ጠመተኹም ናብ ሰማይ ብምትኳር ንበሩ! ር.ሊ.ጳ ንስድራቤታት
ዜና ቫቲካን!
ስድራቤታት ዓለምና ነቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ብዙሕ ትጽቢት ዝግብሩሉ ዝነበረ እንተኾነ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 እናተመሓላለፈ ንሎምዘመን ኣብዚ ሶሙን እዚ ይካየድ ኣሎ። ሽሕ’ኳ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዙሕ ኣጨኒቁ እንተነበረ ሕጂ ኸኣ ዝገደደ ኣብ መንጎ ሩስያን ኡክራያናን ዝግበር ዘሎ ውግእ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ንዓለም ምሉእ እንተስ እቲ ቀጥታዊ ሳዕቤን ሕልቂትን ዕንወትን እንተስ ነቲ ማዕከን እኽሊ ዓለም ተባሂሉ ምሉእ ዓለም ከም ኣብ ዘመን ፈርዖን ካባኡ ዝሽምተሉ ምዕጻውን ምዕናውን ብኩሉ ኩሉ ዓለምና ኣብ ሻቅሎት ዝርከበሉ ግዜ ምዃኑ እውን ክበድ ኣብ ርእሲ ክበድ ወሲኹ።
ቅዱስነቶም ንህልው ኩነታት ስድራቤታት ዓለምና ዘመልክት ምስክርነት ብዙሓት ጽምድታት ምስ ሰምዑ ብሓባር ምስ ጸለዩን እንኮ ፍታሕ ካብ ሰማይ ስለዝኾነ ስድራቤታት ጐይታ ክልውጦም ፍቃደኛታት ክኾኑ ግድን ከምዝኾነ በዚ ከኣ ጠመተኦም ናብ ሰማይ ብምትኳር ክነብሩ ኣዘካኺሮም። እዚ ከኣ ከምቲ ዳዊት መዘምር ኣብ 144/5.15 ዝብሎ ‘ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፣ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም’ ንዝብል ተኣንጊቦም ስድራቤታት ናብ ጐይታ ከንቃዕርሩ ጐይታ ክልውጦም ከኣ ልቦም ብምኽፋት ክቅበልዎን ፍቃደኛታት ክኾኑን በዚ ከኣ ንኩሉ ጸገማትን ታሕጓስን ሕይወት ክገጥሙ፣ ነዚ ንምግባር ከኣ ኩሎም ብሕብረት ክጐዓዙ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሮም።
ብሕብረት ምግስጋስ!
እቲ ርክብ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ እንክፍጸም ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝመጹ ስድራቤታት እንኮላይ ካብታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክርይና እውን ዝመጹ ተሳቲፎም። ሽሕ’ኳ ኣብ ሮማ ይካየድ እንተሎ ዓለም ምሉእ ግን ብዝተፈላለየ መራኸቢታት ኣብ ርእሲ ምክትታሉ እቲ ቅዱስነቶም ቅድሚ ዓመት እዚ ዕለት እዚ ኣብ ነፍስወከፍ ሰበኻ ምስ ናይ ሮማ ብምስናይ ክግበር ብዘተሓሳሰብዎ ነፍስወከፍ ሰባኻ ዓለምና ብቀጥታን ብተዘዋዋሪ መንገድን ምስ ሮማ ዓለምለኸ ዕለት ስድራቤት ተካይድ ኣላ።
ምስክርነት ገሊኤን ስድራቤታት ምስ ተሰምዔ ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ መተባብዒ ቃሎም ሃቡ።
ናብ ቃልኪዳን ገጽካ ዘምርሕ ስጒምቲ!
ቅዱስነቶም ኣስተምህሮኦም ብምቅጻል፣ ጒዕዞ ሕይወት ቃል ኪዳን በይንኻ ዝግበር ኣይኮነን! ምስ ጐይታ ብሓባር ኰንካ እዩ ዝግበር። ሕይወት ስድራቤት ዘይከኣል ተልእኮ ኣይምሰልኩም፣ ብጸጋ ምሥጢራት እግዚአብሔር ዘደንቅ ጒዕዞ ሕይወት ይገብሮ። እዚ ከኣ ምሳኡ ብሓባር እምበር በይንኹም ክትገብርዎ ፈጺምኩም ከይትፍትኑ ኢሎምዎም።
መስቀልካ ሃንጐፋይ ቢልካ ንምቅባል ሓደ ስጉሚ ንቅድሚት!
ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል እታ ንገለ ሕሩያት ጥራይ ይኸውን ተባሂሉ ኣብ ውሑዳት ተሓዚኡ ዝዝረበሉ ጉዳይ ቅድስና ናይ ኩልና ከምዝኾነ ነዚ ከኣ ነቲ ብ2018 ጉዳይ ብፅዕና ክያራ ኮርበያ ወለዳ ዝሃብዎ ምስክርነት ጠቂሶም ‘ጒዕዞ መንገዲ ቅድስና ፍኖተ መስቀል ከምዝኾነት ፍኖተ መስቀል ከኣ ንዘለዓለማዊ ሕይወት መስኮት ከምዝኸፍት’ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ሓደ ስጒሚ ናብ ምሕረት!
ቅዱስነቶም ኣብቲ ካብቶም ምስክርነት ዝህቡ ሓንቲ ካብ ደሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝመጸት ስድራ ዝሃበቶ ብምትኳር ምሕረት ንኩሉ ቊስልታት ከምዝጽግን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ንምቅባል ሓደ ስጒሚ ንቅድሚት!
ኣብ ስድራቤት ምቅባል ጋሻ ልሙድ ተርእዮ እኳ እንተኾነ እዚ መንፈስ እዚ ክጐድል እንከሎ ግን ጸገም እዩ። ማሕበረሰብ ዓለምና ብዘይካ መንፈስ ምቅባል ጋሻ ስድራቤታት ዝሕልሕል ምበለ ዝበሉ ቅዱስነቶም ምስክርነት ናይታ ካብ ኡክራይና ሃዲማ ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽበትን እዚ ዝኾነሉ ከኣ ሓንቲ ኣብ ገዛኣ ስለዝተቀበላታ ምዃኑ ብምስጋና ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ኩሉ ኩሉ ተደማሚሩ ስድራቤት ክንዮ ቤተሰባዊ ጉዳይ ክንዮ ሃይማኖትን ዓሌትን ሓሊፉ ሕውነት መላእ ዘመደ ኣዳም ከምዘረጋግጽ ብግህዶ ብዝህብዎ ምስክርነታት ከምዝግለጽ ብምብራህ ስለዚ ኣብነታዊ ሕውነት ኣመስጊኖም።