ንቅድስት መሬት ዘንጸላሉ ዘሎ ድነ ሞት ክእለ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም እቲ ቅድስቲ መሬት ብዝተፈጥረ ዓመጽ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ከምዘሕዘኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ሓበሬታ ናይቲ ከባቢ ከም ዝገልጾ ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ድሕሪ ዘጋጠመ ተወሳኺ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት ድሕሪ ተፈጺሙ ማለት እስራኤል ኣብ ፍልስጤም ኣብ ዘካየዶ ወተሃደራዊ ጸረ ግብረሽበራ ዘመተ” ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝርከብዎም 10 ፍልስጤማውያን ሞትብተወሳኺ 7 እስራኤላውያን ኣይሁድ ብዓርቢ ካብ ምኩራብ ክወጹ ከለዉ ብሓደ ፍልስጤማዊ ዝተቐትሉን ካልኦትዝቆሰሉ ሰለስተ ሰባትን ንከጻርዩ ፖሊስ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ዝርከባ ኣውራጃታት ዓረብ ብምእታው ኣብ ዝሓለፈ መጥቃዕቲ ነቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ዝሓገዙ ክኾኑ ዝኽእሉ ጥርጡራት ክደሊ ጀመረ። እቲ ስርሒት ምስ ፍልስጤማውያን ግጭት ዘስዓበ ኮይኑ፡ ብዙሓት ሰባት እምኒ፡ ሞሎቶቭ ኮክቴልን ርችትን ክድርብዩ ተራእዮም። ዓርቢ ምሸት ሓደ ፍልስጤማዊ ነባሪ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ንሸውዓተ እስራኤላውያን ብጥይት ቀቲሉ ካልኦት ሰለስተ ድማ ኣቑሲሉ። ትማሊ ሰንበት ንግሆ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ፍልስጤማዊ ካብታ ከተማ ናብ ጉጅለ እስራኤላውያን ብጥይት ተኲሱ ክልተ ካብኣቶም ኣቑሲሉ። ቁጽሪ ሞት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ጸጥታ ብምክያድ ኣብ ሓደስቲ ፍጻመታት ዝወሃብ ምላሽ ዘትዩ። እዚ ዳሕረዋይ ሽግራት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ጀኒን ኣብ እትርከብ ከተማ ጀኒን ብሰራዊት እስራኤል ዘካየዶ ዘመተ 10 ፍልስጤማውያን ምቕታሎም እዩ ጀሚሩ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2022 ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ 150 ፍልስጤማውያንን ልዕሊ 20 እስራኤላውያንን ተቐቲሎም።