ድለ

ንስቃያት ዓለምና ናብ ጐይታ ንሰማይ ነዕርጎ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትክተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሰንበት ዕለት 29 ግንቦት 2022 ዓም በዓለ ዕርገት ኣብ ዝዝከረትሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግሥተ ሰማያት ቅድሚ ምድጋሞም ‘ምንም ጥቅሚ ከይደለና ነፍቅር ስለ ተስፋን ስቃያት ዘመደ ኣዳምን ንጸሊ’ ነቲ ጐይታ ቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ንሓዋርያት ዝመሃሮምን ዝሃቦም ተስፋ መንፈስ ቅዱስን ክነስተንትን ዓዲሞም። ኣብ ፍጻሜ ከኣ ንዝመጽእ ዕለት 27 ነሓሰ 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ንምሻም ዕጽው ጉባኤ ኮንቺስተሮ ከካይዱ ምዃኖም ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ሓዋርያት ድሕሪ ተመኲሮ ዓርቢ ስቅለትን ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጭንቀትን ጐይታ ካብ ሞት ተንሢኡ ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ብማለት ካብ ዝተገልጸሎም ሰንበት ትንሣኤ ን40 መዓልታት ዚኣክል እንዳተመላልሰ ክምህሮምን ክጸናንዖምን ከሰናድዎምን ድሕሪ ምጽናሕ እንተደገና ሕጂ እውን ኣነ እንተኸድኩ ይሕሸኩም፣ ኣነ እንተዘይከይደ እቲ መጸናንዒ ኣይክመጸኩምን እዩ! ኣጆኹም እናበለ እንደገና በይኖም ገዲፍዎም ንሰማይ ኪዓርግ ምዃኑ ይነግሮም። ፍርህን ምጥርጣርን የጥቅዖም! ተስፋ ኣቦ ዝኾነ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ትቅበሉ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውጽኡ ኢሉ ክሰናበቶም ከሰናድዎም እንከሎ ክሳብ ካባኦም ተላዒሉ ደመና ትኽውሎ ነግፈረግ ይብሉ ነሮም። ንሰማይ ምስ ዓረገ ኣብቲ ኩርባ ተዓኒዶም ንዘለው መላእኽቲ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም ምስ በልዎ ተበራቢሮም ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ኣብ ጽርሓ ጽዮን ምስ ቅድስት ድንግል ማርያም ተስፋ ኣቦ ኣብ ምጽባይን ኣብ ሱባኤን ከምዝኣተው ንምልከት።

“እዚ ከኣ ንዓና እውን ንነፍስወከፍና ጥምቀቱን ተልእኮኡን ንዝተቀበልና ፈጺሙ በይንና ከምዘይሓድገናን ነቲ ወትሩ ምሳና ዝነብር ተስፋ ኣቦ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ይልግሰልና አሞ ኣብ ዓለም መሰኻክሩ ክንከውን ከምቲ ናይ ሓዋርያት ወትሩ ምስ ለኣኸና እዩ። እንተንሱ ከምቲ ናይ ሽዑ ንሰማይ ኪዓርግ እንከሎ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ምሳኡ ሒዙ ይዓርግ ስለና ከኣ የማልድ ኣሎ። ስለዚ ዕርገት ክንብል እንከሎና ሓዲጉና ማለት ዘይኮነ መንፈስ ቅዱስን ኢየሱስን ወትሩ ምሳና ከምዘለው ዘመልክት በዓል እዩ።”

ዕርገት ማለት ምሕዳግና ዘይኮነ መንፈስ ቅዱስን ኢየሱስን ኣብ ልብና ምህላው እዩ!

በዓለ ዕርገት ዘመልክቶ ቀንዲ ጉዳይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኮ ድሕነት ፈጺሙ ምድራዊ ሕይወቱ ምሉእ ብምሉእ ዚዛዝመሉ ፍጻሜ ኮይኑ ንሓዋርያት ባሪኹ ይሰናበቶም መንፈስ ቅዱስ ከኣ ይህቦም። ቅዱስነቶም ኣብዘን ቡራኬን ውህበት መንፈስ ቅዱስን ዝብላ ክልተ ተግባራት ጐይታ ከምቲ ናይ ሓዋርያት ዕለታዊ መንባብሮ ነፍሲወከፍና እውን ዝምልከታ ምዃነን ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

“ቅድሚ ዝኣገረ ኢየሱስ ነዕርኽቱ እንታይ ይብሎም እንተበልና ‘ነቲ ኣቦ ዝተስፍወለይ መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እዩ’ ይብሎም። እዚ ተስፋ ኣቦ እዚ መንፈስ ቅዱስ እቲ መጸናንዒ ኣብ ኩሉ ዘሰንዮምን ዝመርሖምን ንተልእኮኦም ዝድግፍን ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ከኣ ይከላኸለሎም። ኣብዚ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ንርዳእ! ኢየሱስ ንኣርድእቱ ፈጺሙ ይሓድጎም የለን፣ ናብ ሰማይ ይዓርግ ግን በይኖም ኣይሓድጎምን። መንፈስ ቅዱስ ከምዝወርዶም የረጋግጸሎም።”

ሓቀኛ ፍቅሪ ዘይጭፍልቅ ቅርበት እዩ!

ኣብዚ ምፍልላይ እዚኸስ ኢየሱስ ክንዮ ግዜን ቦታን ክንሰግር እሞ ህላዌ ናቱ ምሳና ወትሩ ከምዝኾነ ግዜን ቦታን ዘይግድቦ ክንዮኡ ምዃኑ የረጋግጸልና። በዚ ትዕድልቲ መንፈስ ቅዱስ ገቢሩ ኸኣ ሕጉሳትን ሓራን መሰኻኽሩ ይገብረና።

ኣብዚ እውን ኢየሱስ ንዓና ዘለዎ ፍቅሪ ጐሊሑ ይረኤ። ምሳና ምህላው ነጻነትና ዝድርት ኣይኮነን፣ እኳ ደኣ ሰፊሕ ቦታ ይሓድገልና ከመይ ሓቀኛ ቅርበት ፍቅሪ ሓራ ዝገድፍ ዘይዕፍንን ዘየጻብብን ኰይኑ ግደኻ ክተበርክት ብትዕግሥቲ ይዕድመካ።

ምስ ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦ ህልዋት ኢና!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ንመወዳእታ እዋን ክሰናበቶም እንከሎ ቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ‘ኣእዳው ዘርጊሑ ባረኾም እናባረኾም ከኣ ካብ መሬት ተፈልየ ንሰማይ ገጹ ከኣ ይዓርግ ነበረ’ ዝብል ነንብብ። ቅዱስነቶም ነዚ አንክገልጽዎ እቲ ካባኣቶም ፍልይ ምባሉን ኢዱ ኣልዒሉ ምብራኾምን ክህነት ኢየሱስ ከምዘመልክት እንተኾነ ካባና ክፍለ እንከሎ ንሰብኣውነትና ምሉእ ብምሉእ ወሲዱ ናብ እግዚአብሔር ኣቦ ብምቅራብ ምእንታና ወትሩ የማልድ ኢሎም።

“ከምዚ ብምግባሩ ከኣ ንሕና ወትሩ ኣብ ቅድሚ ኣዕይቲ ሰማያዊ ኣቦና ምስ ሰብኣውነት ኢየሱስ ህልዋት ኢና፣ጐይታ ንሰማይ ኪዓርግ እንከሎ ሕይወትና ተስፋና ቊስልታትና ምሳኡ ሒዝዎ ብምኻዱ ኣቦ ወትሩ ከሰንየናን ክባርኸናን ወትሩ ስሌና የማልድ ኢሎም።”

ንዝረኸብናዮ ዘበልና እናባረኽና ስለሰላም ዓለም ንማህለል!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ከም ተኸተልቲ ክርስቶስን ሓዋርያትን መጠን እንህቦ ምስክርነት ብሓቂ ክርስትያናዊዶ እዩ ወይስ ጥቅምን ረብሓን ጐልቢቡና ክንዲ ንካልኦት ምፍቃርን ስለኦም ምጽላይን ንጥቅምና ንቀዳደም ቢልና ክነስተትን ዓዲሞም።

“ጸሎት ኣማላድነት ንመሃር! ስለ ተስፋን ስቃይ ዓለምናን ነማልድ ንማህለል! ስለ ሰላም ንማህለል! ብገጽታናን ብቃላትናን ዕለት ዕለት ንእንረኽቦም ሰባት ንባርኽ ኢሎም።”

21 ሓደስት ካርዲናላት!

ቅዱስነቶም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስ ኣዕረጉ ንዝመጽእ ዕለት 29ን 30ን ነሓሰ 2022 ዓም ጉባኤ ካርዲናላት ናይ ኩሎም  ከካይዱ እሞ ብዛዕባ ሓዲስ ኣዋጅ ሕዳሴ መሪሕነት ቤተክርስትያን ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ከስተንትኑ ምዃኖም ከማኡ እውን ብኮንቺስተሮ ዝፍለጥ ዕጽው ጉባኤ ብምክያድ 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ከሾሙ ምዃኖም ገሊጾም። ቀንዲ እጃም ሥርሖም ከኣ ንጳጳስ ሮማ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ ኣብ ተልእኮኦም ንምሕጋዝ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 May 2022, 15:48

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >