ድለ

ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጸረ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ዝሃቀነ ህዝባዊ ኣድማ ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጸረ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ዝሃቀነ ህዝባዊ ኣድማ ኣብ ኒካራጉዋ  

ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጸረ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ዝሃቀነ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኒካራጉዋ

ኣብ ኒካራጉዋ ንሰለስተ መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ ዝቕጽል ጸረ ዳኒኤል ኦርተጋ ዝሃቀነ ህዝባዊ ኣድማ ምኽንያት ንህዝቢ ኒካራጉዋ ካብ ማእከላይን ደቡንን ላቲን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ካብ ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ነናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅርበትን ድጋፍን ተመሓላሊፉ፡

ኣብ ኒካራጉዋ ንሰለስተ መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ ዝቕጽል ጸረ ዳኒኤል ኦርተጋ ዝሃቀነ ህዝባዊ ኣድማ ምኽንያት ንህዝቢ ኒካራጉዋ ካብ ማእከላይን ደቡንን ላቲን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ካብ ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ነናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅርበትን ድጋፍን ተመሓላሊፉ፡

 

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ዳኒኤል ኦርተጋ ዝቃወምን ስልጣኖም እውን ክለቁ ዝጽውዕ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ህዝባዊ ኣድማ ኣብታ ሃገር ከማተበገሰን፡ ዕለት 12 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ ማናጉዋ ዓበይቲ ጐዳናታት ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ከምእተራእዩን፡ ናይ መንግስቲ ዳኒኤል ኦርተጋ ደጋፊ ሓይሊ ጸጥታ ሰላማዊ ሰልፊ ከይካየድ መጠንቀቕታዊ ጽዋዒት ኣቕሪቡ እውን እንተነበረእ እቲ ህዝባዊ ኣድማ ንምብታን መጥቃዕትን ማእሰርትን እውን ከምዘውረደን እውን እንተሎ ሕዝቢ ተመሃሮን ሰራሕተይናታትን ምሁራትን ብስእነትን ስራሕ ዝተጠቕዑን ነጋዶትን ሓረስቶትን ናይ ሰራሕተይና ማሕበራትን እቲ ሓዝባዊ  ኣድማ ኣብ ምክያድ ይርከብ፡ ከምቲ ዕለት 14 ሰነ 2018 ዓ.ም. ተኻይዱ ዝነበረ መላእ ኒካራጉዋ ደው ዘበለ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ  ዕለት 13 ሓምለ 2018 ዓ.ም. እውን ከምእተኻየደ ይንገር።

እዚ ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ሕዝባዊ ኣድማ ክሳብ ዕለት 14 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዝቕጽ ክኸውን እንከሎ፡ ምዕረ ማዕረ ድማ መንግስቲ ዝኽሪ እቲ ኣብ 1979 ዓ.ም. ዝተበገሰ ናይ ማርክሳዊ ሳንዲኒስታ ሶውራ ብሓይሊ ምክልኻልን ሓይሊ ጸጥታን ሓውሲ ወተሃደራውን ደገፍቱን ዘሳተፈ ንመንግስቲ ዝድግፍ ሰላምዊ ሰላፊ እውን ከምዝጸውዔ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ መላእ ሃገራት ኣመሪካ መንግስታት ሕብረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ልዊስ ኣልማግሮ መንግስቲ ኒካራጉዋ ተኹሲ ደው ከብል ሕዝባዊ ምርጫ ዝካየደሉ መዓልቲ ክውስን ጻውዒት የቕርቡ፡ እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተባሪዑ ዘሎ ቅልውላው ማሕበራዊ ፖለቲካ ዕለት 18 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ዝተበገሰ ኰይኑ ክሳብ ሕጂ 351 ዜጋታት እውን ክምእተቐትሉን ድሕሪ ሰማንያታት ኦርተጋ ርእሰ ብሔር ካብ ዝኾኑን ደሓር እውን ኣብ ዝተረጋገጸ ሰላም ኣብታ ሃገር ዘይተኸስተ መጠነ ሰፊሕ ዓድማ ምዃኑ ይንገር።

መንቀሊ ሕዝባዊ ኣድማ ጸረ ኦርተጋ

ቀንዲ መንቀሊኡ ናይቲ ዝተለዓዓለ ህዝባዊ ኣድማ መንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ዝሓንጸጾ ማሕበራዊ ሕዳሴን ኣብ ትግባሬኡ ስለ ዝቦኸረ ክኸውን እንከሎ፡ ኦርቴጋ ድሕሪ 11 ዓመት ካብ ስልጣኖም ክለቑ ዝሓትት ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ዓመጽን ምግባረ ብልሽውና እውን  ስልጣኖም ክለቑ ምኽንያት ዝጸውዕ ኣድማ ኰይኑ ከምዘሎ እንክሕበር፡ ናይ ኒካራጉዋ ናይ ሰብኣው መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ሳንዲኒስታውያን መሰል ሓይሊ ጸጥታ ኣድማ ንምብታን ዝጥቀመሉ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኣጽዋር ናይታ ሃገር ሓይሊ ጸጥታ ክምርምርን ተሓተትቲ ናብ ፍርዲ ከቕርብ ጻውዒት የመሓላልፍ።

ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ዛዕባ ኒካራጉዋ

ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ሁከትን ዓመጽን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረስ ገሊጾም፡ ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ብዘተ ንኽፍታሕ ናይ ዕርቂ ሽምግልና ሓላነፍነት ክወሃቦ ዘቐርቦ ዘሎ ሕቶ መንግስቲ ክቕበሎ ይላበዉ።

ቅርበት ሕብረት ኤውሮጳ ንናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳትን ሕዝብን

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ ወጻኢ ርክባት ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪማንታስ ኖርቪላ፥ ናይ ኑካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ኣብ ሃገሩ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ሰላማዊ መፍትሒ ንኽረክብ ዘብቅዕ ናይ ዕርቂ ሽምግልና ሓላፍነት ክወሃቦ ዘቕረቦ ሕቶ መንግስቲ ኒካራጉዋ ክቐብሎ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ኒካራጉዋ ዘለዎም ሻቕሎት ናታ ገይራ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኤውሮጳ ቅርበትን ድጋፍን ንኒካራጉዋ ኣረጋጊጾም።

ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጸረ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ዝሃቀነ ህዝባዊ ኣድማ ኣብ ኒካራጉዋ
13 July 2018, 17:33