ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንጓሶትን ምእመናንን ቻይና ቅርበቶም ይገልጹ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 22 ግንቦት 2022 ዓም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስ ኣዕረጉ ኣብ መላእ ኣህጉር ቻይና ንዝበዓለ በዓል ረዳኢተ ክርስትያን እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ብምዝካር መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስታ ኣብ ሃገረ ቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብመንፈስን ብጸሎትን ኪሓብሩ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቤተክርስትያን!

ቅዱስነቶም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስ ደገሙ ኣብ ዕለቱ ብፅዕናኣ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝተኣወጀ መሥራቲት ማሕበር ግብረ ሠናይ ንተራድኦ ኣስፍሖተ ወንጌል ማርያ ፓውሊና ማርያ ዣሪኮ ዘኪሮም ብሓቂ ተባዕ ሰበይቲ ከምዝነበረትን ንተልእኮ ቤተክርስትያን ብሰፊሕን ሓፈሻዊ መንገዲ ክትምልከት ዝኸኣለትን ናይ ግዜ ለውጥታት ኣንቢባ ዝኸኣለትን ምንባራ ገሊጾም። ኣብነታ ንኩልና ኣብ ስፍሓት ወንጌል ብጸሎትን ብምጽዋትን ንክንሳተፍ ዝድርኸና ይኹን ኢሎም።

እዛ መበል 19 ክፍለዘመን ኩለንትናኣ ንምርዳእ ኣገልግሎት ኣስፍሖተ ወንጌል ዘወፈየ ኣይገዳማዊት ኣይድንግል ማንም ዓለማዊት ምእመን እያ ዝነበረት፣ እንተኾነ ነቶም ‘ሑሩ ወመሓሩ’ ዝብል ቃል ጐይታ ተኣንጊቦም ሕይወቶም ብምውፋይ ስብከተ ወንጌል ካብ ጻት ዓለም ናብ ጻት ዓለም ንከስፍሑ ንዝወፈሩ ብመንፈስን ብንዋትን ሓገዝ ዘበርከተት እያ። ውጽኢት እዚ ስብከተወንጌል ከኣ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ስደትን ጸገምን እውን እኳ እንተኾነ ኣብ ከም በዓል ሃገረ ቻይና እውን እናሰፍሐ ይኸይድ ብምህላው ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሓሙስ ጠበቃ ደብረ መካነ ንግደት ዘሸሻን ኣብ ሻንጋይ ንዝኾነት ረዳኢተ ክርስትያን ዓመታዊ ክብረ በዓላ ንዝዝክሩ መላእ ካቶሊካውያን ቻይና ነፍስወከፍ ኣብ ገዛውቶምን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ናይታ ሃገርን ኣብ ዝግበር ዝኽሪ ንሶም እውን ብመንፈስ ምሳኦም ኪሓብሩ ዕድል ከምዝህቦም ብምዝኽኻር ነቲ ኣብታ ዓዲ ዚካየድ ዘሎ ሕልኽላኽ ዝመልኦ መነባብሮ ምእመናንን ጓሶቶምን ብደቂቅ ከምዝከታትተልዎን ዕለት ዕለት ስለኦም ከምዝጽልዩን ምስ ኣዘኻኸሩ ኩሎም ካቶሊካውያን ስለ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክንጽሊ ነዚ ሓጺር ጻውዒት ኣቅሪቦም።

[ ንኩሉኹም ኣብዚ ስለ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረ ቻይና ነጻነትን ቅሳነትን ከማኡ እውን ምስ ኩለንታዊት ቤተክርስትያን ምሉእ ውህደት ገቢራ ናብ ስብከተ ወንጌል ነፍስወከፍ ክትወፍን መንፈሳውን ንዋታውን ምዕባሌ ንክትረክብን ዝቀርብ ጸሎት ክትሳተፉ እዕድም ኢሎም። ] 

ብድምጺ ንምክትታል!
23 May 2022, 13:30