ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ጸሎት መቝጸርያ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ጸሎት መቝጸርያ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን  

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ጸሎት መቝጸርያ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ምእመናን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ንቤተ ክርስትያያን ካብቲ ክገማምዓ ዝፈታተን መንፈስ ክፍኣት ንምክልኻል መዓልታዊ ጸሎት መቑጸርያ ክደግሙ ኣተሓሳሲቦም፡

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. እቲ መንፈስ ክፍኣት ማሕበረ ክርስቲያን ክገማምዕ ንዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ንምብዳህ ዝሃቀነ ናይ ጸሎት ጐስጓስ ክካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ንቤተ ክርስቲያን ምእመናንን ጽንኩር ኩነት’ዚ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብጸሎት መቑጸሪያ ክማህለሉን ሓለዋ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ክምሕጸኑ ኣተሓሳሲቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ምእመናን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ንቤተ ክርስትያያን ካብቲ ክገማምዓ ዝፈታተን መንፈስ ክፍኣት ንምክልኻል መዓልታዊ ጸሎት መቑጸርያ ክደግሙ ኣተሓሳሲቦም፡ ቅዱስ ኣቦና እዚ ጻውዒት’ዚ በቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ምእንቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ዋና ኣመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪክ ፎርኖስ ኣቢሎም ዕለት 11 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረጉሉ ዕለት ዘመሓላለፍዎ መደብ ክኸውን እንከሎ፡ ጸሎት ነቲ ናይ ክፍኣት መንፈስ ዝስዕር ሓይሊ የጸግው፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ መንፈስ ክፍኣት ተፈቲሑ ብምኽሳስን ዕንቅፋት ብምስፋሕን ይንቀሳቐስ ስለ ዘሎ፡ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልኰ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 1 ጥቅምቲ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዚየ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት እቲ ናይ መቑጸርያን ምህለላ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ዝጅመረሉ ክኸውን ከምዝተሓሳሰቡን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈጸሙ ጌጋታትን ናይ ወሲብ ዓመጽን ተኣሚና ህርኩት ጻዕሪ ሕዳሴ ብምንቕቓሕን መንፈስ ክፍኣት ተዓዋቲ ከይከውን ኣበርቲዓ ክትቃለስ ዘተባብዕ ናይ ጸሎት ጐስጓስ እዩ።

ኣባ ፎርኖስ ብዛዕባ እዚ ናይ ጸሎት መደብ ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠመን ዝተራእየን ጽንኩር ኩነት እዚ ኸኣ ብኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ዓመጽ ሕልና ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ዝገማማዕ መንፈስ ክፍኣት ጥጡሕ ባይታ ከይኑ ኣብ መንጐ ምእመናን ቤተ ክርስቲያንን ዘተኣታትዎ ምግምማዕ ንምብዳህ ከምቲ ቅዱስ ኢግናዚዩስ ዘሎዮላ ዝብሎ “ነቲ ፍጹም ጸላኢና” መከላኸሊ ፍጹም መጋበርያ ጸሎት እዩ፡ መንፈስ ክፍኣት ብዝተፈላለየ መገዲ እዩ ዝግለጽ፡ ምግምማዕን ዘይምስምማዕን ብምዝራእ፡ ዲያብሎስ ዝብል ግሪክዊ ቃል ዝገማምዕ ማለት እዩ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እውን ንዓለም ዝማርኽ ኣቦ ሓሶት ምዃኑ ይግለጽ፡ ናይ ብርሃን መልኣኽ ተመሲሉ ዝቐርብ፡ መታተሊ ማለት እዩ፡ ኣብ ተልእዀ ኣስፍሆተ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ሓደጋታት ዘስዕብን ንዘይተኣማንነት ሓደጋ ዘቃልዕን፡ ብገዛእ ፍቃድካ ነዚ ኣታላሊ’ዚ ምሩኽ ንኽትከውን ነቲ ንእውነተይና ሕይወት ንዘይገልጹ ተግባራት ተመቻችእ፡ እዚ ኸኣ፡ ጣዕምን ሃብትን ትዕቢትን የተኣታትው ሰለይ እናበለ ኸኣ ከም ልኡኽ ክጥቀመልካ ይጅምር፡ ነዚ መንፈስ ክፍኣት’ዚ እምበኣር ብግልን ብማሕበርን ኩሉ ማሕበረ ክርስቲያን ብጸሎት መቑጸሪያ ኣቢሉ ክዋግኦን ክስዕሮን ክሳብ መወዳእታ እምንቲ ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማላድነታ ክምሕጸን ቅዱስ ኣቦና ይዕድሙ፡ ንመጥቃዕቲ መንፈስ ክፍኣት ቤተ ክርስቲያን ክትብድህን ክትግስጽን መታን ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል መልኣክ ክንጽልይ የተሓሳስቡ፡ ቅዱስ ሚካኤል መልኣኽ ኣዛዚ ሰራዊተ እግዚኣብሔር እዩ ኣዛዚ ጸባዖት ሰማይ እዩ።

እቲ ነናይ ዕለቱ ጸሎት መቑጸሪያ ከኣ ብጸሎት Sub tuum presidium - ትሕቲ ሓለዋኺ ዝብል ናይ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ጸሎት ምህለላ ንማርያምን ብር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 ብዝተደርሰ ጸሎት ናብ ቅዱስ ሚካኤል መልእኽን  ብምድጋም ክዛዘም ቅዱስ ኣቦና ከምዘተሓሳሰቡ ኣባ ፎርኖስ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ጸሎት መቝጸርያ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን
01 October 2018, 16:58