ጐይታ ኢየሱስ ብቅዱስ ቊርባን ገቢሩ ዘድልየና ሠናይ ነገርን ትርጉም ሕይወትን የጽግበና! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ኣብዚ ዓቢይ በዓል ሕዝበ ክርስትያን ቀንዲ ክርድኦ ዘለዎ ጉዳይ ሃብታት ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ቈጺርካ ዘይውዳእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ከምዚ ካብና ዝተፈልየ ኣብ ዝተወሰነ ቦታን ግዜን ዝርከብ ጸጋታት ጥራይ ገቢርካ ናይ ምርዳእ ሓደጋ ስለዘሎ ኣብዚ ጸገም እዚ ሓራ ንምዃን ብቀንዱ ጐይታ ኢየሱስ ብቅዱስ ቊርባን ዜጋታት ሰማይ ክንከውን ወትሩ ዘቅርበልና ዕድመ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነዚ ግን ኣብዚ ምድሪ እዚ ኰና ክንነብሮን ብኩሉ ኩሉ ብኣኡ ክንተኣማመን ኣዘኻኺሮም፤ እዚ ምት እምማን እዚ ወትሩ ከሰንየና ከምዘለዎ ኣብ ምድራዊ መግብና ከይተረፈ ከምቲ ናይ ወንጌል ተኣምር ኣብ ገዛና ዕለታዊ እንጌራ ተዋሒዱ እንተሎ ንሱ ከምዝፈልጦን ከምዝሓልን ተማሚና ብዘይ ምንም ጭንቀትን ሻቅሎትን ክንጐዓዝ ከምዚ ክብሉ ምሂሮም።
ጐይታ ንዝሃበካ መግቢ ምብላዕን ንካልኦት ዝብላዕ ምሃብን!
ኣብዚ ዝለዓለ መግለጺ ፍቅሪ ኣምላኽ ዝኾነ ቅዱስ ቊርባንከስ ነፍስወከፍና ጐይታ ኣባና ዘለዎ ሓልዮትን ፍቅርን ክነስተማቅር ንኽእል፤ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተመልኪቱ ዘሎ ተኣምር ብረኣዩለይ ስም ዑለይ ዚዓይነቱ ክእለትካ ናይ ምርኣይ ኣገባብ ዘይኮነ ዳርጋ ብስውር ዝመስል ኣግባብ እዩ እቲ ቁሩብ ቁራቦ እንጌራን ዓሳን ካብ ኢድ ናብ እንክመሓላለፍ ክባዛሕን ንልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ሰብ ከጽግብን ዝኸኣለ።
[ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን እቅነርቦ ኣምልኾን ስግደትን መረጋገጺኡ ከምቲ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ሓልዮት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ እነረጋግጸሉ እዋን እዩ፤ ኣብ ከባቢና ጥሜት መግቢ ጥሜት ጽምዋ ጥሜት ምጽንናዕ ጥሜት ምሕዝነትን ዕርክነትን ወይስ ጥሜት ስብከተወንጌልድ ወዘተ ዶ ኣሎ ቢልና ክነስተንትን እሞ ነቲ ኣብ ህብስቲ ቊርባን ዘሎ ኢየሱስ ዝህበና መልሲ ጽን ቢልና ሰሚዕና ከምቲ ሓርዋያቱ ዝበል ዑን ዘብል ዑን ንሕና እውን ክንበል ዕን ዝብላ ዕ ክን ዕድልን ኣሎና ኢሎም፣ እዚ ከኣ በሊዕና ከም እንጸግብ ክገብረና እዩ ኢሎም። ]
በሊዕካ ምጽጋብ!
ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን እንክንቅበል ምባላዕን ምስታይን ጥራይ ኣይኮነን በሊዕካ ምጽጋብ እዩ፤ ክንምገብ ከምዘሎና ግድን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ቀጻሊ ክኸውን ኣብ ርእሲኡ ብፍቅሪ ዝግበር ክኸውን ኣለዎ።
ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ኣብ ከተማ ሲቪልያ ዝተኻየድ ብፅዕና ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ብሰማዕትነት ዝሞቱ 11 ዶመኒካውያን ዘኪሮም ኣብ ሚያንማር ዚካየድ ዓመጽ ደው ንክብል ን ዓለምኸ ማሕበረሰብ ጻው ዒት ብምቅራብን ንዝሳቀ ሕዝቢ ኡክራይና ከይንርስ ዕ ኣዘኻኺሮም፤ ነቲ ዝመጽእ ሮቡዕ ኣብ ከተማ ሮማ ዝጅምር ዓለምለኸ ርክብ ስድራቤታት ኣመልኪቶም እዚ ፍጻሜ ክውን ንክኸውን ኣበርክቶ ንዝገበሩ ጳጳሳትን ቆምሳንት ኣገልገልቲ ተልእኮ ስድራቤታ ከማኡ እውን ነቶም ኣብዚ ርክብ እዚ ምስክርነቶም ዝህቡ ጽምድታት ኣመስጊኖም ሠናይ ርክብ ንክውኸን ዘለዎም ምንዮት ገሊጾም።