ድለ

2019.11.28‘ንተልእኮ ካብ ገዛእ ርእሳ ኣብ ምውጻእ እትርከብ ቤተክርስትያን 2019.11.28‘ንተልእኮ ካብ ገዛእ ርእሳ ኣብ ምውጻእ እትርከብ ቤተክርስትያን 

ሓሴት ወንጌል ንዝብል ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሓዲስ ሓይልን ጠመተን ንሃብ! ብ.ኣ ሪኖ ፊዚከላ

ፍኖተ ካርታ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ክንብሎ እንኽእል ኣብ መጀመርያ ዓመት ሲመቶም ኣብ ምዝዛም ዓመት እምነት ብበዓለ ክርስቶስ ንጉሥ 24 ሕዳር 2013 ዓምፈ ‘ኢቫንጀሊ ጋውድዩም - ሓሴት ወንጌል’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝዘርግሕዎ ቃለ ምዕዳን ኣብ ሻድሻይ ዓመቱ ብጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ሓዲስ ስብከተውንጌል ዝተሰናደወ ዓለምለኸ ርክብ ‘ኣብ ተልእኾ ዝተበገሠት ቤተክርስትያን’ ብዝብል ኣርእስቲ ይካየድ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ምስ ሓላፊ ናይቲ ቤትምኽሪ ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ዝገበሮ ቃለ መሕተት ነቅርበልኩም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሕጽር ብዝበለ መልክዑ ናይ’ዚ ዓለምለኸ ርክብ መሪሕ ሓሳብ ‘ንተልእኮ ካብ ገዛእ ርእሳ ኣብ ምውጻእ እትርከብ ቤተክርስትያን፡ ተቀባልነትን ኣንፈትን ሓሴት ወንጌል’ ዝብል እዩ። እዚ ብጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ንሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዝተወደበ ርክብ እዚ ካብ ሎሚ ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር 2019 ዓምፈ ኣብ ከተማ ቫቲካን ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኪካየድ እዩ። ኣብቲ ጉባኤ ካብ መላእ ዓለም ዝተጸውዑ ካርዲናላት ጳጳሳት ካህናት ዲያቆናት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዓለማውያንን ይሳተፉ ኣለው።

ካብቶም ኣብዚ ርክብ እዚ ምስክርነት ክህቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ሓደስቲ መኣዝን ናይ ዝብል ማሕበር መሥራቲት ክያራ ኣሚራንተ ከምኡ እውን ማሕበር ጉጅለ ኣቤል ዝመሥረቱን ሓላፊ ናይ ሊበራ እትብል ምንቅስቃስን ኣባ ልዊጂ ቾቲ ይርከቡ።

ካብ ገዛእ ርእሳ ኣብ ምውጻእ እትርከብ ቤተክርስትያን!

እዚ ርክብ እዚ ሽድሽተ ዓመት ድሕሪ ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ሓሴት ወንጌል ይግበር ስለዘሎ ሽዑ ቅዱስነቶም ብከመይ ከምዝጀመርዎ ንምርኣይ ኣብቲ ቀዳማይ ሕጡበ ጽሑፍ ናይቲ ቃለ ምዕዳን ምልስ ኢልካ ምስ እትምልከት

“ወንጌላዊ ሓሴት ነቶም ምስ ኢየሱ ክርስቶስ ዝራኸቡ ልብን መላእ ሕይወትን የዕግብ። እቶም ንምድሓን ብኣኡ ዝፈቕዱን ንምድሓን ኢየሱስ ዝቕበሉ ካብ ሓጢኣትን ጓህን ካብ ውሳጣዊ ባዶነት ካብ ተነጽሎነት ናጻ ይወጹ። ምስ ኢየሱስ ወትሩ ሓሴት ትውለድ ዳግም ትውለድ። በዚሓዋርያዊ ምዕዳን ኣቢለ መላእ ምእመናን ክርስቲያንን ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ከይዲ ቤተክርስቲያንን ክስዕቦ ናይ ዝግብኦ መገዲ ቀዳማይ ስድሪ ሓሴት ክኸውንን ብሓሴት ዝተሓትመ ክኸውን ንምንቕቓሕ እዩ”

ዝብል ይርከቦ። እዚ ከኣ ነቲ እግዚአብሔር ኣቀዲሙ ኣፍቂሩና ዝብል (1ዮሓ 4.10) መላእ ቤተክርስትያን ክተስተማቅሮን ቀዳማይ ስጉምቲ ከኣ ንሳ ባዕላ ብዘይ ምንም ፍርሒ ክትገብሮ ከምዘለው ነዚ ንምግባር ከኣ ካብ ገዛእ ርእሳ ውጽእ ኢላ ነቶም ርሒቆም ንዘለው ክተናዲ ኣብ ጐዳናታትን ቀራና መንገድታትን ከይዳ ነቶም ዝተነጸሉ ኰይኑ ዝስምዖም ኣብ መኣዲ ጐይታ ንክትዕድሞም ዝቀረበ ጻውዒት ነበረ። ሎሚ ከም ሎሚ ዝሕተት ዘሎ ከኣ ሓሴተ ወንጌልን ስብከተወንጌልን ብከመይ ይደጋገፍ ዝብል ሕቶ ንምምላስ እዩ።

ሓሴተ ወንጌልን ስብከተወንጌልን!

ፕረሲደትን ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ነዛ ሕቶ ንምምላስን ቀንዲ ዕዮ ገዛ ናይዚ ርክብ ንምግላጽን ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከምዚ ይብሉ።

“እዚ ርክብ እዚ ንኩልና የሐጒስና ንኩልና ከኣ ሓላፍነት ከምዝስመዓና ይገበር። ከመይ ካብ 63 ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ኣባላት ይሳተፉ ኣለው። ካብ ኦሽያንያ ኣትሒዝካ ክሳብ ኤስያ ካብ ኣፍሪቃ ጀሚርካ ክሳብ ኤውሮጳ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ጀሚርካ እታ ብላቲን ኣመሪካ እትፍለጥ ደቡብ ኣመሪካ ኩላ ተጋቢኣ ኣላ። እታ ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቢቫንጀሊ ጋውድዩም ወይ ሓሴት ወንጌል ዝተደልየድ መልክዕ ቤተክርስትያን ሎሚ በዚ ቤተክርስትያናዊ ዓለምሓቆፍ ርክብ ንጅምራ ኣሎና። እዚ ጒዕዞ እዚ በበይንኻ ትጐዕዞ ዘይኮነ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ብሓባር ዝግበር ጒዕዞ ኰይኑ ቅድሚ ዝኣገረ እዛ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ዝተጻሕፈት ሓዋርያዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ኣብ ኩለን ማሕበራትን ብከመይ ተቀቢልናያ። ነዚ እንክንገብር ከኣ ነቲ ር.ሊ.ጳ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ክጽሕፉ እንከለው ምሉእ ጒስነታዊ መደቦም ኣብቲ ብ2012 ዓምፈ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ተመርኲሶም እዚ ከኣ ሓዲስ ስብከተ ወንጌልን እምነትና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምትሕልላፍን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ምንባሩ ኩልና ንዝክሮ እዩ። ስለዚኸስ ኣብዘን ብጻዕቂ ክንሰርሓለን ተጋቢእና ዘሎና ዕለታት እዚአን ምስ ፈጸምና ምስቲ ጉባኤ ዘቅርቦ ለበዋታትን ምሕጽንታታትን ዳግም ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺበና ትምህርቶምን ማዕዳኦምን ክንሰምዕ ኢና።”

እንክብሉ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ዓለምለኸ ርክብ ምስ ገለጹ ቀጺላ ዝቀረበትሎም ሕቶ ምጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ከመይ ዝበለ ተቀባልነት ረኺቡ ነዚ ቃለምዕዳን እዚ ዝተዋህበ ግብረ መልሲኸ ኣሎዶ እንታይከ ይመስል እትብል ነበረት። ብፁዕነቶም ከምዚ ክብሉ ብኣዎንታ ይምልሱ።

“እወ ኣሎ! ነቲ ኣብ ዙርያ ሓዲስ ስብከተወንጌል ኣብ ማሕበራትን ዝረኤ ዓቢ ምንቅስቃስ ኣይንረስዕ። ኣብዚ ርክብ እዚ ገሊኦም ምስክርነቶም ክህቡ ዝጸዋዕናዮም ንማለቱ ዘይኮኑ ንጉዳይ ስብከተወንጌል ብዝተፈላለየ መንገዲ ሕይወት ከምዝልበስ ዝገበሩን ዝምስክሩን ኣለው። መሥራቲት ሓደስቲ መኣዝናት ዝብል ምንቅስቃስ ቀንዲ ሥራሑ ከኣ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሰባት ንምርካብ ምኻድ ዝኾነ ክያራ ኣሚራንተ ምስክርነታ ክትህብ እያ። ከምኡ እውን ጽባሕ ንግሆ ኣብ ካናዳ ነዚ ቃለ ምዕዳን ስዒቢ ዝተመሥረተ ካቶሊክ ክሪሽያን ኣውትሪቺንግ ካናዳ ኣብ ካናዳ ናይ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ፈጢኑ ዝበጽሕ ማሕበር መሥረቲ ኣንድረን ኣንጅል ረኘን ነቲ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ስብከተወንጌል ተዋፊሮምሉ ዘለው ክምስክሩ እዮም። ከመይ ኣባላት ናይዚ ምንቅስቃስ እዚ መብዛሕትኦም መንእሰያት ኰይኖም ምሉእ ሕይወቶም ንስብከተወንጌል ዘወፈዩ እሞ ካብ ክፍልታት ዪኒቨርሲቲ ጀሚሮም ብምዝውታር ካብኡ ናብ ቊምስናታት ብምምዳብ ክሳብ ኣብተን ብናኣሽቱ ማሕበራት ክርስትያን ዝፍለጣ ብምብጻሕ ኣብታ ሰፋሕ ሃገረ ካናዳ ስብከተ ወንጌል የካይዱ ኣለው። ኣብ ርእሲ ድማ ብዙሓት ካብ ቊምስናታት ዝመጹ ነዚ ናይ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ መደብ ኣብ መደባት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ቊምስናታቶም ብምዝውታር ዝረኸብዎ ኣዎንታዊ ነገራት ክምስክሩ እዮም። ከምኡ እውን ካብ ደቡብ ኣመሪካ ናይ ኮሎምብያ ቦጎታ ጳጳስ ምስክርነት ክህልወና እዩ። ምስዚ እዚ ኩሉ ከኣ ክንርስዖ ዘይብልና ከምቲ ር.ሊ.ጳ ዝበልዎ ቤተክርስትያና ወትሩ ምስ ድኻታት ብምውጋን ከምእትሰርህ ዘመልክት ኣባ ልዊጂ ቾቲ ኣብ ሃገረ ጣልያን ጉጅለ ኣቤል ብዝብል ስም ዝመስረቶ ማሕበርን ዝህቦ ኣገልግሎትን ኣመልኪቶም ክምስክሩን ስብከተወንጌል ኣብቲ ማሕበረሰብና ዝጽዕኖ ማሕበረሰባዊ ጸገማት ዘለዎ ግደን ክገልጹላን እዮም። ናይ ኣለፖ ሃገረ ሲርያን መትሮጶሊጣ እውን ክህልው እዮም። ስለዚኸስ 360 ዲግሪ ናይ ዓለምና ምስ ፍሉይነቱ ዝሓዘ ምስክርነት ስብከተወንጌል ክህልወና እዩ ኢሎም።”

በዚ ከምዚኸስ ክሳብ ለይቲ ሎሚ እዛ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል እትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳን ትምህርታን ተቀባልነታ ከመይ ከምዘሎ ብምዕዛብ ሓዲስ ሓይልን ጠመተን ክንህብ ንደሊ እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
28 November 2019, 17:54