ንስቃያት ዓለምና ናብ ጐይታ ንሰማይ ነዕርጎ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ሓዋርያት ድሕሪ ተመኲሮ ዓርቢ ስቅለትን ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጭንቀትን ጐይታ ካብ ሞት ተንሢኡ ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ብማለት ካብ ዝተገልጸሎም ሰንበት ትንሣኤ ን40 መዓልታት ዚኣክል እንዳተመላልሰ ክምህሮምን ክጸናንዖምን ከሰናድዎምን ድሕሪ ምጽናሕ እንተደገና ሕጂ እውን ኣነ እንተኸድኩ ይሕሸኩም፣ ኣነ እንተዘይከይደ እቲ መጸናንዒ ኣይክመጸኩምን እዩ! ኣጆኹም እናበለ እንደገና በይኖም ገዲፍዎም ንሰማይ ኪዓርግ ምዃኑ ይነግሮም። ፍርህን ምጥርጣርን የጥቅዖም! ተስፋ ኣቦ ዝኾነ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ትቅበሉ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውጽኡ ኢሉ ክሰናበቶም ከሰናድዎም እንከሎ ክሳብ ካባኦም ተላዒሉ ደመና ትኽውሎ ነግፈረግ ይብሉ ነሮም። ንሰማይ ምስ ዓረገ ኣብቲ ኩርባ ተዓኒዶም ንዘለው መላእኽቲ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም ምስ በልዎ ተበራቢሮም ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ኣብ ጽርሓ ጽዮን ምስ ቅድስት ድንግል ማርያም ተስፋ ኣቦ ኣብ ምጽባይን ኣብ ሱባኤን ከምዝኣተው ንምልከት።
ዕርገት ማለት ምሕዳግና ዘይኮነ መንፈስ ቅዱስን ኢየሱስን ኣብ ልብና ምህላው እዩ!
በዓለ ዕርገት ዘመልክቶ ቀንዲ ጉዳይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኮ ድሕነት ፈጺሙ ምድራዊ ሕይወቱ ምሉእ ብምሉእ ዚዛዝመሉ ፍጻሜ ኮይኑ ንሓዋርያት ባሪኹ ይሰናበቶም መንፈስ ቅዱስ ከኣ ይህቦም። ቅዱስነቶም ኣብዘን ቡራኬን ውህበት መንፈስ ቅዱስን ዝብላ ክልተ ተግባራት ጐይታ ከምቲ ናይ ሓዋርያት ዕለታዊ መንባብሮ ነፍሲወከፍና እውን ዝምልከታ ምዃነን ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።
ሓቀኛ ፍቅሪ ዘይጭፍልቅ ቅርበት እዩ!
ኣብዚ ምፍልላይ እዚኸስ ኢየሱስ ክንዮ ግዜን ቦታን ክንሰግር እሞ ህላዌ ናቱ ምሳና ወትሩ ከምዝኾነ ግዜን ቦታን ዘይግድቦ ክንዮኡ ምዃኑ የረጋግጸልና። በዚ ትዕድልቲ መንፈስ ቅዱስ ገቢሩ ኸኣ ሕጉሳትን ሓራን መሰኻኽሩ ይገብረና።
ኣብዚ እውን ኢየሱስ ንዓና ዘለዎ ፍቅሪ ጐሊሑ ይረኤ። ምሳና ምህላው ነጻነትና ዝድርት ኣይኮነን፣ እኳ ደኣ ሰፊሕ ቦታ ይሓድገልና ከመይ ሓቀኛ ቅርበት ፍቅሪ ሓራ ዝገድፍ ዘይዕፍንን ዘየጻብብን ኰይኑ ግደኻ ክተበርክት ብትዕግሥቲ ይዕድመካ።
ምስ ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦ ህልዋት ኢና!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ንመወዳእታ እዋን ክሰናበቶም እንከሎ ቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ‘ኣእዳው ዘርጊሑ ባረኾም እናባረኾም ከኣ ካብ መሬት ተፈልየ ንሰማይ ገጹ ከኣ ይዓርግ ነበረ’ ዝብል ነንብብ። ቅዱስነቶም ነዚ አንክገልጽዎ እቲ ካባኣቶም ፍልይ ምባሉን ኢዱ ኣልዒሉ ምብራኾምን ክህነት ኢየሱስ ከምዘመልክት እንተኾነ ካባና ክፍለ እንከሎ ንሰብኣውነትና ምሉእ ብምሉእ ወሲዱ ናብ እግዚአብሔር ኣቦ ብምቅራብ ምእንታና ወትሩ የማልድ ኢሎም።
ንዝረኸብናዮ ዘበልና እናባረኽና ስለሰላም ዓለም ንማህለል!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ከም ተኸተልቲ ክርስቶስን ሓዋርያትን መጠን እንህቦ ምስክርነት ብሓቂ ክርስትያናዊዶ እዩ ወይስ ጥቅምን ረብሓን ጐልቢቡና ክንዲ ንካልኦት ምፍቃርን ስለኦም ምጽላይን ንጥቅምና ንቀዳደም ቢልና ክነስተትን ዓዲሞም።
21 ሓደስት ካርዲናላት!
ቅዱስነቶም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስ ኣዕረጉ ንዝመጽእ ዕለት 29ን 30ን ነሓሰ 2022 ዓም ጉባኤ ካርዲናላት ናይ ኩሎም ከካይዱ እሞ ብዛዕባ ሓዲስ ኣዋጅ ሕዳሴ መሪሕነት ቤተክርስትያን ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ከስተንትኑ ምዃኖም ከማኡ እውን ብኮንቺስተሮ ዝፍለጥ ዕጽው ጉባኤ ብምክያድ 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ከሾሙ ምዃኖም ገሊጾም። ቀንዲ እጃም ሥርሖም ከኣ ንጳጳስ ሮማ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ ኣብ ተልእኮኦም ንምሕጋዝ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።