ድለ

VATICAN-RELIGION-POPE-WORLD-DAY-POOR VATICAN-RELIGION-POPE-WORLD-DAY-POOR  (AFP or licensors)

ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ንድኻታት ሰብኣውነት ምርኣይ!

ናይ ቅዱስነቶ መልእኽቲ፥ ብግልጺ ብዛዕባ ስራሕ ከምኡ እውን ንወሰኽ ድኽነት ዝጸሉ ዘይተፈትሑ ጸገማት ከምኡ እውን ሓደስቲ ድኻታት ዝብል ኣርእስታት ዝትንክፍ እዩ

ናይ ስብከተ ወንጌል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ደጋፊ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ፊሲከላ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሕዳር ንዝበዓል ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 13 ሰነ ወግዓዊ ዝኾነ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት፥ ድኻታት ቁጽሪ ዘይኮኑስ፥ ብቑጠባውን መግባውን ሓገዝ ጥራጥ ዘይኮነ ምሕዝነትን ቅርበት ዝግብኦም ሰባት ምዃኖም ዘጉልሕ ኮይኑ፥ እዚ እውን ኣብ ፖለቲካዊ ዝክረ ነገር ህልው ኮይኑ ክስትውዓል ዘለዎ ጉዳይ እዩ ኢሎም፣


. . . ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ንመዓልቲ ድኻታት ካብ መጽሓፈ ጦቢያ ዝተወስደ ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ድኻታት ዘይምግድስን ተመጻዳቕነትን ከይህሉ፡ ከምኡ እውን ግብረ ሰናይ ንውክልና ካልኦት ክይሕደግ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ . . . ኣቐዲመ ንቅዱስ ኣቦና ምሉእ ጥዕና እምነ ቢሎም. . . ቅዱስነቶም ዝሃቡና መልእኽቲ ዓብይን እዋናውን እዩ። ብቐዳምነት ሓደ ኣቦ ንወዱ ዝህቦ ምስክርነት እዩ። ስለዚ እዚ ክንርስዖ ዘይንኽእልን ኣገደስቲ ትሕዝቶታት ከነመሓላልፎ ከም ዝሎና ዘዘኻኽርን ከምኡ እውን ኣቃልቦ ንድኽታትን ክህሉ ዝድርኽ እዩ። . . . ኢየሱስ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ዝሃቦም ምላሽ ንኽንበርብ ዘተባብዕ እዩ . . . ድኻታት ቁጽሪ ዘይኮኑስ ልዕሉ ኩሉ ቅርበትናን ሰብኣውነትናን ዝምነዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምዃኖም ዝምስክር እዩ።

እቲ እንነብሮ ዘሎና ታሪኻዊ ህሞት ነቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ዘይሰምዕ ወይ ሸለል ዝብል እዩ ዝመስል፥ ስለምንታይ እዩ እዚ ዝኸውን ትብሉ? . . . ብዙሕ እዋን ቅዱስ ኣቦና ድኻታት ብህይወቶም ወንጌል ዝሰብኩልና እያቶም እንክብሉ ይገልጽዎም፡ እዚ ኣገላልጻ እዚ ድኻታት ኣብ ህይወት ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ክንርኢ ክንትክንክፍን ከም ዝገበሩና እዩ ዘነጽር። እንነብረሉ ዘሎና ህሞት ብዙሕ ግዜ ንመወልን ቁጠባን መዘናግዕን ንዝምልከቱ ጉዳያት እዩ ብዙሕ ትኩረት ዝግበር። ኣብ ኩለ መዳይ ዓለም ክትልወጥን ክትምዕብልን እንተድኣ ዝድለ ኮይኑ ድሕሪት ዝሕደግ ሰብ ክህሉ ከም ዘይብሉ እዩ።

እቲ መልእኽቲ “ዕቱብን ኣድማዕን ፖለቲካውይን ሕጋውን ተወፋፍይነት” ዝምልከት መጠንቀቕታ እውን ዝሓዘ እዩ። ብጭቡጥ ኣዘራርባ ድሌት ናይታ መበል 60 ዓመት ተብዕል ዘላ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ‘ ሰላም ኣብ ምድሪ’ ዘርእስታ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘቓልሕ እዩ። ጭቡጥ ንምግባር ዝድግፉ እማመታት እንታይ ክኾኑ ይኽእሉ? . . . ቅድም ቀዳድም እቲ መንግስቲ ዘቕርቦ ሓገዝ ኣብ መወልን ቁጠባውን ጥራሕ ዘተኮረ ዘይምግባር እዩ። ድኽነት መነባብሮኻ ንምምራሕ ዘይምኽኣል እዩ። እዚ ግን ሓደ ክፋል እዩ። ምስ ባህላዊ ሸነኽ ዝዛመድ ክፋል እውን ኣሎ፡ ማለት ብሕጊ ኣቢልካ ኣተሓሳስባ ምቕያር ዝብል እዩ። ዘይምግዳስን ንዕቐትን ዝብል ኣተሓሳስባ ምቕያር የድሊ። እዚ ባህላዊ ተርእዮ እዩ፡ ቁጠባዊ ሓገዝ ወይ ንዋታዊ ሓገዝ ተወዳኢ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ብመደብ ህንጸት ክስነ ኣለዎ። ቤት ትምህርቲ ስድራ ቤት ኩሎም ሰባት ብሓባር ዝዓብይሉ ስፍራ እዩ ክኽውን ዘለዎ። ብመሰረት ሕጊ ድማ ናይ ነፍስ ወከፍ ሰብ ክብሪ ንምኽባር ዝድርኽ እዩ ኽኸውን ዘለዎ።

ድኻታት ምፍራሕ ኣየድልን . . . ካብ ድኻታት ክንፈርሕ የብልናን ድኻታት የድልዩና እዮም። ስለዚ ከምቲ ኣባና ዘሎ ድሌት በዚ ድሌታትና ኣቢልና ክንራኸቦም ኣሎና፡ ማለት እቲ ኣነ ዘሎኒ ድሌት እቲ ድኻ እውን ዘለዎ እዩ። እቲ ብዙሕ ግዜ እንርስዖ ወይ ኣብ ሓደ ኩርናዕ እንሓድጎ ዓሚቝ ሰብኣውነት ክንረኽቦ ስለ ዝገብሩናን ንሕይወት ብዓሚቝ ኣገዳሲ ኣገባባት ኣቢልና ንኽንበብራን ንኸነኽብራን ይድርኹና ስለዚ ከፍርሑና የብሉን። ምስ ገዛእ ርእስና ዘራኽቡና እያቶም!

ናይ ቅዱስነቶ መልእኽቲ፥ ብግልጺ ብዛዕባ ስራሕ ከምኡ እውን ንወሰኽ ድኽነት ዝጸሉ ዘይተፈትሑ ጸገማት ከምኡ እውን ሓደስቲ ድኻታት ዝብል ኣርእስታት ዝትንክፍ እዩ። ስለዚ ንድኻታት ኣብ ፖለቲካዊ መዳብ ቀዳምነት ምሃብ ጥራሕ እኹል ድዩ? . . . ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘጋጥም ሓደጋ ሞት ጥራይ እሞ ሕስብ ነብል፡ ስለዚህ ቅዱስነቶም ስራሕን ሰራሕተይናን ዘኽብር ስርዓትን ሕግ ከም ዘድልን ምዝመዛ ክውገድን የተሓሳስቡ፡ ሰራሕተይናታት መመላእታ ዘይኮኑስ ንሓንቲ ሃገር ዘንቀሳቕሱ ሓይሊ እዮም። እዚ ኣብ ግምት ክኣትው ኣለዎ፡ እዚ ድማ እቲ እናጎድለ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራዊ ሓላፍነት ዳግማይ ክንሓስበሉ ይመርሓና፡ ስለዚ ሰብኣዊ ማዕርነት፥ ማዕርነት መሰልን ክብርን ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ውልቃዊ መሰል ጥራሕ ምባል ናብ ማሕበራዊ ዘይምጋድስ እዩ ዝመርሕ፡ እቲ ዘይምግዳስ ድማ ማሕበራዊ ጉዳይ ይኸውን፡ ካብዚ እዩ ክንጥንቀቕ ዘሎና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

14 June 2023, 16:01