ድለ

ቅድስት ድንግል ማርያም ንዓለምና ሰላም ትሃብ! ስለ ሰላም ሃገረ ኡክራይና ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ በዓለ ፍልሠታ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ፈጺሞ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ኣማልድነት ንግሥተ ሰላም ድሕሪ ተማህሊሎም ዝኽእሉ ዘበሉ ኩሎም ናብ መካነ ንግደት ማርያም ብምኻድ ስለ ሰላም መላእ ዓለምን ስለ ሰላም ሃገረ ኡክራይናን ክጽልዩ ሓደራ ቢሎም። ኣብ ዕለተ በዓል ስለ ናይ ሓባር ሠናይ ጒዳይ ኣብ ሥራሕ ስለ ዝተጸመዱ ከማኡ እውን ሕሙማትስ ይኹን በይኖም ኣብ ብሕትውና ዝነብሩ ከይርስዑ ከምዝጽልዩ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ንዝኾነ ጉዳይ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናይ ምዝንጋዕ ዝገደደ ከኣ ናይ ምልምማድ ዘለዎ ዓለምና ነቲ ኣብ መጀመርያ ዕለታት ዓለም ብዓለም ጫቁ ጫቁ ዝበለትሉን ሎሚ ከኣ ብዙሓት እንተስ ብምዝንጋዕ እንተስ ብምልማማድ ካብ ምዝካሩ ደው ቢሎም ዘለው ውግእ ኡክራይና 173 ዕለታት ኣቊጺሩስ ገና ነቲ ተሪፉ ዘሎ ንብረት ከዕኑን መነባብሮ ከዘናብልን ይቅጽል ስለዘሎ ቅዱስነቶም ኣብዛ በዓል ንግሥተ ኩሉ ንግሥተ ሰማይ ንግሥተ ሰላም ናብ ሰማይ ምዕራግ እንዝክረሉ ዘሎና ዕለት ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ሎሚ ስለሰላም ኡክራይና ክንምህለል ከምዚ ክብሉ ተማሕጸኑ።

“ኣብዛ ንእኖና ድንግል ማርያም ዝተወፈየት ዕለት ጐይታ ንመላእ ዓለም ብኣማልድነት እኖና ድንግል ማርያም ሰላም ከውርድ ንማህለል። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ስለ ሰላም ሕዝቢ ኡክራይና ንጸሊ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ንኩሎም ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ ነቶም ኣባኡ ዝመጹን ኣብ ዝተፈላለየ ኲርናዕ ዓለምና ነጻ ኰይኖም ብዓል እናኣብዓሉን ዘለውስ ይኹኑ ብዝተፈላለየ ናይ ሥራህ ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ንዝርከቡ ከማኡ እውን ብሕማምስ ይኹን ሰብ ብምስኣን በይኖም ንዘለው ኩሎም ብሩኽ በዓለ ፍልሠታ ለማርያም ብምምናይ ንምእመናን ሮማስ ይኹን ንካልኦት ኩሎም ኣብዚ ዕለተ ክብሪ በዓል ንግሥተ ሰማያት ናብ ሓደ ዝኾነ መካነ ንግደት ማርያም ከይዶም ስለሰላም ክጽልዩ፣ ምናዳ ኸኣ ምእመናን ሮማ ኣብታ ኣብ ሕምብርቲ ሮማ እትርክብ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ዘላ ጥዕና ሕዝቢ ሮማ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ኢቆና ድንግል ማርያም ከማኡ እዉን ኣብታ ባዚሊካ እቲኣ ብልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ተባሪኻ ዝተነብረት ሃውልቲ ንግሥተ ሰላም ስለዘላ ከይዶም ክጽልዩ ካልኦት እውን ኣብ ዘዘለውዎ ዝርከብ መካነ ንግደት እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ብምኻድ ስለሰላም መላእ ዓለም ክጽልዩ ከማኡ እውን ስለሰላም ሃገረ ኡክራይና ክጽልዩ ኣዘካኺሮም። 

[ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!] 

16 August 2022, 16:08