ድለ

ንዕለት 27 ነሐሰ 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ንምሻም ጉባኤ ካርዲናላት ኪካየድ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 29 ግንቦት 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎት ንግሥተ ሰማያት ብደሓን የጽንሓን ንዚመጽሕ ወርሒ ነሐሰ ዕለት 27 ሓደስቲ ካርዲናላት ንምሻም ብኮንቺስተሮ ዝፍለጥ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ከካይዱ ምዃኖም ገሊጾም። ካብዞም 21 ሓደስቲ ካርዲናላት 16 ር.ሊ.ጳ ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ እንክኾኑ እቶም ዝተረፉ ግን ብናይ ዕድመ ገደብ ክመርጹን ክምረጹን ከምዘይክእሉ ካባኦም ብዕድመ ዝነኣሱ ከኣ ካብ ሞንግልያ ኣባ ማረንጎ ምዃኖም ተገሊጹ።

ዜና ቫቲካና!

ዳርጋ ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝተመርጹ ክትብሎም ዝከኣል እዞም ንካርዲናልነት ዝተሓጽዩ ጳጳሳትን ካህናትን ካብ ኩለን ኣህጉር ዓለምና ዝተመርጹ እንክኾኑ ቅዱስነቶም በተረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ንሻምናይ ግዜኦም እዮም ካርዲናላት ዝሾሙ ዘለው።

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ጸሎት ንግሥተ ሰማያት ነዚ ጉዳይ እዚ ንምምልካት ቀዳም ዕለት 27 ነሓሰ 2022 ዓም ነቲ ብኮንቺስተርዮ ዝፍለጥ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ምስ ገበሩ ስዒበን ዘለዋ ዕለታት ማለት ሰኑይ 29ን ሰሉስ 30 ነሓሰ እውን ኩሎም ካርዲናላት ብዛዕባ እቲ ብዕለተ ጰራቅሊጦስ ዚእወጅ ሓዋርያዊ ቊዋም ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ንከጽንዑ ክጋብኡ ምዃኖም እውን ገሊጾም። ካብዞም ሓደስቲ ካርዲናላት ሠለስት ሓላፍቲ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቅድስት መንበር ከምዝርከብዎም እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ሠለስት ሓላፍቲ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቅድስት መንበር!

እቲ ሕዳሴ ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ብቀንዲ ናይ ዝምልከቶ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጥ ላዕለዋይ ምሕደራ ቅድስት መንበር ክፍሊ ናይ ዝኾና ሠለስት ሓላፍቲ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቅድስት መንበር ካብዞም ሓደስቲ ካርዲናላት እዮም፣ እንግሊዛዊ ብፁዕ ኣቡነ ኣርቱር ሮክ ሓላፊ ሥርዓተ ኣምልኾን ሥርዓቱን ናይ እትከታተል ማሕበር። ኮርያዊ ብፁዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሄንግስሲክ ሓላፊ ንካህናት ናይ እትሓሊ ማሕበር፣ ከማኡ እውን እስፓኛዊ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቨርገዝ ኣልዛጋ ፕረሲደንት ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኮሚሽን ሃገረ ከተማ ቫቲካንን መንግስስቱን እዮም።

ሓደስቲ ካርዲናላት!  

ምስዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ሠለስት ሓደስቲ ካርዲናላት ዝተሾሙ

ሊቀ ጳጳስ ማርሲልያ ሃገረ ፈረንሳ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ኣቨላግ

ጳጳስ ኤክውሎብያ ሃገረ ናይጀርያ ብፁዕ ኣቡነ ፐተር ኤበረ ኦክፓለከ

ሊቀ ጳጳስ ማንሃውስ ሃገረ ብራዚል ብፁዕ ኣቡነ ለዮናርዶ እስታይነር

ሊቀ ጳጳስ ጎዋን ዳማኦን ሃገረ ህንዲ ብፁዕ ኣቡነ ፈሊፐ ነሪ ኣንቶንዮ ሰባስታዎ ዶ ሮዛርዮ ፈራዎ

ጳጳስ ሳንድዮጎ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ማክኤልሮይ

ሊቀ ጳጳስ ምብራቅ ቲሞር ብፁዕ ቪርጂልዮ ዶ ካርሞ ዳ ሲልቫ

ጳጳስ ኮሞ ሃገረ ጣልያን ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ካንቶኒ

ሊቀ ጳጳስ ሃይደራባድ ሃገረ ህንዲ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶንይ ፓዎላ

ሊቀ ጳጳስ ብራዚልያ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ቸሳር ኮስታ

ሊቀ ጳጳስ ዋ ሃገረ ጋና ብፁዕ ኣቡነ ሪቻርድ ኩውያ ባዎብር

ሊቀ ጳጳስ ሲንጋፖር ብፁዕ ኣቡነ ዊልያም ሰንግ ችየ ጎህ

ሊቀ ጳጳስ ኣስንስዮን ሃገር ፓራጉዋይ ብፁዕ ኣቡነ ኣዳልበርቶ ማርቲነዝ

ልኡኽ ወንጌል ኮንሶላታን ሓዋርያዊ መስተናብር ኡላን ባቶር ርእሰ ከተማ ሞንጎልያ ብፁዕ ኣቡነ ጆርጆ ማረንጎ እንክኾነ እዞም ናይ መወዳእታ ብዕድመ ዝነኣሱ ካርዲናል ኮይኖም ወዲ 48 እመት ምዃኖም እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።

ኣብ ርእሲ እዚኦም ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ዘለዎም ብፁዓን ኣበው ልሂቅ ሊቀጳጳስ ካርታገና ሃገረ ኮሎምብያ ብፁዕ ኣቡነ ኾርገ ኤንሪከ ጂመነዝ ካርቫኻል

ልሂቅ ጳጳስ ገንት ሃገረ በልጅዩም ብፁዕ ኣቡነ ሉካስ ቫን ሉይ

ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ካጝልያሪ ሃገረ ጣልያን ብፁዕ ኣቡነ ኣሪጎ ሚጝልዮ

ሓላፊ ጳጳሳዊ ዩኒቨርቲ ግረጎርያና ነበርን መምህር ንባበ መለኮትን ኣባ ዣንፍራንኮ ጊርላንዳ ኢየሱሳዊ

ኣባል ጸለይቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ብፁዕ ኣቡነ ፎርቱናቶ ፍረዛን ይርከብዎም።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ስለዞም ሓደስቲ ካርዲናላትን ኩሎም ካርዲናላትን ንጳጳስ ሮማ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቱ ንክድግፉ ኩልና ክንጽሊ ሓደራ ኢሎም።

ብሞት ንዝተፈልዩ ቀኒስካ ነዞም ሓደስቲ ከኣ ወሲኽካ ቊጽሪ ካርዲናላት ካብ 27 ነሐሰ 2022 ዓም 229 ክኸውን ካብዚኦም 132 ር.ሊ.ጳ ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ እቶም ዝተረፉ ግን ብናይ ዕደመ ገደብ ክመርጹን ክምረጹን ዘይክእሉ እዮም።

ካብዚኦም 52 ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝተሾሙ እንክኾኑ 64 ከኣ ብልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝተሾሙ እዮም። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሾምዎም ብጠቅላላ 113 እንክኾኑ ካብዚኦም ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ 83 ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
30 May 2022, 15:32