ድለ

2020.10.19 ሓዋርያዊ ኑንጽዮ  ኣብ ኻርቱም ምስ ዘገልግሉ ውሉደክህነት ኤርትራን ሱዳንን 2020.10.19 ሓዋርያዊ ኑንጽዮ ኣብ ኻርቱም ምስ ዘገልግሉ ውሉደክህነት ኤርትራን ሱዳንን 

ንሴብሖ ንሴብሖ ለእግዚአብሔር ስቡሓ ዘተሰብሓ ዉሉደ ክህነት ኻርቱም ምስ ኑንጽዮ

ዓርቢ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2020 ዓም ናይ ሱዳንን ኤርትራን ሓዋርያዊ ኑንስዮ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ሚጐል ከም መቀጸልታ ናይቲ ምስ ምእመናን ብሕልፊ ስደተኛታት ኤርትራ ዝገበርዎ ርክብ ምስ ናይ ሰበኻ ካርቱምን ካልኦት ኣብኡ ዝርከቡ ውሉደክህነት ንምርኻብ ናይ ድራር እንግዶት ጌሮምሎም ።

ኣብ ሃገረ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ንዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ኣሕዋቶም ኰይኖም ዝጓስዩ ዘለው ፍራንቸስካዊ ካህን ኣባ ክፍለኢየሱስ ሎሚ እውን ንሴብሖ ንሴብሖ ለእግዚአብሔር ስቡሓ ዘተሰብሓ እንክብሉ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2020 ዓም እቶም ኣብዚ ቀረባ እውን ድሕሪ ዓመት ምስ መመላእታ ዝገበረ ትጽቢት እንደራሴ ር.ሊ.ጳ ተሸይሞም ናይ ሱዳንን ኤርትራን ሓዋርያዊ ኑንስዮ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ሚጐል ከም መቀጸልታ ናይቲ ምስ ምእመናን ብሕልፊ ስደተኛታት ኤርትራ ዝገበርዎ ርክብ ምስ ናይ ሰበኻ ካርቱምን ካልኦት ኣብኡ ዝርከቡ ውሉደክህነት ንምርኻብ ናይ ድራር እንግዶት ጌሮምሎም

ምትእኽኻብ ዕዱማት!
ምትእኽኻብ ዕዱማት!
ናይ ቡን እንግዶት
ናይ ቡን እንግዶት
ናይ ቡን እንግዶት
ናይ ቡን እንግዶት

ኣብቲ ከም ኤምባሲ ቫቲካን ዝፍለጥ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ዝርከብ ቦታኦም ናይ ሌላን ዘተን እንግዶት ከምዝገበሩሎም ብፁዕ ካርዲናል ዙቤርን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ዲድን ምስ ውለደ ክህነቶም ከምዝተረኽቡ ንሕዝብና ዘገልግሉ ኣባ ስብሓቱ ዘርኣይን ኣባ ክፍለኢየሱስ ገብረስላሴን ብመገሻ ኣብኡ ተወሺቦም ዘለው ካህን ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ኣባ ዳዊት ተኽለን ዝርከብዎም ልዕሊ ኣርባዓ ዝኾኑ ካህናትን ደናግልን ከምኡ እውን ካብ ምእመናን 10 ዝኾኑ ከምዝተረኽቡ ገሊጾም።

ብፁዕነቶም ምስ ገሊኦም ውሉደ ክህነትን ተወከልቲ ምእመናንን
ብፁዕነቶም ምስ ገሊኦም ውሉደ ክህነትን ተወከልቲ ምእመናንን

ኣብቲ እንግዶት ካብ ቊምስና ኤርትራውያን ገለ ምእመናን ተረኺቦም ከም ደቂ ገዛ ኰይኖም ክሕግዙ ከምዘምሰዩ ኩሎም ባህላዊ ክዳኖም ገሮም ከምዘማዕረጉን ምናዳ ኸኣ ወይዘሮ ዮርዳኖስ ዮሴፍ ምስ ጓለን ሻሎም ተወልደ ጽቡቅ እንግዶት ቡን ብምግባረን ዘመስገኑ ኣባ ክፍለኢየሱስ

 

ድሕሪ ድራር ምስ ብፁዕ እንደራሴ ር.ሊ.ጳ አቡነ ልዊስን ጸሓፊኦምን ብሓባር ነዊሕ ዘተን ዕላልን ከምዝካየዱ ብሓቂ መንፈስ ሕውነትን ምርድዳእን ዝዓሰሎ ንመጻኢ ተስፋ ዘለዎም ሓሳባት ተኻፊሎም ኣብ መወዳእታ ንሴብሖ ለእግዚአብሔር ስቡሓ ዘተሰብሓ ዘሚሮም ብቡራኬ ከምዝተሰናብቱ ዝገልጽ ሓጺር መግለጽን ስእልታትን ሰዲዶምልና። ንኣባ ክፍለኢየሱስ ከምወትሩ ብስምኩምን ብስምናን እንክነመስገን ናብራ ስደት ኣብቂዑ ነዛ ናይ ምስጋና መዝሙር ኣብ ዓድና ሓቢርና ክነዘይም ዘሎና ሠናይ ምንዮት ንገልጽ። ጽቡቅ ሥራሕ እግዚአብሔር ይደግፍኩም ከኣ ንብሎም።

ድሕሪ ድራር ምስ ብፁዕነቶም ዝተርኸቡ
ድሕሪ ድራር ምስ ብፁዕነቶም ዝተርኸቡ
ብድምጺ ንምክትታል!

ዮምሰ ወዓልነ ከመ ምስለ ቅዱስ ፍራንቸስኮ

ከምዝፍሇጥ ዓመታዊ ክብረ በዓለ ብዕሇት 4 ጥቅምቲ 2020፡ ዘብዓልናዮ፡ ቅ. ፍራንቸስኮስ በዓል አሲዚ 3 ማሕበራት ኢዩ መስሪቱ። ሓዯ ካብኡ ከአ እቲ ብ1221 ብቤተክርስትያን ወግዓውነት ዝረኸበ፡ ዓሇማዊ ፍራንቸስካዊ ማሕበር (secular Franciscan Order) ዝበሃል ኢዩ። አብዚ አብ ካርቱም፡ ሱዲን፡ 70 ዝኾኑ አባሊት መንእሰያት ሰብ ዓቢይን ንኡስን መብጽዓ ናይ`ዚ ማሕበር`ዚ አሎዉ። እዚአቶም ብማሕበር ተወዱቦም፡ ብዝተፈሊሇየ መንፈሳውን ግዙፋውን መዲይ፡ ንስዯተኛ ሕዝብና ዝሕግዙን፡ አጆኹም ተስፋ አይትቊረጹ እናበለ ተስፋ ዝህቡን እዮም።

ኣብ እንዳ ዘኽታማት ደናግል ቅድስት ማዘር ተረዛ ዘካልኩታ ካርቱም
ኣብ እንዳ ዘኽታማት ደናግል ቅድስት ማዘር ተረዛ ዘካልኩታ ካርቱም

አቦና ር.ሊ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ ንወርሒ ጥቅምቲ ወርሒ ሚስዮንን ሚስዮናውያንን ምኽንያት ገቢሮም፡ ነዚ ዓመት`ዚ ``ንመን ክንልእኽ ኢና፡ መን`ከ ክኸዯልና`ዩ? እንሆኹ አነ በልኩ`` (ኢሳ. 6፡8) ዝብል ቴማ እናስተንተና ክንወርሕ ዓዱሞምና አሎዉ። ጽባሕ ዕሇት 18 ጥቅምቲ ከአ ብዓሇም ሇኸ ዯረጃ ``ሰንበት ሚስዮንን ሚስዮናውያንን`` ተዘኪሩ ይውዕል አሎ። አባሊት ዓሇማዊ ፍራንቸስካዊ ማሕበር ነዚ መሰረት ገይሮም፡ አብዚ ወርሒ`ዚ 3 ተበግሶታት የንቀሳቕሱ አሎዉ። ንሶም ከአ

1. ከም ቅ. ተሬዛ በዓልቲ ኢየሱስ ሕጻን (ጠበኻ ሚስዮን) ብጸሎተ መቚጸርያ ንሚስዮናውያን ምጽሊይ

2. ብግልን ብማሕበርን ስብከተ ወንጌል ሰናይ ግብሪ ምዝውታር

3. አብ ሱዲን ንዘገክግክይ ዘሎዉ ሚስዮናውያን (ካህናትን ዯናግልን) ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ግዙፋዊ ምልክት ሓልዮት ምግባር።

በዚ መሰረት ሎሚ ዕሇት 17 ጥቅምቲ፡ ኩሎም አባሊት ተጠርኒፎም፡ ናብቶም አብ ማእከል ከተማ ካርቱም ዝርከቡ፡ 35 ዝኾኑ ብዯናግል ዯቂ ቅ. ተሬዛ በዓልቲ ካልኩታ፡ ዝናበዩ ዘኽታማት፡ ከይዶም ከዘናግዕዎም ወዓለ። ክልተ ካብዞም ዝተባህለ ሕጻናት ኤርትራውያን እዮም። ንሳቶም አዯታቶም ብስእነት ዓቕሚ ከዕብያኦም ስሇዘይከአሊ፡ ብሰብ ገይረን ንዓኤን ክህባኤን ከምዝወሰና ገሇጻልና። እቲ ነዞም ዘኽታማት ሕጻናት ዝተገብረ፡ ምሳሕ፡ ጨርቀ መርቂ፡ ጽሬት ገዛውቶምን ሙዚቃ ወሉዕካ ምዝንጋዕን ዘጠቓሇሇ መዯብ ነበረ። ቅድሚ ኮቪድ 19፡ ነዚ ከምዚ ዝበሇ ሰናይ ተግባር፡ ካልኦት ዝተፈሊሇዩ ጉጅሇታት`ውን ምእመናን`ውን ይገብርዎ ነይሮም እዮም። ደናግል በዚ ብዙሕ ተሓጒሰንን አመስጊነን። አባሊት ከአ `ዮምሰ ወዓልነ ከመ ምስሇ ቅደስ ፍራንቸስኮ` እናበለ ናብ ገዛኦም ተመልሱ። 

 ኣባላት ሳልሳይ ማሕበር ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ንዘኽታማት ማዘር ተረዛ ክዕንግሉ|
ኣባላት ሳልሳይ ማሕበር ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ንዘኽታማት ማዘር ተረዛ ክዕንግሉ|

ካልእ እዞም ደቂ ማሕበር እዚኦም ዝገብርዎ ዘሎዉ፡ ብወገና ክስዓብ ዝግብኦ ኮይኑ ዝመስሇና ከአ፡ እቲ ንሶም፡ አብ ሱዲን ንዝርከቡ 4 ካህናት ዯቂ ቅ. ፍራንቸስኮስን 5 ዲንግል ዯቂ ቅ. ዲኒኤል ኮምቦኒ (ሓንቲ ካብኤን ኢትዮጵያዊት) ተስፋ ንሃቦም ዝብል ዘካይድዎ ዘሎዉ ወፍሪ እዩ። ንሶም ነዚ አብ ምጅማር እዚ ወርሒ`ዚ፡ ሓዯ ፍለይ ሰታሪ (ጶስጣ) አብ ዝባኑ ብድሙቕ ቀይሕ ቀሇም ``ወርሒ ጥቅምቲ ወርሒ ልኡካነ ወንጌል (Month of October month of Missionaries)፡ ሚስዮናውያን በቲ ኩለ ትገብሩልና እግዚአብሔር ይሃበልና፡ ዚብል ዝተጻሕፎ አዲልዮም ንኹለ ሕዝቢ ስዯተኛ አብ ቤ/ያን ዓዯለ። ንዕሇት 30 ጥቅምቲ ከአ፡ ዓቕምና ዝበልዎ አእትዮም ናብ ቤ/ያን ከምጽእዎ`ሞ፡ ነዞም ዝተባህለ ሚስዮናውያን፡ በቲ ዕሇት እቲ አብ ኤኢዶም ክህብዎም መዯብ ሒዞም አሎዉ። እዚ ከአ፡ ነቶም አብ ኩለ አገዲሲ ምዕራፋት ሕይወትና (ጥምቀት፡ ንስሓ፡ ቊርባን፡ ተኽሉል፡ ቀንዱል) ተረኺቦም ምስጢራት ዝዕድለና፡ ካህናትና ``እግዚአብሔር ይሃበልና`` ንኽብለ ሕዝብና ክሇምዶ አሎዎ እዮም ዝብለ ዘሎዉ። ንአባሊት እዚ ማሕበር ስሇቲ አዚዩ ዘሔጉስ ተበግሶ ሓሳቦም እናድነቕና፡

ንምእመናን ዝተዓደለ ገለ ሒዙ ክምለስ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰታሪት
ንምእመናን ዝተዓደለ ገለ ሒዙ ክምለስ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰታሪት

ካልኦት ምእመናናውን፡ ንሚስዮናውያንን ከምኡ ገቢርና ከነተባብዕ ድርኺት ዘሕድረልና እዩ`ሞ፡ አብነቶም ንስዓብ ንብል።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

19 October 2020, 13:00