ድለ

2020.10.03 cerimonia di recezione del nuovo nunzio apostolico in sudan e eritrea 2020.10.03 cerimonia di recezione del nuovo nunzio apostolico in sudan e eritrea 

ተቅባል ብጹዕ አቡነ ሉዊስ ሚጌል አምባሳድር ሃገረ ቫቲካን ናይ ሱዳንን ኤርትራን አብ ካርቱም

ብፁዕ አቡነ ሉዊስ ሚጌል አምባሳድር ሃገረ ቫቲካን ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ምስ ጽሓፊኦም አባ አንጦንዮስ፡ ሎሚ 2 ጥቅምቲ 2020፡ ምሳና ስደተኛታት ኤርትራ፡ አብ ቤተ ክርስትያን ቅደሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ካርቱም ቀዲሶም።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንሕነሰ ተፈሳሕነ ወዘጥቀ ክቡር አምባሳድር ተፈስሓ ትፍስሕተ ዓቢየ

ጥቀ ክቡር አቡነ ሉዊስ ሚጌል (Mons. Lues Miguel) አምባሳድር ሃገረ ቫቲካን ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ምስ ጽሓፊኦም አባ አንጦንዮስ፡ ሎሚ 2 ጥቅምቲ 2020፡ ምሳና ስደተኛታት ኤርትራ፡ አብ ቤተ ክርስትያን ቅደሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ካርቱም ቀዲሶም። እዚ ዝተጠቕሰ ኤምባሲ ቫቲካን፡ ዳርጋ ንዓመት ዝቀራረብ ጊዜ ብዋና አካያዲ ስራሕ ጥራይ ኪካየድ ድሕሪ ጸኒሑ ኢዩ፡ አቡነ ሉዊስ ነዚ ቦታዚ ተመዚዞም፡ ብ7 መስከረም 2020፡ ናብ ካርቱም ዝአተዉ። ንሶም ምኽንያት ክብረ በዓል ቅደስ ፍራንቸስኮስ በዓል አሲዚ ገይሮም እዮም ምሳና ውዒሎም። ከም ንፈልጦ በዓል ቅ. ፍራንቸስኮስ፡ ሎሚ ዓመት ሰንበት 4 ጥቅምቲ ኢዩ ዝውዕል። እንተኾነ ዝበዝሔ ስደተኛና፡ ሰንበት መዓልቲ ስራሑ ስለዝኾነ ንሎሚ ዓርቢ ዕለት 2 ጥቅምቲ አብዒልናዮ።

ምአመናን ብሰሙኑ ተሓቢሩዎም ስለዝቐነየ፡ ንኽልቲኡ ማለት ንክብሪ በዓል ቅ. ፍራንቸስኮስን ንተቕባል ሓድሽ አምባሳደርን፡ ከማልኡ ብንግህኡ ንቤተ ክርስትያን መልእዋ።

ያሬዳውያን ካብ ሰዓት 6 – 8 ቅ. ቀ. ስቡሕ ኢሎም ድሕሪ አዚሞም ወዲኦም፡ ሰዓት 8 ምስ ኮነ፡
ያሬዳውያን ካብ ሰዓት 6 – 8 ቅ. ቀ. ስቡሕ ኢሎም ድሕሪ አዚሞም ወዲኦም፡ ሰዓት 8 ምስ ኮነ፡

አጋይሽ ምስ መጹ፡ አብ ማዕጾ ክልተ ጽቡቓት ሕጻናት ነጋይሽ ነናቶም ዕትርቲ ዕንባባ ድሕሪ አቐቢለን፡ ሰለስተ ጉጅለ መማህራን (መዘምራን ቅደሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ መዘምራን ቅ. አንጦንዮስ፡ መንእሰያት አባላት ዓለማዊ ፍራንቸስካዊ ማሕበር) ምስኦም`ውን አደታት፡ እናዘመርና ናብ ቤ/ያን አእተናዮም`ሞ፡ ተላቢሶም መስዋዕቲ ቅዳሴ አዕረጉ።

መንእሰያት ብመዝሙር ንብፁዕነቶም እንክቅበሉ
መንእሰያት ብመዝሙር ንብፁዕነቶም እንክቅበሉ

ክቡር ጳጳስ አምባሳደር፡ አብ ስብከቶም፡ በቲ ቆጺርካ ዘይውዳእ ብዝሒ ሕዝቢ፡ እሞ ከአ ኩሉ መንእሰይ ዝበልዎ፡ በገባብ ዝተገብረሎም ተቕባል ሓጎሶም ድሕሪ ገሊጾም፡ ዘስምዕዎ ስብከት አብ 3 ነጥቢ ዝጥቕለል ነበረ።

ክቡር ጳጳስ አምባሳደር፡ አብ ስብከቶም
ክቡር ጳጳስ አምባሳደር፡ አብ ስብከቶም

1ይ- ዝበዛሕና ክንህብትም፡ ክንልዕል፡ ክንፍለጥ ለይትን መዓልትን ንጽዕር እንክንከውን፡ እዚ ሎሚ ነኽብሮ ዘሎና ዓቢይ ጻድቕ ቅ. ፍራንቸስኮስ ግን፡ አንጻሩ ክደኪ፡ ማልት ክትሕትሕ፡ ክደኪ፡ ክርሳዕ ዝጽዕር ኢዩ ነይሩ። ምንጪ ዕቤት ቅድስናኡ ከአ ካብዚ ኢዩ ነይሩ።

2ይ ቅ. ፍራንቸስኮ 5 ብደገ ዝርኤ አቑሳል ቅንዋት ጎ. ኢ. ክ. ንዓመታት ተሸኪሙ ተመላለሰ፡፡ ዝበዝሔ ሰብ ግን፡ ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ``አነስ ስንብራት ስቓይ ኢየሱስ ጸይረ ይኸይድ አሎኹ ዝበሎ፡ ዝርኤ ዘይኮነስ ብደገ ዘይርኤ መስቀል ጸርና ንመላለስ ዘሎና ኢና። ሕልፊ ከኣ ንስኻትኩም ስደተኛታት፡ ስድራኹም፡ ዓድኹም፡ አሕዋትኩም፡ ባህልኹም ወዘተ ገዲፍኩም ተሰዲድኩም፡ ንዓኹምን ንአባላት ስድራ ቤትኩምን ናብ ትሕግዝሉ ስፍራ ክትከደ ሃንቀው ትብሉ ዘሎኹም ስለዝኾንኩም፡ ነቲ ኩሉ ካብዚታት ዝመንጨወ መሳቕል ሒዝኩም ትመላለሱ ዘሎኹም ኢኹም። እምበአር እዚታት ሓደ ካብ መጽደቒኹም ምኻኑ ዘኪርኩም ጽርዎ።

3ይ ቤ/ያን አደና አይገደፈትኩምን፡ ተፍቅረኩምን ትሓልየልኩምን ኢያ። አብ ሃገርኩም ነናይ ዓድኹም፡ ቁምስናታት ገዲፍኩም መጺእኩም። አብዚ ከአ ልክዕ ነታ ናይ ዓድኹም ትመስል ቊምስና ቤ/ያን ሓሊፋ ጸኒሓትኩም። ቆሞሳትኩም ከማኹም ዝሓሸ መጻኢ ሕወት ክረኽቡ ዝተሰደደ ዘይኮኑስ፡ እዞም ሎሚ ክብረ በዓል አቦኦም ዘኽብሩ ዘሎዉ ፈለስቲ ካህናት ካፑቺኒ ኢዮም፡፡ ንሳቶም ንዓኹም ብነፍስን ብስጋን ክጓስዩ አብ ሞንጎኹም ይርከቡ አሎዉ። ዕድለኛታት ኢኹም። ንአምላኽ`ውን አመስግኑ ኢሎም ቃል ስብከቶም ደምደሙ።

ድሕሪ ቅዳሴ፡ ካብ ቤ/ያን ከይወጻና፡ ያሬዳውያን ብአባ ዳዊት ተኽለ ተመሪሖም፡ ንክቡር ጋሻ ቅኔን ሸብሸቦን ገበርሎም። ትሕዝቶ ቅኔኦም፡

ሙኖዝ ተወፈየ አሓተ መርኤተ

ምድረ ካርቱምሂ ጽርሕ፡

ለኤደን እንተ ምጣኔሃ እስከ ዕጽ ነዋህ፡

መርሶ ስደዳን ይእቲ ሕጽረተ አድማስ ኯኩሕ

እንተ ልዊስሂ ዘኮና አቡሃ የዋህ

አምሳሊሁ ገጽ ወርህ ፍሱሕ

ዝብል ነበረ። እቶም ንፈለማ ጊዜኦም፡ ዜማ፡ መቖምያ-ጸናጽል፡ ገዚፍ ከቦሮ፡ ውዝዋሴ አስረጋጭ መንእሰያትን ዝተመልከቱ አምባሳድር፡ ድሒሮም አብዚ ሃገር ካብ ዝመጽእ፡ንፈለማ ጊዜ ምሳኹም ተራኺበ ከም አብ ሰማያዊ መካን ዝውዓልኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡ ብዙሕ ከአ ተሓጒሰ በሉ።

ብፁዕነቶም ምስ ካህናት!
ብፁዕነቶም ምስ ካህናት!

ቀጺሉ፡ ወ/ሪት ሃይገት ተኽለማርያም፡ ሓላፊት አባላት ሳልሳይ ፍራንቸስካዊት ማሕበር፡ ንክቡር አምባሳድር፡ በዚ ዕለት`ዚ ምሳና ምውዓሎም ሓጎሳን ምስጋናአን ድሕሪ ገሊጻ፡ ብዛዕባ አብ ቅ. ፍራንቸስኮስ ዝነበረ ብርቱዕ መንፈስ ተልእኾ ወንጌል ተዛሪባ፡ አባላታ`ውን አብዚ ትማሊ ዝፈለመ ወርሒ ሚስዮናውያንን ምስዮንን፡ መዓልቲ መጸ፡ ከም ቅድስት ተሬዛ (ጠበቓ ሚስዮን) ብጸሎተ መቑጸርይ፡ ንሚስዮናውያን ካህናትናን ደናግልናን፡ ክንዝክሮም ንምእመናን አተሓሳሰበት።

ብፁዕነቶምን ኣባ ክፍለኢየሱስን እንክመሳገኑ|
ብፁዕነቶምን ኣባ ክፍለኢየሱስን እንክመሳገኑ|

ወርሒ ጥቅምቲ ወርሒ ንሚስዮናውያን ብመንፈስን ብግዙፍ ሓልዮትናን ሞራልን ደገፍን ንገብረሉ ወርሒ ኢዩ ከአ በለት። ከምኡ ምግባር ሓደ ህያብ አባላት ዓለማዊ ፍራንቸስኮስ ማሕበር ኢዩ። አብ መጨረሽታ ከአ ንሳ አብዚ ሱዳን ንዓናን ንሱዳናውያንን አገልግሎቶም ዘወፍዩ ዘሎዉ ደቂ ሃገርና ሚስዮናውያን ካህናትን ደናግልን፡ አባ ገብራይ፡ አባ ሰሎሞን፡ አባ ስብሃቱ አባ ክፍለኢየሱስ፡ እናቴ ኦልጋ፡ እናቴ ፍረወይኒ፡ እናቴ ለተመስቀል፡ እናቴ ጸጋ፡ እናቴ ወይኒሸት ምህላዎም ዘኪረን፡ ንስሌኦምን ንስለ ኩሎም ሚስዮናውያንን፡ አብዚ ወርሒ`ዚ ብፍሉይ አብ ጸሎትና ንዘክሮ በለት። ድሕሪኡ ንቅ. ፍራንቸስኮስ ዝምልከት መልእኽቲ ሓዘል፡ ተዋስኦ ብደቂ ማሕበር ቀረበ። ቀጺሉ ንኩሉ ምእመን፡ ብደቂ ማሕበር ዝተሰናደወ፡ ምሳሕ ቀጸለ። ክቡር አምባሳድር በቲ ፈጺሞም ዘይተጸበይዎ፡ እንግዶት ብዙሕ ተሓጎሱን አመስገኑን። በዚ ከአ ፍጻሜ ዕለቱ ኮነ።

ብፁዕነቶም ምስ ካህናትን ምእመናንን ናይ ሓባር ስእሊ!
ብፁዕነቶም ምስ ካህናትን ምእመናንን ናይ ሓባር ስእሊ!

ክብሪ ንእግዚአብሔር ይኹን።

አባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴ

03 October 2020, 13:12