ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ሓደ ብዘይካ ካልእ ክህሉ ከምዘይክእል ይምህረና! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰንበት በዓለ ቅድስት ሥላሴ እተኽብረሉ ዕለት ብምንባሩ ቅዱስነቶም ነታ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ዮሓ 16.13 ‘እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ። እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፥ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ። ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም’፣ ንዝብል እንክትርጉሙ ‘ኣቦ ንዘለዎ ኩሉ ንወዱ ይህቦ ብምልኣት ከኣ ንወዱ ይውፈ፣ እታ ኩሉ እቲ ኣቦ ዘለዎ ናተይ እዩ መንፈስ ቅዱስ ከኣ የበስሮ፣ እዚ ማለት ከኣ ከምቲ ዝተቀበልክዎ ንካልኦት ክውፈ ኣሎኒ ማለቱ እዩ’ እንክብሉ ገሊጾም።
ንካልኦት ክውፈ ኣሎኒ!
ቅዱስነቶም እዚ ተወፋይነት ኢየሱስ ኣንጻር እቲ ብልማድ ደቂሰባት ንሕና እንገብሮ ‘ብዛዕባና ጸጽቡቁ ጥራይ እንዛረብ ወትሩ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ዝገበርናዮ ጉዳያትን ጥራይ ክንዛረብ እንውዕሎ’ ምዃኑ ገሊጾም። ነዚ ንክንገብር እንህልኾ ግዜን ሓይልን ወላ ንዘይምልከቶ ክነውሪ እውን ምዃኑ ብኣንክሮ ዘርዚሮም።
ምፍቃር ማለት እንታይ ማለት ኮን ይኸውን!
ቅዱስነቶም ፍቅርን ውህደትን ኣብ ቅድስት ሥላሴ ቅድሚ ብቃላት ብተግባር ከምዝገልጽ የመልክቱ እሞ ‘ፈጣሪ ሕይወትን ገባር ኩሉን ዝኾነ እግዚአብሔር ብቃላትን ብጽሑፋትን ቁሩብ ተገሊጹ ብዓቢኡ ብምስክርነት ሕይወት ብተግባር እዩ ዝግለጽ’ ኢሎም።
ኣነኸ ነጸብራቅ ቅዱስ ሥላሴዶ እየ!
ቅዱስነቶም ነቲ ደጋጊምና ‘ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን’ ቢልና ገጽና ብምዕታብ እንገብሮ ትእምርተ መስቀል ኣብ ስም ነፍሲወከፍ ስም እቲ ካልእ ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም። ንኣብነት ኣቦ በይኑ ብዘይወልድ ክህሉ ወይውን ወልድ ብዘይኣቦ ክትሓስቦ ኣይከኣልን ወትሩ ከም ኣቦን ከም ወልድን ኢና እንግንዘቦም። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብግዲኡ መንፈስ ኣቦን ወልድን እዩ።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነታ ቀዳመይቲ ማሕደር ቅድሥት ሥላሴ ዝኾነት እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ጓል እግዚአብሔር ኣቦን ኣደ ኢየሱስን መርዓት መንፈስቅዱስን ስለዝኾነት ኣብ ሕይወትና ንምሥጢር ናይቲ ፍቅሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ክንቅበልን ክንምስክርን ትድገፈና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።
ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነቲ ብምኽንያት ጸገም ጥዕና ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ክገብርዎ ንዝነበሮም ሓውጾተ ኖልዎ ናብ መጻኢ ግዜ ብምስጋሮም ንዝተሰምዖም እንክገልጹ ‘ዝኸበርኩም ሕዝብን ሰበሥልጣንን ደሞክራስያዊት ኮንጎ ደቡብ ሱዳንን ኣብ ብርከይ ብዘጋጠመኒ ጸገም ነቲ ኣብ ምጅማር ወርሒ ሓምለ ናብ ሃገራትኩም ክገብሮ ንዝነበረኒ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንካልእ ግዜ ምስግጋር ብዓቢ ጓሂ እገልጽ፣ ነዚ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝነበርኩ ምብጻሕ ምንዋሑ ብጣዕሚ ከምዝተሰመዓኒ እገልጸልኩም’ ኢሎም።