ድለ

ISRAEL-PALESTINIANS-CONFLICT ISRAEL-PALESTINIANS-CONFLICT  (AFP or licensors)

ንቅድስት መሬት ዘንጸላሉ ዘሎ ድነ ሞት ክእለ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 29 ጥሪ 2023 ዓም ጸሎተ መልአከ እግዚአዝብሔር ምስ ኣዕረጉ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ዝነፍስ ዘሎ ዓመጽ ጸላሎት ሞት ብምዝካር ኣብ ቅድስቲ መሬት ህድኣት ዝዓሰሎ ቅልጡፍ ሰላማዊ ፍታሕ ክወሃብ ጻውዒት ጻውዒት ብምቅራብ ብጸሎት ቅርበቶም ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም እቲ ቅድስቲ መሬት ብዝተፈጥረ ዓመጽ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ከምዘሕዘኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።  

“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ነቲ ካብ ቅድስቲ መሬት ዝመጽእ ዜና ብፍላይ ድማ ሞት ዓሰርተ ፍልስጤማውያን፣ እንተላይ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዘኸተለ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን መጥቃዕቲ ጸረ-ሽበራ ኣብ ዝበለቶ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ናይ ዝተቐትሉ፤ ከምኡ’ውን ዓርቢ ምሸት ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ዘጋጠመ፡ ሸውዓተ እስራኤላውያን ኣይሁድ ብሓደ ፍልስጤማዊ ተቐቲሎም ሰለስተ ድማ ካብ ምኩራብ ክወጹ ከለዉ ቆሲሎም ዝብል ዘሕዝን ዜና ብዓቢ ሓዘን ሰሚዔ። እቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ድነ ሞት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ውሑዳት ናይ ምትእምማን ብልጭታታት ካብ ምቅሃም ሓሊፉ ካልእ ዝገብሮ የልብሉን። ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ ምስ ሰራዊት እስራኤል ብዝተኻየደ ቶኽሲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም። ንኽልቲኡ መንግስታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ብቕልጡፍን ብዘይ ወዓል ሕደርን ዘተን ልባዊ ምድላይ ሰላምን ዘጠቓልል መንገድታት ክረኽቡ ጻውዒተይ አቅርብ። እዚ ቀታል ኣሕዋትን ኣሓትን ዝኾነ ድነሞት ከብቅዕ ንጸሊ!”

ሓበሬታ ናይቲ ከባቢ ከም ዝገልጾ  ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ድሕሪ ዘጋጠመ ተወሳኺ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት ድሕሪ ተፈጺሙ  ማለት እስራኤል ኣብ ፍልስጤም ኣብ ዘካየዶ ወተሃደራዊ ጸረ ግብረሽበራ ዘመተ” ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝርከብዎም 10 ፍልስጤማውያን ሞትብተወሳኺ 7 እስራኤላውያን ኣይሁድ ብዓርቢ ካብ ምኩራብ ክወጹ ከለዉ ብሓደ ፍልስጤማዊ  ዝተቐትሉን ካልኦትዝቆሰሉ  ሰለስተ ሰባትን ንከጻርዩ ፖሊስ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ዝርከባ ኣውራጃታት ዓረብ ብምእታው ኣብ ዝሓለፈ መጥቃዕቲ ነቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ዝሓገዙ ክኾኑ ዝኽእሉ ጥርጡራት ክደሊ ጀመረ። እቲ ስርሒት ምስ ፍልስጤማውያን ግጭት ዘስዓበ ኮይኑ፡ ብዙሓት ሰባት እምኒ፡ ሞሎቶቭ ኮክቴልን ርችትን ክድርብዩ ተራእዮም። ዓርቢ ምሸት ሓደ ፍልስጤማዊ ነባሪ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ንሸውዓተ እስራኤላውያን ብጥይት ቀቲሉ ካልኦት ሰለስተ ድማ ኣቑሲሉ። ትማሊ ሰንበት ንግሆ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ፍልስጤማዊ ካብታ ከተማ ናብ ጉጅለ ​​እስራኤላውያን ብጥይት ተኲሱ ክልተ ካብኣቶም ኣቑሲሉ። ቁጽሪ ሞት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ጸጥታ ብምክያድ ኣብ ሓደስቲ ፍጻመታት ዝወሃብ ምላሽ ዘትዩ። እዚ ዳሕረዋይ ሽግራት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ጀኒን ኣብ እትርከብ ከተማ ጀኒን ብሰራዊት እስራኤል ዘካየዶ ዘመተ 10 ፍልስጤማውያን ምቕታሎም እዩ ጀሚሩ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2022 ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ 150 ፍልስጤማውያንን ልዕሊ 20 እስራኤላውያንን ተቐቲሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 January 2023, 15:50