ድለ

ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ዕለት 21 ሰነ 2020 ዓ.ም.

ምስ ር.ሊ.ጳ ንጸሊ

Angelus

Angelus Dómini nuntiávit Mariæ.
Et concépit de Spíritu Sancto.
Ave Maria...

Ecce ancílla Dómini.
Fiat mihi secúndum verbum tuum.
Ave Maria...

Et Verbum caro factum est.
Et habitávit in nobis.
Ave Maria...

Ora pro nobis, sancta Dei génetrix.
Ut digni efficiámur promissiónibus Christi.

Orémus.
Grátiam tuam, quǽsumus, Dómine,
méntibus nostris infunde;
ut qui, Ángelo nuntiánte, Christi Fílii tui incarnatiónem cognóvimus, per passiónem eius et crucem, ad resurrectiónis glóriam perducámur. Per eúndem Christum Dóminum nostrum.

Amen.

Gloria Patri... (ter)
Requiem aeternam...

Benedictio Apostolica seu Papalis

Dominus vobiscum.Et cum spiritu tuo.
Sit nomen Benedicat vos omnipotens Deus,
Pa ter, et Fi lius, et Spiritus Sanctus.

Amen.

መልአከ እግዚብሔር

መልኣኽ እግዚአብሔር

ንማርያም ኣብሠራ

-              ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ጸነሰት

ስላም ንዓኺ ኦ ማርያም. . .

 

ማርያም ከኣ እነኹ ባርያ እግዚኣብሔር እየ በለት።

ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ እውን በለት።

ስላም ንዓኺ ኦ ማርያም. . .

 

ቃል ሥጋ ኾነ።

ኣብ መንጎና’ውን ሓደር።

ስላም ንዓኺ ኦ ማርያም. . .

 

ኦ! ቅድስት ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ለምንልና።

ነቲ ብናይ ክርስቶስ ትሩፋት ዘተስፈወና ንምቕባል ድልዋት ምእንቲ ኽንከውን፣

ንጸሊ (ንለምን)

ኦ ጐይታና ቃል መልኣኽካ ሰሚዕና፥ ናይ ክርስቶስ ወድኻ ሥጋዌ ዝኣመንና፥ ዘለዓለማዊ ክብሪ ምእንቲ ክንረክብ ኣብ ውሽጢ ልብና ጸጋኻ ከዓወልና፣ ብናይ ሥቓያቱን ሞቱን ትሩፋት ከኣ ናብ ናይ ትንሣኤ ክብሪ ከተብጽሓና ንልምነካ ኣሎና፣

ኣሜን

ስብሓት ንኣብ . . . (3 ግዜ)

ኦ ጐይታ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ . . .

ሓዋርያዊ ቡራኬ ወይውን ጳጳሳዊ ቡራኬ

እግዚአብሔር ምሳኻትኩም ይኹን

ምስ መንፈስካ እውን

ስም እግዚብሔር ዝተባረኸ ይኹን

ሕጅን ወትሩን

ረድኤትና ብስም እግዚአብሔር እዩ

ንሱ ሰማይን ምድርን ፈጠረ

ከኣሊ ኩሉ እግዚብሔር ይባርኽኩም ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን

ኣሜን

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >

ናይ መጨርሻ ዓናቅጽ ዜና