ድለ

ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር  

ብድዔን ዓመጽን ንምስክርነት ክርስትና ኣየቅህሞን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 21 ሰነ 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ስደት ክርስትና ጐይታ ኣብ ማቴ.10.26 ዝተናገሮ መሠረት ብምግባር 'ስለ እምነቶም ዝስደዱ ክርስትያን ሎሚ እውን ብዝለዓለ ቊጽሪ ሰማዕትነት ከምዘሎ የመልክቱ። እንተኾነ ከምቲ ጐይታ ነርድእቱ ዝበሎም ኣብ ቅድሚ ስደትን ጽልእን ኣይንፍራህ' እንክብሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋሞም ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ንዕለቱ ኣብ ዝቀረበልና ወንጌል ማቴ 10.26-33 ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ምንም ዓይነት ፍርሃት ከይህልዎም እኳ ደኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ከጋጥሞም ዘለዎ ግድል ሕይወት ክብርትዑን እምነት ክህልዎምን ብምምዓድ ነቲ ከጓንፎም ዘለዎም ስደትን መከራን ይነግሮም። እዚ ክፍሊ ወንጌል ኣብ ተልእኮኦም ከጓንፎም ንዝኽእል ጸገማት እናገለጸ ነቲ ሠናይ ብሥራት መንግሥቲ እግዚአብሔር ክሰብኩ ኣብ ዝወፍሩሉ ዘጋጥሞም ነገራት ይዝርዝር። ኢየሱስ ከኣ ብርትዕ ብዝበለ ሃይለ ቃል 'ኣይትፍርሁ' ይብሎም። ኣብ ሕይወት ክርስትናና እታ ዝሓሰመት ጸላኢት ፍርሂ እያ ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ደጋጊሙ 'ኣይትፍርሁ' ኣይትፍርሁ እናበለ ዝምሕጸን።

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ተጻብኦ ብሠለስተ ነጥብታት ይገልጾ። ቀዳማይ ንቃል እግዚአብሔር ንክዓብሱ ዝገብርዎ ጽልኢ እዚ ከኣ ዘይትርጉሙ ንምሃብ ብካልእ ሓሳባት እናጀልሑ ወይውን ሱቊ ንክብሉ ብምቅሳብ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ፈተና ጐይታ ንሓዋርያቱ ኣጆኹም ነቲ ዝሃብኩኹም መልእኽቲ ድሕነት ናብ ኩሉ ኣብጽሕዎ እንክብል የተባብዖም። ብመጀመርያ ንሱ ዳርጋ ብስቱር ክንብል እንኽእል ንቁሩባት ጉጅለ ሓዋርያት የመሓላልፎ። እንተኾነ ንሓዋርያት ነቲ ኣብ ሕቡእ ዝነገርኩኹም ኣብ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኰንኩም ኣውጅዎ እናበለ ንቃለ ወንጌሉ ኣብ ቃልዕ ንኩሉ ከበስሩ ይእዝዞም።

እታ ካልአይቲ ጸገም ማለት ሰበኽቲ ወንጌል ክርስቶስ ዘጋጥሞም ካልኣይ ግድል ግሁድ ምፍርራህን ዓመጽን ኰይኑ ቀጥተኛ ስደት ተጻይ ሰብኽቲ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ስደት እዩ። እዚ ትንቢት ጐይታ ወትሩ ምስ ተፈጸመ እዩ። ሽሕ'ኳ ሕሱም ስቃይ እንተኾነ ምትእምማን መስከርቲ እትገልጽ እያ። ክንደይ ክርስትያን ዘይተሰዱ! ሎሚ እውን እንተኾነ እቲ ስደት ገዲዱ ደኣ እምበር ኣይቆመን። እቶም ስለ ወንጌል ብፍቅሪ ዝሳቀዩ ናይ ሎሚ ሰማዕታት ንዘክሮም። ርግጸኛ ብዝኾነ መንገዲ ናይ ሎሚ ሰማዕታት ካብቶም ቀዳሞት ሰማዕታት ከምዝበጽሑ ክንዛረብ ንኽእል። እዚ ከኣ ክርስትያን ብምዃኖም ጥራይ ዝስዕቦም ስደትን ሰማዕትነትን እዩ። ነዞም ናይ ትማልን ሎምን ሓዋርያት ሰማዕታት ኢየሱስ ከምዚ ክብል የጸናንዖም። 'ነቶም ንሥጋኹም ጥራይ ክቀትሉ ዝኽእሉ ኣይትፍርህዎም ክትፈርኍኦ ዘሎኩምሲ ነቲ ንነፍሲ ክቀትል ዝኽእል ማለት ናብ ገሃነመ እሳት ክሰድድ ዝኽእል እዩ` ይብሎም። ብብደዔን ብዓመጽን ንሓይሊ ብርሃን ስብከተ ወንጌል ከጸልምቱ ንዝጽዕሩ ክንፈርሆም የብልና። ከርዕዱና እውን የብሎምን። እዚኦም ተጻይ ነፍስና ሓንቲ እኳ ክገብሩ ኣይክእሉን። ካብ ሓዋርያትን ተኸተልትን ክርስቶስ ነዚ ጸጋ እዚ ማንም ክወስዶ ኣይክእልን ከመይ ካብ እግዚአብሔር ዝዕደል ጸጋ እዩ። እታ እንኮ ሓዋርያት ክርስቶ ክፈርህዋ ዘለዎም ነዛ ጸጋ እዚኣ ባዕሎም ከየጥፍእዋ እዩ። ከመይ እዛ ጸጋ እዚኣ ቅርበትን ዕርክነትን እግዚኣአብሔር ብምድንፋዕ ስለዝኾነ ነዚ ክተጥፍእ እንከሎኻ ከምቲ ወንጌል ዝእዝዞ ንምባር እምቢ ቢልካ ብሞራል ሙማት ናይ ነፍሲ ሙማት የስዕብ እዚ ከኣ ሳዕቤን ሓጢኣት እዩ።

እታ ሳልሰይትን ዝኸበደትን ንሓዋርያት እተጓንፍ ፈተና ገሊኦም እግዚአብሔር ዝሓደጎም ኰይኑ ዝስምዖም ፍጹም ጸጥታ ካብ ወገን እግዚአብሔር ከጋጥሞም ከምዝኽእል እዩ። እቲ ስለኡ ኩሉ እትገብር ጐይታ ዝሓደገካ ዝረሓቀካ ኰይኑ እንክስመዓካ። ኣብዚ እውን እንተኾነ ጐይታ ኣይትፍርሁ ኩሉ ኣብ ኢድ እግዚኣአብሔር እዩ ከመይ የፍቅረና ከምኡ እውን ይሕልወና እዩ ይብሎም። እንተኾነ እዛ ጉዳይ እዚኣ ንኣኡ እውን ኣጋጢማቶ እያ እኳ ደኣ ክልተ ግዜ ኣብ ጌተሰማኒ እንክጽልን ብዘለዓለ ደረጃ ከኣ ኣብ ዕጸ መስቀል ተሰቂሉ ኩሎም ክሓድግዎ 'ኤሎሂ ኤሎሂ ለማ ሰበቅታኒ ኣቦየ እሂ ደኣ በይነይ ሓዲግካኒ` እንክብል ክሳብ ክንደይ ከምእተሳቀየ ምዝካር የድሊ። ሓንሳብ ሓንሳብ መንፈሳዊ ድርቀት ክስምዓና ይኽእል እንተኾነ ኣይትፍርሁ ይብለና። ኣቦና ወትሩ ይሓልየልና እዩ ከመይ ኣብ ቅድሚኡ ዋጋና ክቡር እዩ። እቲ ዘድሊ ጉዳይከስ ትኽ ብትኽ ብትብዓት ምምስጋካ ምስክርነት እምነት እዩ። ንጐይታ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዘይምኽሓዱ ምምስካሩን ሠናይ ነገር እናገበርካ ንቅድሚት ምግስጋስን እዩ።

ኣብነት ምትእምማን ዝኾነት ኣብ ግዜ ሓደጋን ተጻብኦን ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚኣአብሔር ናይ ምግዳፍ መምርን ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ንውድቀት ኢድና ካብ ምሃብ ትሰውረና ነቲ ክንዮ ዝኾነ ክፍኣት ሓያል ዝኾነ ጸጋ እግዚእብሔርን ኣብ እግዚአብሔር ንክንተኣማመን ትደገፍና ምስ በሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደጊምም።

ብድምጺ ንምክትታል!
22 June 2020, 12:14