ድለ

ካርዲናል ታግለ፥ ኣብቲ ድኻታት ዘለውሉ ልኡካነ ወንጌል ይርከቡ ካርዲናል ታግለ፥ ኣብቲ ድኻታት ዘለውሉ ልኡካነ ወንጌል ይርከቡ 

ካርዲናል ታግለ፥ ኣብቲ ድኻታት ዘለውሉ ልኡካነ ወንጌል ይርከቡ

ኩሉ መንፈሳውን ንዋታውን ሓገዝ ብምቕራብ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲኢያን ተልእኾ ክሓብር ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምቅላሕ ኣብዚ እዋን እዚ ዓለምን ሕዝቢ ዓለም ኣብ ጽንኩር ኩነትን ብድሆን እውን እንተሃለወ ተልእኾ ወንጌል ይቕጽል

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጽዕ ካርዲናል ታግለ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጳጳሳዊ ናይ ግብረ ተልእኾ ማሕበር ኣቢሎም መንፈሳውን ሰብኣውን ቅርበትን ንልኡካነ ወንጌል ከምዝገልጹን ንተልእኾ ወንጌል ቁጠባዊ ሓገዝ እውን ከምዝልግሱን እዚ ዓይነት ሓገዝ እውን ከምዘነቓቕሑ ብምኽንያት ዕለት 18 ጥቅምቲ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝሓበሩን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ኣብቲ ብቋንቋ እንግሊዘይናን ስፓይኖሎን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ብናይ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኾ ጨንፈር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተዘርገሔ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ብጹዕነቶም፥ “ተልእኾ ወንጌል ናይ ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ሓላፍነት ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ መንነት እውን እዩ”፡ ምእንቲ’ዚ ክርስቲያን ወንጌል ብቓልን ሕይወትን ንኽምስክሩ ዝተጸውዑ ከምዝኾነ የዘኻኽሩ።

ብሓባር ኣብ ድጋፍ ንተልእኾ ወንጌል

ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተወኪሶም፥ ር.ሊ.ጳ. ብናይ ጳጳሳዊ ናይ ግብረ ተልእኾ ማሕበር ኣቢሎም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳውን ንዋታውን ድጋፍ ብምቕራብ ኩሉ መንፈሳውን ንዋታውን ሓገዝ ብምቕራብ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲኢያን ተልእኾ ክሓብር ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምቅላሕ ኣብዚ እዋን እዚ ዓለምን ሕዝቢ ዓለም ኣብ ጽንኩር ኩነትን ብድሆን እውን እንተሃለወ ተልእኾ ወንጌል ይቕጽልን ነቲ ኣብ ጸገም ዝርከብ የተባብዕን ኣብቲ ድኻታትን ዝተናዕቁን ኣብ ሓሳርን መክራን ዝርከብ ኣብ ዘለውሉ ኣብኡ ተልእኾ ወንጌል ኣሎ፡ ድጋፍናን ቅርበትናን የድልዮም፡ ኣብቲ ዝተናዕቑን ድኻታትን ዘለውሉ ቤተ ክርስቲያን ህልውቲ እያ ከምዝበሉ ጳጳሳዊ ተልእኾ ወንጌል ነሕዛብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

17 October 2020, 22:09