ድለ

ጐይታ ኢየሱስ ብቅዱስ ቊርባን ገቢሩ ዘድልየና ሠናይ ነገርን ትርጉም ሕይወትን የጽግበና! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥር ዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ሽሕ’ኳ ዝሓለፈ ሓሙስ እንተኽበረቶ ብ ዕሊ ኣብ ብዙሓት ቊምስናታት ናብ ሰንበት ስለእተሰጋግሮ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ቅድሚ ጸሎተ መል አከ እግዚኣብሔር ንልዕሊ 20 ሺሕ ዝኾኑ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተጋብኡ ም እመናንን ነጋድያንን ‘ጐይታ ኢየሱስ ብቅዱስ ሥጋኡ ንቅድሚት ክንግስግስ ጥራይ ኣይኮነን ዝድግፈና ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ኣብ ጐድንና ኰይኑ ብምጒዓዝ ትርጉም ሕይወት ይህበና’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብዚ ዓቢይ በዓል ሕዝበ ክርስትያን ቀንዲ ክርድኦ ዘለዎ ጉዳይ ሃብታት ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ቈጺርካ ዘይውዳእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ከምዚ ካብና ዝተፈልየ ኣብ ዝተወሰነ ቦታን ግዜን ዝርከብ ጸጋታት ጥራይ ገቢርካ ናይ ምርዳእ ሓደጋ ስለዘሎ ኣብዚ ጸገም እዚ ሓራ ንምዃን ብቀንዱ ጐይታ ኢየሱስ ብቅዱስ ቊርባን ዜጋታት ሰማይ ክንከውን ወትሩ ዘቅርበልና ዕድመ ኣብ ርእሲ ምዃኑ  ነዚ ግን ኣብዚ ምድሪ እዚ ኰና ክንነብሮን ብኩሉ ኩሉ ብኣኡ ክንተኣማመን ኣዘኻኺሮም፤ እዚ ምት እምማን እዚ ወትሩ ከሰንየና ከምዘለዎ ኣብ ምድራዊ መግብና ከይተረፈ ከምቲ ናይ ወንጌል ተኣምር ኣብ ገዛና ዕለታዊ እንጌራ ተዋሒዱ እንተሎ ንሱ ከምዝፈልጦን ከምዝሓልን ተማሚና ብዘይ ምንም ጭንቀትን ሻቅሎትን ክንጐዓዝ ከምዚ ክብሉ ምሂሮም።

“ሓንሳእ ሓንሳእ ንቅዱስ ቊርባን ንጹር ዘይኮነ ትርጉም ናይ ምሃብ ሓደጋ ኣሎ! እቲ ብምኡዝ ዕጣንን ውቁብ መብራህትታን እነቅርቦ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ካብ ዕለታዊ መነባብሮ ርሑቅ ዘሎ ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል። ከም ሓቁ ግን ጐይታ ንኩሉ ግድነታትና እዩ ዝምልከት ንኩሉ ኣብ ልቡ ሒዙ ከኣ ካብ ዕለታዊ እንጌራና ጀሚሩ ብኩሉ ኩሉ ይሓልየልና፤ ከምቲ ኣብ ተኣምር ምብዛሕ እንጌራ ዘጋጠመ ከምቶም ሓዋርያት ነዚ ተኣምራታዊ እንጌራ ሕይወት ተቀቢልካ ምብላዑን ካልኦት ከማኻ ክበልዑ ምዕዳሉን የድሊ ኢሎም።”

ጐይታ ንዝሃበካ መግቢ ምብላዕን ንካልኦት ዝብላዕ ምሃብን!

ኣብዚ ዝለዓለ መግለጺ ፍቅሪ ኣምላኽ ዝኾነ ቅዱስ ቊርባንከስ ነፍስወከፍና ጐይታ ኣባና ዘለዎ ሓልዮትን ፍቅርን ክነስተማቅር ንኽእል፤ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተመልኪቱ ዘሎ ተኣምር ብረኣዩለይ ስም ዑለይ ዚዓይነቱ ክእለትካ ናይ ምርኣይ ኣገባብ ዘይኮነ ዳርጋ ብስውር ዝመስል ኣግባብ እዩ እቲ ቁሩብ ቁራቦ እንጌራን ዓሳን ካብ ኢድ ናብ እንክመሓላለፍ ክባዛሕን ንልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ሰብ ከጽግብን ዝኸኣለ።

[ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን እቅነርቦ ኣምልኾን ስግደትን መረጋገጺኡ ከምቲ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ሓልዮት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ እነረጋግጸሉ እዋን እዩ፤ ኣብ ከባቢና ጥሜት መግቢ ጥሜት ጽምዋ ጥሜት ምጽንናዕ ጥሜት ምሕዝነትን ዕርክነትን ወይስ ጥሜት ስብከተወንጌልድ ወዘተ ዶ ኣሎ ቢልና ክነስተንትን እሞ ነቲ ኣብ ህብስቲ ቊርባን ዘሎ ኢየሱስ ዝህበና መልሲ ጽን ቢልና ሰሚዕና ከምቲ ሓርዋያቱ ዝበል ዑን ዘብል ዑን ንሕና እውን ክንበል ዕን ዝብላ ዕ ክን ዕድልን ኣሎና ኢሎም፣ እዚ ከኣ በሊዕና ከም እንጸግብ ክገብረና እዩ ኢሎም። ] 

በሊዕካ ምጽጋብ!

ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን እንክንቅበል ምባላዕን ምስታይን ጥራይ ኣይኮነን በሊዕካ ምጽጋብ እዩ፤ ክንምገብ ከምዘሎና ግድን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ቀጻሊ ክኸውን ኣብ ርእሲኡ ብፍቅሪ ዝግበር ክኸውን ኣለዎ።

“ኣብ ቅዱስ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣኡ ብ ኣካል ኢና ንረክብ! ነታ ም እን ቲኩላትና ዝተወፈየት ሕይወቱ ንረክብ፤ ንቅድሚት ንክንግስግስ ጥራይ ኣይኮነን ዝድግፈና እንታይ ደኣ ኣብ ኩሉ ጒዕዞ ሕይወትና ንከሰንየና ገዛእ ርእሱ ይህበና ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ኣብ ዘሎና ሃሊና ንሕይወትና ትርጉም ከምዝለብስ ይገብሮ። እዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ዕለት ንዘጋጥመና ጸልማትን ምጥርጣርን ምሳና ኰይኑ ንኩሉ ርእዩ ንሕይወትና ትርጉም ክህበና እንከሎ የጽግበና የዕግበና፤ ኣብ ህልውና ጐይታ እንክንርከብከስ ሕይወትና ይልወጥ ኢሎም።”

ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ኣብ ከተማ ሲቪልያ ዝተኻየድ ብፅዕና ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ብሰማዕትነት ዝሞቱ 11 ዶመኒካውያን ዘኪሮም ኣብ ሚያንማር ዚካየድ ዓመጽ ደው ንክብል ን ዓለምኸ ማሕበረሰብ ጻው ዒት ብምቅራብን ንዝሳቀ ሕዝቢ ኡክራይና ከይንርስ ዕ ኣዘኻኺሮም፤ ነቲ ዝመጽእ ሮቡዕ ኣብ ከተማ ሮማ ዝጅምር ዓለምለኸ ርክብ ስድራቤታት ኣመልኪቶም እዚ ፍጻሜ ክውን ንክኸውን ኣበርክቶ ንዝገበሩ ጳጳሳትን ቆምሳንት ኣገልገልቲ ተልእኮ ስድራቤታ ከማኡ እውን ነቶም ኣብዚ ርክብ እዚ ምስክርነቶም ዝህቡ ጽምድታት ኣመስጊኖም ሠናይ ርክብ ንክውኸን ዘለዎም ምንዮት ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 June 2022, 14:13

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >