ድለ

ፍራንቸስኮ፡ ካብ ከቢድ ሓደጋ ንዘምልጡ ምክልኻል

ዝሓለፈ ዓመት ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተምዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት ልዕሊ 80 ሚሊዮን ዝግመቱ ውግእን ኣሳዶን ምዝባዕ ማሓድሮን መግባውነትን ምኽንያት መሬቶምን ሃገሮምን ሓዲጎም ንኽስደዱ ከምእተገዱ ክሕብር እንከሎ፡ እዚ ሓደ ሚእታዊ ካብ ጠቕላላ ብዙሕ ሕዝቢ ዓለም ዝሽፍን እውን ከምዝኾነን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሰነ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ሓሳቦም ናብቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ለብዒ ተህዋስ ኮቪድ -19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ካብ ጽንኩር ሓደጋ ገዛእ ርእሶም ንኸድሑን ንዝስደዱ ገይሮም፡ ዕለት 20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይንታትን ተመዛበልትን ምዃኑ ዘኪሮም ሓደራ ሓለዋ ኣይንንፈጐም ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዝተሓደሰን ስሉጥን ጻዕሪ ምእንቲ ውጽኢታዊ ሓለዋ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ” ምእንቲ እዚ ሓሳብ’ዚ ቅዱስነቶም ኩሉ ክጽልይ ዕለት 21 ሰነ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 20 ሰነ ተዘኺሩ ዝወዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበትልን ምዃኑ ዘኪሮም ጻውዒት ከምዘቕረቡን፥

እቲ ኮርና ተህዋስ ዝደረዀ ቅልውላው ምክልኻል ንኹሉን ነቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን እውን ዘለዎ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘመላኸተ እዩ፥ ክብርን ደሕንነትን ውሕስ ንምግባር፡ ንዝተሓደሰን ስሉጥን ጻዕሪ ምእንቲ ውጽኢታዊ ሓለዋ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ብፍላይ ነቶም ካብ ጽንኩርን ከቢድን ኩነት ገዛእ ርእሶምን ሕይወት ስደራ ቤቶም ንምድሓን ምእንቲ ዝስደዱም ምሳይ ሓቢርኩም ክትጽልእዩ እዕድም!

ከምዝበሉ ዝሓብራ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተምዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት ልዕሊ 80 ሚሊዮን ዝግመቱ ውግእን ኣሳዶን ምዝባዕ ማሓድሮን መግባውነትን ምኽንያት መሬቶምን ሃገሮምን ሓዲጎም ንኽስደዱ ከምእተገዱ ክሕብር እንከሎ፡ እዚ ሓደ ሚእታዊ ካብ ጠቕላላ ብዙሕ ሕዝቢ ዓለም ዝሽፍን እውን ከምዝኾነን፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመታትን ብዕጽፊ ክብ ከምዝበለ እውን ከምዘመላኽከተ ገሊጸን፡ ሕጂ እውን እቲ ንብዙሓት ንስደትን ዝዳርግ መኽንያት ገና መልሲ ከምዘይረኸበን ብፍላይ እቶም ስደተይናታት ዝኣትዉለን ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ሕይወቱን ሕይወት ክቡራቱን ንኸድሕን ዝስደድን ንምክልኻልን ብቑዕ እንገዳን ክረክብ ጻዕረን ከሕይላ ኣገዳሲ እዩ።

ቅዱስነቶም ዕለቱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እውን መዓልቲ ኣቦ ምዃኑ ዘኪሮም

ኣብ ኣርጀንቲናን ኣብ ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ዕለት 21 ሰነ መዓልቲ ኣቦ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣዘኻኺሮም፥

ጸሎትይን ቅርበተይን ንዅሎም ኣቦታት ከረጋግጽ እፈትው፡ ብፍላይ ኵላትና ኣቦ ምዃን ቀሊል ሓላፍነት ከምዘይኮነ ንፈልጦ ኢና፡ ምእንቲ እዚ ሳሌኦም ንጸልይ፥ ብፍላይ ነቶም ዝሓለፉ ኣቦታትና ካብ ቤተ ሰማይ ኮይኖምን ዝከላኸሉልና ብፍሉይ ንዘክር!

ቅዱስ ልዊጂ ጐንዛጋ፥ ምእንቲ ክንክን ብጻይ ዝሓለፈ

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንኽሓብሩ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ዞባታትን ኢጣሊያ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነገዱ ዜጋታት ኢጣሊያ ብፍላይ ክኣ ንመንእሰያትን ንኹሎምን ንሓለዋ ኣማላድነት ቅዱስ ልዊጂ ጐንዛጋ እንከወክፉ፥

ዕለት 21 ሰነ ብግጻዌ ስርዓተ ሊጡርጊያ (ላቲናዊ) ዓመተዊ ዝክረ በዓል ቅዱስ ልዊጂ ጐንዛጋ እዩ፡ ንእግዚኣብሔርን ብጻይን ፍቕሪ ምሉእን ኣብ ሮማ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ኣብቲ እዋን ተኸሲቱ ብዝነበረ ለብዒ ንዝተልኽፉ ንኽከናኸን ሰማዕት ዝኾነ ንምልዶኡ መላእ መንእሰያት ዓለም አወክፍ!

ከምዝበሉ ገሊጸን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ዕለት 21 ሰነ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ቅዱስ ልዊጂ ጐንዛጋ ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፥ “ፍቱዋት መንእሰያት በማላድነት በቲ ሓላዊኹም ቅዱስ ልዊጂ ጐንዛጋ ካልኦት ንምግልጋል ክሳብ ሕይወትካ ንምሃብ ነቶም ብለብዒ ንዝሓመሙ ንምግልጋል ድሕር ንዘይምባል ጸጋ ሓድሽ ልቢ ንጸልይ” ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ሳባቲነሊ የዘኻኽራ።

ፍራንቸስችኮ፡ ካብ ከቢድ ሓደጋ ንዘምልጡ ምክልኻል
22 June 2020, 16:03