ድለ

ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራቸስኮ ዝተመልከተ ሰላም መርኣያታቱ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራቸስኮ ዝተመልከተ ሰላም መርኣያታቱ 

ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራቸስኮ ዝተመልከተ ሰላም መርኣያታቱ

ስድራ ቤት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕውነት ምንጪ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ እዩ ኸኣ ናይ ሰላም ቀዳማይ መሰረት ዝኸውን፡ ስድራ ቤት ብጸዋዕታኡ መሰረት ነዚ መንፈስ ሕውነት’ዚ ናብ ኩሉን ንዅሉን ብፍቕሪ ዘመሓላልፍ ክኸውን ኣለዎ (መልእኽቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2014 ዓ.ም.)

ካብ 2014 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽታት ሰላም ፍካረታቱ ምልስ ቢልና ንመልከት፡ ዕለት 1 ጥሪ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እመ እግዚኣብሔር ቅድስተ ቅድሳት ማርያም ክብረ በዓል እተብዕለሉ ዕለት እዩ፡ ምስኡ ተተሓሒዙ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ከምዝበዓልም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በዞም በዓላት ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ የዕርጉን ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም እውን የመሓላልፉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽታት፡ ብሕውነት ዝረሓሱ ኣልባባት፡ ካብ ጊልያነት ሓራ ዝወጸ ሕይወትን፡ ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን ዝበድህ ሰላም ንምንቕቓሕ ዘይጐነጻዊ ዘረኢ ዝተዘርኣሉን፡ ናብ ስደተይናታን ተመዛበልትን ኣእዳው ዝተዘርገሓሉን፡ ሰናይ ፖለቲካ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ናይ ዘተን ዕርቅን ጉዕዞ፡ ዘማእድው ተስፋ ዝተመልኦ እዩ፡ ናይ ተስፋ ምልኣት ዘመላኽት እዩ። ምስቲ ብዝተፈላለዩ እከይ ተግባራት ዝተሓላለኸን ዝተመዛበለን ሕብረተሰብ ኵነታት ዝተመሳቐለ እውን እንተዀነ ወትሩ ኣብ ክርስቲያናዊ ተስፋን ኣብ ወጅሂ ኢየሱስ ዘመልሓቐ መልእኽቲ እዩ። ኣብቶም ናይ ቅዱስነቶም ናይ ሰላም መልእኽታት ናይ ቅዱነቶም ግልጽን ድሙቕን ዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ ትምህርቲ ይቃላሕ።

2014 ዓ.ም.፥ ሕውነት ናይ ሰላም መሰረት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፡ ንቕዱስነቶም ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ መልእኽቶም ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረን ሕዝብታትን ብሓሴትን ተስፋን ዝተዀልዐ ህልውና ይምነዩ፡ ናይቲ ናይ 2014 ዓ.ም. ናይ ሰላም መልእኽቲ ሕመረት ሕውነት ዝብል እዩ፡ እቲ ናይ ሰላም መሰረት ዝዀነ ሕውነታዊ መንፈስ ካብ መዕበያ ስድራ ቤት ዝጅምር ምዃኑ የብርሁ፡ ኣብ መንጐ ኣባላት ስድራ ቤት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ መንጐ ሃገራት እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ነቲ ምዕባለ ኣሕዛብ ዘርእስታ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ዓዋዲ መእኽቲ ጠቒሶምን ኣብ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ተወኪሶምን፡ ሰላም ዘይገማማዕ ንዅሉ ኣገዳሲ እዩ፡ ንዅሉ ወይ ንሓደ’ኳ።

ስድራ ቤት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕውነት ምንጪ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ እዩ ኸኣ ናይ ሰላም ቀዳማይ መሰረት ዝኸውን፡ ስድራ ቤት ብጸዋዕታኡ መሰረት ነዚ መንፈስ ሕውነት’ዚ ናብ ኩሉን ንዅሉን ብፍቕሪ ዘመሓላልፍ ክኸውን ኣለዎ  (መልእኽቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2014 ዓ.ም.)።

ኣብ ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ኩሎም ደቂ ሓደ እግዚኣብሔር ኣቦ እያቶም፡ ዝንጸግን ዝውገንን ሓደ’ኳ የልቦን፡ ሕውነት ይብሉ ቅዱነቶም፡ ድኽነት ንምብዳህ መቕድም እዩ። ኣብ ናይ ሃገር ሃብትን ጸጋታን መውሃቢ ኣገልግሎትን ምዕባሌታትን ናይ ኵሉ ረባሒ ናይ ምዃን መሰል ውሕስ ዝገብር ናይ ሕውነት መትከላት ዘነቓቕሕ ፖለቲካ ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽቱ፡ ኣብ ኤኦኖሚ ሕውነት ኣገዳሲ እዩ፡ ሓደስቲ ናይ ኤኮኖሚ ከይድታትን ኣገባብ ሕይወትን ይሓትት፡ ብሕውነት ውግእ ይጠፍእ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ካልእ ሓው ምዃን ኣፍልጦ ዝህብን ዝከናኸንን ይኸውን፡ ሕውነት፥ ፍጥረት ንምዕቃብን ንምልማዕን ዝድግፍ ምዃኑ የመላኽቱ።

2015 ዓ.ም.፥ ደጊም ኣሕዋት እምበር ጊልያዎት ኣይኰንናን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ባሕቲ ጥሪ ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልኽቲ ሰላም፡ ነቲ ሕውነትን ሱታፌ ሕይወትን ዝሃስይ ጥልቂ ኣቛሳል፥ ከም ኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ተምሳሊኡ ዝፍጽሞ ምዝመዛን፡ ብዙሓት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ናጽነቶም ተነፊግዎምን ምስ ናይ ጊልያነት ሕይወት ኣብ ዝመዓራረይ ሓሳርን መከራን ዝወድቑ ከምዘለዉ ዘኪሮምን ብዙሓት ሰራሕተይናታትን ንስራሕ ዓለም ዝዳረጉ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ጠቒሶም፡ ናጽነቶም ዝተሓረሞም ስደተይናታትን ኣብቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዘሕስር ኣመንዝራነት ንኽነብሩ ዝግደዱን እናሓሰቡ፡

ሎሚ ከም ቀደም ናይ ጊልያነት መሰረት እቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ከም መጋበርያ ምጥቃም ዝብል ኣመለኻኽታ እዩ፡ ሓጢኣት ልቢ ሰብ ክብክል እንከሎ፡ ካብ ፈጣርን ካብ ተምሳሌኡን የርሕቖቕን፡ ነቲ ተምሳሊኡ ማዕረኡ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ከምዘለዎ ካብ ዝብል ምስትውዓል ርሒቑ ከም ግኡዝ ነገርን ከም መጋበርያን ንኽምልከቶ ይድረዀ (ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዕለት 1 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ)።

ኣብቲ መልእኽቲ ሰላም 2015 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ዓውሎማዊ ሕውነት ይምዕዱ፡ ንመላእ ዘርእሲ ሰብ፡ ንሰብ ጽቡቕ ድላይን ኵሎም ርሑቕን ቀረባን ንዘለዉን ኣብ ኵሉ ጸፍሕታት ማሕበርሰብ ንዝርክቡን ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ እዋናዊ ጊልያነት ንኽቃወሙን ኣብዚ ግብረ እከይ ዝዀነ ጊልያነት ንኸይሓብሩን ይላበዉ።

2016 ዓ.ም.፥ ዘይተገዳስነት ንምስናፍ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዘይተገዳስነት ምስናፍ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ፡ እቲ ሕዝቢ ዓለም ዝነብሮ ቀዳማይ ዘይተገዳስነት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝነብሮ ሸለልተይናነት እዩ። ካብዚ ንእግዚኣብሔር ዘይምግዳስ ንብጻይካን ተፈጥሮን ዘይምግዳስ ይነቅል፡ ከይተረደኣና ቡቕባቔ ናብ ዘይምንባር ነብል። ንናይ ካልኦት ስቓይን መከራን ዘይምልከቱን ርህራሀ ዘይብሎምን ስለኤም ዘይምሕላይን እቲ ዘጋጥሞም ጸገም ንኣና ዘይምልከተናን ናይ ካልእ ሓላፍነት እዩ ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ንነብር። ሰለይ እናበለ ብዝሰፍሕ ዝሕታለን ዘይጻዕራምነትን ምኽንያት ብዝፍጠር ዓውሎማ ዘይተገዳስነት ሰላም ንዓቢይ ስግኣት ተቓሊዑ ከይርከብ፥

መንግስቲ ደረጃ ንናይ ካልእ ሰብኣዊ ክብርን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነትን ዘይምግዳስን ሸለል ምባልን ምውፋር ክህልውን መኽሰብን ሄዶንነትን ኣገዳስነት ክወሃቦ እንከሎ ሰላም ንስግኣት ዘቓልዕ ዘበለ ኵሉ ንምቕባልን ምኽንያታዊ ንዝገብር ምርጫ ሓለፋ ዝብል ኩነት ይፈጥር፡ ዘይተገዳስነት ዝኣመሰለ ባህረት ንኻልእ ንሓሳር ዝዳርግ ናይ ኤኮኖሚ ፖለቲካ ምኽንያታዊ ንኽትብል ይድርኽን ምግምማዕን ዓመጽን ከይተረፈ ምኽንያታዊ ንምባል ዝዳርግ ይኸውን (ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም 2016 ዓ.ም.)።

ንተፈጥሮ ዘይምግዳስ ምብዳም ኣግራብን ብከላ ከባቢ ኣየርን ምዝባዕን ሕይወታውያን ካብ ከባቢኦም ዘመዛብልን ንዘይተረጋግኤን ኣልቦ ውሕስነት ንዝዀነ ሕይወት ዝዳርግ ዘበል ኵሉ ዳርጋ ከም ቅቡል ንኽትርእዮ ዝድርኽ እዩ ዝኸውን፡ ድኽነት ዝፈጥርን ዘስፍሕን እውን እዩ፡ ነዚ መሰረት ገይሮም ካብ ዘይተገዳስነት ናብ መሓርነት ብምልዋጥ ልቢ ናብ ምቅርራብን ምድግጋፍን ምንቕቓሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ይምዕዱ። ብመንፈስ እቲ ዕለት 13 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ዝኣወጅዎ ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት፥ ዘይተገዳስነት ከይህሉ ዝገብር ሰናይ ተግባር፡ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ከባቢኻን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታን ኩሉ ምንቕቓሕ ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽቱ።

2017 ዓ.ም.፥ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ሰላም፡ ስልቲ ፖሎቲካ ንሰላም

ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መበል 50 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፡ ኣብ እንገብሮም ዕለታዊ ግላዊ ርክባትና ፍቅርን ዘይጐነጸን እንተመሪሖምና ኣብ ማሕበረሰብኣውን ዓለም ለኻውን ርክባት እውን ክመርሑ ከምዝኽእሉ ኣብሪሆም፡ ነፍስ ወከፍና ነዘን ክልተ ሓይላት እዚኤን ናይ እንገብሮ ኩሉ ውሳኔታትን ርክባትን መምዘኒ ገርና ካብ ስድራ ቤት ክሳብ መንግስታት ክንጥቀመለን ሓደራ ቢሎም፡ እንነብረሉ ዘሎና እዋናዊ ዓለም እናተዀላለፈ ዝካየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝንበሮ ይመስል።

እቲ እናተዀላለፈ ብዝተፈላለየ ኣገባባትን ደረጃን ዝፍጸም ዓመጽ፡ ኣብ ዓለም ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ይፈጥር ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረአይ ዘሎ ውግእን ዝፍጸሙ ግብረ ሸብራን ናይ ገበን ጉጅለታትን ሃንደበታዊ መጥቃዕትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታትን ንግድ ሰብን ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ዓመጽን ዝምልከት እዩ (ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2017 ዓ.ም.)።

እዚ ጸገምዚ ሎሚ ዝተፈጥረ ዘይኮነስ ካብ ጥንቲ ከምዝነበረ ንምግላጽ ከኣ ነዊሕ ከይከዱ ኣብ ዘመነ ኢየሱስ ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ኣብ ኣእምሮ ኣርድእቱን ሓዋርያቱን ዝነበረ ንመላእ ሕዝበ እስራኤል ጸሊዩ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ናጽነትን ራእይ መስርሕን ከም ኣብነት ንምጥቃስ ከኣ ኢየሱስ እውን ኣብ ዘመን ዓመጽን ጐነጽን እዩ ዝነበረ ኮይኑ ግን ደጋጊሙ ጐነጽ ኣልቦ ቃልሲ ሰላም እንኮ መፍትሒ ምዃኑ ብቃሉ ካብ ምምሃር ሓሊፉ ነቶም ንክሕዝዎ ዘለዎም ኣጽዋር ኣዋዲዶም ጸልማት ተጐልቢቦም ንምጥቃዑን ንምሓዙን ዝመጹ ሰራዊት ከይረተረፈ ዝገለጾን ብግብሪ ዝተቀበሎን ዝተሰዋኣሉን ምዃኑን በዚ ከኣ ንጽልኢ ኣሸኒፉ ሰላም ከምዘንገሰ ብግብሪ መስኪሩ፡ ነቲ ክከላኸል ፈንጠርጠር ዝበል ቅዱስ ጴጥሮስውን ሰይፊ ዘልዕል ብሰይፊ ዝጠፍእ እንክብል ሓቀይና ተኸታሊ ምዃን ማለት ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ንሰላም ምስዓብ ምዃኑ ብምርግጋጽ ንጸላኢኻ ኣፍቅር ዝብል ሕጊ ክርስቶስ ናይ ሰውራ ክርስትያን ሕመረት ምዃኑ የመልክት እንክብሉ ዓመጽ ዝገደደ ዓመጽ ከምዝወልድ እምበር ሰላም ከምዘየምጽእን ከምዘየውሕስን የመላኽቱ።

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ 2017 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልእኽቲ፡ ናይ ክርስቶስ ኣብነት ብምኽታል ብቀረባ ብግብሪ ዝመስከሩ ሓደ ክልተ ሰባት ንምጥቃስ ዚኣክል ካብ ቅድስት ማዘር ተረዛ ዘካልኩታ ጀሚሮም ብማርቲን ሉተር ኪንግ ኣቢሎም ክሳብ ጋንዲ ብምምልካት፥ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ሰላም ብቈራጽነትን ብጥርኑፍነትን እንተተፈጺሙ ክንገሩ ዘይከኣሉ ዓወታት ከምዘወንዝፍ ንርዳእ፡ ማተዎስ ወንጌል ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 3-10 ናይቶም ብፁዓንን ሕያዎትን እውነተይናን ሰባት ተክለ ሰብነት ከምዘቕርበልና ይገልጹ።

2018 ዓ.ም.፥ ስደተይናታትን ተመዛበልንት፡ ደለይቲ ሰላም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፡ ነቶም ብስእነት ሰላምን ጥምየትን ኣድልዎን ኣሳዶን ዕንወት ተፈጥሮን ሃገሮምን መሬቶምን ሕዝቦምን ኣባይቲ ስድራኦምን ሓዲጐም ንዝስደዱ ሓንጐፋይ ቢልና ንኽንቕበል ይምዕዱ፡ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ሓደስቲ ጊልያነት ግዳያትን እቲ ሃረር ዝብልዎ ሰላም መታን ክረኽቡ፡ ምቕባልን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውሃድን ብዝብሉ ኣርባዕተ ቃላት ዝምራሕ መደብ እንገዳ ክቐርበሎም ክላበዉ እንከለዉ፥

ምእንጋድ ሕጋዊ ናይ መእተዊ ፍቓድ ንስደተይናታትን ናብቲ ካብ ዓመጽን ኣሳዶን ናብ ዘምለጥሉ ሃገሮም ዘይምንጻጐም ዝብል እዩ፡ ምክልኻል፡ ነቶም ካብ ዓምጽን መከራን ሓደገይናን ኩነት ዘምልጡ ዑቕባን ውሕስነትን ምሃብን ከይምዝመዙን ዝብል እዩ፡ ምንቕቓሕ፡ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ምንቕቓሕ ዝብልን ምውሃድ ዝብል ቃል ከኣ፡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብቲ ናይ ዝተኣንገድሉ ሕብረተሰብ ማሕብራዊ ሕይወት ሱታፌ ክህልዎም ዝጠልብ እዩ (ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም 2018 ዓ.ም.)።

2019 ዓ.ም.፥ ቅኑዕ ፖሎቲካ ነገልግሎት ሰላም እዩ

ዓለም ለኸ ዕለተ ርእሰ ዓመት 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ቅኑዕ ፖሎቲካ ንሰላም ዘገልግል እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፡ ቅኑዕ ፖለቲካ፥ ንሰላም ዘገልግልን መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘኽብርን ዘነቓቕሕን ናይ ኵሉ ማዕረን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓላፍነት ከምዝዀነን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ እውን ዝኸይድ ምዃኑ የመላኽቱ፡ ኣብ ፖሎቲካ ሕማቅ ልማዳት እውን ኣለዉ፡ እዚ ከኣ ገሊኡ ካብ ውልቃዊ ጉድለት ዝነቅልን ገሊኡ ከኣ ከባብን ዘሎ ተቊዋማትን ዘፍርዮ ክኸውን ይኽእል።

ከምዚ ዓይነት ጉድለታት ኣብ ፖሎቲካን ኣብቲ ዝህቦ ኣገልግሎትን ማለት ኣብ ስልጣንን ዝውሰድ ውሳኔን ዝግበር ስራሕን እምነት የጉድል። እዚ ሕማቅ ልማዳት እዚ ነቲ ቅኑዕ ዲሞክራሲ የዳኽሞ ናይ ማሕበራዊ ሕይወት ሕንከት ኮይኖም ከኣ ንሰላም ማሕበረሰብ ኣብ ሓደጋ የውድቅ። ሓደ ካብዚ ብልሽውና ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ንሓባራዊ ንብረት ዝኾነ ብምምዝማዝ ወይ ውን ንደቂሰባት ከም መጋበሪ ብምግባር ንመሰል ይግህስ ንሕጊ ማሕበር ኣየኽብርን ዘይሕጋዊ ምህብታም ብዓመጽ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ብሽም ጸጥታ ሃገር ኣብ ስልጣን ጠቢቅካ ምትራፍ ዓሌታዊ ሌላን ጉሌላን ብዛዕባ ተፈጥሮን መሬትን ዘይምግዳስ ቅልጡፍ መኽሰብ ንምርካብ ንባህርያዊ ሃብቲ ብዘይመንገዱ ምምዝማዝ ነቶም ሓሲምዎም ዝተሰዱ ምስትንዓቕ ወዘተ የስዕብ (ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ መልእክቲ ሰላም 2019 ዓ.ም.)።

እንተደኣ ብስልጣን ምስራሕ ንጥቅሚ ናይ ፍሉይ ክብሪ ዘለዎም ውሑዳን ጥራይ ከተኲር ጀሚሩ መጻኢ ዓዲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይወርድ፡ መንእሰያት ከኣ ካብ ማሕበረሰብ ንኽግለሉን ኣብ ናይ መጻኢ መደባት ልምዓት ክሳተፉ ድላይ ዘይብሎምን ናይ ምፍጣር ድላዮም የሰናኸልን ዝነበሮም እምነት ንኸጥፍኡ ይድርኽ፡ ብኣንጻር እዚ እንተደኣ ሓይሊ ፖሎቲካ ንመንእሰያት ከከም ክእለቶምን ጸዋዕታኦምን ብጭቡጥ መንገዲ ኣብ ኩሉ ክሳተፉን ሕልማታቶም ከግህዱን ኣብ ምትብባዕ እንተተጸሚዱ ኣብ ሕልናን ገጽን መንእሰያት ሰላም ክዝርጋሕ ይጅምር። ፖሎቲካ ኸስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ውህበትን ክእለትን ኣለልዩ እንተኽኢሉ ናይ ሰላም መጋበሪ እዩ ዝኸውን ይብሉ።

2020 ዓ.ም.፥ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፥ ሰላም ከም ተስፋ መገዲ እዩ

ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ባህግን ናይ ተስፋና ሸቶ እቲ ዕጹብን ኣመና ክቡርን ጸጋ ሰላም ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፡ ተስፋ ይብሉ፡ ኣብ ጉዕዞ ንኽንርከብ ዝድርኽ ዋላ ዘድክም እውን ይዅን ከይተሓለልና እነማዕድዎ መዓርፎና እዩ

ሰላም ናይ ተስፋ ጉዕዞ እዩ፡ ዘተን ዕርቅን ምህዳራዊ ምልዋጥን እዚ ናይቲ ዕለት 1 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ናይ ዝመሓላለፍ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መልእኽቶም፡ ሰላም ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጸዋዕታ ሕውነታውነት ብምህያው  እንተድኣ ዘይተተስፈኻያ ኣይክትረኽባን ኢኻ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ።

ተስፋ ኣብ ናይ ሰላም ጐዳና ንኽንምርሽ ዘብቅዓና ክኸውን እንከሎ፡ በንጻሩ ዘይምትእምማንን ፍርሕን ግና ተኣፋፍነት ርክባትን ናይ ዓመጽ ስግኣትን ክብ የብል ቢሎም፡ ኣብ ምህዳራዊ ምልዋጥ ጐደና ብምጉዓዝ ማንም ንዘይንጽልን ንዘይዕብልልን ዘተ ክፉታት ብምዃን ናይ ሰላም ኣንጠረይና ምዃን የድሊ እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ፡ ቅዱስ ኣቦና እዚ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቶም፡ሰላም ናይ ተስፋ ጉዕዞ እዩ፡ ዘተን ዕርቅን ምህዳራዊ ምልዋጥን ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎን ሓሙሽተ ምዕራፍ ዘጠቓልል ኰይኑ ዝተፈላለዩ ንሰላም ዝምልከትን ብኸመይ ክሕሰብን ክድለን ከምዘለዎ ዘመላኽት ዝተፈላለዩ መዳያት ዝትንክፍ እዩ።

ተስፋ ናብ ሰላም ዝመርሕ ኣኽናፍ ይጽግወና

ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ባህግን ናይ ተስፋና ሸቶ እቲ ዕጹብን ኣመና ክቡርን ጸጋ ሰላም ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፡ ተስፋ ይብሉ፡ ኣብ ጉዕዞ ንኽንርከብ ዝድርኽ ዋላ ዘድክም እውን ይዅን ከይተሓለልና እነማዕድዎ መዓርፎና እዩ። ንቕድሚት ንኸነብልን ዘይስገር መሰናኽል ዝመስል ከጋጥመና እንከሎ ንኽንሰግሮ ዘብቅዕ ኣኽናፍ ዝህበናን፡ ናይቲ ብዙሕ እዋን ንድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎን ዘድምይ ውግእን ዓመጽን ኣብ ኣምሮን ኣብ ኣካላን ዝሓድጐ በሰላን ስንባደን መቑሰልትን ናይ ውርደትን ተነጽሎን ሓዘን ጓህን ኢፍትሓውነትን ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእስኻ ህዝብታን ኣባይቲ ስድራን ሓዲግዎ ዝሓልፍ ናይ ሞትን ዕንወትን ምልክታን ብሰፊሕ ይዝርዝሩን የብርሁን።

ሕውነት ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጸዋዕታ እዩ

ብዙሓት ሃገራት ካብቲ ጽልእን ዓመጽን ዘተባብዕ ናይ ምዝመዛን ምግባረ ብልሽውናን መቑሕ ገዛእ ርእሰን ናጻ ከውጻ ዝቃለሳ እውን እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ብዙሓት ዜጋታት፡ ሕጻናትን ኣረጋውያንን ከይተረፉ እቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዘጠቓልል ኣካላዊ ኵለንተናውነትን ናጽነትን ክብሮምን ተነፊግዎም ከምዘሎ ኣብሪሆም፡ ዝዀነ ይኹን ውግእ እቲ ኣብ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝተጻሕፈ መደብ ጸዋዕታ ሕውነታውነት የብርስ፡ ናይ ውግእ ምኽንያት ኵሉ ካብቲ ኣብ ካልእ ዘሎ ፍሉይነትን ናይ ምውናንን ጸብለል ናይ ምባልን ምውናንን ድላይ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ብጥልቂ የብርሁ።

ዝንባዐን ናይ ስልጣን ዓመጽን

ውግእ ካብቲ ብኢጐነትን ብትዕቢትን ብጽልእ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ካልእነት ንምሕኻኽን ንምንጻልን ብዝብል ተግባር ካብ ዝብከል ልቢ ሰብ እዩ ዝነቕል፡ እዚ ኸኣ ምዝንባዕ ርክባትን ህንጥይና ዕባላለን ካብ ናይ ስልጣን ዓመጽን ንኻልእ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምፍራሕን ምጥርጣርን ዘይተገዳስነትን የስዕብ፡ ኣብ ጃፓን ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፥ ዓለም ሓቆፍ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምፍርራሕን ዕንወትን ምጽናትን ምስ ዝብል ምርጫ ዘይቃደው እዩ፡ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምዕናውን ምጥፋእን ካልእ ውሑስ ኣይከውንን፡ እንታይ ደኣ ካብ ዓለም ሓቆፋዊ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ካብ ዝብል ስነ ምግባር እዩ ዝውለድ ዝበልው ሓሳብ በስፊሕ ምልስ ቢሎም ኣብቲ ናይ ሰላም መልእኽቶም ይጠቕሱ።

ሕውነት ዘተን ምትእምማንን ይወልድ

ዘይምትእምማንን ፍርሕን ናይ ምርኻብ ተኣፋፍነት ክብ የብል፡ ናይ ዓመጽ ስግኣት የተኣታትውን ናብቲ ሰላማዊ ርክብ ናብ ዘይመርሕ ዓንኬል ክፋእ የእትው፡ ስለዚህ፥

ዓለም ሓቆፍ ሰላምን ምርግጋእ ምስቲ ኣብ ናይ ሕድ ሕዳዊ ምጥፍፋእን ዕንወትን ወይ ብናይ ኵለንተናዊ ምጽናት ብዝብል ምፍርራሕ ውሑስ ምግባር ዝከኣል ኣይኰነን፡ ሕድ ሕዳዊ ምጥፍፋእን ዕንወትን ምስ ሰላምን ምርግጋእን ዝቃደው ኣይኰነን፡ በንጻሩ ሰላምን ምርግጋእን ካብ ዓለም ሓቆፋዊ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ካብ ዝብል ስነ ምግባር እዩ ክብገስ ዘለዎ፡

እቲ ናብ ዘይምትእምማን ዝመርሕ መገዲ ከመይ ገርና ክንኰልፎ ንኽእል? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ኣናስርና ካብ እግዚኣብሔር ምዃንና ብዝብል እምንቶ ዝምራሕ ጭቡጥ ሕውነታውነት ምንቕቓሕን ኣብ ሕድ ሕዳዊ ዘተን ምትእምማንን ነቲ ጭቡጥ ሕውነት ብምልምማድ ምዃኑ የብርሁ።

ዝኽሪ ሕሉፍ ታሪኽ ንሰላማዊ መጻኢ

ተዘክሮ ናይ ተስፋ ደረት ትርኢት እዩ፡ ብዙሕ እዋን ኣብ ደልሃመት ውግእን ዓመጽን ንኡስ እውን ይኹን ዘጋጥመካ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ተግባር ዝለዓለ ብርታዔ ናብ ዝሓትት ጅግንነት ዘብጽሕ ሰናይ ተግባር ንኽትፍጽም ኣስተንፍሶ ክዀነካን ናይ ሓድሽ ሓይሊ ምኽንያትን ኣብ ውልቅን ኣብ ማሕበረሰብን ሓደስቲ ተስፋታት ንኽኹላዕ ዘኽእል እዩ ቢሎም ኣብ ሂባኩሻ ዘካይድዎ ርክብ፡ ምስቶም ካብቲ ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዝተፈነወ ኣቶሚክ ቦምቢ ካብ ዘስዓቦ ህልቂት ምስ ዝተረፉን ሎሚ እውን ናይቲ ዝሓለፈ ዘስካሕክሕ ኩነታት ህያዋን መሰኻኽር ምስ ዝዀኑ ዘካየድዎ ርክብ፡ እቲ ናይ ዝሓለፈ ዘስካሕክሕ ታሪኽ ተዘክሮታቶም ቅኑዕን ሕውነትን ዝዓሰሎ ውሑስ መጻኢ ንምሕናጽ ዝድግፍ እዩ፡ ስለዚህ ተዘክሮ ንህልውን መጻእን ምርጫ ሰላም መሰረትን ኣሰርን እዩ ይብሉ።

ሰላም ካብ ልቢ ዝነቕል ብድሆ እዩ

ስለዚህ ናይ ሰላም መገዲ ምርሃውን ምሕንጻጽን ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ካብቲ ካብ ውልቃዊ ረብሓ ካብ ዝብልን ኣብ መንጐ ሰባትን ሕብረተሰብን ሃገራትን ኣብ ውልቃዊ ረብሓ ካብ ዘማእከለ ርክብ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ቅዱስነቶም ንግብረ ገባዊ ሕልናን ግላውን ፖለቲካውን ድላይ ይግባይ ይብሉ፡ ስለምንታይ ሰላም ካብ ሰብኣዊ ልቢ እዩ ዝውለድ፡ ከምዚ ስለ ዝዀነ ድማ ፖለቲካዊ ድላይ ናብ ዕርቂ ዝመርሑ ሓደስቲ ኪደት ንኸበራትዕን ሰብን ሕብረተሰብን ከዋህድ ናብ ዘኽእል መገዲ ከመስርቕ ክበራትዕ ኣለዎ ኢሎም።

ናይ ሰላም ኣንጠረይናታት

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶ፡ ሰላም ልክዕ ከም ሓደ ዝሕነጽ ቤት ገይሮም ብምቕራብ፡ ናይ ሓባር ድላይ ኣማዕዲኻ ብሓባር ዝግበር ጉዕዞ ዝሓትትን እትብሎን እትኣትዎን ቃል ከየዕበርካ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምኽባር ዝፍጸም ጉዕዞ እዩ፡ ዓለም ባዶ ቓላት ዘይኰነ ዘእምን ምስክርነት እዩ ዘድልዮ። ብዘይ ምንጻልን ዕብለላን ንዘተ ክፉት ዝዀኑ ናይ ሰላም ኣንጠረይታታት እዩ ዘድልዮ፡ ክንየው ፍልልላይትን ፍልልያት ፖለቲካው ህልዮን ብምክብባር ክሳብ ኣብ ጸላኢኻ እውን ወጅሂ ሓው ምልላይ ዝብል ሓቂ ምንዳይ ዝበርኽ እዩ፡ እዚ ትዕግስቲ ዝሓትት ካብ ሕነ ምፍዳይ ኣዚዩ ዝበርትዔ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምርድዳእን ምትሕብባርን ዘህልው ተስፋ ዘርህው ጻዕሪ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ ተዘክሮ ብምንባር ናይ ሓባር ጥቕሚ ብቅኑዕ ስርዓት ኣብ ምድላይ ትዋሳእ።

ኣብ ምሕረት ኣሕዋት ምዃንና ምፍላጥ

ካልኦት ምዕብላል ዝብል ድላይ ምጥንጣን ከምዘድሊ ዘተሓሳሰቡ ቅዱስነቶም፡ ንሓድ ሕድና ከም ደቂ እግዚኣብሔር ኣሕዋት ምዃንና ብዘስተውዕል ኣገባብ ክንረኣኣይ ሓደራ ቢሎም፡ ኣብዚ ጐደና እዚ ብሓባር ምጉዓዝ ካብ ናይ ሕነ ምፍዳይ ሕምቢላሎ ናጻ ንወጽእን ናይ ተስፋ ጐደና ሓንጐፋይ ቢልና ንቕበልን፡ እውነተይና ሰላም ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16፥ ቅኑዕ ናይ ኤኮኖሚ ሜላ ብምሕንጻጽን ብምትግባርን እውን ዝረጋገጽ ምዃኑ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብታ ፍቕሪ ብሓቂ ብዝብል ኣርእቲ ኣብ ዝድረስዋ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ናይ ኢኮኖሚ ሜላ፡ ሞሳውን ሱታፌኣውን ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።

ምህዳራዊ ምልዋጥን ሓድሽ ጥማቶ ንሕይወትን

ቅዱስነቶም ኣብዚ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቶም፡ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ተወኪሶም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ መንፈስ ተጻብኦነትን ንኻልእ ብተጻብኦ ምምልካትን ዝብልን ናይ ሓባር ቤትና ዘየኽብር ተግባርን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዓመጸይና መዝማዚ ትግባረ ኣብ ዝረኣየሉን ንናይ ከባቢ ማሕበረሰብን ናይ ሓባር ቤትናን ተፈጥሮን ኣኽብሮት ዘይብሉ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ ዓለም፡ ምህዳራዊ ምልዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣተሓኣሲቦም፡ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዘኪሮም፡ ንናይ መላእ ዘርእሲ ሰብ ጥቕሚ ምዕባለ እናሓሰብና ኣብ መንጐ ማሕበረሰብን መሬትን ኣብ መንጐ ህላወን ተዘክሮን ኣብ መንጐ ተመክሮን ተስፋን ሰላማዊ ርክብ ክነህሉን ጽን ንምብህሃልን ምስ ካልእ ንምርኻብ ርህው ዝገብርን ህያብ እግዚኣብሔር ንምስትንታንን ምህዳራዊ ምልዋጥ ዘድሊ ምዃኑ እነቕርቦ ጻውዒት ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፡  እቲ ምስ ዓለም ምርኻብ ናይቲ ምስ ኢየሱስ ናይ ምርኻብ ሳዕቤን ክኸውን መታን ተኻፊልካ ኣብ ምንባር ዘሎ ናይ ቁጥብነት ሓሴት ንኸነስተማቕርን ፈጣሪ ብልግስናኡ ዝዓደሎ ጸጋታት ግምት ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ሓድሽ ኣመለኻኽታን ርእየትን ክህልወና ዝመርሕ መገዲ ምዃኑ ሓቢሮም።

መጠን እትትስፈዎ ትረክብ

ቅዱስነቶም እቲ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቶም ናይ መጠቓለሊ ምዕራፍ፡ ኣብቲ ትዕግስትን እምነትን ኣብ ዝብሉ ክልተ ቓላት ዝጠቓለል ናይ ዕርቂ ጉዕዞ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም፡ ሰላም ሃረር እትብላ እንተድኣ ዘይኰንካ ኣይክትረኽባን ኢኻ፡ ኣብቲ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ሓራ ዘውጽእን ዘብርህን ዘይሕለልን ብናጻ ዝዓደለና ፍቕሪ ኣስተንፍሶ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ክንእመን ይግባእ ቢሎም፡ ናይ ምርኻብ ባህሊ እናማዕበልና ክንየው ፍርሕን ዓመጽን ንኽንብል ዓዲሞም፡ ብኵላውነት ኣርካን ሕውነታውነት ንኽንነብር ኣብ ናይ እግዚብሔር ለጋስ ፍቕሪ እምነት ነንብር፡ ብናይ  ዕርቂ ምስጢር ዝተደገፈ ንብጻይን ፍጥረትን ምዕማጽ ካብ ዝብል ተግባር ናጻ ዘውጽእ ኪደት የድሊ፡ … ኣብቲ ዝተቐበልካዮ ምሕረት ምሕረት ንኻልኦት ንኸተካፍል ምጉዓዝ ኣሎ። … ወትሩ ዘየቋርጽ ጉዕዞ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ኣቢልካ ናይ ፍትሕን ሰላምን ኣንጠረይና ትኸውን።

ሰላም ናይ ተስፋ ጉዕዞ እዩ፡ ዘተን ዕርቅን ምህዳራዊ ምልዋጥን ዘርእስቱ ናይ 2020 ዓ.ም. መልእኽቲ ሰላም ዕለት 12 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም።

ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራቸስኮ ዝተመልከተ ሰላም መርኣያታቱ
31 December 2019, 16:55