ድለ

ዕብየት ሰላምን ዕርቅን መስከሩ! ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ዝኽሪ ፻ ዓመት ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ

ምሥረታ መበል ሚእቲ ዓመት ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ንምብዓል ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ዚዓረገ ናይ ምሥጋና ቅዳሴ ተረኺቦም ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ምስቶም ቀዳስያን ሓቢሮም ቡራኬ ዝሃቡ ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ናይ እትሓሊ ማሕበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ‘ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተራእየ ሰላም ንካልኦት እውን ዓቢ ትምህርቲ እዩ እሞ ነዚ ንምምስካር ትግሁ` እንክብሉ ንኩሎም ጳጳሳትን ካህናትን ምእመናንን ኣመስጊኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ነቲ ዳዊት መዘመር 'ምንተ አዐስዮ ለእግዚአብሔር በእንተ ኩሉ ዘገብረ ሊተ' ኢሉ ንእግዚኣአብሔር ስለ ኩሉ ሠናይ ነገር ንምምስጋን ጽዋዕ ምሥጋና ከልዕል እየ ዝበለ ብፁዓን ካርዲናል ብርሃነኢየርሱስን ኣቡነ መንግሥተኣብን ኣቡነ ተስፋሥላሴን ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብሕባሬ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣቡነ ባዚል ኣቡነ ኪዳነ ኣቡነ ፍቅረማርያም ኣቡነ ልሣነክርስቶስን ተወክልቲ ኣቡነ ቶማስን ኣቡነ ሙሴን ከምኡ እውን ልዕሊ 30 ዝኾኑ ካህናት ዘዕረግዎን ብዙሓት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ምእመናን ዝተሳተፍዎ ናይ ምሥጋና ቅዳሴ ዓሪጉ። ጽቡቅ ኣጋጣሚ ኰይኑ መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤል ኪዳኖም ዘብዓሉ ኣቶ ብሥራት ገብረን ወይዘሮ ህዳኣት ትንሠኤውን እውን ተወሳኺ ድምቀት ሂቡ ወዓለ።

ብፁዓን ጳጳሳት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ
ብፁዓን ጳጳሳት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ

ሓጐስ ኣብ ርእሲ ሓጐስ በዓል ኣብ ርእሲ በዓል ብምንባሩ ዝኽሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይቲ ቅድሚ 522 ዓመት ዝተጀመረን መሠረት ናይዚ ኮለጅ ዝኾነን ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ እውን ብምንባሩ ድምቀት ኣብ ልዕሊ ድምቀት ወዓለ።

ያሬዳውያን ሊቃውንቲ ብዋዜማን ማህሌተ ሌሊትን ዘምዓዝዎ ጸሎት ምሥጋናን ልመናን ብመሥዋዕተ ቅዳሴ እንክዛዘም ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስን ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብን ኣሕጽር ኣቢሎም ብኣምሓርኛን ብትግርኛን ታሪኽ ኣቦታት ዘኪሮም ንምስጋና ምስ ዓደሙ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ከኣ ኣብ ምዝዛም ቅዳሴ `ዕድለኛታት ኢኹም ሰላምን ዕርቅን ብምርካብኩም ስለዚ ንስኹም ነቶም ፍቅሪ እግዚአብሔር ዘድልዮም ዕብየት ረድኤቱ ንዝጐደሎም ብሩህ መጻኢ ንዝምነዩ መናእሰይን ዝቊረስ እንጌራ ስኢኖም ብጥሜት ንዝሳቀዩን ኩሎም ነዚ ናይ ኣምላኽ ትዕድልትን ጸጋን ዝኾነ ረኺብኩምዎ ዘሎኹም ሰላምን ዕርቅን መሰኻኽር ኩኑ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም።

ድሕሪ ቅዳሴ ጸበል መግደፍ ክዕደል
ድሕሪ ቅዳሴ ጸበል መግደፍ ክዕደል
ብድምጺ ንምክትታል!
14 January 2020, 09:09