ድለ

2020.10.16 Conferenza stampa di presentazione della Giornata missionaria mondiale 2020.10.16 Conferenza stampa di presentazione della Giornata missionaria mondiale 

ሩጋምብዋ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይኹኖ ተልእኾ ንቕድሚት ይብል

. . . ተልእኾ ወንጌል ብናጽነትን ብኣስተውዕሎን ብስድንውናን ጐይታ መታን ክልእኸና ካብ እግዚኣብሔር ንዝበጽሓና ጸዋዕና መልሲ እንህበሉ ዕድመ እዩ፡ እግዚኣብሔር ይጽውዕ ሰብ ብናጽነትን ኣስተውዕሎን መልሲ ይህብ”

ዕለት 18 ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ዝበዓለሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ናይቲ ዕለት መርሕ ቃል “እነኹ ንኣይ ለእኸኒ” ዝብል ክምዝኾነ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ  ኣቡነ ፕሮታሰ ሩጋምብዋን ናይ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኾ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ጃምፒየትሮ ዳል ቶስን ናይ  ጳጳሳዊ ናይ እስፍሆተ እምነት ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ጃደኡች ኖውክ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “እነኹ ንዓይ ለኣኸኒ” ዝብል ኣርስቱ ከምዝገበሩሉን፥ እዚ ሓሳብ`ዚ ናይታ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ተልእኾ ሕምረት ክኸውን እንከሎ፥ ኣብዚ መርሕ ቃል ዘተኮሩ መደባት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ይካየድ ከምዘሎ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ፕሮታሰ ሩጋምብዋ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣው መግለጺ ሓቢሮም . . . ተልእኾ ወንጌል ንቕድሚ ዝብል ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ምእንቲ እዚ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይኹኖ . . . ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ዘለሉን ዝዓየሉን ኣብ ዝነብረሉን ቀሪቢ ዝበጽሖን ዝልውጦን መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ . . . ተልእኾ ወንጌል ብናጽነትን ብኣስተውዕሎን ብስድንውናን ጐይታ መታን ክልእኸና ካብ እግዚኣብሔር ንዝበጽሓና ጸዋዕና መልሲ እንህበሉ ዕድመ እዩ - ቢሎም -  እግዚኣብሔር ይጽውዕ ሰብ ብናጽነትን ኣስተውዕሎን መልሲ ይህብ” ኢልም።

ንልዕሊ 250 ውጥናት ንምርግጋጽ ሃብቲ ገንዘብ ከምእተዋፈረን

ሰንበት ዕለት 18 ጥቅምቲ ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝእከብ ምጽዋት ንናይ ተልእኾ ወንጌል መሳለጢ ዝውዕል ከምዝኾነ ብጹዕ ኣቡነ ጃምፒየትሮ ዳል ቶሶ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም እዚ መደብ እዚ ብስም ር.ሊ.ጳ. ቤተ ክርስቲያን ንምድጋፍ ዝሃቀነ ከምዝኾነን፡ እቲ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኾ ልዕሊ 250 ውጥናት ኣጽዲቑን መሳለጢ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ሰሊዑን፡ እቲ ዝበዝሔ ናብተን ኣብ ድኻታት ሃገራታ ናብ ዝርከባ ሰበኻታትን ንድኻታት ሰበኻታት ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ንካህናተን መነባብሮ ድጋፍን ብጠቕላላ ነቲ ኣብቲ ኣዚዩ ብድኽነት ዝተጠቕዔ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንዘድልያ ኣገዳሲ ወጻኢታት ዝሽፍን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣባ ጃደኡች ኖውክ ጳጳሳዊ ናይ ኣስፍሆተ እምነት ተግባር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ፥ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካህናትን ኣብ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣስፍሆተ እምነትን ኣብ ዘተኮር መደብ ዘድሊ ሕንጸት ንኽረኽቡ ድጋፍ ከምዝቐርብ ሓቢሮም፡ ተልእኾ ወንጌልን ኣስፍሆተ ኣምነትን ናይ ኩሉ ማሕበረ ክርስቲያን ከከም ጸዋዕታዉ ዝዋሳኣሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ህልው ጭብጥታት ብኣሓዝ

ብምኽንያት መበል 94 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ፥ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ 2018 ዓ.ም. ጭብጥታት መሰረት ገይሩ ኣብ ናይ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብ፡ ኣብ ዓለም 1.328.933.000 ካቶሊካውያን ምእመናንን 5.377 ብጹዓን ጳጳሳትን 376.188 ዓለማውያን ምእመናን ልኡካነ ወንጌልን ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዝሳተፉ ብዝሒ ዓለማውያን ምእመናን ክብ ይብል ከምዘሎን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም 73.164 መውዓሊ ሕጻናትን 103.146 መባእታዊ ኣባይተ ትምህርትን 49.541 ካልኣይ ደረጃ ኣባይቲ ትምህርትን ናይ ግብረ ሰናይን ሓገዝን ኣባይትን ማእከላትን ብጠቕላላ 5.182 ኣባይቲ ሕክምናን 15.481 ናይ ሓገዝ ማእከላት ከምዘለዋ ይሕብር።

ሩጋምብዋ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይኹኖ ተልእኾ ንቕድሚት ይብል
17 October 2020, 15:36