ድለ

ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ሓደ ብዘይካ ካልእ ክህሉ ከምዘይክእል ይምህረና! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 12 ሰነ 2022 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቅረብዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ‘በዓለ ቅድስት ሥላሴ ምኽባር ተሎግያዊ ኣስተንትኖ ኣይኮነን! እንታይ ደኣ ንመንባብሮ ብሱር መሠረቱ ዝልውጥ ሰውራ እዩ’ እንክብሉ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ምስ ሕይወትና ብምትእስሳር ዓሚቊ ኣስተንትኖ ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰንበት በዓለ ቅድስት ሥላሴ እተኽብረሉ ዕለት ብምንባሩ ቅዱስነቶም ነታ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ዮሓ 16.13 ‘እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።  ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ። እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፥ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ።  ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም’፣ ንዝብል እንክትርጉሙ ‘ኣቦ ንዘለዎ ኩሉ ንወዱ ይህቦ ብምልኣት ከኣ ንወዱ ይውፈ፣ እታ ኩሉ እቲ ኣቦ ዘለዎ ናተይ እዩ መንፈስ ቅዱስ ከኣ የበስሮ፣ እዚ ማለት ከኣ ከምቲ ዝተቀበልክዎ ንካልኦት ክውፈ ኣሎኒ ማለቱ እዩ’ እንክብሉ ገሊጾም።

ንካልኦት ክውፈ ኣሎኒ!

ቅዱስነቶም እዚ ተወፋይነት ኢየሱስ ኣንጻር እቲ ብልማድ ደቂሰባት ንሕና እንገብሮ ‘ብዛዕባና ጸጽቡቁ ጥራይ እንዛረብ ወትሩ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ዝገበርናዮ ጉዳያትን ጥራይ ክንዛረብ እንውዕሎ’ ምዃኑ ገሊጾም። ነዚ ንክንገብር እንህልኾ ግዜን ሓይልን ወላ ንዘይምልከቶ ክነውሪ እውን ምዃኑ ብኣንክሮ ዘርዚሮም።

“በዓለ ቅድስት ሥላሴ እንክነብዕል ንተለግያዊ ኣስተንትኖ ዘይኮነ ኣብ መነባብሮና ሱር ነቀል መሠረታዊ ለውጢ እንገብረሉ ሰውራ እዩ። እቲ ሓደ ንካልእ ዝነብሩሉ ቀጻሊ ርክብ ቅድስት ሥላሴ ነንገዛእ ርእስኻ ዘይኮነ እቲ ካልእ ምእንቲ ካልእ ዝነብረሉ እዩ። ወትሩ ክፉታት! ሎሚ ናብ ሕልናና ተመሊስና እቲ እንኣምኖ ኣምላኽ እቲ ብእግዚኣብሔር ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እኣምን እንብሎ ብሓቂ እንተኾይነ ከምቲ ንሶም ሓደ ንሓደ ዝውፈዩ ምእንቲ እቲ ሓደ ዝነብሩ ኣንኸ ንካልኦት ንምግልጋል እውፈዶ ነቲ ብቃለይ ዝብሎ ብግብሪ እምስክረዶ ኢልና ነስተትን! ሽዑ ፍቅሪ እንታይ ምዃኑ ክርደኣና እዩ።”

ምፍቃር ማለት እንታይ ማለት ኮን ይኸውን!

ቅዱስነቶም ፍቅርን ውህደትን ኣብ ቅድስት ሥላሴ ቅድሚ ብቃላት ብተግባር ከምዝገልጽ የመልክቱ እሞ ‘ፈጣሪ ሕይወትን ገባር ኩሉን ዝኾነ እግዚአብሔር ብቃላትን ብጽሑፋትን ቁሩብ ተገሊጹ ብዓቢኡ ብምስክርነት ሕይወት ብተግባር እዩ ዝግለጽ’ ኢሎም።

“ከምቲ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ መልእኽቱ ‘እግዚአብሔር ፍቅሪ እዩ’ (1ዮሓ 4,16) ዝብሎ እግዚአብሔር ብፍቅሪ እዩ ዝግለጽ። እስኪ ምልስ ኢልና ኣብ መነባብሮ ንዘጋጠሙና ሕያዎትን ለገሳትን ትሑታትን ሰባት ንሕሰብ። ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ቁሩብ ነጸብራቅ ናይዚ ፍቅሪ ዝኾነ ኣምላኽ ከምዘለዎም ንምልከት። ምፍቃር ማለትከ እንታይ ማለት እዩ! ቢልና እንተሓተትና ሠናይ ምሕሳብን ሠናይ ምግባርን በይኑ ዘይኮነ ኣብ ሡር መሠረቱ ንካልኦት ሃንጐፋይ ቢልካ ንክትቅበል ንካልኦት ቦታ ምእንቲ ክህልወካ ክፉት ልቢ የድልየካ! ፍቅሪ ማለትከስ እዚ እዩ፣ ኣነኸ ነጸብራቅ ቅዱስ ሥላሴዶ እየ ኢልና እስኪ ነስተንትን ኢሎም።”

ኣነኸ ነጸብራቅ ቅዱስ ሥላሴዶ እየ!

ቅዱስነቶም ነቲ ደጋጊምና ‘ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን’ ቢልና ገጽና ብምዕታብ እንገብሮ ትእምርተ መስቀል ኣብ ስም ነፍሲወከፍ ስም እቲ ካልእ ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም። ንኣብነት ኣቦ በይኑ ብዘይወልድ ክህሉ ወይውን ወልድ ብዘይኣቦ ክትሓስቦ ኣይከኣልን ወትሩ ከም ኣቦን ከም ወልድን ኢና እንግንዘቦም። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብግዲኡ መንፈስ ኣቦን ወልድን እዩ።

“ቅድስት ሥላሴ ዝምህሩና ቀንዲ ጉዳይከስ እቲ ሓደ ብዘይካ እቲ ካልእ ክህሉ ከምዘይክእል እዩ። ደሴታት ኣይኮናን። ኣብ ዓለም ዝተፈጠርና ብኣምሳል እግዚአብሔር ክፉታት ኰና ካልኦት ከምዘድልዩናን ንክንሕግዞም ንካልኦት ከምእነድልዮን ምዃኑ ንፍለጥ። ኣብ ዕለታዊ ናብራይ ንቅድስት ሥላሴዶ አንጸባርቅ ኢልና እስከ ነስተትን። በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኢልና ወትሩ እንገብሮ ትእምርተ መስቀል በዘልማድዶ ንፍጽሞ ወይስ ኣገባብ ኣዘራርባናን ርክባትናን ተዋስኦናን ቀቢኡ ጥዑይ መልስን ፍርድን ምሕረትን ከምእህብ ይገብረና ኢልና ንሕተት ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነታ ቀዳመይቲ ማሕደር ቅድሥት ሥላሴ ዝኾነት እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ጓል እግዚአብሔር ኣቦን ኣደ ኢየሱስን መርዓት መንፈስቅዱስን ስለዝኾነት ኣብ ሕይወትና ንምሥጢር ናይቲ ፍቅሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ክንቅበልን ክንምስክርን ትድገፈና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነቲ ብምኽንያት ጸገም ጥዕና ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ክገብርዎ ንዝነበሮም ሓውጾተ ኖልዎ ናብ መጻኢ ግዜ ብምስጋሮም ንዝተሰምዖም እንክገልጹ ‘ዝኸበርኩም ሕዝብን ሰበሥልጣንን ደሞክራስያዊት ኮንጎ ደቡብ ሱዳንን ኣብ ብርከይ ብዘጋጠመኒ ጸገም ነቲ ኣብ ምጅማር ወርሒ ሓምለ ናብ ሃገራትኩም ክገብሮ ንዝነበረኒ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንካልእ ግዜ ምስግጋር ብዓቢ ጓሂ እገልጽ፣ ነዚ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝነበርኩ ምብጻሕ ምንዋሑ ብጣዕሚ ከምዝተሰመዓኒ እገልጸልኩም’ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 June 2022, 14:17

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >