ድለ

ባልዲሰሪ፥ ሲኖዶሳውነት ኣብ ፍራንቸስኮ፡ ብሓባር እትጓዓዝ ህያው ቤተ ክርስቲያን ማለተ እዩ ባልዲሰሪ፥ ሲኖዶሳውነት ኣብ ፍራንቸስኮ፡ ብሓባር እትጓዓዝ ህያው ቤተ ክርስቲያን ማለተ እዩ 

ባልዲሰሪ፥ ሲኖዶሳውነት ኣብ ፍራንቸስኮ፡ ብሓባር እትጓዓዝ ህያው ቤተ ክርስቲያን ማለተ እዩ

ጳውሎስ ሻድሻይ ሓዋርያዊ ግዳሴ ብዝብል ኣርእስቲ ብዝነበሮም ጴጥሮሳዊ ፍልዩ ስልጣን መሰረት ዝኣወጅዎ ሕጊ መሰረት ቅድሚ 50 ዓመት ዘቖምዎ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ

እቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝተጸውዐ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ፡ ዛዕባ ሲኖዶሳውነት ክዝትይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ውሳኔ ኣማእኪሎም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካዲናል ባልዲሰሪ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናይቲ ውሳኔ ገምሪ ቤተ ክርስቲያን ናብ ናይ መበቆላ ኣምር ንኸተብል ዘተባብዕን እዚ ኸኣ ብሓባር እትጓዓዝ ኣብ ታሪኽ ህልውትን ህያው ቤተ ክርስቲያንን ዘመላኽትን እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሲኖዶሳውነት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጵጵስናኦም መሰረት እዩ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን ደጋጊሞም ዝገልጽዎን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ጉባእያውነት ምዃኑን ዘመላኽትዎ ሓሳብ ካብ ምዃን ሓላፊ፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት እውን ብስልጣናዊ ትምህርቲ ንኽግለጽ መታን ሲኖዶሳውነት ዝብል ኣምር ከዕምቑዎን ከጽንዕዎን እንብሉ ዘቕረብዎ ሓሳብን እቲ ድርገት ኣብ 2018 ዓ.ም. ዓሚዩቕ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከምዘቕረበን ዘኪሮም፡ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ኣማእኪሉ ዝዘተየ ሲኖዶስ ኣብ 2022 ዓ.ም. ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ማለት ዲኖዶሳውነት ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክመክር ዝቐረበ ውሳኔ፡ ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ወከፍ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካል፥ ቅድስቲ መንበርን ናይ ውሽጡ መዋቕራትን ሰበኻታትን ቍምስናታትን ክሳብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታን ህልውና ዘጣምር መፈሳዊ ባህይር ዝምልከት ምዃኑ የብርሁ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ናይ ብፁዓ ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን፥ “ሲኖዶሳውነት ኣብ ሳልሳይ ሺሓዊ እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝደልዮ ኪደት እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ኣዘኻኺሮም፡ ስለዚህ ይብሉ፡ ሲኖዶሳውነት ናይ መላእ ብፁዓን ካዲናላትን ጳጳሳትን ናይ ሓባር ጉባኤ ዝብል ኣገላልጻ ሰገር እዩ። ሲኖዶሳውነት ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣገላልጻ፥ ንዅሉ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ተዓዛቢ ዘይኰነ ዘዋስእን፡ ኵሉ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ብዘለዎ ተራ ዘሳትፍ ማለት ምዃኑ የመላኽቱ።

ጳውሎስ ሻድሻይ ሓዋርያዊ ግዳሴ ብዝብል ኣርእስቲ ብዝነበሮም ጴጥሮሳዊ ፍልዩ ስልጣን መሰረት ዝኣወጅዎ ሕጊ መሰረት ቅድሚ 50 ዓመት ዘቖምዎ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ፡ ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ሲኖዶሳውነት ኣብ ኪደት መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሱታፌን ተሳታፍነትን ተልእዀን ዝሓቁፍ መሰረታዊ ምዕዶት እዩ፡ እንክብሉ ከምዝገለጽዎን፡ ናይ ኩሉ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ በዓል ቤታውነት ዘመላኽት እዩ፡ ክንየው ጉባእያውነት ዝብል። ድሮ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ቤተ ክርስቲያንን ሲኖዶስን ጸጋ ጥምቀት  ናይ ዝተቐበሉ ናይ ሓባር ጉዕዞ ማለት እዩ እንክብል ከምዝገለጾ እዩ፡ ስለዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ ነዚ እናስራዊ ኣምር ገምሪ ዝገበረ እዩ፡ እትጓዓዝ ህያውን ብሓባር እትጓዓዝን ቤተ ክርስቲያን ዘመላኽት።

ሲኖዶሳውነት ሰለስተ ኣርካን ኣለዎ፡ እቲ ቀዳማይ፥ ር.ሊ.ጳ. ዝመርሕዎ መላእ ኤጲስ ቆጶሳትን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ዘሳትፍ፡ ብኻእይ ደረጃ ሰበኻዊ ዝበሃል፡ ጳጳስን ካህናትን ዲያቆናትን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ዘሳትፍ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ቍምስናዊ እዩ፡ ቆሞስን ቤት ምኽሪ ቁምስናን ዘሳትፍ፡ ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ዘመኣኽትዎ ሲኖዶስ ኪደትን ዘይምጥጣውን መሃዝነትን የተሓሳስብ። እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን ዝብል እዩ።

ሲኖዶስ ኣብ እዋን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዩ ዝተወልደ፡ ብፁዓን ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀረባ ብምዃን ኣብ ሓዋርያዊ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሱታፌ ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረቡን፡ እቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ ሲኖዶስ ብዝብል ቃል ተገሊጹን፡ በዚ መሰረት እዚ ከኣ ሲኖዶስ፥ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝብል እዩ፡ ኣብዚ ከይተሓጸረ ከምቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተነቓቐሔ ናይ ሓባር ጉዕዞ፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብዘሳትፍ መሰረት ይማላእ። ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካn ብዙሕ ተሰጒይሙ እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ሱግሚ ከየንጠጥው ንቕድሚ ክቕጽል እዩ ድላዮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓሪማዊ ስርዓት (ፒይራሚዳዊ) ዘይኰነ፡ ነዚ ስርዓት ብግምጥልሽ እዮም ዘቕርብዎ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኢየሱስ ንስምዖን ወዲ ዮና፡ “ንስኻ ጴጥሮs ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንጻ እየ” እንክብል ንዝሃቦ ሓዋርያዊ ስልጣን ዘበራትዕን ዝድግፍን፡ እቲ ስርዓት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓላነፍት ዘለዎ ኰይኑ ዝደጋገፍን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ዘዳኽም ኣይኰነን እንልብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ባልዲሰሪ፥ ሲኖዶሳውነት ኣብ ፍራንቸስኮ፡ ብሓባር እትጓዓዝ ህያው ቤተ ክርስቲያን ማለተ እዩ
09 March 2020, 14:59