪያን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ማእከላይ ምብራቕን ክወርድ ኣብ ዝዓርግ ጸሎት መቑጸርያ እሓብር ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ጸሎት ምህለላ ለማርያም ዘፖምፐይ፥ ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ንቤተ ክርስቲያን ክገማምዕ ዝደልይ ዲያሎስ ንንጸግ
08 October 2018, 16:58