ድለ

ኣዩሶ ጕይክሶት፥ ሰላም ዘፍጥረት ካብ ምስትንታን ይውለድ ኣዩሶ ጕይክሶት፥ ሰላም ዘፍጥረት ካብ ምስትንታን ይውለድ 

ኣዩሶ ጕይክሶት፥ ሰላም ዘፍጥረት ካብ ምስትንታን ይውለድ

እንነብረሉ ዓለም ተኣፋፍን ኣብ ገለ ገለ እዋን ሕውነታውን ብዙሕ እዋን ኢፍትሓውን ሳሕቲ ተሓባባርን ብዙሕ እዋን ሓቒ ዝኸዋውልን ዘዕንው ቀቢጸ ተስፋነት ናይ ምውላድ ፈተና ዝረኣየሉ እዩ ከምዝበሉን፡ ሓለፋ ንጸሎት ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዕለት 28 ጥሪ 2020 ዓም. ኣብ ጀነቭ ድሕሪ ቐትሪ ዝተፈላለየያ ሃይማኖት ኣብ ዝፈጸመኦ ናይ ሓባር ብዕሎት ከምእተሳተፉን፡ ኣብ ናይ ሓባር ቤትና ሓድሽ ዓይነት ኣነባብራ ክልለይን፡ ሰላም መታን ክውለድ ፈጣሪ ብለጋስነቱ ዝዓደሎን ኢታእላው ጥበቡን ምስትንታን የድሊ እንክብሉ ከምእተላበዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዕለት 1 ጥሪ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፥ ሰላም ከም ናይ ተስፋ ጉዕዞ፡ ዘተን ዕርቅን ምህዳራዊ ምልዋጥን ዝብል ኣርእስቲ ከምዝሃብዎን ኣብቲ መልእኽቶም፡ ናይ ሰላም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጡር ልቢ ዝተሓትመ ቃል ዝብል መንነቱ ክልለይ ከምእተላበዉን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሚገል ኣዩሶ ጉይክሶት ኣብቲ ኣብ ጀነቭ ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝርከባ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድባት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣካልን ናይ ሎሳናን ጀነቭን ፍሪቡርግን ሰበኻታት ሓባራዊ ኣሰናዳእነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኒኮላስ ደ ፍሉወን  ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ብዕሎት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጠቒሶም፡ እንነብረሉ ዓለም ተኣፋፍን ኣብ ገለ ገለ እዋን ሕውነታውን ብዙሕ እዋን ኢፍትሓውን ሳሕቲ ተሓባባርን ብዙሕ እዋን ሓቒ ዝኸዋውልን ዘዕንው ቀቢጸ ተስፋነት ናይ ምውላድ ፈተና ዝረኣየሉ እዩ ከምዝበሉን፡ ሓለፋ ንጸሎት ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት ይብሉ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል - እዚ ዝተዳለወ ናይ ሓባር ብዕሎት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ እቲ ንኹሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት ዝዀነ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ዝተቐደሰ ክብሪ ምኽባር ዝብል ኣጋጣሚ እውን እዩ ምስ በሉ - ንኣና ክርስቲያን ሰላም ኣብ ክርስቶስን ምስ ክርስቶስን ንኽርስቶስን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ምንባር ኣብ ናይ ሓባር ቤትና

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር፡ ቅዱስ ቀለመንጦስ፡ ኣብ ታሪኽ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ራብዓይ ር.ሊ.ጳጳስ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ፥ ከንቱን ዘይጠቅምን ሓሳብ ኩሉ ንየው በልዎ፡ እቲ ክቡር ዝዀነ ባህልና እናኽበርና ነቲ ክቡር ዝዀነ ስርዓት ንከተል፡ የዕንትና ናብቲ ኣቦን ፈጣርን ነብሎ፡ ኣብ ናይ ሰላም ጸጋን መኽሰብን ልዑልነትን ንጥበቕ፡ ነቲ ንዅሉ ብማዕረ መንፈስ ግምት ዝህብን ዘኽብርን ዓብይ ፍቓዱ በተሓሳስባና ነስተንትኖን በዕይንቲ መንፈስ ንጠምንቶ፡ ዝበልዎ ሓስብ ጠቒሶም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ቅዱስ ቀለመንጦስ “ኣብ ናይ ሓባር ቤትና ሓድሽ ዓይነት ኣነባብራ ክልለይን፡ እዚ ፈጣሪ ብለጋስነቱ ዝዓደሎን ኢታእላው ጥበቡን ካብ ምስትንታንን ሰላም መታን ክውለድ” ዝበልዎ ሓሳብ ኣቃሊሖም ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ኣዩሶ ጕይክሶት፥ ሰላም ዘፍጥረት ካብ ምስትንታን ይውለድ
30 January 2020, 17:35