ድለ

ሲኖዶስ፡ ንመንእሰይ ኣብ ከይዲ ልልያ ንምስናይ ሲኖዶስ፡ ንመንእሰይ ኣብ ከይዲ ልልያ ንምስናይ  

ሲኖዶስ፡ ንመንእሰይ ኣብ ከይዲ ልልያ ንምስናይ

መንእሰይ ጽን ዝብሎን ዝሰምዖን በጽሒ ትውልዲ ሃሰስ ይብል፡ ግዜ ዝህቦን ዝስምዖን፡ ዝዀኖ ዝኸውን እንገዳን ኣኽብሮቶን ዘቕርበሉን፡ ኣብ ልልያ ዝፈርዶ ዘይኰነስ ዘሰንዮም ይደሊ፡ ኣብ ጸውዋዕታ እውን ከምኡ። ኣብዚ እዋን’ዚ በጽሒ ትውልዲ ንእሰነታውነት ዘጥቅዖ ብምዃኑን መንእሰይ ኰይኑ ኣብ ምንባር ዝገብሮን ዘርእዮን ተግባራትን በጽሒ ትውልዲ ዝብል ሓቃዊ ምዃኑ ሓኺኹ ናብ መንደላይነት ክትክእ ኣብ ዝመጣጠረሉ እዋን፡ ዘሎ መእሰይ ወለዶ ብዓቢይ ሃንቀውታ ሃረር ዝብሎን ዘለዎ ጽምኢ ሰማዕን ኣዚዩ ዓሚዩቕ ምዃኑ ተስተውዕል።

ዕለት 5 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን እቲ ዛዕባ መንእሰይ ወለዶ ዝመክር ዘሎ መበል 15 መደበይና ጠቕላሊ ጉባኤ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ሳልሳይ ዓውደ ጉባኤ፡ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ራብዓይ ውዕሎ፡ ካብ መድረኽ ሲኖዶስ ኣብቲ ዛዕባ ቀዳማይ ክፍሊ ናይ ሲኖዶስ ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ዘተኰረ ካብ ዕስራ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዝቐረበ ሓሳብ ኣሞርኪዙ ከምእተመያየጠን ኣስዒቡ እውን ካብቶም ብመሰል ሰማዕነትን ብፍሉያት ተዓዘብነት መሰል ካብ ዝሳተፉ ውሽጢ ንሾመንተ ተጋባእያን ሓሳቦም ንኸቕርቡ  ዕድል ዝተወሀብሉ ውዕሎ ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን  ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ቀረባ እዋን ቤተ ክርስቲያን ቅድስና እትእውጀሎም ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ፥ “ሎሚ ብዙሓት ብዛዕባ መንእሰያት ክዛረቡ እንከለዉ፡ እቶም ንመንእሰያት ዝዛረቡ ግና ውሑዳት እያቶም” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ፡ ብቐጥታ እቲ ኣብ ምስማዕ ኣማእኪሉ ንዝዘተየ ራብዓይ ውዕሎ ብፁዓን ጳጳሳት ኣበው ሲኖዶስ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከምዝገለጾን፡  ምስማዕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ናይ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዕደ ጥበባዊ ዓለም ዜጋ ዝዀነ መንእሰይ ኣብቲ ሕልሚ ዘዕብር፡ ኢሓበሬታ ምስ ሓበሬታ ምዕሩይ ኰይኑ ሓበሬታ ካብ ኢሓበሬታ ክትፍለየሉ ኣብ ዘጸግም እዋን ዘሎ መንእሰይ Info Obesi - ከራሽ ሓበሬታ  ኰይኑ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ኣብ ሕንጸት መንእሰይ ምውሳእ ከቢድን ብዙሕ ጻዕርን ምቅርራባትን ይሓትት። ናይቲ ዓቢይ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ወለንተይናውነትን ሓቅነት ኣብ ምስክርነትን ኣብ ማሕበረሰብ ስሙር ሕይወት ዝሓትትን ሕጉስትን ውንግልትን ወጌላዊትን ቤተ ክርስቲያን ቢሉ ዝሓትትን ዝብሉን ካልኦትን መንፈሳውን ሰብኣውን ሃብቲ ማዕቅፍ ናይ ዝዀነ መንእሰይ እወታዊ ወጅሂ ምርአዩ የድሊ።

ሓናጺ ምንጽጻር ምስ በጽሒ ትውልዲ

መንእሰይ ጽን ዝብሎን ዝሰምዖን በጽሒ ትውልዲ ሃሰስ ይብል፡ ግዜ ዝህቦን ዝስምዖን፡ ዝዀኖ ዝኸውን እንገዳን ኣኽብሮቶን ዘቕርበሉን፡ ኣብ ልልያ ዝፈርዶ ዘይኰነስ ዘሰንዮም ይደሊ፡ ኣብ ጸውዋዕታ እውን ከምኡ። ኣብዚ እዋን’ዚ በጽሒ ትውልዲ ንእሰነታውነት ዘጥቅዖ ብምዃኑን መንእሰይ ኰይኑ ኣብ ምንባር ዝገብሮን ዘርእዮን ተግባራትን በጽሒ ትውልዲ ዝብል  ሓቃዊ ምዃኑ ሓኺኹ ናብ መንደላይነት ክትክእ ኣብ ዝመጣጠረሉ እዋን፡ ዘሎ መእሰይ ወለዶ ብዓቢይ ሃንቀውታ ሃረር ዝብሎን ዘለዎ ጽምኢ ሰማዕን ኣዚዩ ዓሚዩቕ ምዃኑ ተስተውዕል። እዚ ንገዛእ ርእሱ መንእሰይ ወለዶ ከም ኣብነት ዝውከሶ ኣካል ክምዝሰኣነን ኢምስሩቕ ኰይኑ ከምዘሎ የመላኽት፡

ኣገዳስነት ሊጡርጊያን ቅዱሳት ምስጢራትን    

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶ፡ ኣስዒቦም ኣገዳስነት መስዋዕተ ቅዳሴን መዓልታዊ ጸሎትን፡ ቅዱሳት ምስጢራትን መንእሰይ ዝማራኽ ክኸውን ብዝተሓደሰ መንፈስን ናይ ሕይወት ክፍሊ ኵለንተናውነት ከምዝዀነ ብዘነጽር መልክዕ  ዳግመ - ህዩው ምግባር ከምዘድልን፡ ኣብዚ ኸኣ መንእሰይ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ንጡፍ ተዋሳኢ ክኸውን ድጋፍ ዝደሊ ምዃኑ ብምምልካት ዘቕረብዎ ሓሳብ እዩ። ኣብ እዋን ስርዓት ሊጡርጊያ ኣጠቓቕማ መዝሙራትን ስርዓት ሊጡርጊያ ምትንታንን፡ ከምኡ እውን ዝቐርብ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ስብከታትን ሽምደዳን ጸሎታት ከም ኣሃዛዊ ቀመር ተጸኒዖም ዝንብነቡ ክዀኑ የብሎምን፡ ስብከት መንፈስ ፍስሃ ዝዓሰሎ ኣስተንፍሶ ክኸውን ዝኽእል ኰይኑ ክቐርብ ኣገዳሲ እዩ፡ ካብ ጸሎት ዝምንጭው፡ ካብ ርእሲ ናብ ልቢ ዝኣትው ክኸውን ኣለዎ፡ መንእሰይ በዚ ዓይነት ኣገባብ ምስ ዝሕነጽ ንብጾቱ ናይቲ ብኣእምሮኡ ዝተረደኦን ብልቡ ዝኣመኖን መስካሪ ሓዋርያ ይኸውን፡ ዓለም ዝልውጥ ይኸውን፡ ስለዚህ መንእሰይ ቤተ ክርስቲያን እትልለየሉ ስፍራ ቲዮሎጊያ እዩ።

ፍድፋደ ብሕትውና

ጓሶት መንእሰይ ናብ ቁምስና ክመጾም ዝጽበዩን ኣብ ምጽባዩ ተወሲኖም ክተርፉ ከምዘይብሎም ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣተሓሳሲቦም ስለዚህ እቲ ዓቢይ ብድሆ መንእሰይ ኣብ ዘለሉ ስፍራ እትበጽሕ፡ ኣብቲ ዘለሉ ኩነትን ቦታን ተረኺባ እትረኽቦ ናብ እትብልን እትወጽእን ቤተ ክርስቲያን ምዃን ዝብል እዩ። ናይ እዋንና መንእሰይ ብዙሓት ምናባውያን (virtual) አዕሩኽ ዘለዎ፡ እውነተይና ልባዊ ብጻይ ዘይብሉ ብምዃኑ እዚ ኩነት’ዚ ኸኣ ኣብ ፍድፋድ ብሕትውና ክመላለስ ይድርዀ ኣሎ፡ ነዚ ኩነት’ዚ ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ መልሲ ንኽትህበሉ ዝተጸውዔት እያ፡ ኣብ መዳይ ሕንጸት እውን ከምኡ፥ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን  ጠመቓዊ ትምህርቲ ሕብረተሰብ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ናይ ሕይወት ምርጫን ከምኡ እውን ነቲ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ብሉጽ ናይ ሕንጸት ዓውዲ ኣብ ምዃን ዝመርሕን ንመንእሰይ ኣብ ቤተ ክስቲያናዊ ሕይወት ኣዋሳኢ ክኸውን ዘመስርቕ ቡሶል ምዃኑ የብርሁ።

ቃል ኪዳን ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ስድራ ቤትን

ካብቲ ጉባኤ ሲኖዶስ፡ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ምእንጋድ ዝብል ጻውዒት ቀሪቡ፡ ብዙሕ እዋን እቲ ሰብኣዊ ክብሩ ዝዕመጽ መንእሰይ ወለዶ ንስደት ሓደጋ ዝቃላዕ እዩ፡ ነዚ ዝስደድ መንእሰይ’ዚ ምእንጋድ ኣገዳሲ እዩ፡ ናይዚ መፍትሕ  ከኣ፡ መንእሰይ ስደተይና ቅቡልን እንጉድን ውሁድን ኰይኑ ክስምዖ ዝገብር ምትሕብባር ዝብል ተግባር ምዃኑ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብሪሆም እቲ ዝበለጸ ከኣ ሕዝብታት ንስደትን ምዝብልናን ዝዳርግ ኩነት ከይህሉ ኣብ ገዛእ ሃገሩን መሬቱን ክነብር ኣብ ዘተባብዕ መዳይ ምዕያዩ ኣዚዩ ኣገዳስነት ዘለዎ ተግባር ምዃኑ የረጋጹ።

ናይ ምስማዕ ኣገልግሎት

ኣብቲ ሲኖዶስ ፍሉይ ዕዱማት ካብ ዝዀኑ ናይ ታይዘ ማሕበረሰብ ኣበ ምንየት ሓው ኣሎይስ፥ ናይ ምስማዕ ኣገልግሎት ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ንመንእሰይ ጽን ምባልን ናይ ምስማዕን ኣገልግሎት ንጓሶት ጥራሕ ዝተዓቀበ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንዓለማውያን ምእመና ዘዋስእ እውን ክኸውን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብሪሆም፡ ናይ ታይዘ ማሕበረሰብ መስራቲ ሓው ሮጀር፥ ቤተክርስቲያን ሰማዒትን ጽን በሃሊትን ክትከውን እንከላ፡ እቲ ናይ ፍቕሪ ሱታፌ ምዃና ኰይና ትነብር” እንክብሉ ዝሃብዎ ትምህርቲ ጠቒሶም፡ እንከብርሁ፡ ስዒቦም ካብቶም ብሰማዕነት መሰል ንኽሳፉ ካብ ዝተዓደሙ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ 49 መንእሰያት ውሽጢ ሸሞንተ መንእሰያት ዘረባ ከምዘስምዑን፥ መንእሰይ ወለዶ ብስነ ኣሓዝ ዝግለጽ መደብ ጭብጥታት ዘይኰነስ፡ ንእዋናዊ ጸገማት ናይ መፍትሒ ኣካል ክኸውን ከምዝደሊ ሓቢሮም፡ ዓለም ብዝንጽሉ ዝተፈላለዩ ማዕርነትን ፍትሕን ብዘየነቓቕሑ ስርዓት ዝተጠቕዔ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓለፋ ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ መንእሰይ ወለዶ ኣብዚ እዋን’ዚ ልክዕ ከምቶም ናይ እዋንና ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብን ዝተነጸሉን ዝተሓረጉን በቲ ሰብ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ኣሉታዊ ባህሊ ዝተጥወቕዑ እዚ ኩሉ ተደንቂርዎ ይርከብ፡ ነዚ ኵለ መዳያዊ ስግኣት ክብድህ መታን ክስማዕን ብጭቡጥ ኣገባብ ክድገፍን ከምዘለዎ የተሓሳስቡ።

ውሉዳን ተቐያየርቲ (ፈሰሳውያን መንእሰያት-ኣልቦ ጽኑዕነት)

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ርጉጽ ዝዀነ ነገር እንተሎ ዘይርጉጽነት እዩ፡ ዘይርጉጽነት ርጉጽ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ፈሰሳዊ ኰይኑ እዩ ዝውለድ፡ እዚ ማለት ከኣ ብቐሊሉ ክቀያየር ዝኽእል ተሸያጥን፡ ተነቃፍን ኣብ ዘይርግጸይናነት ዝነብር ኰይኑ፡ ናይ ፖለቲካ ዓለም ከም መጋበርያ ዝጥቀመሉን ኣብ ኣልቦ መጻእነት ዝነብር ኰይኑ ኣሎ፡ እዚ ከኣ ፈሰሳዊ መንእሰይ ብዝብል ቃል ዝግለጽ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር መንእሰይ ኣብ ቅድሚ እዚ ኵሉ ብድሆ’ዚ ዘዋህዶን ናይ ታሪኽ ተዋስኢ ክኸውን ዝድርዀን ናይ ኣገልግሎት እምበር ናይ ተገልጋልነት ኩነት ክሃንጽ ዘይደሊ ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቡ ዝርድኦ ይደልይ፡ ምዃኑን እቶም መእሰያት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን መንእሰያን ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ክውገድ ጽኑዕን ግልጽን ቤተ ክርስቲያን ተኣማኒት ዘብላውሳኤ ክረጋገጽን፡ ደቀንስትዮ ብነጻነት ኣብ ኢየሱስ ኣብ ዘለዋ እምነት ክትዓብይ መታን ግዴኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን  ግቡእ ክብሪ ክወሃቦን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትርን ከምኡ እውን ዕለት 6 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብፁዕ ኣበው ሲኖዶስ በንኣሽቱ ጉጅለታት ተወዳዲቦም ናይ ዕይዞ ዝተ ከምዘካየዱ ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ፡ ንመንእሰይ ኣብ ከይዲ ልልያ ንምስናይ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ስድራ ቤትን ዘሎ ቃል ኪዳን ዳግም ንምንቕቓሕ
06 October 2018, 18:16