ድለ

ጋላገር፥ ንሓደ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ንዝኾነ ዓለም ዘተን ብዝሓ - ጐድናውነትን ጋላገር፥ ንሓደ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ንዝኾነ ዓለም ዘተን ብዝሓ - ጐድናውነትን 

ጋላገር፥ ንሓደ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ንዝኾነ ዓለም ዘተን ብዝሓ - ጐድናውነትን

“እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ቅድሚ ኣብ 2017 ዓ.ም. ተቐባልነት ምርካቡ፡ ኣብ ዓለም ብትኽኽል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥቓም ዝእግድ ሕጋዊ መሳርዕ ኣይነበረን”

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ብዛዕባ እቲ ዕለት 22 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ተፈጻሚ ዝኸውን ዓለም ሓቆፍ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብዚ ደረጃ እዚ ንምብጻሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ህርኵት ጻዕርን ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥


ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቶማዊ ጸዓት ንውግእ መጋበርያ ምጥቓም “ኢግብረ ገባዊ” እዩ፡ ከምኡ እውን ምውናኑ። ዕለት 24 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሂሮሺማ ዝርከብ ናይ ሰላም ሓወልቲ ፊት ተረኺቦም፥ ምእንቲ ካብ ኣቶማዊ ኣጽዋር ናጻ ዝኾነ ዓለም ድምጾም ብዓውታ ከምዘስምዑን ልክዕ ድሕሪ እቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብ ዓሰርተ ሓደ ዝክረ ወርሑ ዝሓለፈ ወርሒጥቅምቲ እቲ ውሳኔ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ጸዲቑን ካብ ዕለት 22 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ጀሚሩ ተፈጻሚ ከምዝኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር የዘኻኽሩ።

“እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ቅድሚ ኣብ 2017 ዓ.ም. ተቐባልነት ምርካቡ፡ ኣብ ዓለም ብትኽኽል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥቓም ዝእግድ ሕጋዊ መሳርዕ ኣይነበረን”፡ ስለዚ ካብ ዕለት 22 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ብምዃኑ ነቲ ዝነበረ ጋግ ዘተኻኽል ይኸውን”፡ ስለዚ ይብሉ ብጹዕነቶም- ብዘየማእት ኵነት እቲ ውሳኔ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምስቶም ቅድም ክብል ዝተኣገዱ ካልኦት ዓይነት ኣጽዋር ንጥረ ነገራዊ ጸረ ስነ-ሕይወታውን ኣጽዋር ብማዕረ ሰሪዑ ምጥቓሙ ክልኵል ዝብል እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ቅድስቲ መንበር እቲ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውሳኔ ተፈጻሚ ክኸውን ኣበርቲዓ ከምዝጸዓረትን ኣብ ምስንዳዉ እውን ከምእተሳተፈት ሓቢሮም፡ እቲ ሕጊ ዝኾነ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ምስንዳው ግደኣ ኣብ ሰብኣውነት ዘማእከለን ረባሕታኡ ሰብኣውን ዝገበረን እቲ ኑክለሳዊ ኣጽዋር እጉድ ዝብል ሕጊ ምስ ሰላም ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ብዘተሓሳስብ ኣገባብ ዝግለጽ ምዃኑ የመላኽቱ።

ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብቲ ዘካየድዎ ነዊሕ ቃለ መሕትት፥ “ብቐጥታ ምስ ዝምልከቶም ናይ መንግስታትን ዘይ መንግስታውያንን ኣካላት ብሓባር ወተሃደራውነት ማለት ንወተሃደራዊ ስራሓት ዝተጋነነ ኣገዳስነት ናይ ምሃብን ኣብ ወተሃደራዊ ሓይልን ንጥፈታትን ጥራይ ናይ ምምርኳስ ናይ ዝብል ስርዓት ጸቕጥን ሕድ ዳዊ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ንምስጋር ዝግበር ጻዕሪ ምሕያል ኣገዳሲ እዩ” እዚ እቲ ሓደ ናይቲ ስምምዕ ሕምረት ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ መዳይ ከኣ እቲ ኣብቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ንእገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር፥ ሰላምን ብኹሉ ጽፍሕታት ኣብ ምርጋፍ ኣጽዋርን ዘማእከለ ሕንጸት ኣገዳሲ ምዃኑ ብማዕረ ማዕረ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ መጻእን ንናይ መጻኢ ወለዶ ዝህልዎ ሳዕቤን ኣተሓሒዙ የብርህ። ሕንጸትን ብቑዕ ሓበሬታን ኣስተውዕሎን ሓደ ጭራፍ ናይቲ ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝኾነ ዓለም ቅንስል እያቶም፡ እዚ ምስቲ ሕንጸት ኣብ ሰላምን ካብ ኑክለስ ናጻ ዝኾነ ዓለም ምሕናጽ ምንቕቓሕን ጐስጓሳትን ናይ ሕይወት ባህልን ናይ ምክንኻንን ባህልን ምስ ዝብሉ ክብርታት ተደሚሩ እዩ ቅንስል ኣልቦ ኑለሳዊ ኣጽዋር ዓለም ዘቕውም” ኢሎም።

እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኾሮና ተህዋስ ምኽንያት ዝነብሮ ዘሎ ሕጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣብ ግምት ብምእታው፥ እዚ ለብዒ’ዚ ብዙሕ ይምህረና ኣሎ፥ ብቐዳምነት ከኣ ብዛዕባ ደሕንነት ዘሎና ኣምር ንኽምርምር ይድርኸና፡ ስለዚህ ውሕስነትን ደሕንነትን ብሕድ ሕዳዊ መሃድዶን ብሓፈሻኡ ሓይሊ ናይ ሕጊ መሰረት ምግባርን፥ ሓይልን ጸብለልትነትን ከም መጋበርያ ማዕርነት ገርካ ምጥቓሙ ጌጋ ምዃኑ እዩ ዘመላኽተና። ሰላምን ደሕንነትን ኣብ ዘተን ምትሕብባርን ፍትሕን ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየትን መሰረታውያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባርን ፍጥረትን ተፈጥሮን ምክንኻንን ኣገልግሎት ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ኣብ መንጐ ሕዝብታት ምትእምማን ኣብ ምንቕቓሕ እዩ ክጸንዕ ዘለዎ፡ ዘላቒ መታን ክኸውን” ኢሎም።

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ ክንየው እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምባል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ “ምስ ክዋነ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝኾነ ዓለም ክሳዃዕ ዘለዎ ጉዳይ ከኣ ኵሉ ተራኻቢ እዩ ዝብል ዘፍጥረታዊ ሓቂ እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ይሴባህ  ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘመላኽትዎ፡ እቲ ሕጊ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ነዚ ተራኽቦነት ኵሉ ኣንፈት ዝገበረ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ዝኽተሎ ሜላ ብጽንዓት ናይ ውልቅን ዝተሸፋፈነ ሕቡእ ዝክረ ነገራት ንምርግጋጽ ዝኣመተ ዘይኮነ ንናይ ሓባር ረብሓ ዘተኵር ዘተ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

22 January 2021, 16:10