ድለ

ጐይታ ንሰብ መዚ ሃገራት ዓለምና ሰላም ክህቦም ንማህለል! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 22 ግንቦት 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግሥተ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጎም ‘ሰላም ዘይብሉ ሰላም ክህብ ኣይክእልን እዩ እሞ ንመራሕቲ ሃገርና ጐይታ ሰላም ክህቦም ንማህለል’ እንክብሉ ነቲ ጐይታ ኣብ መወዳእታ ድራር ‘ሰላመይ እህበኩም ኣሎኹ፣ እዚ ኣነ ዝህበኩም ሰላም ግን ከም ናይ ዓለም ሰላም ኣይኮነን’ ክብል ንዘተስፈዎም ንነፍስወከፍና ክህበና ምናዳ ኸኣ ንመራሕተና ከሕድረሎም እሞ ክንዮ ኣሽሓት ቃላትን ብዙሕ ስብከታተን ንዘሎ ወጥርን ግጭትን ክፈትሕዎ ሰላም ክሓድሮም ንማህለል ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዕለቱ ልዕሊ 25 ሺሕ ብዝግመቱ ምእመናንን ነጋድያን ኣዕለቅሊቃ ሳልሳይ ወርሑ ንዘቅጸረን ንኤውሮጳን መላእ ዓለምን ዘስቅቅ ንዘሎ ውግእ ሩስያን ኡክራይናን ጐይታ ደው ንከብሎ ንምምህላልን ትምህርቲ ቅዱስነቶምን ቡራኬኦም ንምስታፍን ብሃንቀውታ ኣብ ዝጽበዩሉ ዝነበሩ ሁመት ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለወንጌል ‘ሰላም ኣሓድገልኩም ሰላመይ እውን እህበኩም’ (ዮሓ 14,27) እንክብል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም መንፈሳዊ ለበዋ ንሓዋርያቱ ኣብ ናይ መወዳእታ ድራሩ ንዝሓደገሎም ሎሚ እውን ንነፍስወከፍና ክህበና ምናዳ ኸኣ ንመራሕቲ ሃገራት ዓለምና ኣብ ልባቶም እዚ ሰላም እዚ ከምዚዓስል ክገብር ክምህለሉ ሓደራ ኢሎም። እዚ ጐይታ ኣብ መወዳእታ ድራር ዝገበሮ ምፍናው ምድፍናቅ ዝመልኦ እኳ እንተኾነ ነቲ ኣብ ልቢ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ትሕትናን ለውሃትን ይገልጽ። ጐይታ ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ቃላት እናደገመልና ነፍስወከፍ ክርስትያን ነዚ ክምስክር ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ንዘጋጥሙ ወጥርታትን ግጭታትን ንምውጋድ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ሰላም ክህበና ሰላም ንጐረባብትና ክህብ ሰላም ንዓለም ሓቆፍ ፖሎቲካውያን መራሕቲ ክህብ ብጽንዓት ንለምን ከመይ ሰላም ዘይብሉ ሰላም ክህብ ኣይክእልን ኢሎም።

ሰላም ዘይብሉ ሰላም ክህብ ኣይክእልን!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኮኡ ንምፍጻም ኣብ ምስንባት እንከሎ በቲ ሓደ ወገን ቅድሚኡ ተገቲሩ ንዘሎ ሕማማት እናኣሰላሰለ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይቶም ሓዋርያቱ ኩነታትን ድኽመትን ክሕደትን ገድልን እናተራእዮ ምድንፋቅ ብዝመልኦ ኣገባብ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ምሳኡ ምህላዎም ብካልእ መንገዲ ከምዝኾነ ክገልጸሎም እንከሎ ብመጀመርያ ኣጆኹም! ልብኹም ኣይሸበር! ብኣይ እመኑ ብእግዚአብሔር ኣቦ እመኑ! መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እዩ! ኣነ እየ ሓሪየኩም! አፍቅረኩም እየ! ከምቲ ዘፍቀርኩም ተፋቀሩ! ተፍቅሩኒ እንተትኾኑስ ምተሓጐስኩም ከመይ ኣነ ናብ ኣቦይ እየ ዝኸይድ ዘሎኹ! ንዓኹም እውን ቦታ ከሰናድወልኩም እየ! ኣብዚ ዓለም ግዝያውያን ኢና! ዝዓበየ ታሕጓስን ዕረፍትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኣብ ሰማይ ምስ ኣቦይን ኣቦኹምን እዩ ዝርከብ! ነዛ ንቁሩብ ግዜ ትጸንሑላ ዓለም እማነት ኣይትሃብዋ! ኣነ ኣሸኒፈያ እየ እሞ ንስኹም እውን ክተሸንፍዋ ኢኹም! ልብኹም ከይሽበር ከይትፈርሁ ከኣ ሰላም እሓደገልኩም ሰላመይ ከኣ እህበኩም! እዚ ሰላም እዚ ግን ከምቲ ዓለም ዝህቦ ሰላም ኣይኮነን እናበለ ክርድእዎ ብዝኽእሉ ቋንቋ ኣፍኩስ ኣቢሉ ገሊጽሎም።

ነዚ ክገልጸሎም እንከሎ ግን ምንም ዓይነት ሻቅሎት ከየርኣየ ክሳብ መወዳእታ ብለውሃት እዩ ተዛሪብዎም። ከምቲ ዝነበርካዮ ኢኻ እትመውት ዝብል ምሳሌ ኣሎ። ናይ መወዳእታ ሰዓታት ኢየሱስ እውን ከምታ ምሉእ መዋእሉ ዝነበረን እየን፣ ለውሃትን ትሕትናን፣ ከመይ ለዋህን ትሑት ልብን ስለዝውንን። ፍጹም ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ብርግጽ ፍርህን ስቃይን ይስምዖ ነሩ እዩ፣ እንተኾነ ንጣዕሳን ተቋውሞን ምንም ቦታ ኣይህብን። ኣይጭነቅን ኣየዕገርግርን ቃል ቊጥዓ ብጩቊ ኣይብልን፣ ይሳቀ ግን ብሰላም፣ እኳ ደኣ ካብ ትሑት ልቢ ዝምንጩ ሰላም ካብ ምትእምማን ዝውሕዝ ሰላም፣ እቲ ኢየሱስ ዝህበና ሰላምከስ ካብዚ እዩ ዝውሕዝ። ምኽንያቱ ሰላም ዘይብሉ ንካልኦት ሰላም ክህብ ኣይክእልን፣ በዚ ከኣ ኢየሱስ ለውሃትን ትሕትናን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ሕይወት ከምዝከኣል ይገልጸልና ኢሎም።

ኢየሱስ ለውሃት ልቢ ዝከኣል ምዃኑ የረጋግጸልና!

እቲ ኣብ ወንጌሉ ኣቱም ዝደኸምኩምን ዝጸዓርኩምን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ ኣነ ከዕርፈኩም እየ! ኣነ የዋህን ትሑት ልብን እየ! ዝበለ ብሓቂ ከምዝከኣል ጐይታ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ብግብሪ ከምዘርኣየን ዝከኣል ምዃኑ ኣብነት ከምዝሓደገልናን ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንሕና ወረስቱ ሰላሙ ካብ ኮና ብኩሉ ኩሉ ኣብነቱን ኣሰሩን ስዒብና ክንመስሎ ንጽዋዕ ኣሎና ኢሎም።

“ንዘሎ ወጥሪ ንምህዳህን ግርጭታት ንምፍታሕን ጽን ቢልካ ንክትሰምዕ ስንድው ምዃን የድሊ ነዚ ከኣ ትሑትን ክፉትን ለዋህን ልቢ የድሊ። ክንዲ ኣሽሓት ቃላት ምድርዳርን ብዙሕ ስብከታት ምግባርን ንኢየሱስ በዚ ኢና እንምስክሮ። እዚ ከኣ ምስክርነት ሰላም ይበህል። ኣብ ንነብሮ ከባቢ ኩሉ ከም ሓዋርያትን ተኸተልትን ክርስቶስ ብከምዚ ንነብርን ንዘሎ ውጥረት ነዝሕልን ንግጭታት ነቅህምን እንተኾና እስከ ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና ንመርምር! ንሕናስ ከም ክርስትያን ገበርቲ ሰላምዶ ኢና ወይስ ኣብቲ ዘሎ ወጥሪ ኢድና ብምሕዋስ ንጋጮን ነጋጩንዶ ወይስ ዘይጐነጻዊ መንገዲ ተኸቲልና ብምልክታትን ቃላትን ሰላም ነቲ ወጥሪ ነዝሕል! ነፍስወከፍናኸስ ብከመይ ከም ንነብር ከም እንዋሳእን ሕልናና ንመርምር! ሰላም ንክትገብርን ንክትምህርን ሓይሊ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ ንለምኖ ኢሎም።”

ንክትምሕር ሓይሊ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ እዩ!

ቅዱስነቶም ሰብ ምዃናን ድኻምነትናን ዘይሕባእን ምኽኒት ዘይትደልየሉን ግሁድ ሓቂ ስለዝኾነ ነዚ ጐይታ ዝብሎ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብጣዕሚ ከቢድ ከምዝኾነ ይገልጹ እሞ ነዚ ንምግባር ፍሉይ ሓይሊ ከምዘድሊ ይገልጹ፣ ከመይ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ወጥርን ግጭትን ንምፍታሕ ብርቱዕ ጻዕሪ የድሊ። ነዚ ግን በይንና ክንገብሮ ከምዘይንኽእል ክንግንዘብ የድሊ። እታ ነዚ እተብቅዓና ሰላም ብዓንዲ ርእሳ ትዕድልቲ ኣምላኽ ምዃና ክስቈረና እሞ ንመንፈስ ቅዱስ ነዛ ሰላምን ሓይልን ክህበና ንለምኖ ምስ በሉ ብመሠረቱኸ እዛ ሰላም እዚኣ እንታይ እያ እንክብሉ ይሓቱ እሞ ከምዚ ክብሉ ይምልሹ።

“እዛ ሰላም እዚኣ መንፈስ ቅዱስ እያ እዚ መንፈስ እዚ ከኣ መንፈስ ክርስቶስ እዩ። ኣማኑኤል እግዚአብሔር ምሳና ማለት እታ ኣብ ውሽጥና ዘላ ሓይሊ ሰላም እግዚእብሔር እያ። መንፈስ ቅዱስ እዩ ንልብና ካብቲ ዘለዎ ጸገም ኣናጊፉ ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ። ንትሪ ልብና ኣለሳሊሱ ንካልኦት ንምዕማጽ ንዘንቀደ ፈተና ዘቅህመልና መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኣብ ጐድናና ኣሕዋትን ኣሓትን እምበር ጸላእትን ዕንቅፋትን ከምዘየለው ዘዘኻክረና መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንክንምሕር እንደገና ሓዲስ ሕይወት ንክንጅምር ብሓዲስ ከምእንብገስን ዝገበርና መንፈስ ቅዱስ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ናይ ሰላም ሰባት ዝኽወን። ነዛ ሰላም እዚኣ ንሰብ መዚ ሃገራት ዓለምና ክልግሰሎም እውን ንጸሊ ኢሎም።”

ጸጋ ሰላም ንሰብ መዚ ሃገራት ዓለምና ክህብ ንማህለል!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም እዛ ሰላም እዚኣ ከም ሎሚ ኣብ ሕይወት ነፍስወከፍናን ዓለም ብዓለሙን ኣብ ፈተነ ወዲቃ ኣይትፈልጥን እንትኾነ ነፍስወከፍናስ ይኹን ካልኦት ብሕልፊ ከኣ እቲ ዕጫ ሕዝብታት ዓለም ኣብ ምውሳን ሓላፍነት ንዘለዎም ተድሊ ስለዝኾነት ኣብ ልቦም ክትነግሥ ተስፋ ከይቆረጽና ክንምህለል ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ነዛ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ እዚኣ ካብ ምምህላል ማንም ሓጢኣት ማንም ውድቀት ተስፋ ከቊረጸና የብሉን። ልብና መጠን ዝተጨነቀሉ መጠን ዝተሳቀናሉን መጠን ዝተቈጣዕናሉን ጐይታ መንፈስ ሰላም ክህበና መጠኑ ንማህለል። ዕለት ዕለት ጐይታየ ሰላምካ ሃበኒ! ጐይታየ መንፈስ ቅዱስካ ሃበኒ’ እናበልና ንማህለል፣ ነዚ ምህለላ እዚ ንጐረባብትና ነቶም ዕለት ዕለት እንረኽቦም ሰባት እውን ነቅርቦ፣ ስለ እቶም ሰብ መዚ ሃገራት ዓለምና እውን ንማህለል። መጋበሪ ሰላም ንክንከውን እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም መንፈስ ቅዱስ ንምቅባል ትደገፈና ኢሎም።”

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስ ደገሙ ኣብ ዕለቱ ብፅዕናኣ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝተኣወጀ መሥራቲት ማሕበር ግብረ ሠናይ ንተራድኦ ኣስፍሖተ ወንጌል ማርያ ፓውሊና ማርያ ዣሪኮ ዘኪሮም ብሓቂ ተባዕ ሰበይቲ ከምዝነበረትን ንተልእኮ ቤተክርስትያን ብሰፊሕን ሓፈሻዊ መንገዲ ክትምልከት ዝኸኣለትን ናይ ግዜ ለውጥታት ኣንቢባ ዝኸኣለትን ምንባራ ገሊጾም። ኣብነታ ንኩልና ኣብ ስፍሓት ወንጌል ብጸሎትን ብምጽዋትን ንክንሳተፍ ዝድርኸና ይኹን ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 May 2022, 13:25

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >