ቅዱስ ቊርባን ትርግታ ልቢ ቤተክርስትያንን ነፍስወከፍ ክርስትያንን እዩ! ካርዲናል ረ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጸሎተ ሓሙስ እንከተብዕል ኣብ ዕለቱ ካብ ዝፍጸም ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ምሥራዕ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ዝገልጽ ብድራር ጐይታ ዝፍለጥ ሥርዓት ከምኡ እውን ነቲ ጐይታ ዝለዓለ ትሕትናኡ ዘርኣዮ ሕጽበተ እግር እዩ። ንሎምዘመን ብምኽንያት ሕማም ለበዳ ኮቪድ 19 እቲ ሕጽበተ እግር እኳ ክግበር እንተዘይተኻእለ ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድራር ጐይታ ግን ሓላፊ ጉባኤ ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ረ ኣብ ክንዲ ቅዱስነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ኣዕሪጎም። ኣብ ስብከቶም ከኣ ‘ቅዱስ ቊርባን ህርመት ልብና ኰይኑ ንማንም ከይሓድገና ነንሕድሕድና ክንደጋገፍ ምናዳ ኣብዚ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ይደፋፍኣና’ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

በዓለ ጸሎተ ሓሙስ ብባህርዩ ናይ ምስንባትን ምድንፋቅን ለበዋን በዓል ኣብ ርእሲ ምዃኑ ሎምዘመን እውን ንካልኣይ ግዜኡ ኣብ ትሕቲ ውሸባ ለበዳ ኮቪድ 19 ብምኽባሩ ቁሩብ ግን ካብ ናይ ዓሚ ሕይሽ ብዝበለ መንገዲ ምእመናን ዘድሊ ጥንቃቄ ገቢሮም ርሕቀቶም ብምሕላው ክሳተፉ ምኽኣሎም ቁሩብ ብልጭታ ተስፋ ይህብ። ብፁዕ ካርዲናል ረ ኣብ ክንዲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኮይኖም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ምስ ውሱናት ሰባት ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብፁዕነቶም ኣብተን ዘደናፍቃ ቃላት ኢየሱስ ማለት ‘ኢየሱስ ካብዛ ዓለም ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝሓልፈላ ሰዓት ከምዝበጽሐት ምስ ፈለጠ ነቶም ኣብ ዓለም ዝነበሩ ናቱ ምስ ኣፍቀሮም ክሳብ መወዳእታ ኣፍቀሮም’ እንክብል እታ ብኣምሳል መጨረሽታ ድራር እትቀርብ ጽዋዕ ዓርቢ ስቅለት ኣብ ዕጸ መስቀል ሕይወቱ በጃ ብምሃብ ዝገልጻ ፍቅሪ ምዃና ገሊጾም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዛ ፍቅሪ እዚኣ ክሳብ መወዳእታ ምሳና ነባሪት ምዃና ንሓዋርያቱ ንምግላጽን ክሳብ መወዳእታ ዓለም ከምዘሰንየናን ምሳና ህልው ምዃኑን ሥጋኡን ደሙን ብመልክዕ ህብስትን ወይንን ንዝኽሩ ብምቅዳስ ክንገብሮ ለበዋ ብምሕዳግ ሓዲስ ኪዳን ይኣትወልና።

ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ኢየሱስ ዝዓደለና ጸጋታት!

ብፁዕነቶም ኣብ ምሸት ጸሎተ ሓሙስ ኣብታ ናይ መወዳእታ ድራር ጐይታ እትብሃል ፍጻሜ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሠለስተ ዓበይቲ ጸጋታት ከምዝዓደለና እዚ ከኣ ብዓቢኡ ቅዱስ ቊርባን ይሰርዕ መዓርገ ክህነት ይህብ ንኩልና ዝኸውን ሓዲስ ትእዛዝ ማለት ትእዛዝ ፍቅሪ ሂቡ ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ነንሕድሕድና ክንፋቀር ይላቦ።

“ፍጻሜ ምሸት ጸሎተ ሓሙስ ዘዘኻኽረና ቀንዲ ጉዳይ ዝተፈቀርና ምዃኑ ኮይኑ እዚ ከኣ ወልደ እግዚአብሔር ስለና እንክስዋዕ ገለ ነገር ወይ ጉዳይ ኣይኮነን ዘወፍየልና ዘሎ ገዛእ ርእሱ እዩ ዝህበና ዘሎ ሥጋኡን ደሙን እዚ ከኣ ብምልኣት ኩለንትናኡ ስለድሕነትና ኢሉ ኸኣ ብዘስቅቅ ጨካን ሞት ስለና መስዋዕቲ ኰይኑ ይቀርብ። እዚ ሥጋኡን ደሙን ከኣ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ኰይኑ ንዓና ንዘለዓለም ብርሃንን ሓይልን መግቢ ቤተክርስትያንን ኰይኑ ይነብር ኣሎ።”

ቅዱስ ቊርባን - ብርሃንን ሓይልን መግብን ቤተክርስትያን!

ቅዱስ ቊርባንከስ ይብሉ ብፁዕነቶም ‘ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባና ዘለዎ ፍቅሪ ዝገልጽ ወትሩ ኣብ ጐድንና ምሳና ንምዃን ዘርኣዮ ድላዩ ፍቃዱ ይገልጽ። ቤተክርስትያን ከኣ ንምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ወትሩ ዘሀብትማ ዝዓበየን ዝኸበረን ውህበት ምዃኑ ትዝክር’ ኢሎም። ብቅዱስ ቊርባን ኣቢሉ ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ይኾነና ሓይሊ ይህበና መግብን ጸግዕን እውን ይኾነና። ብካልእ ኣዘራርባ ዘይነጽፍ ምንጭን ፍጻሜን ሕይወት ክርስትና እዩ እንክብል ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝገልጾ በዚ ምኽንያት እዩ። ቀጺሉ እውን እዚ ጉባኤ እዚ ‘ኣብ ሕይወትን ተልእኮን ቤተክርስትያን ዘድሊ ኩሉ ካብ ቅዱስ ቊርባን ይርከብ ኩሉ ከኣ ናብ ቅዱስ ቁርባን የብጽሕ’ እንክብል ብከምዚ ዝስዕብ ይገልጾ።

“ቅዱስ ቊርባን ሕመረትን ልብን ሕይወት ቤተክርስትያን እዩ። ቤተክርስትያን እውን ብግዲኣ ሕመረትን ልብን ሕይወት ነፍሲወከፍ ክርስትያን ክትከውን ኣለዋ። ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዚኣመን ዘበለ በይኑ ኮይኑ ክስምዖ የብሉን። ኣብ ጽላሎትን ሱቊትና ነፍሲወከፍ ቤተክርስትያን ሓደ ኣፍቃሪ ንነፍስወከፍና ሓደ ብሓደ ብስምና ዝፈልጥ ታሪኽና ዝፈልጥ ኣፍቃሪ ከምዘሎ ወትሩ ዝጽበዮን ጽን ኢሉ ዝሰምዖን ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ኰናኸስ ነፍስወከፍና ምጽንናዕን ሓይልን ሰላምን ልቢ ከምእንረክብ ክንኣምን ይግባእ ይብል። እዚ ግን ንብሕትና ኣብ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ንምንባር ከይመስለና ከምቲ ንሱ ልቡ ዝኸፈተልና ንሕና እውን ብግደና ልብና ንካልኦት ከፊትና ብፍቅሩ ንክንነብር እዩ።”

ልብና ንካልኦት ከፊትካ ምሳኦም ብፍቅሪ ክርስቶስ ምንባር!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሳልሳይ ደረጃ ዝገደፋ ለበዋ አርድእቱ ማለት ተኸተልቱ ኣመንቱ እንተደኣ ኰና ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ነንሕድሕድና ንክንፋቀር እዩ። እዚ ሓዲስ ትእዛዝ ወይውን ሓዲስ ኪዳን እንብሎ ብትእዛዝ ፍቅሪ ወይውን ሕጊ ፍቅሪ እውን ይፍለጥ እዩ። ብፁዕነቶም ነዚ ጻውዒት እዚ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።

“ቅዱስ ቊርባን ቈላሕታና ናብ ካልኦት ክንገብር ሕውነታዊ ፍቅሪ ክነዘውትር ምሕረትን ይቅረታን ምልጋስ ክንፈልጥ ኣብ ጸገም ንዘለው ክንረድእ ተበግሶ ንምውሳድ ዝቀርበልና ጻውዒት ኮይኑ ንምድግጋፍን ነንሕድሕድና ንምትሕግጋዝን ንማንም በይኑ ከይንገድፍ ዝቀርብ ዕድመ እዩ። እዚ ዕድመ እዚ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ካብና ብተግባር ዝጽበዮ ንድኻታትን ንዝሳቀዩን ንዝተገለሉን ክንረድእ ኣብ ገጻቶም ከኣ ገጽታ ኢየሱስ ክንርኢ የብርሃልና። ምናዳ ኣብዚ ዘመን ለበዳ ኮቪድ 19 ጐይታ ሓራ ክገብረና ብሓባር ንለምኖ።”

ካብ ለበዳ ኮቪድ 19 ንከናግፈና ብሓባር ንለምን!

ኣብ ንቡር ኩነታት ቀደም ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ መወዳእታ ድራርን ሕጽበተ እግርን ነቲ ወትሩ ካባና ዘይተርፍ ሓጢኣት ምሕረት ንምሕታት ማለት ናይ ግልናስ ይኹን ናይ መላእ ቤተክርስርስትያን ምእመናን ኩሎም ምስ ውሉደ ክህነት ኰይኖም ናይ ምሉእ ለይቲ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባን ይዝውተር ከምዝነበረ ዝገለጹ ብፁዕነቶም ሎምዘመን በዚ ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ክግበር ኣይተኻእለን ኢሎም። እንተኾነ ይብሉ ብፁዕነቶም ንገዛና እንክንምለስ ነዙይ ኣብ ልብና ዝተቀበልናዮ ኢየሱስ ልብናን ሓሳብናን ምሳኡ ብምውህሃድ ኣብ ልብና ክቅጽል ብምስጋና ንለምኖ ኢሎም። ምኽንያቱ ንክገልጹ ከኣ እንትርፊ ንሱ ረዳኢ የብልናን ሓይሊ እውን የብልናን። ካብዚ ዘጨንቀና ለበዳ ንክንገላገል ሓይሊ ክኾነና ንለምኖ ኢሎም።

“ብዓይኒ ዘይረኤ ንእሽቶ ታህዋስ ንዓለም ምሉእ ከመይ ገቢሩ ከምዘምበርከኸ ርኢና ኢና። ርግጽ እዩ በቲ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ዝተረኽበ ፍልጠት ወይውን ሳይንስ ዘቅርበልና ኩሉ ክንፍትን ኣሎና እንተኾነ መታካእታ ኣልቦ ስጉምቲ ኣሎ እዚ ከኣ ኩልና ብሓባር ገዓርና ጸሎትና ምህለላና ኣውሃሂድና ናብ ጐይታ ክነቅርብብ እሞ ንክሕግዘናን ነዚ ኣብ ጥዕናናን ስራሕናን ቊጠባናን ትምህርትናን ርክባትናን ጭንቅን ዘሕዝን ኩነታትን ዝፈጥር ዘሎ ክኣልየልና ንለምን ኢሎም።”

ፍቅሪ እግዚአብሔርን ክሕደት ዘመደ ኣዳምን!   

ብፁዕነቶም ስብከቶም ቀቅድሚ ምዝዛሞም ናብቲ ኣብ ዕለቱ ዝተነበ ብዛዕባ ምሥራዕ ቅዱስ ቊርባን ኣመልኪቱ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ኣብታ ኣሕሊፎም ኣብ ዝሃብዎ ለይቲ. . .’ብማለት ብዛዕባ ምሥራዕ ቅዱስ ቊርባን ዘዘኻኽርዎ ዓቢ ነገር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ እንተኾነ ካልእ ዓቢ ጉዳይ ኣሎ ኢሎም። እዚ ጉዳይ እዚ ከኣ ማዕረ ማዕረ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝተገልጸሉ ፍጻሜ ጸሎተ ሓሙስ ክሕደት ዘመደ ኣዳም እውን ምስ ኩሉ ምረቱ ይግለጽ ኢሎም

“ስለዚኸስ ጸሎተ ሓሙስ ሓጢኣትና ንምዝካር ጽጹይ መርመራ ሕልና ክንገብር እንዕደመሉ ዕለት እውን እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ሕይወትና ምልስ ኢልና ዳግመ ስርርዕ ንምግባር ብዝበደልናዮ ተጣዒስናን ተነሲሕና ምሕረት ካብ እግዚአብሔር ብምርካብ ንክንሕደስ ይሕግዘና፣ እዚ ብቅዱስ ቊርባን ዝግለጽ ፍቅሪ ኢየሱስ በቲ መካይድቱ ዝኾነ ምሥጢረ ንስሓ ገቢሩ እግዚአብሔር ፈጺሙ ከምዘይሓድገናን ወትሩ እንደገና ዳግም ንእግዚኣአብሔርን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ክፉት ብዝኾነ ልቢ መንፈሳዊ ሕዳሴ ክንገብር ይዕድመና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
02 April 2021, 10:40