ድለ

2020.01.10 ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ቫቲካን 2020.01.10 ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ቫቲካን  

መበል ሚእቲ ዓመት ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ቫቲካን

ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበርን ጳጳሳዊ ኮለጅ ኢትዮጵያን ብሓባር ኰይኖም ነቲ ንብዙሓት ትእምርቲ ዝኾነ ኣብ ሕምብርቲ ሃገረ ቫቲካን ንውልቑ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮለጅ ኢትዮጵያ መበል ሚእቲ ዓመቱ ብኽብሪ ይዝክሩ ኣሎ። ነዚ ከኣ ኣብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ዘምሥራቃውያን ፖንቲፊካን ኦርየንታል ዩኒቨርሲቲ ብዝግበር ዓውደ መጽናዕትን ሰንበት 12.1.2020 ኣብ ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ብዚዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴን ከምዝገብርዎ ተመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እዚ ታሪኻዊ ኮለጅ እዚ መሠረቱ ናይቶም ቅድሚ 522 ዓመት ብብዙሕ ተጋድሎ ብእግሮም ካብ ናይ ሽዑ ኢትዮጵያ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንመንበረ ጴጥሮስ መንፈሳዊ ንግደት ምፍጻሞም ዝመጹ ዝነበሩ መነኮሳን ዝጀመረ ኰይኑ ፍረ ናይቲ ብዕለት 26 ታሕሳስ 1497 ኣብቲ ብ1282 ር.ሊ.ጳ ሲድስቶስ 4ይ ምዕራፈ ጻድቃን ክኾኖም ዘወፈዩሎም ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዘዕረግዎ ቀደማይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሥርዓተ ግዕዝ እዩ። (ካብዚ ቀጺልና ካብ ጽሑፋት ኣባ ተድሮስ ገብረትንሣኤን ኣባ ብሩኽ ወልደጋብርን ዝተፈላለየ ጽሑፋትን ዝተዋጽኤ ሓጺር ታሪኽ በብክፋል ነቅርበልኩም)

ሓጺር ታሪኽ ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ! ቤተ ክርስትያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት

ታሪኽ ኣቦታት ከምዝሕብሮ ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ኣብ ክሊ ዓባይ ቤተክርስትያን ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብድሕሪት እትርከብ ብደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ (ሳንቶ እስተፋኖ ደጝሊ ኣቢሲኒ) ስደት ክርስትና ኣብቂዑ ከተማ ሮማ ክንዲ ከተማ ሰማዕትነትን ስደትን ማእከል ክርስትና ክትከውን ኣብ ዝጀመረትሉ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ብስም ቀዳሜ ሰማዕት ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖስ ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ልዮን 5ይ (440-461 ዓም) ቤተክርስትያን ተሃንጸት። እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ ብግዜ ር.ሊ.ጳ ኣድርያኖ ቀዳማይ (772-795) እንክትሕደስ ብር.ሊ.ጳ ፓስኳለ ቀዳማይ (817-824) እውን ብዙሕ ገጸበረኸታት ተገብረላ። ኰይኑ ግን ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን  ብንጉሥ ናፖሊ ዝነበረ ላዲስላዎ ተጠቅዔት። ብድሕርዚ እንደገና ተዓርያ ዳግም ንኣገልግሎት በቅዔት።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ ካብ 1351 ዓም ጀሚሮም ብዙሓት ነጋድያን መነኮሳትን ዓለማውያንን ካብ ዝተፈላለዩ ኣድባራት ምድረ ሓበሻ፡ ደብረ ቢዘን ደብረ ዳሞ ደብረ ኣለሎ እንዳሥላሴ ወዘተ መንፈሳዊ ንግደት ናብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉን ዝሞተሉን ካብ ሞት ዝተንሠኣሉን መካነ ንግደት ንኢየሩሳሌም ብብዙሕ ጻዕሪ ይፍጽሙ ከምዝነበሩ ገሊኦም ከኣ ኣብዚ ካብ በጻሕናስ መቃብራት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን እውን ክንሳለም ኣሎና ብማለት ክሳብ ሮማ ይቅጽሉ ከምዝነበሩ ታሪኽ የዘንቱ። እዚ ግን ብዙሕ መሥዋዕትን ተጋድሎን ስለዝሓትት ብዙሓት ካብቲ ባህርያዊ ጥሜትን ጽምእን ጀሚርካ ክሳብ ብቃጻ ጸላእቲ ክርስትያን ብሰማዕትነት ዝሞቱ ብዙሓት ከፊልካ እዩ ዝፍጸም ዝነበረ።

ነዚ ዓቢ እምነትን ናይ እምነት ሥራሕን ዝረኣዩ ኣርእስተ ር.ሊ.ጳ ኣብ ቤተ ር.ሊ.ጳ ተቀቢሎም ከም ሥድራቤት ር.ሊ.ጳ ይምግብዎምን የእንግድዎምን ነበሩ። ነቶም መንፈሳዊ ንግደቶም ፈጺሞም ንዓዶም ዚምለሱ ከኣ ዚኣክል ስንቂ ሂቦም የፋንውዎም ነበሩ።

መዛግብቲ ታሪኽ ከምዘመልክቶ እውን ብ1441 ዓም ኣብ ፊረንሰ ከተማ ሃገረ ጣልያን ዝተገብረ ጉባኤ ንክሳተፉ ኣባ ኒቆዲሞስ ኣበምኔት ገዳም ኢየሩሳሌም ንዝለኣኽዎም ኣርባዕተ መነኰሳት ር.ሊ.ጳ ኤውጀንዮ 4ይ ብዓቢ ክብሪ ከምዝተቀበልዎም ከምዘአአንግድዎምን ይዝከር።

ምዕራፈ ጻድቃን ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ!

 እዚ ብሓቂ ንኡድን ሃንጽን መንፈሳዊ ንግደት ናይ ሽዑ ኢትዮጵያውያን ሎሚ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መነኰሳት ልቢ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብምትንካፉ ብ1481 ዓም በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ሲክስቶስ 4ይ ነታ ታሪኻ ኣብ ላዕሊ ብሓጺር ዝገለጽናያ ቤተክርስትያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ንሓበሻ ምስ መዕረፍ ኣጋይሻ ኣወፍይዋ። እዞም መነኮሳት እዚኦም ገሊኦም ንንውሕ ዝበለ እናጸንሑ ገሊኦም እናተመልሱ ከም ምዕራፈ ጻድቃን ኰይና በቲ ንማህሌት መላእክት ዝዳረግ ሥርዓተ ኣምልኾኦም ዚኣክል ምስንዳእ ምስ ገበሩ ንመጀመርያ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብሥርዓተ ግዕዝ ዕለት 26 ታሕሳስ 1497 ዓም ምስ ተቀደሰ ወዮም በብተራ መጺኦም ንተኸተልቲ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ካብ ደገ መመጺኦም ወርሒ መጸ ኣብ በዓለ ቅዱስ እስጢፋኖስ ሰማዕቱ ዝቅድሱ ዝነበሩ ስለዘይተዋሕጠሎም ዋእ ብዘይ ሕጊ እምበር ወሪሶምና ኢሎም ምቅዳስ ገደፍዎ። ወዮም መነኮሳት ጸበቀ ኢሎም ምሉእ ብምሉኡ ወነንቱ ባዕሎም ኰይኖም ከምቲ ሕጊ ገዳማት ሃገርና ዝእዝዞ ሕጊ ማሕበር ኣጽዲቆም ኣበምኔት መሪጾም ባዕሎም ንባዕሎም ክመሓደሩ ጀመሩ። ሥርዓተ ኣምልኾ ግዕዝን ባህሉን ቋንቋኡን ክዝርጋሕ ጀመረ። ብዙሕ ትርጓሜን ጽሑፋትን ብቋንቋ ግዕዝ ኣፍረዩ። በዓል ኣባ ዮሓንስ ፓትከን ዝተባህሉ ቀጥ ኢሎም ቋንቋ ግዕዝ ከጽንዑ ጀመሩ ንመጀመርያ ግዜ ከኣ ብ1513 ዓም መዝሙራት ዳዊትን መኀልየ መኀልይን ብግዕዝ ንሕትመት በቅዑ። ብ1528 ዓም ቊጽሪ መነኮሳት ክሳብ 40 በጽሐ። እቲ መጀመርያ ዘርቀቅዎን ዝምርሑሉ ዝነበሩን ሕጊ ማሕበር ዳግም ብመሪሕነት አበምኔት ኣባ ዮሓንስን ኣባ ተስፋጽዮን ተኽለሃይማኖት ዘደብረ ሊባኖስን ተመሓዩሹ ንካልኣይ ግዜ ወጸ።

ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ 3ይ
ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ 3ይ

ኣባ ተስፋጽዮን ብሊቅነቶምን ብምልከት ቋንቋ ላቲንን ብሱልን ፍሉትን ብምንባሮም ብዛዕባ ሃገሮም ዘድሊ ሓበሬታ ይህቡ ነሮም። ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ 3ይ ኣዝዮም የፍቅርዎምን የኽብርዎምን ስለዝነበሩ ብዙሕ ተሰማዕነት ነበሮም ይበሃል። ናይ ሕትመት ሥራሕ እናተወንጨፈ ከደ ብ1948-49 ዓም ሓዲስ ኪዳንን መጽሓፈ ቅዳሴን ንመጀመርያ ግዜ ምስ ኣኅተምዎ ከምቲ ናይ ስምዖን ኣረጋዊ ንባዕሎም እውን ኣባ ተስፋጽዮን ስለዝተደንቁ  ኣብ መጨረሻ ጽሑፎም ‘ኢታንክሩ ኦ ኣጋእዝትየ ዘንተ ባህለ! እስመ ኣነ ኢትዮጵያዊ ፈላሲ እመካን ለመካን በብሔር ኣረሚ ወክርስትያን ወኣይሁድ ወብሔረ ተንበላት፡ በባህር ወበየብስ ኢረከብኩ ምዕራፈ ሥጋ ወነፍስ፡ ዘእንበለ በሮምያ ምዕራፈ ነፍስ፡ ሃይማኖተ ጴጥሮስ ርትዕት፡ ወዘሥጋ ካልኡ ለጴጥሮስ ጳውሎስ ሣልሳዊ፡ ምሉአ ርኅራኄ ወጥበብ ምስ ኩሎሙ ደቂቁ ወዘተ ማለት ኦ ጐይቶተይ በዚ ባህሊ እዚ ኣይትደነቁ ኣነ ኢትዮጵያዊ ፈላሲ ኰይኑ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዓዲ ኣረሜንን ክርስትያንን ዓዲ ኣይሁድን ዓዲ ተናብልትን ብባሕርን ብመሬትን ኰለል ኢለ እንትርፊ ኣብታ መዕረፊት ነፍሲ ዝኾነት እምነት ጴጥሮስን ተኸታሊኡ ዝኾነ ርሕራሔን ጥበብን ዝመልኦ ጳውሎስን ኩሎም ሰዓብቱን ዝሓዘት መዕረፈ ሥጋን ነፍስን ዕረፍቲ ዘይረኽብኩ እየ’ እናበሉ ነቶም ዝረድእዎምን ዝሕገዝዎምን ምስጋና የቅርቡ፡ ዕርፍቲ ነፍሲ ኣብ ሮማ ኣብታ ርትዕቲ ሃይማኖት መንበረ ጴጥሮስ ከምዝረኸቡ ይገልጹ። ድሕሪ ብዙሕ ኣበርክቶ ከኣ ብ28 ነሐሰ 1550 ዓም ኣብ መበል 42 ዓመት ዕድሚኦም ብሕማም ኣብ ቲቮሊ ዓሪፎም ኣብ ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ተቀብሩ።

ነዊሕ ምዕጻው ገዳም ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ!

ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ምዕራፈ ጻድቃን ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ብዙሕ ኣበርክቶ እናገብረ ክሳብ 1727 ዓም ቀጸለ። ካብ 1727 ዓም ግን ምናልባት ብምኽንያት ውግእን ካልእ ጸገማትን ይኸውን ዋሕዲ ነጋድያን መንኮሳን ስለዝወሓዱ ንቊሩብ ግዜ ተዓጽወ። ግብጻውያን ይትክኡ ንሶም እውን ብዙሕ ጸዋዕታ ስለዘይረኸቡ ድሕሪ ቊሩብ ግዜ ገደፍዎ እሞ ተዓጽወ። ብ1858 ዓም ብሓልዮትን ጻዕርን ቅድስት ቤተክርስትያን እንደገና ይጅምር እሞ ደብተራ ክፍለጊዮርጊስ ዝተባህሉ ብኢየሩሳሌም ኣቢሎም ናብ ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ኣምጽእዎም ኣብኡ ተቀሚጦም ን11 ዓመት ቋንቋ ግዕዝ ንብዙሓት ኣስተምሃሩ። ብድሕሪ ሞቶም እንደገና ከም ቀደሙ ጸመወ።

ካብ 1883 ክሳብ 1919 ማሕበር ቅድስት ሥላሴ ብቋንቋ ላቲን ትሪኒታሪ ዝተባህሉ ማሕበር ሒዞሞ እንክነብሩ ብ30 መስከረም 1919 ብህጹጽ ትእዛዝ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ክሓድግዎን 9 ዝኾኑ መንእሰያት ተመሃሮ ዘርአክህነት ምስ ኣበነፍሶም ኣባ ተኽለማርያም ካሕሳይ ከምዝነብሩሉን ኮነ።

ነዊሕ ምዕጻው ገዳም ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ!

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ኣገባብ ምዕራፈ ጻድቃን ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ብዙሕ ኣበርክቶ እናገብረ ክሳብ 1727 ዓም ቀጸለ። ካብ 1727 ዓም ግን ምናልባት ብምኽንያት ውግእን ካልእ ጸገማትን ይኸውን ዋሕዲ ነጋድያን መንኮሳን ስለዝወሓዱ ንቊሩብ ግዜ ተዓጽወ። ግብጻውያን ይትክኡ ንሶም እውን ብዙሕ ጸዋዕታ ስለዘይረኸቡ ድሕሪ ቊሩብ ግዜ ገደፍዎ እሞ ተዓጽወ። ብ1858 ዓም ብሓልዮትን ጻዕርን ቅድስት ቤተክርስትያን እንደገና ይጅምር እሞ ደብተራ ክፍለጊዮርጊስ ዝተባህሉ ብኢየሩሳሌም ኣቢሎም ናብ ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ኣምጽእዎም ኣብኡ ተቀሚጦም ን11 ዓመት ቋንቋ ግዕዝ ንብዙሓት ኣስተምሃሩ። ብድሕሪ ሞቶም እንደገና ከም ቀደሙ ጸመወ።

ካብ 1883 ክሳብ 1919 ማሕበር ቅድስት ሥላሴ ብቋንቋ ላቲን ትሪኒታሪ ዝተባህሉ ማሕበር ሒዞሞ እንክነብሩ ብ30 መስከረም 1919 ብህጹጽ ትእዛዝ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ክሓድግዎን 8 ዝኾኑ መንእሰያት ተመሃሮ ዘርአክህነት ምስ ኣበነፍሶም ኣባ ተኽለማርያም ካሕሳይ ከምዝነብሩሉን ኮነ።

ካብ ምዕራፈ ጻድቃን ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ናብ ጳጳሳዊ ኮለጅ ኢትዮጵያ!

በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ቅድሚ ህጹጽ ትእዛዝ ምሃቦም ርሑቅ ዝጠመተ መደብ ኲስኰሳ ደቂኣባት ስለዝነበሮም ብ1 ግንቦት 1917 ዓም ንምብራቃውያን ካቶሊክ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር መሥረቱ። ብወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዓመቱ ከኣ ንጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ምብራቅ ማለት ፖንቲፊካል ኦርየንታል ዪኒቨርሲቲ ኣብ ሮማ ብኣዋጅ ኣቆሙ። ነቶም ካብ 1883 ዓም ኣብ ምዕራፈ ጻድቃን ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዚቕመጡ ዝነበሩ ፈለስቲ ማሕበር ቅድስት ሥላሴ ኣሰናቢቶም ከኣ ንኲስኰሳ ማለት ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ሓበሻ ክኸውን ከኣ መደቡ። ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ዝብል ስም ከኣ ተዋህቦ። እቶም ብ30 መስከረም ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘርአ ክህነታት ዓሊተናን ከረንን ዝመጹ 8 መንእሰያት ተመሃሮ ዘርአክህነት ምስ ኣበነፍሶም ኣባ ተኽለማርያም ካሕሳይ ከኣ ኣብኡ ከምዝቅመጡ ገበሩ። ንምምሕዳሩ ብዝምልከት ከኣ ካብ ማሕበር ካፑቺኒ ሓደ ኢጣልያዊ ካህን ገበሩ።

ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15
ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15

ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ኲስኰሳ ናይቶም ካህናት ዝኾኑ ቀንዲ ሳህሮም ስለዝነበረ ምናዳ ኸኣ ሰብኽቲ ወንጌል ኣብ ዝተላእኩሉ ቦታታት ናይ ደቂ ኣባት ኲስኰሳ ትኲረት ኪወሃቦ ይምሕጸኑ ነበሩ። ብ30 ኅዳር 1919 ዓም ማክሲሙም ኢሉድ ማለት ጐይታ ናብ ኣቦኡ ቅድሚ ምምላሱ ንሓዋርያት ዝሃቦም ዝለዓለ ተልእኮ ሑሩ ወመሐሩ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ጸሓፉ። ኣብዚ መልእኽቲ እዚ ናይ ደቀባት ኲስኰሳ ኣብ ኩሉ ማእከላት ስብከተወንጌል ክቀላጠፍ ከምዘለዎ የረድኡን ይእዝዙን። ሽሕ’ኳ ካብ ገሊኡ ክፍላተ ዓለማት ካቶሊካዊ እምነት ኣብ ብዙሕ ዘመናት ከምዝተሰብከ ፍሉጥ እንተኾነ ኰይኑ ግን ናይተን ሃገራት ደቀባት ካህናት ሃለዋት ኣብ ትሑት ኩነታት ከምዝነበረ ኣምሪሮም ይገልጹ። ካህን ወደባት እንተደኣ ብቚዕ ኲስኰሳ ረኺቡስ ብዙሕ ሓዋርያዊ ፍረ ከፍሪ ከምዝኽእል ኣፍለጡ። ብትውልዱ ብጠባዩ ብስምዒቱ ብዝንባሌኡ ምስ ደቂ ዓዱ ዚማማዕ ንሱ እዩ ይብሉ። ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ኣብ ኅሊና ደቀባት ናይ ምቅራጽ ኣገባብ ካብ ዝኾነ ካልእ ጋሻ ኣብሊጹ ዚገልጽ ንሱ እዩ ይብሉ። ካልእ ጋሻ ካህን ኢበጽሖ ዘይኽእል ብወደባት ኪብጻሕ ከም ዚከኣል የፍልቱ። ነዛ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ትመሳሰል ግን ብፍላይ ንምብራቃውያን ኣብያተክርስትያን ንእትሓሊ ማሕበር ዚምልከት ፕሪንቺፒ ኣፖስቶሎሩም  ማለት ርእሰ ሓዋርያት ጐይታ ዝሾሞ ጴጥሮስ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘት ሓዋርያዊት መልእኽቲ ብዕለት 5 ጥቅምቲ 1920 ጽሒፎም ነበሩ።

እዚ ሓዲስ ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ኣብ ትሕቲ ኣባታዊ ሓለዋ ቀዳማይ መሥራቲኡ ንሠለስተ ዓመት ተኻየደ። ኣብቶም ቀዳሞት 8 ተመሃርቲ ብዕለት 28 መስከረም 1921 ዓም ካብ ኤርትራ ዝተላእኩ 4 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ተወሰኽዎም። ካብዞም 12 አርባዕተ ናብ መዓርገ ክህነት በጽሑ፡ ክልተ ብምኽንያት ሕማም እንኪዓርፉ እቶም ዝተረፉ 6 ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብቲ ኮልጅ ተሰናበቱ።

ብ30 መስከረም ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘርአ ክህነታት ዓሊተናን ከረንን ዝመጹ 8 መንእሰያት ተመሃሮ ዘርአክህነት ምስ ኣበነፍሶም ኣባ ተኽለማርያም ካሕሳይ
ብ30 መስከረም ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘርአ ክህነታት ዓሊተናን ከረንን ዝመጹ 8 መንእሰያት ተመሃሮ ዘርአክህነት ምስ ኣበነፍሶም ኣባ ተኽለማርያም ካሕሳይ

መዓልቲ ጐይታ በጺሓ እዞም ነዚ ዓቢ ነገር እዚ ዝገበሩ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ዕለት 22 ጥሪ 19922 ዓም ኣብ መበል 67 ዕድሚኦም ዓረፉ። ናይ ሚላኖ ሊቀጳጳሳት ዝነበሩ ብፁዕ አቡነ ኣምብሮጆ ዳሚያኖ ኣኪለ ራቲ ብ6 ለካቲት 1922 ዓም ፕዮስ መበል 11 ብዝብል ስም ር.ሊ.ጳ ተሾሙ።

ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 እውን ካብ በነዲክቶስ ብዘይፍለ መንገዲ ንኲስኰሳ ደቀባት ዘለዎም መርገጺ ኣብታ ብ28 ለካቲት 1926 ዓም ረሩም ኤክለስየ ነገራት ቤተክርስትያን እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ‘ኣብ ደቡብን ምብራቅን ክፍላተ ዓለም ዚርከቡ ሕዝቢ ዘሮም ትሕት ዝበለ ኣእምሮኦም ዝጐደለ እዩ ቢሎም ዚግምቱ ሰባት ብዙሕ ይጋገዩ። ንሕና ባዕላትና ኣብዙ ጥቃናኣ ብዚርከቡ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብዝተዓዘብናዮ ደቂ እቱ ዝበልናዮ ክፍላተ ዓለም ምስቶም ዝተረፉ ካልኦት ተመሃርቲ ተወዳዲሮም ማዕሪኦም ምውጻእ ጥራሕ ዘይኮነ ካብኣቶም እውን ኪበልጹ ርኢና ኢና። ኣብ ሰበኻታትኩም ዚርከቡ ካህናት ደቀባት ከማኻትም ልኡካነ ስብከተ ወንጌል ማዕረ ዝኾነ መዓርገ ክህነት ከምዘይለበሱን ማዕረ ማዕረኹም ከምዘይሠርሑን (ኣቱም ኣሕሉቅ ሰበኻታት) ኣብቲ ኣገልግሎት ነቲ ዝተሓተ ደረጃ ጥራይ ኪወሃቦም ክትፈቕዱሎም ኣይግበኣካትኩምን። አረ ቅድም ቀዳድም ንዓታቶም ምምራጽ የድልየካትኩም፡ ከመይ እንከ ነታ ንስኻትኩም ብረሃጽኩምን ብድኻምኩምን ዝተኸልክሙዋ ቤተክርስትያን ዚመርሕዋ ንሳቶም እኮ እዮም’ እንክብሉ ሓሳቦም ይገልጹ።

ምንባር እምኒ መሠረት ሓዲሽ ሕንጻ ጳኢኮ!

ምዕራፈ ጻድቃን ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ጳኢኮ ዝብል ስም ለቢሱ ንኲስኰሳ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ሓበሻ እናገልገለ ናይቲ ቦታ ጠልን ኣውልን (ህድሀድ) ኣጋይሽ ምስ ምዃኖም ናይ ክሊማን ባህልን ለውጢ ሓዊስካ ኣብ ጥዕና ተመሃሮ ክሳብ ሞት ዘስዕብ ሕማማት ስለዘኸተለ ኣብ ርእሲኡ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ብልሒ ናይቶም ቊሩባት ተመሃሮ ምስ ረኣዩ ከምቲ ኣብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ዝጠቀስዎ ከምዚኦም ዓይነት ብብዝሒ ክህልው ኣለዎም ብዝብል ሓሳብ ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ልዕል ዝበለ ኲርባ ሃገረ ቫቲካን ክሳብ 25 ተመሃሮ ክሕዝ ዝኽእል ሓዲስ ሰፊሕ ሕንጻ ከህንጹ ስለዝወሰኑ ብዕለት 31 ግንቦት 1928 ዓም ናይ ሓዲስ ሕንጻ ጳኢኮ እምኒ መሠረት ኣምበሩ። እዚ ሥራሕ እዚ ብዓቢ ሥርዓት ተፈጸመ። እዛ ዕለት እዚኣ ኮነ ኢልካ ዝተመርጸት ዕለተ ልደት ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ነበረት። እንካብ ዝውልዱ መበል 71 ዓመቶም ነበረት።

ኣብቲ ሥነ-ሥርዓት 12 ካርዲናላትን ብዙሓት ቤተክህነትን ገዳማውያንን ናይ መሪሕነት ጉባኤ ቅድስት መንበር ሠራሕተኛታትን ገለ ዓለማውያንን ነበሩ። እቲ ሥነ-ሥርዓት ብብፁዕ ካርዲናል ልዊጂ ሲንቸሮ እዩ ተመሪሑ ከመይ ንሶም ንምሥራቃውያን ናይ እትሓሊ ማሕበር ምስሌነ ነበሩ። እዚ ከኣ ናይቱ ማሕበር ዋና ባዕሎም ር.ሊ.ጳ ስለዘነበሩ ንሶም ምስሌነ ወይ ጸሓፊ እዮም ነሮም። ፍሉይ ልኡኽ ቤተክርስትያን ኰይኖም ኣብ ኤርትራ መጽናዕቲ ኣካዪዶም ዝተመልሱን ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ካርዲናል ዝኾኑን ብፁዕ ኣቡነ ለፒስየ እውን ኣብኡ ነበሩ። ኣባ ኪዳነማርያም ካሣ ድሒሮም ቀዳማይ ጸሊም ጳጳስ ብምዃን ናይ ኤርትራ ጳጳስ ኰይኖም ዝተሾሙ እውን ንቤተክህነትን ሕዝብን ኤርትራ ወኪሎም ኣብኡ ተሳተፉ።

 ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11
ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11

ኣባ ብሩኽ ከምዝመልክትዎ ኣብታ እምኒ መሠረት ዝነበረት ብራና ብትእዛዝ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ብኣሕጽሮተ ቃል ብቋንቋ ላቲን (Q.P.F.F.F.S – Quod Prosperum Felix Faustum Fortunatumque Sit) ዝብል ናይ ሠናይ ምንዮት ምሥጢር ዝሓዘላ ፍደላት እየን። ትርጉሙ ከኣ ምዕቡል ደስተኛ ጠቓሚ ዕድለኛ ይኹን ዝብል እዩ። ከምኡ እውን ከም ገለ ዝኾነ ጸገም ኣብ መጻኢ ወለዶ ከየጋጥም ብማለት ኣብቲ እምኒ መሠረት ዝተነድቀ ብራና ኣስማት ናይቶም ኣብቲ ፅነሥርዓት ዝተሳተፉ ዓሠርተው ክልተ ካርዲናላት ተጻሒፉ ክታሞም ተነቢሩሉ ኣሎ። ካርዲናላት ዝለዓለሉ ኣማኸርቲ ር.ሊ.ጳ ብምዃኖም ከም መሰኻኽር ክታሞም ኣንቢሮም በዚ ከኣ ጳኢኮ ዘየወላውል ምስክርነት ዝጨበጠ ኮነ።

ብ1955 ዓም ጳኢኮ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤል ኣብ ዘብዓለሉ ሓደ መጽሔት ብቋንቋ ጣልያን ኣሕቲሙ። ኣብ ገጽ 14 ናይቲ መጽሔት ከኣ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም 12 ካርዲናላትን ኣብ ገጽ 15 ከኣ ስእሊ ናይታ ምስ እምኒ መሠረት ዝተነድቀት ብራና ምስ ክታማት ናይቶም 12 ካርዲናላት ኣሎ።

ብድምጺ ንምክትታል!

ምርቃን ኣዋጅ ምጽዳቅ ጳኢኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን! 

ኩሉ ሥራሕ ሕንጻ ኣብ ምጽፋፍ ገጹ እንከሎ መንግሥቲ ጣልያንን ቅድስት መንበርን ብዘካይድዎ ዝነበሩ ስምምዓት ብዕለት 30 ግንቦት 1929 ዓም ብውዕሊ ላተራን ዝፍለጥ ኣብ መንጎ መንግሥቲ ጣልያንን ቅድስት መንበረን ብዝተኸተመ ውዑል መሠረት ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ዝመርሒኣ ብሓዲስ ቊዋም መንግሥቲ ቫቲካን ቆመ። ብመሠረት እቲ ሕጋዊ ውዕሊ ኣብ ክልል ቫቲካን ዝርከቡ ዝነበሩ ዳርጋ ኩላቶም ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከም በዓል ‘ንኡስ ዘርአ ክህነት ሮማ’ ዚኣመሰሉ ካብ ውሽጢ ቫቲካን ወጻኢ ኣብ ከተማ ሮማ ወጹ። ገሊኦም ጳኢኮ እውን ኣብ ወጻኢ ደገ ይወሃቦ እምበር ዚዓይነቱ ዘረባ ምስ መጸ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ኣብነት ዓይንና ብምጥቃስ ‘ጸሊም ነጥቢ ኣብ ማእከል ጻዕዳ ጽቡቕ እዩ’ ብምባል ሱቚ ኣበልዎም ይበሃል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጳኢኮ ምሉእ ብምሉኡ ተዛዘመ እሞ ብዕለት 12 ለካቲት 1930 ዓም ብኣዋጅ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ሕጋዊ መሰል ዜውህብ ሓዋርያዊ ሰነድ ተኣወጀሉ። ጽሑፍ መስመዪኡ ብላቲን ኩሪስ ኣች ላቦሪቡስ ዝብል ነበረ። ናይቱ ሓዋርያዊ ሕጊ መኽፈቲ ቃላት ኰይነን ትርጉመን ከኣ ‘ብኃልዮትን ብጻዕርን’ የስምዓ።

እዙይ ብ1919 ዓም ንመፈተንታ ተባሂሉ ዝተኸፍተ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ኣብ መበል ዓሠርተ ሓደ ዓመቱ ብጳጳሳዊ ኣዋጅ ዓለም ለኻዊ መሰል ዝለበሰ መንፈሳዊ ትካል ኮነ። 

ይቅጽል!

08 January 2020, 13:16