ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሂሮሺማ፡ ምጥቃምን ምውናንን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኢግብረ ገባዊ እዩ

ናይ ዕርቅን ሰላምን መጋበርያ ብምዃን ገዛእ ርእስና ንተስፋ ርሁዋት ንግበር፡ እዚ ክኡል ዝኸውን ናይ ሓባር ጽሕፍቶ ዘለና ኣብ ምስትውዓልን ከም ኣሕዋት ንሓድ ሕድና እናተፋለጥናን እምትሕልላይን ምስ እንጓዕዝ ጥራሕ እዩ

ኣቶማዊ ጸዓት መጋበርያ ውግእ ምግባር ናይ ሓባር ቤትና መጻእነት ምስንኻል ማለት እዩ፡ ስለዚህ ብርሁ መጻኢ ውሑስ ንምግባር ብሓባር ምጉዓዝ የድሊ እብክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ ሂሮሺማ መዘክረ ሰላም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብኣጽንዖት ሓቢሮም፡ እቲ መዘክር ሰላም ኣብቲ ዕለት 6 ነሓሰ 1945 ዓ.ም. ኣቶሚክ ቦምቢ ኣብ ዝተባርዓሉ ስፍራ ዝቖመ ኰይኑ፡ ቅዱስነቶም ቅድሚ ዘስምዕዎ መደረ ኣብቲ እዋን ናይ ኣቶሚክ ቦምቢ ኣደዳ ካብ ምዃን ዝተረፉ ዝሃብዎ ቃል ምስክርነት ልቦም ከምዝተንከፎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ 1.300 ዝግመቱ ዜጋታት ከምእተሳተፉን፡ ምስክርነት ካብ ኣቶሚክ ቦምቢ ዘምለጡ ወዲ ሰማንያን ሾሞንተን ዓመት ዮሺኮ ካጂሞቶ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ቃል ምስክርነት ከምዘስምዓን ብኣካል ክርከቡ ዘይከኣሉ 91 ዓመት ዝዕድመኦም ኮጂ ሆሶካዋ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቃል ምስክርነት ከኣ ከምእተነበ ዝሓበራ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን

ኣብ ልዕሊ መጻእነትና ዝተፈጸመ ገነብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓቂ ልቦም ተተንኪፎምን ንዅሎም ኣብቲ ርክብ ንዝተሳተፉ ኣመስጊኖም፡ ብቋንቋ ስፓኒሽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡

ኣቶማዊ ጸዓት መጋበርያ ውግእ ክኸውን ምግባር ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ዓቢይ ገበን እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ጸረ ዝዀነ ይኹን መጻእነት ናይ ሓባር ቤትና እውን እዩ፡ ኣቶማዊ ጸዓት ንውግእ መጋበርያ ምጥቃም ኢግብረ ገባዊ እዩ፡ ምውናን ኣቶማዊ ኣጽዋር እውን ክይተረፈ ኢግብረ ገባዊ እዩ፡ … ብዛዕባ ሰላም ብዙሕ ንዛረብ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ብዛዕባ ሰላም ዝበልናዮ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ዘየውዓልናዮ ሓድሽ ወለዶ ክፈርደና እዩ፡

ጸድፊ ዝዀነ ጥልቂ ስቓይ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ 2017 ዓ.ም.፥ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝዀነ ዓለምን ኵለንተናዊ ምርጋፍ ኣጽዋርን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን ኣብ ባንግላደሽ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ምምላሶምን ብዛዕባ ኣጽዋር ውግእ ዝበልዎን ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስቱ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ዓዋዲ መልእኽትን ጳውሎስ ሻድሻይን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን እውን ተውኪሶም፡

ኑክለሳዊ ውግእ ብቐጻልነት ከም መፈራርሒ ምጥቃምን ንዝተፈላለዩ ውግኣት ከም ቅኑዕ መፍትሒ ምጥቃም ዝብል ሓሳብ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን ብዛዕባ ሰላም ከመይ ገርና ክንዛረብ ንኽእል? …. እውነተይና ሰላም ኣብ ምርጋፍ ኣጽዋር ጥራሕ እዩ፡

ኣሕዋት ኣብ ናይ ሓባር ጽሕፍቶ

ስለዚህ ሓቢርና ንኽንጓዓዝ ዝተጸዋዕና ምዃንና ብኣጽንዖት ገሊጾም ነዚ ሓሳብ’ዚ ከብርሁ እንከለዉ፡

ናይ ዕርቅን ሰላምን መጋበርያ ብምዃን ገዛእ ርእስና ንተስፋ ርሁዋት ንግበር፡ እዚ ክኡል ዝኸውን ናይ ሓባር ጽሕፍቶ ዘለና ኣብ ምስትውዓልን ከም ኣሕዋት ንሓድ ሕድና እናተፋለጥናን እምትሕልላይን ምስ እንጓዕዝ ጥራሕ እዩ፡ እንነብረሉ ዓለም ተሟራዃሲ እዩ፡ እዚ ኽአ ብምኽንያት ዓውሎማነት ዝመጸ ዘይኰነስ ወትሩ ካብ ይኹን ዓለም ዝነበረ ናይ ሓባር ቤት - መሬት ስለ ዘሎና እዩ፡ … እዚ ናይ ሓባር መጻኢ ውሑስ የኽውን።

ሰላም ትምጻእ!

ስለዚህ ብስም ኵሎም ግዳያት ዶብዳባት ቦምብን ደብዳባት ሙከራ ኣቶማዊ ቦምብን ብስም ኵሎም ግዳያት ውግኣትን ዓምጽን

ውግእ ጠሪሹ ኣይሃሉ፡ ናይ ጠያይት ሩምታ ኣይሃሉ፡ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ኣይሃሉ! ዕለታዊ ሰላም ኣብ ዓለምና ትምጻእ፡ ዎ እግዚኣብሔር፡ ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ፡ ሓቅን ሰላምን ተሰዓዓማ፡ ሓቂ ወዲ ሰብ ካብ ምድር ኽትቦቍል እያ። ጽድቂ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ፡ (መዝ. 84[85], 10-11) ቢልካ ቃል ኣቲኻልና ኢኻ!

ኣብ ሕዝቢ ዓለም ስምብራት ዝሓደገ ሰዓት

እቲ ናይ ሞትን ሕይወን ውድቀትን ዳግማይ ውልደን ስቓይን ምሕረትን መስቀለይና ስፍራ ዝዀነ መዘክር ሰላም ሂሮሺማ ንኽበጽሑ ድላይ ዝነበሮም ጥራሕ ዘይኰነ ሓላፍነት እውን ይስምዖም ከምዝነበረ ገሊጾም፡

ብሕይወት ዘየለዉ እውን እንተዀነ ገዓር ናይቶም ኣደዳ ኣቶማዊ ቦምቢ ዝዀኑ ኣሕዋት ሎሚ እውን ይስማዕ ኣሎ፡ ካብ ዝተፈላለየ ካባቢ ዓለም ዝመጹ፡ ዝተፈላለየ ኣስማት ዝነበሮም፡ ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረቡ እያቶም ዝነበሩ፡ ኵሎም ኣብ ሓደ ጽሕፍቶ ዝሓበሩ፡ ኣብቲ ጽንኵር ሰዓት ኣብዛ ሃገር እዚኣ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ታሪኽ ስምብራት ዝሓደገ ተፍጻም፡

ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ዓቕም ብቕዓት ዘይብሎም ግዳያት

ቅዱስነቶም ኣብ ሂሮሺማ ናይቶም ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ብቕዓት ኰነ ዓቕሚ እውን ዘይብሎም ናይ እዋንና ግዳያት ስቓዮምን ገዓሮምን ብፍላይ እቶም ምእንቲ ሰላም ዝዓዩን ዝስውኡን መንእሰያት ምህለላ ናቶም ገይሮም፡

ኣብዚ ማእለያ ዘይብሎሉ ተዘክሮን መጻእን ዘለዎ ስፍራ’ዚ፡ ናይቶም ናይ ጽልእን ግጭትን ወትሩ ኣደዳ ዝዀነ ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ድኻታት ገዓር ሒዘ እየ ዝመጻእኩ፡

ቢሎም ዘስምዕዎ መደረ ዛዚሞም ኣብቲ መዘክር ሰላም ኣብ ዝርከብ ናይ ክብሪ መዝገብ ኣብ መሬት ጃፓን ኣብቲ ጽንኩር እዋን ዝተነብረ ናይ ብዙሓት ስቓይን ገዓርን እናሕሰቡ፥ ናይ ሕይወት ኣምላኽ፡ ልቢ ሰብ ናብ ሰላምን ዕርቅን ሕውነታዊ ፍቕርን ለውጦ፡ ኣብቲ ፍድፋድ ዕንወት ዘለሉ ስፍራ ካብኡ ዝተፈልየ ታሪክ ንኽጽሓፍን ንኽኽወንን ዘኽእል ፍድፋድ ተስፋ ክህልው እጽልይ፡ ዝብል ሓሳብ ኣንቦሮም ከምዝከተሙ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሂሮሺማ፡ ምጥቃምን ምውናንን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኢግብረ ገባዊ እዩ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሂሮሺማ፡ ምጥቃምን ምውናንን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኢግብረ ገባዊ እዩ
26 November 2019, 09:10