ድለ

ፈጺሙ ማዕጾ ዘይዓጽው ልቢ ጓሳ ፈጺሙ ማዕጾ ዘይዓጽው ልቢ ጓሳ  ርእሰ ዓንቀጽ

ፈጺሙ ማዕጾ ዘይዓጽው ልቢ ጓሳ

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ብዛዕባ ኣብ ዘይንብሩ ኩነታት ንዝርከቡ መጻምድቲ ተራ ቡራኬ ክረኽቡ ዝብል ተኽእሎ ዝኸፍት “Fiducia supplicans - ስኢል ተኣምኖ” ዘርእስቱ ሰነድ ዓንቀጸ እምነት ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ኢየሱስን ስልጣናዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን የስተንትን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እንተዘይሰሒብዎ ናባይ ዝመጽእ ሓደ’ኳ የለን” ብኣቦ ዝተሳሕበ እንተዘይኮይኑ ናብ ኢየሱስ ዝመጽእ ሰብ ከም ዘየለ ዝነግር ባዕሉ ኢየሱስ ናዝራዊ ዝበሎ ቃል ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ቃል ዝያዳ መታን ትርጉም ክህልዎ  ቅዱስ ኣጎስጢኖስ፥ “Nemo venit nisi tractus - ኣልቦ ዘይመጽእ እመ ኢይስሓብ (ዝስተሳሕበ እንተዘይኮይኑ ዝመጽ ሓደ’ኳ የሎን)” ብዝብል መለሳ ሓረጋዊ ኣገላልጻ የቕርቦ።


ኣብ መበገሲ ናይቲ ናብ ኢየሱስ ዘብለና ስሕበት መሰረት በነዲክቶስ መበል 16፥ ስሕበት ናብ እምነት፡ እምነት ከመይ ንምስፋሕ መሰረት ምዃኑን - እምነት ኩሉ ናይ ጸጋ ተግባር ምዃኑን ብምስትውዓል የትንትንዎ። ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይቕድመና፣ ይጽውዓና፣ ይስሕበና፣ ሓደ ስጉምቲ ናብኡ የሰጋግረና፣ ወይ እንተወሓደ ነቲ ስጉምቲ ክንወስድ ዝድርኽ ድሌት ኣባና የጓሃህር፣ ዋላ እኳ ሕጂ እውን ሓይሊ ዝጎደለናን ዝለመስና ኮይኑ እውን እንተተሰመዓና።

ልቢ ጓሳ፡ ኩነታቶም፡ ታሪኾም፡ መገዲ ህይወቶም ብዘየገድስ፡ ብትሕትና ክባረኹ እናሓተቱ፡ ነቶም ዝቐርብዎ ሰባት ዘይግደስ ኮይኑ ክጸንሕ ኣይክእልን እዩ ሸለል ክብል ኣይክእልን እዩ። ልቢ ጓሳ ነቲ ካብ ላዕሊ ምሕረትን ሓገዝን ከም ዘድልዮ ፈሊጡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘይምሉነት ዝስምዖም= ወይ ጎዶሎ ምዃኑ ዝስቆረ ሰብ ኣብ ውሽጡ ንዘላ ማሕታ ብርሃን ኣየጥፍኦን እዩ።

ልቢ እቲ ጓሳ ነቲ ኣብቲ መንደቕ ዘሎ ነቓዕ ኪባርኾ ዘቐርበሉ ሕቶ የስተውዕሎ እዩ ፣ እዚ ሕቶ ኸኣ ጸጋ ድሮ ክዓዪ ከም ዝኽል ዘረጋግጽ እዩ። ስለዚ እቶም ኣብ ቅድሚኡ ዘለዉ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ንህይወቶም ዘውጽኦ መደብ ምእንቲ ክርድእዎ ነቲ ንእሽቶ ነቓዕ ምዕጻው ኣይኰነን ዘተሓሳስቦ። እቶም ኣብ ቅድሚኡ ዘለዉ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ንህይወቶም ዝሓንጸጾ መደብ ክርድኡ ክጅምሩ መታን፡ በረኸትን ምሕረትን ተቕባልን ምልማን እዩ።

ኣብዚ መሰረታዊ ኣስተውዕሎ እዚ ኣብ "Fiducia supplicans - ስኢል ተኣምኖ" ዝብል ኣዋጅ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ ብዛዕባ ትርጉም በረኸት ይንጸባረቕ፣ እዚ ድማ ኣብ ዘይንቡር ኩነታት ንዝርከቡ መጻምድቲ ናይ ምምራኽ (ምምራኽ ወይ ምስሓብ) ተኽእሎ ዝኸፍት እዩ፣ እዚ ድማ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ዝሕውስ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ቡራኬ ማለት ምርጫ ህይወቶም ምጽዳቕ ማለት ከምዘይኮነ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ድንጋገ የነጽርን ካብ ዝኾነ ስርዓት ወይ ካልእ ንሓዳር ብርሑቕ ክመስል ዝኽእል ባእታታት ምውጋድ ከምዘድሊ የጉልሕ።

እዚ ሰነድ እዚ ነቲ ብዛዕባ በረኸት ዝገልጽ ሰረተ - እምነት የዕምቖ፡ ኣብ መንጎ ስርዓታውን ሊጡርጊያውን ዝገበር ቡራኬን  ምስ ህዛባዊ መንፈሳዊ እተተሓሓዘ ብወዝብን ተወፋይነትን ዝግበር ቡራኬን ፍልልይ ምህላዉ የመላኽት። እዚ ጽሑፍ እዚ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንስኮ ኣብቲ “Evangelii Gaudim - ወንጌላዊ ሓሴት" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን (ፍቕዲ 17) ዝጸሓፍዎ «ቤተ ክርስቲያን ቤት ጉምሩክ ኣይኮነትን፡ ንኹሉ ሰብ ምስቲ ኣድካሚ ሕይወቱ ቦታ ዘለዎ ቤት ኣቦ እያ» ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቶምን ጉስነታዊ ራእዮምን ዘጉልሕ እዩ።

መበገሲ እቲ ኣዋጅ ወንጌላዊ እዩ። ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ወንጌል ኢየሱስ ሃይማኖታዊ ልምድታትን ትእዛዛትን፡ ውዕላትን ይጥሕስ። ከምኡ'ውን ነቶም ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎም፡ ንነብሶም "ንጹሓት" ዝብሉ፡ ነቶም ስርዓታትን ሕግታትን ከም ዋልታ ተጠቒሞም፥ ኮታ ነቲ ማዕጾታት ዝዓጽው፡ ዝነጽግ፡ ዘሕርቕ ምልክታት ይቃወሞ። ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ወንጌል መምሃራን ሕጊ ነቲ መምህር ብወገናዊ ሕቶታት ከሕፍርዎ ክጽዕሩን ድሕሪኡ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ምሕረት ዝመልአ ናጽነቱ ርእዮም: "እዚ ሰብኣይ ንሓጥኣን ተቐቢሉ ምስኦም ይበልዕ!" እናበሉ ብቑጥዐ የጉረምርሙን ይኸስዎን። ኢየሱስ ናብ ቤት ኣረማዊ ብምእታው ከረስክስ እየ ብዝብል ኣመለኻኽታ ከይተሰከፈ ናብቲ ኣብ ቅፍርናሆም ናብ ዝርከብ ዝፈትዎ ኣገልጋሊኡ ዝሓመሞ ቤት ሓለቓ ሚእቲ ብታህዋኽ ይኸይድ፡ ነታ ሓጢኣተይና ሰበይቲ ኣብ ማእከል ፍርድን ንዕቀትን ኣጠማምታ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩ ፊት እግሩ ክትሕጸብ ፈቐደላ፣ ስለምንታይ ክትከይድ ዘይምግባሩ ክርድኣ ኣይከኣለን። ካብ ጨናፍር ኦም ሳግላ ምሕረት ቅድሚ ምሕታቱን ክልወጥን ህይወቱ ኪቕይርን ከይሓተተ ንዘኬዎስ መጸብሓዊ ጸውዖ። ነታ ብመሰረት ሕጊ ኦሪት ብዳርባ እምኒ ክትቕተል ዝግበኣ ዘማዊት ሰበይቲ ከይኮነነ፡ ነቶም ክቐትልዋ ኣብ ኣእዳዎም ኣእማን ሒዞም ዝነበሩ ንሳቶም ከይተረፉ ከም ኩሉ ሓጢኣተይናታት ምዃኖም የዘኻኽሮም እቱ ኣብ ኢዶም ዝነበረ መጋበርያ ሞት ከራግፉ ይገብሮም። ንሱ ንሕሙማት እምበር ንጥዑያት ከም ዘይመጸ ይዛረብ፣ ንርእሱ ምስቲ ነታ ዝጠፍኣት ሓንቲ በግዕ ንምድላይ ተስዓን ትሽዓተን ኣባጊዕ ብዘይ ሓለዋ ክገድፍ ፍቓደይና ዝኾነ ጓሳ የነጻጽር። ነቲ ለምጻም ተንኪፍዎ፡ ካብቲ ሕማምን "ዘይትንከፍ" ዝተነጸለ ሰብ እዩ ካብ ዝብል ኣብ ልዕሊኡ ካብ ዝነበረ ቅድመ ፍርድታትን ጸለመን ይፍውሶ። እቶም "ዝተነጸጉ" ምስ ኣጠማምታኡ ተራኺቦም ፍቑራቱ ኮይኖም ይስምዖም፣ ተቐበልቲ ሕቑፉ፡ ሕቑፉ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ዝተዋህቦም። ከም ኩሉ ሰብ ድኻታት ሓጥኣን፡ ምልዋጥ ዘድልዮም፡ ለመንቲ ምዃኖም ብምስትውዓል ከም እተፈቕሩን ከም እተመሓሩን ይስቆሮም።

ፍራንቸስኮ ነቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ዓ.ም. “ንኢየሱስ ልዕሊ ኩሉ ዘገድሶ ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ምድሓን ኢድካ ምዝርጋሕ፣ ቁስሊ ሕሙማት ምትንካፍን ምፍዋስ፣ ንኹሉ ሰብ ናብ ስድራ እግዚኣብሔር ምምላስን እዩ! እዚ ድማ ንገለ ሰባት ዘሕፍሮም እዩ! ኢየሱስ ነዚ ዓይነት ከም ነውሪ ገይሩ ዝሓስብ ልምዲ ኣይፈረሐን! ነቶም ቅድሚ ዝኾነ ዓይነት ክፉትነት፡ ካብ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ሳጹኖም ወጻኢ ብዝኾነ ይኹን ተግባር፡ ኣብቲ ናቶም ልሙድ ኣተሓሳስባን ስርዓታዊ ንጽህናኦምን ተመጻዳቕነቶምን ንዝኾነ ኣብ ናቶም ዘይኣቱ ምሕቋፍ ወይ ምልክት ለውሃት  ዕጹዋት ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ኣይሓስብን እዩ” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።

ስለዚ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት “ነቲ ዝጸንሐ ዛዕባ መርዓ ዝምልከት ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝቕይር ኣይኮነን: ሓዳር ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ እዩ፡ ኣብዚ ድማ “ባህርያዊ ስጋዊ ርክብ: ግቡእን ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ትርጕሙ ይረክብ።”

ስለዚ፡ “እቲ ምስ ሓዳር ዝጋጮ” ከም ሓዳር ካብ ምፍላጥ ምቑጣብ የድሊ። ብዓይኒ ጉስነትን ተልእኮ ወንጌልን ወንጌላውነትን ግን፡ ምናልባት ኣብ እዋን ምብጻሕ መካነ ንግደታትን መንፈሳዊ ንግደታትን ተራ ቡራኬ ንዝደልዩ “ኣብ ዘይንብሩ ኩነታት ዝርከቡ መጻምድቲ” እቲ ማዕጾ ኣይዕጾን እዩ።

ኣይሁዳዊ ምሁር ክላውድ ሞንተፊዮረ ንፍሉይነት ክርስትና፡ “ካልኦት ሃይማኖታት ብዛዕባ ንኣምላኽ ዝደሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ይዛረባ ነቲ ሰብ ዝደልዮ ኣምላኽ ከበስራ፡ ክርስትና ብዛዕባ ንሰብ ዝደሊ ኣምላኽ ይዛረብ ነዚ ኣምላኽ እዚ የበስር . . . ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ተነሳሒ ዝጽበ ኣምላኾ ኣኮይነን ዝምህረና እኳ ደኣ እቲ ንሓጥእ ክደልን ናብ ገዛእ ርእሱ ክጽውዖን ዝኸይድ ኣምላኽ እዩ ዝምህረና። ”ክፉት ማዕጾ ጸሎትን ንእሽቶ ቡራኬን መጀመርታ ዕድል ሓገዝ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኔይሊ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዘጸቕዎ ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት “ስኢል ተኣምኖ ብዝብል ኣርእስቲ ወግዓዊ ዝገበሮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣማእኪሎም ዘቕርብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

19 December 2023, 15:35