ድለ

ናይ 2023 ዓ.ም. መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንመዓልቲ ድኻታት፥ "ገጽካ ንድካታት ኣይትኽልኣዮ!" ናይ 2023 ዓ.ም. መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንመዓልቲ ድኻታት፥ "ገጽካ ንድካታት ኣይትኽልኣዮ!" 

ር.ሊ.ጳ.፥ ገጽካ ንድኻታት ኣይትኽልኣዮ!

“ዓቢ ሩባ ድኽነት ንከተማታትና ሰንጢቑ ካብ ምሕላፍ ኪኖ ናብ ምዕልቕላቕ ገጹ የብል ኣሎ፡ ዝዓብለለና ድማ ይመስል. . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓመታዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት፥ “ምስ ድኻታት ኣብ እንራኸብሉ እዋን ገጽና ኣይንኽልኣዮም። ምኽንያቱ እዚ ተግባር እዚ ምስ ወጅሂ ኢየሱስ ከይንራኸብ ስለ ዝዓግተና” ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብምኽንያት እቲ ለምዘበን ዕለት 19 ሕዳር ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ድኻታት ኣብ መጽሓፍ ጦቢት ዘስተንትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ  “ዓቢ ውሕጅ ድኽነት ንከተማታት የዕለቕልቐን ኣሎ . . . ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ኣብቲ ኣንጻር ድኽነት ዝካየድ ቃልሲ፥ ብውልቂ ክዋሳእ ይጽዋዕ” ቢሎም፥

ደረጃ ናይቲ ጸገም

“ዓቢ ሩባ ድኽነት ንከተማታትና ሰንጢቑ ካብ ምሕላፍ ኪኖ ናብ ምዕልቕላቕ ገጹ የብል ኣሎ፡ ዝዓብለለና ድማ ይመስል፡ እቶም ሓገዝናን ደገፍናን ቅርበትናን ዝልምኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድሌቶም ኣዚዩ ዓቢይ እዩ።”

. . . “ብፍላይ ንጠለባት ድኻታት ኣብ ዘይተሃዋሲ እዋን ኢና እነበር ዘሎና። ሃብታም ናብራ ብምስዓብ ዝግበር ጸቕጢ እናወሰኽር ክኸይድ እንከሎ፡ ድምጺ ናይቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት ድማ ከይስማዕ ይገብር ኣሎ።” ብፍላይ “ሓደስቲ መልክዓት ድኽነት” ከም “ኣብ ኩነታት ኩናት ዝርከቡ ሰባት . . . ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ንብዙሓት ሰራሕተይናታት ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላት ዝግበር ግምታት ድራማዊ ወሰኽ ዋጋታት ዘስዕቦ ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ድማ ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ የድክይ ምህላዉ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እንህቦ መልሲ

ከምዚ ዝዓቐኑ ሽግራት ኣብ ዝገጥመሉ ኣዋን ሓላፍነታትና ንጹር ምዃኑ ገሊጾም፥ ነቲ ጦቢት ንጦብያስ፥ “. . . ንድኻ ገጽካ ኣይትኽልኣዮ” ዝብል ቃል ክንሰምዕ ኣሎና። ኣስዒቡ ድማ “ንድኻ ሰብ ኣብ እንጥምተሉ እዋን ገጽና ክንከልኦም እንኮለና እዚ ተግባር እዚ ምስ ገጽ ጎይታ ንኸይንራኸብ ይዓግተና፡ ስለዚ ገጽና ክንከልኦም ኣይንኽእልን ኢና።” በዚ ኸኣ “ኣብነት ሕያዋይ ሳምራዊ (ሉቃ. 10, 25 – 37) ሕሉፍ ታሪኽ ጥራይ ከምዘይኮነን፡ ኣብዚ ሕጂን ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ንነፍሲ ወከፍና ብድሆ ኮይኑና ይቕጽል ምህላዉ የመላኽተና። ግብረ ሰናይ ንኻልእ ብውክልና ምሃብ ቀሊል እዩ፡ ግብረ ሰናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ብውልቁ ክሳተፎ ዝግብኦም ተግባር እዩ፥ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ኣብ ግብረ ሰናይ ክሳተፍ ንድኻታት ቀረባ ክኸውን ዝተጸውዐ እዩ።

ፖለቲካዊ መስርሕ

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፥ ለምዘበን መበል 60 ዓመት “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ንዝክር ኣሎና፡ “ኣብታ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ መሰል ህይወት ኣካላዊ ኵልንተናነት መግቢ ክዳን መጽለሊ ሕክምናዊ ክንክን ዕረፍቲ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣድላይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓዊሱ ንግቡእ ምዕብልና ህይወት ዘድሊ መጋበርያ ኩሉ ክረክብ ኣለዎ” እንክብሉ ተማሕጺኖም፥ ነዚ ዕላማታት እዚ ንምብጻሕ ኣብ ዝፈሽል ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ ከመይ ጌርካ ትዋሳእ፡ ክዕረይ ከኣ እንታይ ትገብር?  . . . እቲ መልሲ ክልተ ገጽ ዘለዎ እዩ፡ ብሓደ ወገን “መንግስታዊ ትካላት ዕዮታተን ብግብኡ ንኽፍጽማ ምምሕጻንን ካብ ላዕሊ ንምቕባል ተሓላቒ ምጽባይ ዋላ ሓንቲ ርብሓ የብሉን።”

እቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ እውን ኣብዚ ናይ “ለውጥን ሓላፍነትን” ናይ ምድላይ ከይዲ ክዋስኡ እዩ ዘለዎም። ዝድገፍ ኣብቲ ናይ ደገፍ ኪደት ተዋስኢ ምግባር ከም ዘድሊ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 June 2023, 15:43