ድለ

2019.10.26 ሲኖዶስ ብጹዓን አበው 2019.10.26 ሲኖዶስ ብጹዓን አበው 

ዛዕባ ሲኖዶስ አበው 2022: ቤተክርስትያንን ደገፍን!

ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዓም. ነቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ኽካየድ ዝሕሰብ ሲኖዶስ ‘ብዛዕባ እንታይ ይምከር’ ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ናይ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዓውደ ኣኼባ ኣካዪዶም ንር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ እቲ ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ ዝዝትየሉ ርእሰ ጉዳይ ንምውሳን ሰለስተ መዛተዪ ኣርእስታት ከም ሓሳብ ኣቅሪቦም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ ሎሚ ከኣ ቅዱስነቶም ዝመርጽዎ ኣርእስቲ ቤተክርስትያንን ደገፍን ምዃኑ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣበው ብፁዕ ካርዲናል ሎረንሶ ባልዲሰሪ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ንዚመጽእ 2022 ዓምፈ ንመበል 16 ግዜኡ ኪካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ‘ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን ንምቋም፡ ውህደት ሱታፌን ተልእኮን’ ብዝብል መሪሕ ቃል ተማእኪሉ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ነንሕድሕድካ ምድግጋፍ ከመይ ቢሉ ክድንፍዕ ከምዝኽእልን ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝኽሪ መበል ሓምሳ ዓመት ምሥረታ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንምዝካር ዕለት 17 ጥቅምቲ ቅዱስነቶም ነታ ሲኖዶስ ትብል ቃል ኣብ ብሓባር ምጒዓዝ እትብል ቃል ኣጠቃሊሎም ዝሃብዎ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ ‘ጐይታ ካባና ካብ ቤተክርስትያን ሎሚ ከም ሎሚ ዝሓቶ ዘሎ ኣብታ ሲኖዶስ ትብል ቃል ተጠቅሊሉ ይርከብ። እዚ ብሓባር ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝካ ምጒዓዝ ኰይኑ ምእመናንን ጓሶቶምን ምስ ጳጳስ ሮማ ማለት ር.ሊ.ጳ ብሓባር ምጒዓዝ እዩ። ኰይኑ ግን እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ግብሪ ንከተውዕሎ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ` ኢሎም ነበሩ። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ከኣ ‘እግዚአብሔር ናብ ሳልሳይ ሺሕ ዓመት ድሕነት ትጐዓዝ ካብ ዘላ ቤተክርስትያን ዝጽበዮ ጒዕዞ ሲኖዶስ እዩ’ ኢሎም ነሮም።

ቅርጺ ሲኖዶስ ዝተግምጠለ ስሉስ ኲርናዕ!

ኣብ ምሕደራ ብዙሕ ግዜ መራሕን ተመራሕትን ክንብል እንከሎና ብታሕቲ እናሰብሐ ብላዕሊ እናጸበበ ካብ ሓመድ ሓፋሽ ጀሚርካ ናብ ሽማግለታትን ኣመሓደርትን ላዕለዎት ሓለፍትን እናበለ እንጸበበ ነቲ ቀንዲ መራሒ ብላዕሊ ገሩ መልክዕ ስሉስ ኲርናዕ ይህብ።

ብ2015 ዓም ቅዱስነቶም ዘቅረብዎ ሓሳብ ግን ነዚ ሓሳብ እዚ ገምጢሉ እቲ ሓላፊ ትሕትና ተላቢሱ ከምቲ ጐይታ ዝበለ ኣገልጋሊ ኩሎም ኰይኑ መልክዕ ዝተገምጠለ ስሉስ ኲርናዕ ክሕዝ ብምዝኽኻር ሥልታን ኣብ ቤተክርስትያን ኣገልግሎት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ነሮም።

“ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ ሲኖዶስን ቤተክርስትያን ተመሳሰልቲ ምዃኖም ዝዛረቦ ክንርዳእ እንተደኣ ደሊና ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝረኣየሉ ወይ ኪለዓል ዝሕሰበሉ ምንም መንገዲ የለን። እኳ ደኣ ብተጻይ ናይዚ ቤተክርስትያን ዘድልያ ንርእሱ ዘትሕትን ኣብቲ ጒዕዞ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ኣገልግሎት ኣሕዋትን ኣሓትን ክጽመዱ ፍቃደኛታት ዝኾኑን እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ንቤተክርስትያኑ ኣብ ርእሲ ኰክሓ ሃይማኖት ቅዱስ ጴጥሮስ ኪሓንጻ እንከሎ ከም ሓደ ዝተገምጠለ ስሉስ ኲርናዕ ወይ ፒራመድ ብዝምሰል ንሱ መሠረት ኰይኑ ኣገልጋሊ ኣገልገልቲ ምዃኑ ንምምልካት ነበረ። ስለዚ ኣገልግልቲ ሰበሥልጣን ቤተክርስትያን ክንብል እንከሎና እቲ ካብ ኩሎም ዝተሓቱ እዮም ኢሎም ነሮም።”

ደረጃታት ሲኖዶሳዊ ኣሠራርሓ!

ቀዳማይ ደረጃ ኣሠራርሓ ሲኖዶስ በተን ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን እዩ ዝጅምር። ስለዚ ቀዳማይ ቦታ ዝሕዛ ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን እየን። ካልኣይ ቦታ ዝሕዛ ምትእኽካብ ናይዘን ዝኾነ ዞባውያን ኣብያተ ክርስትያን ኰይኖም ፍሉያት ኣብያተ ምኽሪ ናይ ክልል ኣብያተክርስትያናትን ረኪበ ጳጳሳትን የጠቃልል። ናይ መጨረሻ ቦታ ዝሕዝ ከኣ እታ ኩላዊት ቤተክርስትያን እንብላ እያ። ኣብዚ እዩ እምበኣር ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናየን ኩለን በብደረጀአን ብምውካል ምልክት ሓድነት ጳጳሳት ኣብ ውሽጢ ኩላዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኰይኖም ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን ዘቊሙ። ሲኖዶስን ኣሠራርሓ ሲኖዶስንከስ ኣብ ሕብረትን ምስታፍን ዝተመሥረተ ኰይኑ ቤተክርስትያን ኣብ ተልእኾኣ ክትክተሎ ዘልዋ ምናዳ ነቲ ቀንዲ ምንጪ ሕይወታን ሓይላን ዝኾነ ቅዱስ ቊርባን ኣብ እተሠርዓሉ ነዚ መንፈስ እዚ ክተዕዝዝ ከምዘለዋ ብ2018 ነዚ ነጥቢ እዚ ንከጽንዕ ብቅዱስነቶም ዝተኣዘዘ ዓለምለኸ ኮሚሽን ትምህርቲ ንባበ መለኮት እውን ኣውኪእዎ ነሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 March 2020, 18:30