ጐይታ ንሰብ መዚ ሃገራት ዓለምና ሰላም ክህቦም ንማህለል! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዕለቱ ልዕሊ 25 ሺሕ ብዝግመቱ ምእመናንን ነጋድያን ኣዕለቅሊቃ ሳልሳይ ወርሑ ንዘቅጸረን ንኤውሮጳን መላእ ዓለምን ዘስቅቅ ንዘሎ ውግእ ሩስያን ኡክራይናን ጐይታ ደው ንከብሎ ንምምህላልን ትምህርቲ ቅዱስነቶምን ቡራኬኦም ንምስታፍን ብሃንቀውታ ኣብ ዝጽበዩሉ ዝነበሩ ሁመት ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለወንጌል ‘ሰላም ኣሓድገልኩም ሰላመይ እውን እህበኩም’ (ዮሓ 14,27) እንክብል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም መንፈሳዊ ለበዋ ንሓዋርያቱ ኣብ ናይ መወዳእታ ድራሩ ንዝሓደገሎም ሎሚ እውን ንነፍስወከፍና ክህበና ምናዳ ኸኣ ንመራሕቲ ሃገራት ዓለምና ኣብ ልባቶም እዚ ሰላም እዚ ከምዚዓስል ክገብር ክምህለሉ ሓደራ ኢሎም። እዚ ጐይታ ኣብ መወዳእታ ድራር ዝገበሮ ምፍናው ምድፍናቅ ዝመልኦ እኳ እንተኾነ ነቲ ኣብ ልቢ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ትሕትናን ለውሃትን ይገልጽ። ጐይታ ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ቃላት እናደገመልና ነፍስወከፍ ክርስትያን ነዚ ክምስክር ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ንዘጋጥሙ ወጥርታትን ግጭታትን ንምውጋድ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ሰላም ክህበና ሰላም ንጐረባብትና ክህብ ሰላም ንዓለም ሓቆፍ ፖሎቲካውያን መራሕቲ ክህብ ብጽንዓት ንለምን ከመይ ሰላም ዘይብሉ ሰላም ክህብ ኣይክእልን ኢሎም።
ሰላም ዘይብሉ ሰላም ክህብ ኣይክእልን!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኮኡ ንምፍጻም ኣብ ምስንባት እንከሎ በቲ ሓደ ወገን ቅድሚኡ ተገቲሩ ንዘሎ ሕማማት እናኣሰላሰለ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይቶም ሓዋርያቱ ኩነታትን ድኽመትን ክሕደትን ገድልን እናተራእዮ ምድንፋቅ ብዝመልኦ ኣገባብ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ምሳኡ ምህላዎም ብካልእ መንገዲ ከምዝኾነ ክገልጸሎም እንከሎ ብመጀመርያ ኣጆኹም! ልብኹም ኣይሸበር! ብኣይ እመኑ ብእግዚአብሔር ኣቦ እመኑ! መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እዩ! ኣነ እየ ሓሪየኩም! አፍቅረኩም እየ! ከምቲ ዘፍቀርኩም ተፋቀሩ! ተፍቅሩኒ እንተትኾኑስ ምተሓጐስኩም ከመይ ኣነ ናብ ኣቦይ እየ ዝኸይድ ዘሎኹ! ንዓኹም እውን ቦታ ከሰናድወልኩም እየ! ኣብዚ ዓለም ግዝያውያን ኢና! ዝዓበየ ታሕጓስን ዕረፍትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኣብ ሰማይ ምስ ኣቦይን ኣቦኹምን እዩ ዝርከብ! ነዛ ንቁሩብ ግዜ ትጸንሑላ ዓለም እማነት ኣይትሃብዋ! ኣነ ኣሸኒፈያ እየ እሞ ንስኹም እውን ክተሸንፍዋ ኢኹም! ልብኹም ከይሽበር ከይትፈርሁ ከኣ ሰላም እሓደገልኩም ሰላመይ ከኣ እህበኩም! እዚ ሰላም እዚ ግን ከምቲ ዓለም ዝህቦ ሰላም ኣይኮነን እናበለ ክርድእዎ ብዝኽእሉ ቋንቋ ኣፍኩስ ኣቢሉ ገሊጽሎም።
ነዚ ክገልጸሎም እንከሎ ግን ምንም ዓይነት ሻቅሎት ከየርኣየ ክሳብ መወዳእታ ብለውሃት እዩ ተዛሪብዎም። ከምቲ ዝነበርካዮ ኢኻ እትመውት ዝብል ምሳሌ ኣሎ። ናይ መወዳእታ ሰዓታት ኢየሱስ እውን ከምታ ምሉእ መዋእሉ ዝነበረን እየን፣ ለውሃትን ትሕትናን፣ ከመይ ለዋህን ትሑት ልብን ስለዝውንን። ፍጹም ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ብርግጽ ፍርህን ስቃይን ይስምዖ ነሩ እዩ፣ እንተኾነ ንጣዕሳን ተቋውሞን ምንም ቦታ ኣይህብን። ኣይጭነቅን ኣየዕገርግርን ቃል ቊጥዓ ብጩቊ ኣይብልን፣ ይሳቀ ግን ብሰላም፣ እኳ ደኣ ካብ ትሑት ልቢ ዝምንጩ ሰላም ካብ ምትእምማን ዝውሕዝ ሰላም፣ እቲ ኢየሱስ ዝህበና ሰላምከስ ካብዚ እዩ ዝውሕዝ። ምኽንያቱ ሰላም ዘይብሉ ንካልኦት ሰላም ክህብ ኣይክእልን፣ በዚ ከኣ ኢየሱስ ለውሃትን ትሕትናን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ሕይወት ከምዝከኣል ይገልጸልና ኢሎም።
ኢየሱስ ለውሃት ልቢ ዝከኣል ምዃኑ የረጋግጸልና!
እቲ ኣብ ወንጌሉ ኣቱም ዝደኸምኩምን ዝጸዓርኩምን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ ኣነ ከዕርፈኩም እየ! ኣነ የዋህን ትሑት ልብን እየ! ዝበለ ብሓቂ ከምዝከኣል ጐይታ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ብግብሪ ከምዘርኣየን ዝከኣል ምዃኑ ኣብነት ከምዝሓደገልናን ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንሕና ወረስቱ ሰላሙ ካብ ኮና ብኩሉ ኩሉ ኣብነቱን ኣሰሩን ስዒብና ክንመስሎ ንጽዋዕ ኣሎና ኢሎም።
ንክትምሕር ሓይሊ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ እዩ!
ቅዱስነቶም ሰብ ምዃናን ድኻምነትናን ዘይሕባእን ምኽኒት ዘይትደልየሉን ግሁድ ሓቂ ስለዝኾነ ነዚ ጐይታ ዝብሎ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብጣዕሚ ከቢድ ከምዝኾነ ይገልጹ እሞ ነዚ ንምግባር ፍሉይ ሓይሊ ከምዘድሊ ይገልጹ፣ ከመይ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ወጥርን ግጭትን ንምፍታሕ ብርቱዕ ጻዕሪ የድሊ። ነዚ ግን በይንና ክንገብሮ ከምዘይንኽእል ክንግንዘብ የድሊ። እታ ነዚ እተብቅዓና ሰላም ብዓንዲ ርእሳ ትዕድልቲ ኣምላኽ ምዃና ክስቈረና እሞ ንመንፈስ ቅዱስ ነዛ ሰላምን ሓይልን ክህበና ንለምኖ ምስ በሉ ብመሠረቱኸ እዛ ሰላም እዚኣ እንታይ እያ እንክብሉ ይሓቱ እሞ ከምዚ ክብሉ ይምልሹ።
ጸጋ ሰላም ንሰብ መዚ ሃገራት ዓለምና ክህብ ንማህለል!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም እዛ ሰላም እዚኣ ከም ሎሚ ኣብ ሕይወት ነፍስወከፍናን ዓለም ብዓለሙን ኣብ ፈተነ ወዲቃ ኣይትፈልጥን እንትኾነ ነፍስወከፍናስ ይኹን ካልኦት ብሕልፊ ከኣ እቲ ዕጫ ሕዝብታት ዓለም ኣብ ምውሳን ሓላፍነት ንዘለዎም ተድሊ ስለዝኾነት ኣብ ልቦም ክትነግሥ ተስፋ ከይቆረጽና ክንምህለል ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስ ደገሙ ኣብ ዕለቱ ብፅዕናኣ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝተኣወጀ መሥራቲት ማሕበር ግብረ ሠናይ ንተራድኦ ኣስፍሖተ ወንጌል ማርያ ፓውሊና ማርያ ዣሪኮ ዘኪሮም ብሓቂ ተባዕ ሰበይቲ ከምዝነበረትን ንተልእኮ ቤተክርስትያን ብሰፊሕን ሓፈሻዊ መንገዲ ክትምልከት ዝኸኣለትን ናይ ግዜ ለውጥታት ኣንቢባ ዝኸኣለትን ምንባራ ገሊጾም። ኣብነታ ንኩልና ኣብ ስፍሓት ወንጌል ብጸሎትን ብምጽዋትን ንክንሳተፍ ዝድርኸና ይኹን ኢሎም።