ቅዱስ ቊርባን ትርግታ ልቢ ቤተክርስትያንን ነፍስወከፍ ክርስትያንን እዩ! ካርዲናል ረ
ዜና ቫቲካን!
በዓለ ጸሎተ ሓሙስ ብባህርዩ ናይ ምስንባትን ምድንፋቅን ለበዋን በዓል ኣብ ርእሲ ምዃኑ ሎምዘመን እውን ንካልኣይ ግዜኡ ኣብ ትሕቲ ውሸባ ለበዳ ኮቪድ 19 ብምኽባሩ ቁሩብ ግን ካብ ናይ ዓሚ ሕይሽ ብዝበለ መንገዲ ምእመናን ዘድሊ ጥንቃቄ ገቢሮም ርሕቀቶም ብምሕላው ክሳተፉ ምኽኣሎም ቁሩብ ብልጭታ ተስፋ ይህብ። ብፁዕ ካርዲናል ረ ኣብ ክንዲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኮይኖም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ምስ ውሱናት ሰባት ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብፁዕነቶም ኣብተን ዘደናፍቃ ቃላት ኢየሱስ ማለት ‘ኢየሱስ ካብዛ ዓለም ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝሓልፈላ ሰዓት ከምዝበጽሐት ምስ ፈለጠ ነቶም ኣብ ዓለም ዝነበሩ ናቱ ምስ ኣፍቀሮም ክሳብ መወዳእታ ኣፍቀሮም’ እንክብል እታ ብኣምሳል መጨረሽታ ድራር እትቀርብ ጽዋዕ ዓርቢ ስቅለት ኣብ ዕጸ መስቀል ሕይወቱ በጃ ብምሃብ ዝገልጻ ፍቅሪ ምዃና ገሊጾም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዛ ፍቅሪ እዚኣ ክሳብ መወዳእታ ምሳና ነባሪት ምዃና ንሓዋርያቱ ንምግላጽን ክሳብ መወዳእታ ዓለም ከምዘሰንየናን ምሳና ህልው ምዃኑን ሥጋኡን ደሙን ብመልክዕ ህብስትን ወይንን ንዝኽሩ ብምቅዳስ ክንገብሮ ለበዋ ብምሕዳግ ሓዲስ ኪዳን ይኣትወልና።
ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ኢየሱስ ዝዓደለና ጸጋታት!
ብፁዕነቶም ኣብ ምሸት ጸሎተ ሓሙስ ኣብታ ናይ መወዳእታ ድራር ጐይታ እትብሃል ፍጻሜ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሠለስተ ዓበይቲ ጸጋታት ከምዝዓደለና እዚ ከኣ ብዓቢኡ ቅዱስ ቊርባን ይሰርዕ መዓርገ ክህነት ይህብ ንኩልና ዝኸውን ሓዲስ ትእዛዝ ማለት ትእዛዝ ፍቅሪ ሂቡ ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ነንሕድሕድና ክንፋቀር ይላቦ።
ቅዱስ ቊርባን - ብርሃንን ሓይልን መግብን ቤተክርስትያን!
ቅዱስ ቊርባንከስ ይብሉ ብፁዕነቶም ‘ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባና ዘለዎ ፍቅሪ ዝገልጽ ወትሩ ኣብ ጐድንና ምሳና ንምዃን ዘርኣዮ ድላዩ ፍቃዱ ይገልጽ። ቤተክርስትያን ከኣ ንምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ወትሩ ዘሀብትማ ዝዓበየን ዝኸበረን ውህበት ምዃኑ ትዝክር’ ኢሎም። ብቅዱስ ቊርባን ኣቢሉ ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ይኾነና ሓይሊ ይህበና መግብን ጸግዕን እውን ይኾነና። ብካልእ ኣዘራርባ ዘይነጽፍ ምንጭን ፍጻሜን ሕይወት ክርስትና እዩ እንክብል ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝገልጾ በዚ ምኽንያት እዩ። ቀጺሉ እውን እዚ ጉባኤ እዚ ‘ኣብ ሕይወትን ተልእኮን ቤተክርስትያን ዘድሊ ኩሉ ካብ ቅዱስ ቊርባን ይርከብ ኩሉ ከኣ ናብ ቅዱስ ቁርባን የብጽሕ’ እንክብል ብከምዚ ዝስዕብ ይገልጾ።
ልብና ንካልኦት ከፊትካ ምሳኦም ብፍቅሪ ክርስቶስ ምንባር!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሳልሳይ ደረጃ ዝገደፋ ለበዋ አርድእቱ ማለት ተኸተልቱ ኣመንቱ እንተደኣ ኰና ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ነንሕድሕድና ንክንፋቀር እዩ። እዚ ሓዲስ ትእዛዝ ወይውን ሓዲስ ኪዳን እንብሎ ብትእዛዝ ፍቅሪ ወይውን ሕጊ ፍቅሪ እውን ይፍለጥ እዩ። ብፁዕነቶም ነዚ ጻውዒት እዚ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።
ካብ ለበዳ ኮቪድ 19 ንከናግፈና ብሓባር ንለምን!
ኣብ ንቡር ኩነታት ቀደም ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ መወዳእታ ድራርን ሕጽበተ እግርን ነቲ ወትሩ ካባና ዘይተርፍ ሓጢኣት ምሕረት ንምሕታት ማለት ናይ ግልናስ ይኹን ናይ መላእ ቤተክርስርስትያን ምእመናን ኩሎም ምስ ውሉደ ክህነት ኰይኖም ናይ ምሉእ ለይቲ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባን ይዝውተር ከምዝነበረ ዝገለጹ ብፁዕነቶም ሎምዘመን በዚ ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ክግበር ኣይተኻእለን ኢሎም። እንተኾነ ይብሉ ብፁዕነቶም ንገዛና እንክንምለስ ነዙይ ኣብ ልብና ዝተቀበልናዮ ኢየሱስ ልብናን ሓሳብናን ምሳኡ ብምውህሃድ ኣብ ልብና ክቅጽል ብምስጋና ንለምኖ ኢሎም። ምኽንያቱ ንክገልጹ ከኣ እንትርፊ ንሱ ረዳኢ የብልናን ሓይሊ እውን የብልናን። ካብዚ ዘጨንቀና ለበዳ ንክንገላገል ሓይሊ ክኾነና ንለምኖ ኢሎም።
ፍቅሪ እግዚአብሔርን ክሕደት ዘመደ ኣዳምን!
ብፁዕነቶም ስብከቶም ቀቅድሚ ምዝዛሞም ናብቲ ኣብ ዕለቱ ዝተነበ ብዛዕባ ምሥራዕ ቅዱስ ቊርባን ኣመልኪቱ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ኣብታ ኣሕሊፎም ኣብ ዝሃብዎ ለይቲ. . .’ብማለት ብዛዕባ ምሥራዕ ቅዱስ ቊርባን ዘዘኻኽርዎ ዓቢ ነገር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ እንተኾነ ካልእ ዓቢ ጉዳይ ኣሎ ኢሎም። እዚ ጉዳይ እዚ ከኣ ማዕረ ማዕረ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝተገልጸሉ ፍጻሜ ጸሎተ ሓሙስ ክሕደት ዘመደ ኣዳም እውን ምስ ኩሉ ምረቱ ይግለጽ ኢሎም