ድለ

ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ብኢድና ሒዛ እናኣታተየት ንክንሕጐስ ብምዕዳም! ር.ሊ.ጳ

ሰኑይ ዕለት 15 ነሐሰ 2022 ዓም ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ፍልሠታ ለማርያም ዘኪራ እንክትውዕል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ነታ ኣማኒትን መሠረታዊት ኣብነትናን ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም እተቅርበልና ዕድመ ሓጎስን ዕለት ዕለት እተታትየናን ንቅበል እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ዜና ቫቲካን!

ወላዲተ ኣምላክ ዝኾነት ድንግል ማርያም በቲ ወዳ ዚሃባ ሕድርን ኪዳንን ኣደ ነፍስወከፍ ኣማንን ኣደ ቤተክርስትያንን ኮይና ንተልእኮ ወዳ ካብ መጀመርያ ጀሚራ ከም እትሠርሕ ምናዳ ከኣ ንዓና ዕለት ብኢድና ሒዛ እናኣታተየት ኣብ ሓጐስ ጐይታ ኣቲና ኣብቲ ብትንሣኤ ክርስቶስ ዝተረኽበ እምይእዜሰ ኮነ ፍሥሓ ወሰላም ዝበልናዮ ፍሥሓ ንክንሳተፍ ወትሩ ክንሕጐስ ትዕድመና እንክብሉ ፍልሠታ ለማርያም ሽሕ’ኳ ከምቲ ናይ ወዳ ዕርገት ንሰማይ ምድያባ ዘመልክት እንተኾነ ንሳ እውን ከም ወዳ ወትሩ ምሳና ኣብዚ ምድሪ እዚ ከምዘላና ከምእተታትየናን ንሓጐስ ከም እትዕድመናን ገሊጾም። እዚ ከኣ እቲ ኣብ መልክዓ ፍልሠታ ለማርያም ናይ ሃገርና ‘ማርያምሰ ታንሶሱ በምድር’ ድሕሪ ፍልሠታ እውን ኣብዚ ምድሪ እዚ ምሳና ኰይና ላዕልን ታሕትን ከም እትብልን ከም እተሰንየናን ዝገልጾ እዩ።

ኣብ ዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ሉቃ 1.39 ኮይኑ ገብርኤል መልኣኽ ምስ ኣበሰራ እኖና ድንግል ማርያም ብኡ ንብኡ ተላዒላ ናብ ጎቦታት ይሁዳ ብምኻድ ንቅድስት ኤልሳቤጥ ከምዝበጽሓታን ክልቲኤን ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኤን ዝተፈላለየ ትንቢታትን ተገልጾን ከምዝተዛረባ ዘመልክት ነበረ።

ቅዱስነቶም ካብ እኖና ድንግል ማርያም እንመሃሮ ኣብነታ እንኽተሎ ቈጺርካ ዘይውዳእ ጉድያት እኳ እንተሎ ብቀንዱ ግን ቅርበት እግዚአብሔር ክስምዓናን ክንኣምኖን ንሱ ክመርሓናና ከሐይለናን ክንፈቅድ እሞ ከምቲ ናታ ምሉኣት ጸጋ እምነትን ተስፋን ክንቅበል። ነዚ ከኣ ትሕት ቢልካ ነቲ ብለውሃትን ትሕትናን ኣባኻ ዝሠርሕ ኣምላኽ ኣስተዊዕልካ ንክትክእልን ከም እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ተስፋን እምነትን ተኣንጊብካ ንኩሉ ኣብ ኢድ ፈጣሪ ብምግዳፍ ከም ፍቃድካ ይኹን ምባል ንመሃር ኢሎም።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ፍልሠታ ለማርያም ዘዘኽረና ቀንዲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዘስተምሃርዎ ንሳ ካብ ዘመደ ኣዳም ነቲ ኣብ መንገሥተ ሰማይ ዚዓለመ ቅድድም ብዓወት ዝፈጸመትን ብነፍሳን ብሥጋኣን ንሰማይ ዝፈለሰትን ቀዳመቲ ፍጥረት ምዃና እዚ ከኣ ንዓና ዓቢ ምጽንናዕ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እኖና ድንግል ማርያም መንግሥተ ሰማይ ብሰብ ዝብጻሕ ምዃኑ ተረጋግጸልና። ነዚ ከኣ ኣብ ሓጢኣት እንተዘይወዲቅናን ብትሕትና ንእግዚአብሔር ኣምልኾን ስግደትን እንተኣቅሪብናን ብልግሲ ንብጾትና እንተኣገልጊልናን ንሕና እውን ክንበጽሖ ከም እንኽእል ዘረጋግጽ እዩ። ኣደና ዝኾነት ድንግል ማርያምከስ ብኢድና እናኣታተየት ናብ ክብሪ ተሰንየና ብዛዕባ መንግሥተ ሰማያት እናክንሓስብ ከኣ ክንሕጐስ ትዕድመና።”

መንፈሳዊ ሓይሊ ጸሎተ ሰላመ ገብርኤል መልአክ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ነቲ እኖና ድንግል ማርያም ናብ ዘመዳ ቅድስት ኤልሳቤጥ ምስ በጽሐት ኣብ ቤት ዘካርያስ ካብ ምስርሳር ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚርካ ኤልሳቤጥ ብመንፈስ ቅዱስ መሊኣ ብዛዕባ እኖና ድንግል ማርያም ዝበለቶን እታ ንውሉድ ወለዶ ትነብር ዘላ እኖና ድንግል ማርያም ዝደረሰታ ጸሎታን ብምዝካር ልዕሊ ኩሉ ግን እታ በዘልማድ ጸሎተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ቢላ ቤተክርስትያን ዝደረሰታ ጸሎት መሠረታ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መልአኽ ሰላምታ እቲ ቅድስት ኤልሳቤጥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ‘እንካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ እቲ ፍረ ናይ ከርሥኺ እውን ብሩኽ እዩ’ ኣብ ዝበለቶ ከምዝምሥረትን ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ንኢየሱስ ሒዛ እንክትመጸናን ንኢየሱስ ክተምጽኣልና ወይውን ናብ ኢየሱስ ክተብጽሓና ምስ እንደሊ ነዛ ገርሀይና ጸሎት ቤተክርስትያን ምስ እንደግም ተኣምር ክንርኢ ከም እንኽእል ኣብ ጸሎተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአኽ ዘሎ መለኮታዊ ሓይሊ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ነዛ ጸሎት ብጣዕሚ ጽብቅትን ልምድትን ገርሀይና ጸሎት እዚኣ ኣብ እንደግመሉ ነፍስወከፍ ግዜ ከምቲ ቅድስት ኤልሳቤጥ ዝገበረቶ ንእኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ሰላምታ ነቅርበላ ንባርኻ ከመይ ንኢየሱስ ስለተምጽኣልና ኢሎም።”

እኖና ድንግል ማርያም እውን ብወገና ንሰላምታ ቅድስት ኤልሳቤጥ ቡራኬኣን ብጸሎታ ጸሎት ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር መልሲ ትህባ! ክንዮ ሰላምታን ቡራኬን ሰጊራ ከኣ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ ድሕነት ንዝፈጸሞ ዓበይቲ ስራሓት ብምስትንታን ናብቲ ንዕቡያት ካብ ዝፋውንቶም ዝገምጠሎን ንትሑታት ዘልዓሎን ንጥሙያት ዘጽገቦን ንሃብታማት ጥራይ ኢዶም ከምዝኸዱ ዝገበሮን ዘደንቅ ተግባራቱ ተጒልሕ።

ቅዱስነቶም ዕብየትን ዕምቈትን ናይዚ ቃላት እዚ ንክገልጹ ‘ነዘን ቃላት እዚአን ኣብ እንሰምዓሉ ንገዛእ ርእስና ‘እኖና ድንግል ማርያም ዘየለ ዓለም ብምምጻእ ቊሩብዶ ተጋንን ኣላ ቢልና ክንሓትት ንኽእል ከመይ ዓለምና ብድኽታትን ጥሙያትን ዘመልኤ ኮይኑ ገና ከማኡ ይቅጽል ኣሎ ሃብታማት ከኣ እናሃብተሙ ንርእዮም ኣሎና ቢልና ክንሓትት ግድን እዩ!እንተኾነ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ትእውጆ ዘላ ለውጢ ሡር ነቀል ለውጢ እዩ ኢሎም።

እኖና ድንግል ማርያም ሡርነቀል ለውጢ ተበሥር!

መዝሙር እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ክንዮ ግዜን ዜና መዋዕልን ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም ‘እኖና ድንግል ማርያም ክንዮዚ ክትገልጸልና እትድልዮ ኣድላዩ ነገር ኣሎ እዚ ከኣ እግዚአብሔር ብኣኣ ኣቢሉ ንሓዲስ ሥርዓት ብመሠረቱ ከምዝለወጦ እዩ’ ኢሎም።

“ትሕትን ንእስትን እኖና ድንግል ማርያም ብጐይታ ልዕል ኢላ። እዚ ሎሚ እነብዕሎ ፍልሠታ እውን ናብ ክብሪ መንግሥተ ሰማያት እንክትለዓል እቲ ሓያል ዓለምና ግን ጥራሕ ኢዱ ተሪፉ። ብካልእ ኣዘራርባ እኖና ድንግል ማርያም ንሥርዓት ሃብታት ናይዚ ዓለም ገማጢላ ሓዲስ ሡር ነቀል ተበሥረና ኢሎም።”

እኖና ድንግል ማርያም መንፈስ ቅዱስ መሊእዋ ዝደረሰቶ ብጸሎት ማርያም ዝፍለጥ ትንቢት ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘እኖና ድንግል ማርያም ነቲ ወዳ ኣብ ርእሲ ኩርባ ኰይኑ ክሰብኮ ዘሎ መንግሥቲ ኣምላኽ መንገዲ ብፅዕናን እያ ትንበ ዘላ። ወዳ ደሓር ብፁዓን ነዳያን በመንፈስ ብፁዓን ትሑታነ ልብ ከመይ ሃብታማት ክኾኑ ልዕል ክብሉ እዮም ዝበሎ እያ ትንበ። እዚ ዘመልክተልና ጒዳይ እንተልዩ ንዘለዓለም ዝነብር ሥልጣንን ዓወትን ሃብትን ከምዘይኮነ እንታይ ደኣ ኣገልግሎትን ትሕትናን ፍቅርን ምዃኑ ትገልጸልና ኢሎም። እዚ ከኣ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ናብቲ ክመጽእ ዘሎዎ መንግሥቲ ሰማያት ሓዲስ ጐዳና ከምዝተኸፍቲ ዝገልጽ ትንቢታዊ ድምጺ እዩ ኢሎም።

ትንቢታዊ ድምጺ ድንግል ጐዳና መንግሥተ ሰማያት ይገልጽ!

ቅዱስነቶም ናብ ክብርን ብፅዕናን እኖና ድንግል ማርያም ምልስ ቢሎም ‘ኣብ ክብሪ እኖና ድንግል ማርያም ምልስ ቢልና እንክንጥምት ሓቀኛ ሥልጣን ኣብ ኣገልግሎት ምዃኑ ምግዛእ ማለት ምፍቃር ማለት ምዃኑ ንርዳእ እዚ ከኣ ናብ መንግሥተ ሰማያት ዘብጽሕ ጐዳና እዩ ኢሎም።

“በዚ ከምዚኸስ ‘እዚ እኖና ድንግል ማርያም ዝተነበዮቶ ሡር ነቀል ለውጢ ንሕይወተይ ይምልከትዶ ይኸውን ቢልና ክንሓስብ ንኽእል! ምምሕዳር ማለት ምፍቃር ሥልጣን ማለት ምግልጋል ምዃኑ ይስቈረንዶ! ቀንዲ ዕላማ ሕይወተይ መንግሥተ ሰማይ ምዃኑኸ! ወይስ ብዛዕባ ዓለማውን ንዋታውን ጉዳያት ጥራሕ እየ ድቃስ ዝስእን ኢልና እስኪ ነስተንትን ኢሎም።”

እንተዘየሎ ይብሉ ቅዱስነቶም! እንተዘየሎ ብመንፈስ ርእሰ ምትሓትን ተስፋ ቊርጸትን ክንዕሎ ንኽእል! ስለዚ ምትእምማንና ናብ እግዚአብሔር ነጽንዕ! ነዚ ትንቢታዊ ኣመላኽታኣ ክትህበና ንድንግል ማርያም ከም ኤልሳቤጥ ሰላም ንበላ ንባርካ ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
16 August 2022, 16:01

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >