ድለ

2021.02.01 Progetto dicasteri: Dottrina della fede 2021.02.01 Progetto dicasteri: Dottrina della fede 

ኣዋጅ ዓንቀጸ እምነት፦ ተኽእሎ ብርኬ አብ ዘይንቡር ኩነት ንዝርከቡ መጻምድቲ!

ብመሰረት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘጽደቕዎ፣ ብናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ "ስኢል ተኣምኖ" ዘርእስቱ ኣዋጅ፣ አብ ዘይንቡር ኵነታት፡ ንመጻምድቲ ሓደኣዊ ጾታ ዝኾኑ ሰባት፡ ቡራኬ ክወሃቦም ተኽእሎ ከም ዘሎ የመልክት፤ እንተዀነ ግን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሥርዓተ ኣምልኾኣዊ ኣገባብ ወይ ውን ንሥርዓተ ምሥጢረ ተኽሊል ብዘይ መስል አገባብ ክኸውን አለዎ ። እቲ ብዛዕባ ምሥጢረ ተክሊል ወይ ቃል-ኪዳን ዝምልከት ትምህርቲ ዓንቀጽ እምነት ክቕየር አይከአልን ኢዩ፤ እዚ ቡራኬ ድማ ነቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ዘይንቡር መውስቦ ውን ዘጽድቕ አይኮነን ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ክልተ ሰባት መጻምድቲ ሓደኣዊ ጾታ መጺኦም፣ ወላ እኳ ከም መጻምድቲ፡ እቲ ዘለውዎ ኩነት “ዘይንቡር” እንተኾነ፡ ቡራኬ ክወሃቦም እንተ ሓተቱ፣ እቲ ክህነታዊ መዝነት ዘለዎ ኣገልጋሊ ፍቓደኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ። ይኹን እምበር እዚ ተግባር እዚ ምስ ሥርዓተ ምሥጢረ ተኽሊል ዝኾነ ይኹን ዘመሳስል አገባብ ከወግድ ኣለዎ።

እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተሓትመ፣  ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን ዝጸደቐ ኣዋጅ  "ስኢል ተአምኖ " ብዛዕባ ጕስነታዊ ትርጕም ቡራኬ ብገፊሑ ዝገልጽ ኢዩ ።

እዚ ሰነድ እዚ ነቲ ቁዉም ሓሳብ “ቡራኬ” እንክገልጽ፤ ነቲ አብ መንጎ ሥርዓታዊ ወይ ሊጡርጊያዊ ቡራኬን፣ ከምኡውን ምስቲ ኣንደበታዊ ተራ - ቡራኬ እንብሎ ማለት ምስቲ ምልክታት ሕዝባዊ መንፈሳውነታት ዝተተሓሓዘ ዝግበር ቡራኬ ዘለዎ ምፍልላላይ ብዝበለጸ ዝገልጽ ኢዩ ። ነቲ ኣብዚ ኻልኣይ ምድብ ዘሎ ኸኣ ኢዩ፣ ነቶም ምስ ስርዓታትን ትምህርትታትን ክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ዘይከይድ ዘይንቡር ኩነት ህይወት ዘለዎም፣ ግን ከኣ ብትሕትና ክባረኹ ንዝሓቱ እውን ከይተረፈ፣ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎም ይከአል ኢዩ ዝብሎ ዘሎ ። እቲ ናይ ቅድም "ቅዱስ ቤትጽሕፈት" አቐዲሙ አብ ዘውጽኦም ኣዋጃት (እቲ ናይ መወዳእታ ድማ አብ ነሓሰ 2000 ዝወጸ "እግዚእ ኢየሱስ" ዘርእስቱ አዋጅ) ካብ ዝሕተም 23 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።    

እዚ ናይ ሕጂ ኣዋጅ "ስኢል ተአምኖ " በቶም ህየንተ ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝኾኑ ብፁዕ  ካርዲናል ቪክቶር ፈርናንደዝ ብዝጸሓፍዎ መእተዊ ኢዩ ዝጅምር፤ ብፁዕነቶም ከም ዝገለጽዎ ድማ እዚ ኣዋጅ እዚ ኣብቲ "ጕስነታዊ ትርጉም ቡራኬ" ኣተኲሩ ከም ዘሎ ኣስፊሖም ይገልጹ፤ እዚ ድማ አብቲ " ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍንቸስኮስ ዝኣምኑሉ ጕስነታዊ ኣረኣእያ እተመርኰሰ" ስነ-መለኮታዊ ኣስተንትኖ ብምግባር፣ "ነቲ ጥንታዊ ርድኢት [ቡራኬ] ብምስፋሕን ብምህብታምን፣" ነዚ ፍቓድ እዚ ይህብ ከም ዘሎ ይገልጹ ። እዚ ድማ "ኣብቲ ኽሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ቡራኬ እተነግረ ትምህርትታት ናይ ሓቂ ምዕባለ ዘመልክት ኮይኑ፣” እዚ ኸኣ "ኣብ ዘይንቡር ኵነታት ንዘለዉ ሰብ ሓዳርን ነቶም መጻምድቲ ሓደኣዊ ጾታ ዝዀኑን፣ ብወግዒ ነቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ኩነት ብዘይ ምጽዳቕ ወይ ውን ነቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ቃል-ኪዳን እተስተምህሮ ዓንቀጽ እምነት ከይተቐየረ፣ "ክባርኹ" ከም ዝኽእሉ ኣብ ዝብል ርድኢት ንምብጻሕ ኢዩ።

ድሕሪ እተን ቀዳሞት ሕጡበ ጽሑፋት (1-3)፣ ነቲ ሕጂ ብዝያዳ ዝዓምቑን ዚትክእን ዘሎ ኣስተምህሮትን፣ ነቲ ኣቐዲሙ ብ2021 ዝወጸ ኣዋጅን ብምዝካር፣ እዚ ኣዋጅ እዚ ብዛዕባ እቲ አብ ምስጢረ ተኽሊል ዘሎ ቡራኬ ክገልጽ ይርከብ፣ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-6) ፣ ኣብቲ ዘቕርቦ መግለጺ "ነቶም አብ እንታይነት ምስጢረ ተኽሊል ምድንጋራት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ሥርዓታትን ጸሎታትን" ብምጥቃስ፣ ከምኡውን "ኩሉ እቲ ምስኡ ዝጋጮ" ዘበለ ብምዝርዛር፣ ነቲ "ቃል-ኪዳን ዘይኰነ ኩነት ከም መውስቦ ተፈላጥነት ይረክብ ኣሎ" ዝብል ርድኢት ብምእላይ፣ ዘይቅቡል ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ ። ብመሰረት እቲ "ነባሪን ንዘመናት ጸኒዑ ዘሎ ካቶሊካዊ ሰረተ-እምነት" ዘስተምህሮ ሓቂ፣ ነቲ እቶም ኣብ ኪዳናዊ ሕይወት ዝነብሩ ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን ዚግበርዎ ጾታዊ ርክብ ጥራይ ኢዩ ሕጋዊ ተፈላጥነት ዝህቦ ።

እቲ ኻልኣይ ዝሰፍሐ ክፋል ናይዚ ኣዋጅ ከኣ፣ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-30) ንትርጕም እቶም እተፈላለዩ ዓይነታት ቡራኬ ይምርምር፣ እቶም ነዚ ቡራኬታት ዚቕበሉ ከአ ሰባት፡ ናይ ኣምልኾ ቁሳዊ ነገራት፡ መንበሪ ቦታታትን ክኾኑ ዝከአል ኢዩ። "ብዓይኒ ሊጡርጊያዊ ሥርዓት" ብዕምቆት ክርአ እንከሎ፣  "ከምቲ ኣብ ትምህርትታት ቤተ-ክርስትያን ውን ተገሊጹ ዘሎ፣” በዚ ቡራኬ “ክባረኽ ዘለዎ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ስምረት ክህልዎ ክኸውን" ዝሕተት ምዃኑ ዘዘኻኽር ኢዩ ።

እዚ ኣዋጅ እዚ ቀጺሉ ከም ዝገልጾ "ብፍሉይ ኣብ ገለ ገለ ሰብኣዊ ዝምድናታት ወይ ርክባት ቡራኬ እንክወሃብ፣ እቲ ዝባረኽ ዘሎ ምስቲ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ዘጽደቖ ንድፊ ተፈጥሮ ዝሰማማዕ ምዃኑ አገዳሲ ከም ዝኾነ" (ቍጽሪ 11) ይገልጽ። ስለዚ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ዘይንቡር ሓዳር ዘለዎም ወይ ውን መጻምድቲ ሓደኣዊ ጾታ ዝኾኑ ሰባት ሊጡርጊያዊ ቡራኬ ናይ ምሃብ ሥልጣን የብላን ። እዚ ድማ ወላ ውን ተራ ቡራኬ ንምርካብ ውን እንተኾነ "እቲ ንሊጡርጊያዊ ቡራኬታት ዝድሊ ሰብ ስነ-ምግባራዊ ቅሩቡነት ወይ ኩነት ንዘለዎ ጥራይ " (ቍጽሪ 12) ብዝብል ንትርጕም ነቲ ተራ ዝኾነ ቡራኬ ውን ናብ ደረጃ ምኽልካል ክወርድ ኣድላዪ ከም ዘይኮነ ይገልጽ ።

እዚ ኣዋጅ እዚ ኣስዒቡ ነቶም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጠቒሶም ዝለዉ ቡራኬታት ድሕሪ ምዝርዛርን ምምርማርን፣ ስነ-መለኮታውን ጕስነታውን ዝኾነ ርድኢት ከም ዚህልወና ዝገብር እዩ። እቶም ቡራኬ ክወሃቦም ዝሓቱ ሰባት "ዝሓሸ ናብራ ንኽነብሩ ኣምላኽ ንኺሕግዞም ዘቕርብዎ ልለመና ኢዩ!" ብምባል ድማ ኣብ ህይወቶም "ምድሓን ኣምላኽ የድልዮም" ከም ዘሎ ዘርኢ ኢዩ (ቍጽሪ 21)። እዚ ሕቶ እዚ "ብቕጽበትን ናጽነትን ኣብ ሓደ ኩነት" ምስ ዝቐርብ "ካብ ሥርዓተ-ሊጡርጊያዊ ኩነት ወጻኢ ብዝኾነ አገባብ" ተቐባልነት ክወሃቦን ኣኽቢርካ ክርአን ኣለዎ (ቍጽሪ 23)።

እዚ ድማ ብደረጃ ህዝባዊ መንፈስውነት ኽትርአ እንከሎ፣ "ቡራኬ ከም ሓደ ናይ መንፈሳውነት ተገባር ጌርካ ክርአ ኣለዎ ።" ስለዚ እቶም ቡራኬ ክወሃቦም ዝደልዩ ሰባት ከም ቅድመ-ዅነት "ኣቐዲሞም ስነ-ምግባራዊ ፍጽምና ክህልዎም ዝብል ትጽቢት ክግበረሎም የብሉን!" ብምባል እቲ ኣዋጅ ይገልጽ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ እተሓትመ “ዱብያ” ወይ ጥርጣሬታት ንዝብል መሕትት አብ  ዝሃብዎ መልሲ ተመርኲሶም ነዚ ፍልልያት እዚ ብምምርማር  "ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ዝሓተትዎ፣ ግን ከአ ግጉይ ዝኾነ ርድኢት ኪዳናዊ ሕይወት ዘየመልክት ዓይነት ቡራኬ" (ቍጽሪ 26) ምስ ዝኸውን፣ እዚ አዋጅ እዚ ከም ዘመልክቶ ውን ከምዚ ዓይነት ቡራኬ "ዝዀነ ይኹን ቅድመ ኩነት ከየድለየ፣ ንዅሉ ክወሃብ ዝኸኣል ከም ምዃኑ" የረጋግጽ፣ እዚ ድማ ሰባት ጌና ኣብ ጊጉይ ሕይወት ዘለዉ ክንሶም፣ ከም መጠን ክቡራትን ብሩኻትን ምዃኖም ንኽስምዖም ምሕጋዝን፣ ከምኡ ውን "እቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ብቀጻሊ ሰናይ ዝሓስበሎም ምዃኑ ንኽፈልጡን፣ ኣብ መወዳእታኡ ውን ነዚ ሰናይ ፍቓድ አምላኽ ክፉታት ንክኾኑ" (መ. 27) ዝገብረሎም ሓገዝ ኢዩ ።

"ሰባት ብሃንደበት አብ ዝተፈላለዩ አጋጣሚታት ቡራኬ ክወሃቦም ዝሓቱሎም ኩነታት ውን ኣለዉ፣ ኣብ ንግደታት፡ ኣብ ቅዱስ ቦታታት ወይ ውን ኣብ መገዲ ከይተረፈ ምስ ሓደ ኻህን አብ ዝራኸቡሉ እዋናት፣ እዚ ተራ ቡራኬ ንወላ ሓደ እኳ አይንፈግን ኢዩ።" (ቍ. 28)።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት "ኣገባት ወይ ሥርዓታት" ምቛም ግቡእ እኳ እንተ ዘይኰነ፣ እቲ ክህነታዊ መዝነት ዝለዎ ኣገልጋሊ "ምስቶም ሓዳር ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ወላ እኳ አብ ሓደ ምስ ቃል-ኪድናዊ ህይወይት ዘይመጣጠን ሕብረ እንተ ሃለው፣ ገዛእ ርእሶም ናብ ጐይታን ናብ ምሕረቱን ከወፍዩን፣ ረድኤቱ ክልምኑን ከምኡውን ብዛዕባ ፍቕሩን ሓቅነቱን ዝያዳ ምርዳእ ንኺህልዎም አብ ዝገብርዎ ጸሎት" ምስኦም ክሓብር ይኽእል ኢዩ። (ቍጽሪ 30)።

ሳልሳይ ክፋል እቲ ኣዋጅ (ሕጡብ ጽሑፍ 31-41)ከም ዝመልክቶ፣ እዚ ቡራኬ እዚ ነቶም "ምስኪንነቶም ዝቕበሉን፣ ሓገዝ ከም ዜድልዮም ዝግንዘቡን - ነቲ ዘለውዎ ኩነት ሕጋውነት ንምልባስ ዘይኮነ የግዳስ ኣብ ህይወቶምን ርክቦምን ቅኑዕን ሰናይን ሰብኣውን በረኸት ንክረክቡ ዝገብርዎ" ምልክት ኪኸውን ከም ዚኽእል ዚሕብር እዩ።  እዚ ድማ “ካብ ሕማሞም ንኽሓውዩን ብህላወ መንፈስ ቅዱስ ካብቲ ዘልውዎ ንኽትንስኡን"(መ. 31) ዘመልክት ክኸውን ኣለዎ ።

እዚ ቡራኬ እዚ ናይ ግድን ልሙድ ሥርዓት ክኸውን ዘይኮነስ፣ ከምቲ እዚ ኣዋጅ ዝመልክቶ "ብፍሉይ ሜመያን ኣብ ፍሉይ ኵነታትን" (ገጽ 37) ክወሃብ ዘለዎ ምዃኑ ኢዩ ዘመልክት ።

ወላ እኳ እቶም መጻምድቲ ደአ እምበር እቲ ዘለውዎ ኩነት እንተ ዘይኮነ እቲ ዝባረኽ ዘሎ፣ እቲ ኣዋጅ ከም ዘነጽሮ - "እቲ መዝነት ዝለዎ ካህን ቅድሚ እቲ ኣንደበታዊ ቡራኬ ምሃቡ ብሓደ ሓጺር ጸሎት ምእንቲ እቶም ውልቀ-ሰባት ሰላም፡ ጥዕና፡ መንፈስ ትዕግስቲ፡ ምርድዳእ ከምኡውን ሓባራዊ ምድግጋፍ ክህልዎም ክልምነሎም ይኽእል ኢዩ፣ ከምኡ ውን ፍቃድ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክፍጽሙ ዝኽእሉ ብርሃንን ብርታዐን ኣምላኽ ንኽረኽቡ ክጽልየሎም ዝከአል ኢዩ።" (ገጽ 38)።

ብዘይካዚ ኣብ ዘይንቡር ኵነታት ወይ መጻምድቲ ሓደአዊ ጾታ ዝኾኑ ሰባት ቡራኬ ኪሓትቱ ኸለዉ "ምስ ሥርዓታት ሲቪላዊ መርዓ ብዝተተሓሓዘ ወይ ውን ሕሉፍ ሓሊፉ ውን ኣብ ሲቪላ መርዓ ብምስታፍ ዝግበር ወይ ውን ሓደ አገባብ መዕጸዊ ወይ ውን ዝኾነ ይኹን ቃላት ካብ ስርዓተ ቃልኪዳን ብምጥቃም " ምስ ዚብል "ዝዀነ ይኹን ምድንጋራት ወይ ዕንቅፋት" ምእንቲ ኸይህሉ፣ ንጹር ክኸውን ኣለዎ ። ከምኡ ውን እዚ አዋጅ እዚ ምስ እዚ ተራ ቡራኬ ብዝተተሓሓዘ ዝኾነ ይኹን “ንመርዓ ብዚበቅዕ ክዳውንቲ፡ አገባባት ወይ ውን አካላዊ ምቅስቓሳት ወይ ውን ቃላት ብምጥቃም ኪግበር አየፍድን እዩ" (ቍጽሪ 39)። እዚ ዓይነት ቡራኬ እዚ "ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ኩነት ንግደት ናብ ቅዱሳት ቦታታት፣ ኣብ ቤተ መቕደሳት፣ ምስ ካህን አብ እተራኸቡሉ፡ ጕጅለ ጸሎት አብ ዝካየደሉ ከምኡ ውን አብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ኻልእ ኩነታት ቦታኡ ኺረክብ ይኽእል እዩ ። " (ቍ. 40)።

ኣብ መደምደምታ፣ እቲ ራብዓይ ምዕራፍ ናይዚ ኣዋጅ (ሕጡብ ጽሑፍ 42-45) "ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ብሓጢኣት እኳ እንተ ተጐልበ ኵሉ ሳዕ ቡራኬ ኪሓትት፣ ኢዱ ናብ ኣምላኽ ኪዝርግሕ ይኽእል እዩ" ኸምኡውን ቡራኬ ንምርካብ "ኣብ ገሊኡ ዅነታት እኳ ደአ ዝበለጸ ዕድል ኪኸውን ይኽእል እዩ" (ቍጽሪ 43) ክብል ይድምድም ።

19 December 2023, 16:01