ድለ

ሲኖዶስ፡ ቤተ ክርስቲያን ቤት መንእሰይ ትዅን ሲኖዶስ፡ ቤተ ክርስቲያን ቤት መንእሰይ ትዅን 

ሲኖዶስ፡ ቤተ ክርስቲያን ቤት መንእሰይ ትዅን

እቲ ናይ ጽባሕ በጽሒ ወለዶ ኣብ ካህናት ዝነበሮ ዘጥፈኦ እማነ መሊስ ክዕወት ክሕገዝ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ብፍላይ እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን መንእሰያትን ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጠሮ መሰናኽላት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ መንእሰይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሮ እምንቶ መሊሱ በዓል ቤት ክኸውን ዘብቅዖ ዝተመጣተነ ነዚ ኹሉ ግምት ዝህብ ሓዋርያዊ ግብረ ነልዎ ክቐርበሉ ይግባእ።

ሳልሳይ ውዕሎ ከይዲ ሲኖዶስ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ፥ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ነቲ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብቲ ናይ ዕዮ ጉባኤ ሰነድ ተመልኪቱ ዘሎ ምስማዕ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘበገስዎ ዘተ ብምቕጻል፡ 20 ዝዀነ ሓሳባት ካብ መድረኽ ተጋባእያን ምስ ተኣንገደ ነዚ ስዑቡ ኣብ ዝተኻየደ ምኽክር፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

መንእሰይ ቍስ ወይ ተሰሓቢ ነገር ዘይኰነስ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣካል እዩ፡ ስለዚህ ብፁዓን ኣበው ነዚ ኣርጊጾም ብምግላጽ፡ መንእሰይ ኣብ ዝተሓደሰ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትን ፖለቲካን ንጡፍ ተዋሳኢ ክኸውን ይግብኦ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዓለም መባዅዕትን ብርሃንን ኰይኑ ናይ ሰላምን ናይ ፍቕሪ ስልጣኔን ሓናጺ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል እምንቶ ዝጸንዔ ሓሳብ እዩ።

ቤተ ክርስቲያን፡ ንመንእሰያት ቤትን ኣደን

ቤተ ክርስቲያን፡ ኣደን ቤትን ንመንእሰይን ናይ መንእሰይ ምዃን ተኻፋሊትን ናይቲ ድምጺ ዘይብሉ ድምጽን እያ፡ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ክትከውን ዝተጸውዓት ክትከውን እንከላ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ተነጽሎን ድኽነትን ካብ ዝነብር ክፍሊ ሕብረተሰብ ንዝመጽእ መንእሰይ ብጸጋ ሓድሽ ብስራት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ብሉጽ ዓለም ዘቕውም ዓንዲ ምዃኑ ተነቓቕሖ። … ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ነቶም ንዓቕመ ኣዳምን ዘይበጽሑ ኣብ ውትህድርና ዓለም ንዝተዳጐኑ እናሓሰቡ፡ ካብታ ኣብ ከቢድ ኩነት እትርከብ ስድራ ቤት ዝመጹን፡ ብዝተፈላለዩ ዕጸ ፋርስን፡ ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ምግባረ ብልሽውና ብዘተኣታትዎ ጽንኩር ሕይወት ንዝጥቕዑን ዝስደዱን ዝግባእ ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ንስደት ዝዳረጉን  ነዞም ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ መበቆሎም ሓዲጎም ኣብ ፈቖዶ ጐደናታት ፋሕ ንዝበሉ ካብ እምነት ንዝረሓቑን ዝተቐበልዎ መክሊት ዘበኻኑን መንእሰያት እናሓሰቡ፥ ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም ቤተ ክርስቲያን ኣደን ቤትን እያ ቢሎም፡ ቤትን ኣደን ከምዘላቶም ከስተውዕሉን ክትሰምዖን ዘብቕዕ ድጋፍ ክቐርበሎም ከምዝግባእ የተሓሳስቡ።

ናይ መንእሰይ ውዕዉዕ መንፈስ ምድሓን

ምዕራባዊ ኣህላኺ ባህሊ፥ እዚ ባህሊ’ዚ ናይ ብዙሓት መንእሰያት ውዕዉዕ መንፈስ ዘጥፍእ እዩ። መንእሰይ ወለዶ ብዝተፈላለዩ ንኣብነት ካብቲ ተባዕትን ኣንስትን ዝብል ባይርያዊ ጾታ ወጻኢ ካልእ ዓይነት ጾታዊ ባህርይ እውን ኣሎ ዝብል፡ ነዚ ባህርይ’ዚ ካብ ክልተ ናብ ሰለስተን ካብኡ ንላዕልን ዘራብሕን ደረት ኣልቦ ብዝኾነ ነጻውነት ባህሊ ብዘቃልሕ ርእየት ዓለምን ምኽንያት ምስርቕናኡ ዘጥፍኤን ብዘይ ሕልምን እምነትን ይተርፍ ምህላዉ ብፁዕ ኣበው ሲኖዶስ ገሊጾም።… በዚ ምኽንያት’ዚ ንመንእሰይ ዝቐርብ ፍቕሪ ክርስቶስ ጠመተኡ ዝገበረ እዋናዊ ቋንቋን ስልጣነን ምስቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዕደ ጥበብ ዝተላለየ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምቕራብ ወሳኒ ምዃኑ የመላኽቱ።

መንእሰይ መሊሱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሮ እማነ ክዓትር

መንእሰይ፡ ይብሉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፥ በጽሒ ወለዶ ኣብ ህልው ኩነት ህልው ክኸውንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ኣዚዩ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ስቅያት ኣብ ዝርከብ ዓለም ካብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሱታፌ ነቢያዊ ምልክታ ክርእዩ ይደልይ፡ መንእሰይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ልቢ ወንጌላዊ ልኡክነት እዩ። ስለዚህ ንመእሰይ ብፍላይ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ክህሉ ይግብኦ እንክብሉ ሓሳብ የቕርቡ። ኣብቲ ነዚ ሲኖዶስ’ዚ መሰናደዊ ተብሂሉ ቐሪቡን ካብ መንእሰያት መልሲ ዝተወሃቦም ሕቶታት ዝተወከሱ ብፁዓን ኣበው፡ እቲ ናይ ጽባሕ በጽሒ ወለዶ ኣብ ካህናት ዝነበሮ ዘጥፈኦ እማነ መሊስ ክዕወት ክሕገዝ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ብፍላይ እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን መንእሰያትን ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጠሮ መሰናኽላት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ መንእሰይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሮ እምንቶ መሊሱ በዓል ቤት ክኸውን ዘብቅዖ ዝተመጣተነ ነዚ ኹሉ ግምት ዝህብ ሓዋርያዊ ግብረ ነልዎ ክቐርበሉ ይግባእ።

ውዕዉዕ ምልሶት ሊጡርጊያን ጸሎት ኣብ ኣሰር ቅዱሳት

ትምህተ ክርስቶስን ሊጡርጊያን ብሓባር ምስ ሕዝባውያን ኣምልኾታት ብምውህሃድ ዳግም ምንቕቓሕ ከምዘድሊ ዘተሓሳሰቡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፥ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ብዙሓት ንስደት ዝዳረጉ ማሕበረ ክርስቲያን እምነት ንምክልኻል እውን ዝድግፍ ምዃኑ ብምምልካት፡ መንእሰይ ንጡፋውነት ኣብ ዝብል ፈተና ከይወድቕ ጸሎት ዘለዎ ኣገዳስነት ከስተማቕር መታን ድጋፍ ክረክብ ኣለዎ። ቤተ ክርስቲያን እውን ብወገና ምእንቲ መንእሰይ ወለዶን ጸዋዕታኡን ክትጽልን ከምዘለዋ የመላኽቱ። … ብዙሕ ግዜ እዚ ልዑል መንፈሳውነት’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝዝሕል ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ክደልይዎ ይረኣይ፡ ከምዚ ብምዃኑ ቤተ ክርስቲያን እቲ ናብ እውነተይና ሓጐስ ዘስንይ ዘለኣለማዊ ኣውነተይና ዕሴት ብዘርእዮ መንፈሳውነት ከተሰንዮ ይግባእ፡ በዚ ማዕቅፍ መሰረት እዋናውነት ዘለዎ ናይ ብዙሓት ቅዱሳት ታሪኽ ሕይወት ከምዘሎ ብፁዓን ኣበው ይሕብሩ። 

[ Audio Embed ሲኖዶስ፡ ቤተ ክርስቲያን ቤት መንእሰይ ትዅን]  

05 October 2018, 18:01