ድለ

ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም እንክብል ናይ ምጒሓፍ ባህሊ ክነወግድ ይዕድመና! ር.ሊ.ጳ.

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 29 ጥሪ 2013ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ብመንፈስ ድኻ’ ምዃን ማለት ንኹሉ ከም ውህበት እግዚኣብሔር ክንቅበሎን ኣንጻር ናይቲ ተጠቂምካ ጐሓፍ ዝብል ባህሊ ሕብረተሰብና ክትቃለስ ስንድው ምዃንን ማለት ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል “መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብመንፈስ ድኻታት ብጹኣን እዮም” ዝብል ክፍሊ ዝርከቦ ካብ (ማቴ 5፡1-12) ነበረ። ቅዱስነቶም ከኣ ካብተን ሾመንተ መንገዲ ብፅዕናታት ነዛ ክፍሊ እዚ እዚኣ መሪጾም ብከምዚ ዚስዕብ ኣብርህዎ።  ኣብ ናይ ሎሚ ሥርዓተ ኣምልኾ ቅዳሴ ዝቀረበ  ወንጌል ማቴዎስ (ማቴ 5፡1-12) እዩ። እታ ቀዳመይቲ መሰረታዊ እያ ከምዚ ከኣ ትብል: "መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብመንፈስ ድኻታት ብጹኣን እዮም" (ቁ. 3)።

“እዞም ወንጌል “ብመንፈስ ድኻታት” ዝብሎም መን እዮም፧ ቢልና ምስ እንሓትት እቶም ርእሶም ከም ዘይክእሉ ዝፈልጡ፡ ብቊዕ መነባብሮ ከምዘይብሎም ዝስቈረሮም ከም "ለመንቲ ኣምላኽ" ኮይኖም ዝነብሩ እዮም። ከማኡ እውን እቶም ኣምላኽ ብግዲ ከም ዘድልዮም ዝስምዖምን ሠናይ ዘበለ ኩሉ ካብኡ ከም ዝመጽእ እሞ፡ ከም ህያብ፡ ከም ጸጋ እናተቀበልዎ ዝነብሩ እዮም። ብሓጺሩ ብመንፈስ ድኻ ዝኾነ ነቲ ዝረኸቦ ኣኽቢሩ ዝዕቅብ፤ በዚ ከኣ ዝኾነ ህያብ ክጠፍኦ ኣይደልን። ሎሚ ኣብዛ ወትሩ ትጥቀስ ብመንፈስ ድኻታት ንእትብል ሓረግ ክነስተንትን ምደለኹ። ብመንፈስ ድኻታት ማለት ዘየባኽኑ ማለት እዩ። ብመንፈስ ድኻታት ዋላ ሓንቲ ንከየባኽኑ ይጋደሉ። ኢየሱስ ንኣገዳስነት ዘይምብኻን ኣብ ወንጌሉ ይምህረና፣ ንኣብነት ድሕሪ ተኣምር ምብዛሕ እንጌራን ዓሳን ዝኾነ ነገር ከይጠፍእ ኩሉ እቲ ተረፍ መግቢ ክንእክብ ይሓትት (ዮሓ 6፡12)። እዚ ዘይምብኻን ዝብል ኣምር ዋጋ ገዛእ ርእስና፣ ዋጋ ካልኦት ሰባትን ናይ ነገራትን ዋጋን ከነስተማቕር የኽእለና። እቲ ዘሕዝን ግን ብፍላይ ኣብተን ዝያዳ ሃብታማት ሕብረተሰባት፡ ባህሊ ምሕጓሕፍን ባህሊ ብኽነትን ዝዓብለለን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ ዝበሃል መትከል እዩ: እንተ እዘን ክልተ ባህልታት ሕማም ተላገብ እየን። ኣንጻር እዚ ሕማም እዚ ማለት ኣተሓሳስባ ምጒሓፍን ብኽነትን ሰለስተ ብድሆታት ከቕርበልኩም እፈቱ። ቀዳማይ ብድሆ፡ ብዓንዲ ርእሱ ንሕና ዘለናዮ ህያብ ህላዌ ኣይተባኽንዎ። ነፍሲ ወከፍና ክንዮ ዘሎና ክእለትን ባህርያትን ሓደ ሠናይ ነገር ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ብተውህቦ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኽብሪ ሃብታም እዩ፡ ብኣምላኽ ይፍቶ፡ ብቑዕ እዩ፡ ክቡር እዩ። ኢየሱስ ብዘለና ንብረት ዘይኮነስ ብመንነትና ከም ዝተባረኽና የዘኻኽረና። ሓደ ሰብ ነብሱ ሓዲጉ ንርእሱ ምስ ደርበየ፡ ገዛእ ርእሱ የባኽን። ንገዛእ ርእስና ከም ዘይብቑዓትን ከም ዝተጋገናን ገሩ ስለ ገዛእ ርእስና ዕሚም እናበልና ንክንነብር ዝቀላቀለና ፈተና ብሓገዝ ኣምላኽ ንቃለሶ። ነዚ ስዒቡ ዝመጽእ ካልኣይ ብድሆ ከኣ፡ ዘለና ህያባት ኣይነባኽን። ኣብ ዓለምና ኣብ ዓመት ኣስታት ሲሶ ካብ ጠቕላላ ምህርቲ መግቢ ናብ ጐሓፍ ከም ዝኸይድ ተረጋጊጹ። እዚ ድማ ብዙሓት ብጥሜት እናተሳቀዩ! ጸጋታት ፍጥረት ብኸምዚ ክባኽኑ ከለው ማንም ክጥቀሙሉ ኣይክእልን። ኩሎም ሰባት ዘድልዮም ምእንቲ ከይጎድሎም፣ ኣቑሑት ክዕቀቡን ንዘድልዮ ክካፈሉን ኣለዎም። ናይ ፍትሕን ግብረ ሰናይን፣ ናይ ምክፋል ኢኮሎጂ ደኣ ንዘርግሕ እምበር ዘለና ኣይነባኽን! ኣብ መወዳእታ ሳልሳይ ብድሆ፡ ንሰባት ኣይተቃልሉ ወይውን ኣይትጒሓፉ! ንዘመንና ዓብሊሉ ሒዙ ዘሎ ናይ ምጒሓፍ ባህሊ፣ ክሳብ እተድልየኒ ክጥቀመካ እየ፤ ድሕሪኡ ምንም ዘይተግደሰኒ ምስ ኮንካ ወይውን ኣብ መንገደይ ዕንቅፋት ምስ እትኾነኒ ክጒሕፈካ እየ። ግዳይ ናይዚ ዝኾኑ ከኣ እቶም ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብና ኮይኖም፣ እዚኦም ገና ብርሃን ዓለም ዘይረኣዩ ኣብ ከብዲ ወለደን ዘለው ናጽላታት: ኣረጋውያን: ጽጉማትን ድኻታትን እዮም። ሰባት ግን ክንጒሕፎም ኣይግባእን እዩ። ድኻታት ፈጺሞም ክድርበዩ ኣይክኣልን! ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅዱስ ህያብ እዩ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕድመን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩነታትን ነፍሲ ወከፍ ፍሉይ ህያብ እዩ። ንህይወት ኩሉ ግዜ ነኽብሮን ነደንፋዓዮን! ህይወት ኣይንጉሓፎ! ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን እስኪ ንገዛእ ርእስና ሒደት ሕቶታት ንሓትት። ቅድሚ ዝኣገረ ንድኽነት ብመንፈስ ከመይ እነብሮ! ንኣምላኽ ከመይ ጌረ ቦታ ከም ዝህቦ እፈልጥ ድየ፣ ንሱ ሰናይን ሓቀኛን ዓቢን ሃብተይ ምዃኑ እኣምን ድየ? ንሱ ከም ዘፍቅረኒ እኣምን ድየ ወይስ ህያብ ምዃነይ ረሲዐ ብጓሂ ንነብሰይ እድርብያ? ደሓር ከኣ: ከየባኽን እጥንቀቕዶ፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ነገራት፣ ኣቑሑት ሓላፍነት ይስመዓኒዶ? ንኻልኦት ከካፍሎምከ ድሉው ድየ ወይስ ንርእሰይ ጥራይ እየ ዝሓስብ፧ ኣብ መወዳእታ: ነቶም ኣምላኽ ክሕልዎም ሓደራ ዝበለኒ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰና ከም ክቡር ህያባትዶ እቖጽሮም? ነቶም ዘድሊ ኩሉ ዝጐደሎም ድኻታት እዝክሮምዶ? ናይ ብፅዕና ሰበይቲ ዝኾነት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ህያብ ሕይወት ንዝህቦ ሓጎስን ክንምስክርን ንርእስና ከም ህያብ ኣብ ምሃብ ዝርከብ ጽባቐን ክንምስክርን ትሓግዘና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
30 January 2023, 14:39

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >