ድለ

ጠመተኹም ናብ ሰማይ ብምትኳር ንበሩ! ር.ሊ.ጳ ንስድራቤታት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዓለምለኸ ዕለተ ስድራቤት ንምብዓል ካብ መላእ ዓለም ኣብ ሮማ ምስ ዝተጋብኡ ኣብ ዝተራኸቡሉ ‘ስድራቤታት ኣብ ዓለምና ክፍጽምዎ ዘለዎም ዓቢ ተልአኮ ኣለዎም፣ ብሕብረት ምጒዓዝ የድልዮም! ከም መርዓውቲ ምስ ካልኦት ስድራቤታትስ ይኹን ምስ ቤተክርስትያን ብሓባር ክጐዓዙ ኣለዎም’ እንክብሉ ምስቲ ስድራቤታት ዝሃብዎ ምስክርነት ብምዝማድ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ስድራቤታት ዓለምና ነቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ብዙሕ ትጽቢት ዝግብሩሉ ዝነበረ እንተኾነ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 እናተመሓላለፈ ንሎምዘመን ኣብዚ ሶሙን እዚ ይካየድ ኣሎ። ሽሕ’ኳ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዙሕ ኣጨኒቁ እንተነበረ ሕጂ ኸኣ ዝገደደ ኣብ መንጎ ሩስያን ኡክራያናን ዝግበር ዘሎ ውግእ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ንዓለም ምሉእ እንተስ እቲ ቀጥታዊ ሳዕቤን ሕልቂትን ዕንወትን እንተስ ነቲ ማዕከን እኽሊ ዓለም ተባሂሉ ምሉእ ዓለም ከም ኣብ ዘመን ፈርዖን ካባኡ ዝሽምተሉ ምዕጻውን ምዕናውን ብኩሉ ኩሉ ዓለምና ኣብ ሻቅሎት ዝርከበሉ ግዜ ምዃኑ እውን ክበድ ኣብ ርእሲ ክበድ ወሲኹ።

ቅዱስነቶም ንህልው ኩነታት ስድራቤታት ዓለምና ዘመልክት ምስክርነት ብዙሓት ጽምድታት ምስ ሰምዑ ብሓባር ምስ ጸለዩን እንኮ ፍታሕ ካብ ሰማይ ስለዝኾነ ስድራቤታት ጐይታ ክልውጦም ፍቃደኛታት ክኾኑ ግድን ከምዝኾነ በዚ ከኣ ጠመተኦም ናብ ሰማይ ብምትኳር ክነብሩ ኣዘካኺሮም። እዚ ከኣ ከምቲ ዳዊት መዘምር ኣብ 144/5.15 ዝብሎ ‘ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፣ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም’ ንዝብል ተኣንጊቦም ስድራቤታት ናብ ጐይታ ከንቃዕርሩ ጐይታ ክልውጦም ከኣ ልቦም ብምኽፋት ክቅበልዎን ፍቃደኛታት ክኾኑን በዚ ከኣ ንኩሉ ጸገማትን ታሕጓስን ሕይወት ክገጥሙ፣  ነዚ ንምግባር ከኣ ኩሎም ብሕብረት ክጐዓዙ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሮም።

ብሕብረት ምግስጋስ!

እቲ ርክብ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ እንክፍጸም ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝመጹ ስድራቤታት እንኮላይ ካብታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክርይና እውን ዝመጹ ተሳቲፎም። ሽሕ’ኳ ኣብ ሮማ ይካየድ እንተሎ ዓለም ምሉእ ግን ብዝተፈላለየ መራኸቢታት ኣብ ርእሲ ምክትታሉ እቲ ቅዱስነቶም ቅድሚ ዓመት እዚ ዕለት እዚ ኣብ ነፍስወከፍ ሰበኻ ምስ ናይ ሮማ ብምስናይ ክግበር ብዘተሓሳሰብዎ ነፍስወከፍ ሰባኻ ዓለምና ብቀጥታን ብተዘዋዋሪ መንገድን ምስ ሮማ ዓለምለኸ ዕለት ስድራቤት ተካይድ ኣላ።

ምስክርነት ገሊኤን ስድራቤታት ምስ ተሰምዔ ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ መተባብዒ ቃሎም ሃቡ።

“ካብታ ዘሎኹምዋ ነባራዊት ሕይወት ክንብገስ እሞ ካብኡ ብሕብረት ክንግስግስ ኣሎና። ልክዕ ከም ጽምዲ ሰብ ኪዳን ብሓንሳብ ዝጐዓዝዎ ምስ ካልኦት ስድራቤታትስ ይኹን ምስ ቤተክርስትያን ብሕብረት ምግስጋስ የድሊ። ኣብ ሕልናይ ቅጅል እትብለኒ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ምሳሌ እያ፣ ነቲ ተጐዲኡ ዝረኸቦ ሰብ መጀመርያ ይቀርቦ ደሓር ምሉእ ሓላፍነት ለቢሱ ይሕግዞ ጒዕዞኡ ከምብሓዲሽ ንክጅምር ይረድኦ። ቤተክርስትያን ንኣኹም ከምዚ ሕያዋይ ሳምራዊ ክትኮነኩም እምነ። ኣብ ዘሎኹምዎ ዝቀርበኩም ንጒዕዞኹም ክትቅጽሉ ዝሕግዘኩም ንእሽቶ ስጒምቲ እውን ትኹን ቁሩብ ብሓባር ንቅድሚት ዘሰጒምኩም ሕያዋይ ሳምራዊ እምነየልኩም፣ እዚ ስጉምቲ እዚ ናብ ቃልኪዳን ገጽካ ዘምርሕ ይኹን ኢሎም።”

ናብ ቃልኪዳን ገጽካ ዘምርሕ ስጒምቲ!

ቅዱስነቶም ኣስተምህሮኦም ብምቅጻል፣ ጒዕዞ ሕይወት ቃል ኪዳን በይንኻ ዝግበር ኣይኮነን! ምስ ጐይታ ብሓባር ኰንካ እዩ ዝግበር። ሕይወት ስድራቤት ዘይከኣል ተልእኮ ኣይምሰልኩም፣ ብጸጋ ምሥጢራት እግዚአብሔር ዘደንቅ ጒዕዞ ሕይወት ይገብሮ። እዚ ከኣ ምሳኡ ብሓባር እምበር በይንኹም ክትገብርዎ ፈጺምኩም ከይትፍትኑ ኢሎምዎም።

“ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ክፋቀሩ ከለው እግዚአብሔር ሓደ ውህበት ይዕድሎም እዚ ከኣ ቃልኪዳን እዩ ክንብል ንኽእል። እዚ ብሓቂ ዘደንቅ ውህበት ኰይኑ ኣብ ውሽጡ ሓይሊ መለኮታዊ ፍቅሪ ሓያልን ነባርን እሙንን ፍቅሪ ኰይኑ ድሕሪ ዝኾነ ውድቀት ወይ ድኽመት ብኡ ንብኡ ከምእትትንስእ ዝገብር እዩ። ንሽሙ ጥራይ ካቶሊክ ኢና ብማለት ሓደ ሕጊ ክትፍጽም ወይውን ቤተክርስትያን ስለ እትብሎ ወይውን በዓል ክትገብር ቢልካ መርዓ ኣይግበርን፣ እንታይ ደኣ ኣብቲ ከም ከውሒ ጽኑዕ ዝኾነ ፍቅሪ ክርስቶስ ቃል ኪዳንካ ንምምስራት እዩ መርዓ ዝግበር፣ ኣብ መርዓ ኢየሱስ ንገዛእ ርእሱ የወፍየልኩም በዚ ከኣ ንስኹም ንነሕድሕድኩም ክትውፈዩ ሓይልን ጸጋን ትረኽቡ። እዚ ጸጋን ሓይልን እዚ ከኣ ንዝኾነ መስቀል ሓዳር ንምሽካም ሓደ ስጉሚ ንቅድሚት ይወስደኩም ኢሎም።”

መስቀልካ ሃንጐፋይ ቢልካ ንምቅባል ሓደ ስጉሚ ንቅድሚት!

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል እታ ንገለ ሕሩያት ጥራይ ይኸውን ተባሂሉ ኣብ ውሑዳት ተሓዚኡ ዝዝረበሉ ጉዳይ ቅድስና ናይ ኩልና ከምዝኾነ ነዚ ከኣ ነቲ ብ2018 ጉዳይ ብፅዕና ክያራ ኮርበያ ወለዳ ዝሃብዎ ምስክርነት ጠቂሶም ‘ጒዕዞ መንገዲ ቅድስና ፍኖተ መስቀል ከምዝኾነት ፍኖተ መስቀል ከኣ ንዘለዓለማዊ ሕይወት መስኮት ከምዝኸፍት’ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ብዛዕባ መስቀል ተዛሪብኩም! መስቀል ናይ ነፍስወከፍ ግለሰብስ ይኹን ስድራቤት ክፍሊ ሕይወት እዩ። ብዛዕባ እታ ከባድ መስቀል ሕማምን ሞትን ክያራ እንክትምስክሩ እዚ መስቀል እዚ ንስድራቤትኩምስ ይኹን ኣብ ልብኹም ንዘሎ ቅሳነትን ሰላምን ከዕኑ ከምዘከኣለ ገሊጽኩም። እዚ ሓቅዚ ኣብ ኣዕይንትኹም ይረኤ ኣሎ። ዝተሸነፍኩም ተስፋ ዝቈርጽኩም ምስ ሕይወት ዝተቆጣዕኩም ኣይትመስሉን። እኳ ደኣ ዓቢይ ቅሳነትን እምነትን ይረኤ፣ ቅሳነት ክያራ ንዘለዓለማዊ ሕይወት መስኮት ከፊቱልና ኢልኩም። ኣብቲ ፈታኒ እዋን ሕማም ከመይ ከምዝነበረትን ባራዩ ስቃይ ኰንኩም ከይትተርፉ ከመይ ቢልኩም ክትለዓሉ ከምእትኽሉ ከምዝገዘትኩምን ክንዮ እዚ ኩሉ ዓቢይ መደብ ምሥጢር እግዚአብሔር ማለት ዘለዓለማዊ ሕይወት መደብ መንግሥተ ሰማይ ርኢኹም ንክትክህሉ ኣርሒያትልኩም። እዚ ከኣ ንኩሉ ቊስልታት ናብ ዘሕዊ ምሕረት ሓደ ስጒሚ ንቅድሚት እዩ ኢሎም ነበሩ።”

ሓደ ስጒሚ ናብ ምሕረት!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ካብቶም ምስክርነት ዝህቡ ሓንቲ ካብ ደሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝመጸት ስድራ ዝሃበቶ ብምትኳር ምሕረት ንኩሉ ቊስልታት ከምዝጽግን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ፓል ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት ኣብቲ ዝጸልመተ ቅልውላው ሓዳሩ ጐይታ ኣብ ልቡ ንሃህርታኡ ዝምልስ መልሲ ምስ ሃቦ ሓዳሩ ከድሕን ከምዝኸኣለ ገሊጹ፣ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ፍቅሪ ዘይውዳእ ምዃኑን ነታ ብሓባር ዝጀመርካያ ጒዕዞ ፍቅሪ ከቋርጽ ከምዘይብሉ እቲ ኣባኣ ዝፈረየ ፍረ እውን ከይብተን ይረድእ። ኩሎም እዚ ሃረርታ እዚ ኣለዎም። ኣብ ሓጺር ግዜ ዝቊጸ ፍቅሪ ዝደሊ የለን። ስለዚ ከኣ ንሓዳር ክስጥሙ ዝደልዩ ጒድለታት ሸለልትነትን ሓጢኣትን ክመጹ ከለው እናተሳቀኻ ዋጋ ትኸፍል፣ እንተኾነ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ማዕበል እግዚአብሔር ወትሩ ኣብ ልብና ንዘሎ እዩ ዝምልከት፣ ካብዚ ሠናይ ሕልና ነቂልካ ከኣ ንምቅባል ሰባት ሓደ ስጒሚ ንቅድሚት ትኸይድ ኢሎም።”

ንምቅባል ሓደ ስጒሚ ንቅድሚት!

ኣብ ስድራቤት ምቅባል ጋሻ ልሙድ ተርእዮ እኳ እንተኾነ እዚ መንፈስ እዚ ክጐድል እንከሎ ግን ጸገም እዩ። ማሕበረሰብ ዓለምና ብዘይካ መንፈስ ምቅባል ጋሻ ስድራቤታት ዝሕልሕል ምበለ ዝበሉ ቅዱስነቶም ምስክርነት ናይታ ካብ ኡክራይና ሃዲማ ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽበትን እዚ ዝኾነሉ ከኣ ሓንቲ ኣብ ገዛኣ ስለዝተቀበላታ ምዃኑ ብምስጋና ገሊጾም።

“ኣብ መለኮታዊ ሓልዮት ተስፋ ብዘይምቊራጽኩም ኣመስግነኩም፣ በዚ ከኣ ጐይታ ብሰባት ገቢሩ ኣብ ሠናይኩም ከም ከምዝሰርሕ ትርእይዎ ኣሎኹም! ተቀበልቲ ኣጋይሽ ብዝኾኑ ስድራቤታት ኣብ ሕክምና ብነጻ ዝሕግዙ ሓካይምን ካልኦት ገበርቲ ሠናይ ሰብ ጽቡቅ ሕልናን ኣለው። ውግእ ኣብዚ ኩነታት እዚ ኣውዲቁ በቲ ሓደ ወገን ጭካኔ ደቂሰባት እንከርኢ በቲ ሓደ ወገን ዓቢ ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘለዎም ሰባት ኣጓኒፍኩም፣ ሕሱምን ብሉጽን ክፍሊ ደቂሰባት ርኢኹም። እታ ተቀባሊት ስድራ ምቅባል ጽጉማት ካብ ሰማይ ዝወርድ ቡራኬ እዩ ዝበለቶ እውን ከም ሓቁ ሓደ ትዕድሊ ጸጋ ሰማያዊ ውህበት ስድራቤታት እዩ፣ እዚ ከኣ ናብ ሕውነት ኩሉ ዘመደ ኣዳም ሓደ ስጒምቲ ንቅድሚት እዩ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ኩሉ ኩሉ ተደማሚሩ ስድራቤት ክንዮ ቤተሰባዊ ጉዳይ ክንዮ ሃይማኖትን ዓሌትን ሓሊፉ ሕውነት መላእ ዘመደ ኣዳም ከምዘረጋግጽ ብግህዶ ብዝህብዎ ምስክርነታት ከምዝግለጽ ብምብራህ ስለዚ ኣብነታዊ ሕውነት ኣመስጊኖም።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 June 2022, 16:21