ድለ

Zelensky, Severodonetsk e Lysychansk sono 'citt� morte' Zelensky, Severodonetsk e Lysychansk sono 'citt� morte'  (ANSA)

ብውግእ ትደሃኽ ንዘላ ሃገረ ኡክራይናን ሕዝባን ኣይንረስዕ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕልት 12 ሰነ 2022 ዓም ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ንምእመናን ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታ ‘ምንዋሕ ግዜ ንስቃያትና ኣየዝሕሎ’ እንክብሉ ንስቃይ ሕዝቢ ኡክራይና ከይንርስዕ ኣዘካኺሮም። እቲ ውግእ ገና ይቅጽል ከምዘሎን ሉታንስክ እትብሃል ዞባ ኡክራይና ብወተሃደራት ሩስያ ተኸቢባ ትዳኸም ከምዘላ ከኣ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከምዘዘኻኸርዎ ዝሓለፈ ሰንበት እውን ንሃገረ ኡክራይናን መከራአን ከይንርስዕ ሓደራ ምስ በሉ ምናዳ እቲ ንነገራት ናይ ምልምማድ ሓደጋ ዓፊኑና ንስቃይን ንውግእን ዘስዕቦ ዕንወትን ካብ ምልማድ ክንቊጠብ ኣዘኻኺሮም። ዓቅምናን ሓይልናን ኣብ ጸሎት ስለዝኾነ ኸኣ ኩልና ስለ ህዝቢ ኡክራይና ክንምህለል ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ስቃይ ከኣ ከይንርስዖ ምናዳ ኸኣ ካብ ናይ ምልማድ ሓደጋ ክንጥንቀቅ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“እቲ ብውግእ ዝደሃኽ ዘሎ ህዝቢ ኡክራይና ወትሩ ኣብ ሃመይን ቀልበይን ኣሎ። በጃኻትኩም ኢለኩም ትራጀዲ ናይዚ ኣዕናዊ ዝኾነ ውግእ ኣይንልመዶ! ነዚኣ ወትሯብ ልብና ንሓዛ! ንውግእ ኣይልመዶ! ስለሰላም ንጋደል ስለሰላም ከኣ ንጸሊ ኢሎም።”

ዘይተርፍ ውድቀት ዞባ ሉሃንስክ!

ገዛኢ ምብራቃዊ ዞባ ሉሃንስክ ‘ናይ ዘሎና ኩሉ እኳ ንዋጋእ እንተሊና ሠራዊት ኡክራይና ኣብ ምብራቃዊ ክፍሊ ዞባ ሉሃንስክ ምውዳቆም ዘይተርፍ ይመስል’ እንክብል ኣብ ጐደናታት ሰቨሮዶንትስክ በርቲዖም ክዋግኡ ምንም ኣጽዋር ከምዘይብሎም እንክገልጹ ዝበዝሐ ክፋላ ግን ብሠራዊት ሩስያ ከምዝተታሕዘ ገሊጹ። እዚ ኩነት እዚ ብናይ ዋሽንግቶን ተንተንቲ እውን ተተንብዩ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። ቅድሚ ገለ መዓልታት ኩለንትናዊ ቊጽጽር ዞባ ልሃንስክ ናይ ቁሩብ ሶሙናት ጉዳይ ኢሎም ገሊጾም ነበሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ ቀዳም ፕረሲደትን ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎንደርለየን ንካልኣይ ግዜኤን ኣብ ከተማ ክየቭ ምስ መራሒ መንግሥቲ ኡክራይና ከምዝተራኸባን ሃገሮም ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ንምጽንባር ቅኑዕ ጐደና ሒዛ ከምዘላን እንክገልጻ መራሒ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ መርሒ ጣልያን ማርዮ ድራጊን መራሒ ፈረንሳ ኢማንወል ማክሮንን ብሓባር ናብ ከተማ ክየቭ ብምኻድ ምስ ፕረሲደንት ዘለንስኪ ክራኸቡ መደብ ከምዘለዎም እውን ተገሊጹ። ጋዜጣታት ሃገረ ጀርመን ከምዝሕብርዎ ንዝመጽእ ወርሒ ሰነ ካብ ዕለት 26 ክሳብ 28 ሰነ 2022 እተን ብጂ7 ዝፍለጣ ኣብ ባቫርያ ጉባኤ ከካይዱ ምዃኖምን ንመንግሥቲ ኡክራይና ኣወንታዊ ምልክት ምጽንባር ክህቡን ተስፋ ከምዘሎ ተመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 June 2022, 14:22