ድለ

ኒካራጉዋ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ብፁዓን ጳጳሳት 

ኒካራጉዋ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ብፁዓን ጳጳሳት

ኣብ ኒካራጕዋ ነቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ዝቃወሙ ኣብ ዲሪያምባ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰባስቲያኖ ዑቕባ ንዝሃቡ ካህናት ምትሕብባር ዝገለጹ ሰለስተ ኣብ ኒካራጕዋ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ብደገፍቲ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶምን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበገሰ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞ ንምዕጋት ሓይሊ ጸጥታ ብዝወሰዶ ስጉምቲ 14 ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጓነፎም ይንገር።

ኣብ ኒካራጕዋ ነቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ዝቃወሙ ኣብ ዲሪያምባ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰባስቲያኖ ዑቕባ ንዝሃቡ ካህናት ምትሕብባር ዝገለጹ ሰለስተ ኣብ ኒካራጕዋ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ብደገፍቲ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶምን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበገሰ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞ ንምዕጋት ሓይሊ ጸጥታ ብዝወሰዶ ስጉምቲ 14 ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጓነፎም ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ደገፍቲ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ኣባላት እቶም ተቓወምቲ ናብ ዝተዓቝብሉ ኣብ ዲሪያምባ ናብ ዝርከብ  ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰባስቲያኖ ብሓይሊ ንምእታው ፈቲኖም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ኣፈት እታ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ዑቕባ ዝሃቡ ካህናት ድጋፍን ምትሕብባርን ንምምስካር ንዝተረኽቡ ናይ ምማናጉዋ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ሌፖልዶ ብረነዝን ምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ኾሴ ሲልቪዮ ባኤዝን ኣብ ኒካራጕዋ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማር ስታኒዝላው ሶመርታግ ሓደጋ ከምዘውረዱ ክፍለጥ እንከሎ፡

ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ

እቲ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ብፁዓን ጳጳሳት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብብፁዕ ካርዲናል ብረነስ ዝምራሕ ናይታ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኰኒኑ፡ ብፁዕ ካርዲናል ብረነስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን ናይ ክርስቶስ ስቓይ ተኻፋሊ ምዃን ሓሴት እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ድኻም ሰብኣዊ ብርታዔ ክርስቶስ ምንባሩ ተረጋግጽ ኢሎም።

ናይ ኮስታ ሪካ ካቶልካዊት ቤተ ክርስቲያን ድጋፍ

ኣብ ኮስታ ሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነታ ኣብ ኒካራጕዋ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድጋፍን ቅርበትን ዝገልጽ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈት ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ሳን ኾሴ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኾሴ ራፋኤል ኵይሮስ ኵይሮስ መንግስቲ ኒካራጕዋ ኣብ ልዕሊ ሕዝቡ ዘራዮ ዘሎ ጸቕጢ ብስም ናይ ኮስታ ሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንዅንን ኢሎም።

ማሕሰይትን ሞትን

እቲ ኣብ ኒካራጕዋ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበገሰ ሕዝባዊ ናዕቢ ንምብታን ናይታ ሃገር ሓይሊ ጸጥታ ብዝወሰዶ ስጉምቲ 14 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጓነፎምን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንነጀው 300 ሰባት ከምእተቐትሉ እንክንገር፡ ርእሰ ብሔር ዳኒየል ኦርተጋ እቲ ህዝባዊ ምርጫ ንኽካየድ ዝጽውዕ ሕዝባዊ ሕቶ ውድቂ ቢሎም፡ ብምንም ዓይነት ምኽንያት ሕዝባዊ ምርጫ ዝብል ሓሳብ ዘይቅብለዎ ምዃኖም ገሊጾም፡ እቲ ዝተበገሰ ህዝባዊ ናዕቢ ንምርግጋእ ሕዝባዊ ምርጫ ምክያድ ዝብል ዘሎ ሓሳብ ዘይቅብሉ እዩ ይብሉ።

ጠንቂ ህዝባዊ ናዕቢ

እቲ ኣብታ ሃገር ተባሪዑ ዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ መንቀሊ ማርክሳዊ ኣስተንፍሶ ዘለዎ ብርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ዝምራሕ ሳንዲኒስታዊ መንግስቲ ናይ ጡረታ ፖለቲካ ንምምሕያሽ ብዝብል ውሳኔ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ካብ ዶሞዝ ዝቑረጽ ናይ ጡረታ ግቡእ ውጽኢት ዜጋ ክብ ዘብልን ክፍሊት ናይ ጡረታ ኣበል ግና ካብቲ ዘለዎ ዘየመሓይሽ ምዃኑ ዝንገረሉ ናይ መንግስቲ ውጥን ክኽውን እንከሎ፡ ዋላ’ኳ ደሓር መንግስቲ እቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ከምዘልዓሎ እንተፍለጠ፡ ህዝቢ እቲ ናይታ ሃገር ቅዋም ናይ መንግስቲ ስልጣን ዝህቦ ናይ ተልእኾ ገደብ ብምቕያር ኢግዱብ ብዝህል ቃል ተኪኡ ካብ 2006 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኦርተጋ ከብቅዕ ዝጠልብ ዕላማ መሰረት ዝቕጽል ከምዘሎ ይንገር።

ኒካራጉዋ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ብፁዓን ጳጳሳት
11 July 2018, 16:00