ድለ

ኣብ ምያንማር ክብሪ ግርማ ወዲሰብ ክሕሎ እምሕጸን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 19 ሰነ 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተጋብኡ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ነገድያንን ምእመናንን ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ኣብ ቢርማና ዝወርድ ዘሎ ዓመጽ ደው ንክብል ክብሪ ግርማ ደቂሰባት ክሕሎ ናብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጻውዒት ኣቅሪቦም፤ ንሕዝቢ ምንያማር ከይርስዑን መሠረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቅርቡ ከማኡ እውን እቲ ግጭት ንቦታት እምነትን መዕቆቢ ሕሙማንን ኣብያተ ትምህርትን ከይጐድእ ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ዓለምና ድሕሪ ግጭት ኡክራይናን ሩስያን ረሲዕዎም ካብ ዘሎ ብዙሓት ንዓለምና ዘናውጹን ኣብ ልዕሊ ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ሕዝብታት መዓት ኣደራዕ ዘውርዱ ካብ ዘለው ግጭታት ሓደ ኣብ ምያንማር ዚካየድ ዘሎ ኮይኑ ቅዱስነቶም ነዚ ኣብ ልዕሊ ፍቅርቲ ምያንማር ክብሉ ዝገለጽዋ ሃገር ዘሎ ስቃይን መከራን ብምዝካር ድሕሪ ጸሎተ መል ኣከ እግዚኣብሔር ነዚ ዚስዕብ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

“ገዓር ቃንዛን ስቃይን ናይቶም ምንም ዓይነት መሠረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ተሓሪምዎም ዘሎ ሕዝቢ ምያንማር ኣብ እዝንና ይብጻሕ፤ እዞም ካብ መረበቶም ብሰንኪ ውግእን ዓመጽን ርሒቆም እንትርፎ ጐይታ ረዳኢ ዘይብሎም ሕይወቶም ንከድሕኑ ገዛውቶም እናነደደ ሓዲጎም ክሃድሙ ዝተገደዱ መሳኪን ክርድ ኡ ኣለዎም፤ ናይዛ ፍቅርቲ ሃርገ ኣቡናት ናብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነዛ ሃገር ከይርስ ዕዋ ኣብ ዘቅረብዎ ጥር ዓን ጻው ዒተይ እውስኽ ኣሎኹ፤ ሕዝቢ ቢርማና ከይርሳዕ ክብሪ ግርማ ደቂሰባትን ክብሪ ሕይወትን ክሕሎ ከማኡ እውን ናይ እምነት ቦታታትን መዕቆቢ ሕሙማንን ኣብያተትምህርትን በዚ ግጭት ከይጉድ ኡ ሓደራ፤ ኣብዚ ቅር ዓት ንቢርማያ ወኪሎም ንዘሎኹም ኩሉኹም እባርኽ ኢሎም።”

ኩነታት ቢርማይና ምናዳ ጉዳይ ስደተኛታት ብጣዕሚ ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት ከምዝበጽሔ ብ ዓሠርታት ዝቊጸራ ኣብያተክርስትያን ካቶሊካዊትቢቤተክርስትያን ብደብዳብ መዳፍዕን ነፈርትን ከምዝዓነው እንክምልከት ኮነ ቢልካ ል ዕሊ 450 ገዛውቲ መብዛሕቱኡ ናይ ካቶሊካውያን ብሓዊ ከምዝተቃጸለን ብ ኣሽሓት ዝቁጸሩ ስደተኛታት ኣብ ሃገረ ህንዲ ገጾም ይሃድሙ ከምዘለው ኣገልግሎት ዜና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይቲ ከባቢ የመልክት፤ እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ሽማግለታትን ስንኩላንን ሕጻናትን ደቂኣንስትዮን ሕምማትን ምዃኑ እቲ ናይታ ሃገር ኣቡናት ናብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዘቅረብዎ ጥርዓን የመልክት።   

ብድምጺ ንምክትታል!
20 June 2022, 14:06