ነዚ ኣስካሕካሒ ጭካኔ ውግእ ደው ኣብሉ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ብ1986 ዓም ኣብ ቸርኖቢል ዝበሃል ክፍሊ ኡክራይና ንዓለም ምሉእ ዘሰንበደ ዕንወት ኒኩለር ከምዝወረደን ሕይወት ከባቢ ሚእቲ ሽዑ ንሽዑ እንክቅዘፍ ኣብ ጽባሕ እቲ ሓደጋ ንዝተወልዱ ሕጻናት ብፍርሂ ናይቲ ጸለውታ ካብቲ ቦታ ወሲዶም ዘዕቆቡ ‘ንክነብሩ ንሓግዞም’ ዝብል ማሕበር ግብረሰናይን ከማኡ እውን ፕወር ዝበሃል ካልእ ማሕበር ግብረ ሠናይ ምስ ኣምባሳደር ኡክራይና ናይ ቅድስት መንበር ተባቢሮም ነበሩ። እዚኦም ሕጻናት እዚኦም ሎሚ ዓብዮምስ ኣብ ናይ ትማል ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ተረኺቦም ነበሩ። ቅዱስነቶም ነዞም ናይ ትማሊ ሕጻናት ናይ ሎሚ ዓበይቲ ሰባት እዮም ፍሉይ ሰላምታ ዘቅረቡ፣ ንሶም ብወገኖም ብጣቅዒት ዝተዓጻጸፈ ግብረ መልሲ ብምሃብ ነቲ ኣደራሽ ኣነቃነቅዎ። ሰብ ሰርሖ ሓደጋ ዘይፍለያ ሃገረ ኡክራይና ሎሚ ከም ሎሚ ብዘስካሕክሕን ጭካኔ ዝመልኦን ውግእ ትሕመስ ብምህላዋ ዝተሰምዖም ጓሂ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ካብተን ናይ ግብረ ሠናይ ማሕበራት እታ ፕወር እትብሃል ካብ ጽባሕ ሓደጋ ቸርኖቢል ንሕጻናትን ትሕቲ ዕድመን ንምሕጋዝ ካብ ቸርኖቢል ጥራይ ዘይኮነ ካብተን ጽልዋ እቲ ኒክለሳዊ ሓደጋ ዘንጸላልወን ሃገራት ከም በዓል ብየላሩስያን ካልእ ሃገራትን እውን ብዙሓት ሕጻናት ክሳብ ሎሚ ከምዝሕግዛ እንክምልከት ‘ንክነብሩ ንሃግዞም’ ዝብል ማሕበር ግብረሠናይ እውን ከምኡ። ሎሚ እውን እንተኾነ በዚ ውግእ ንዝተዘናበሉን ዝስደዱን ሕጻናት ንምርዳእ ኣብ ጐረባብትና ኡክራይና ኰይኖም መግብን ክሳውንትን ኣፋውስን የበጻጽሑ ከምዘለው ተመልኪቱ።
ፕወር ናይ ዝበሃል ወለንታዊ ማሕበር ግብረ ሠናይ ፕረሲደንት ሰርጆ ደ ቺኮ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብቲ ማሕበር ከምዝገልገለን ቀንዲ ዕዮም ንትሕቲ ዕድመ ምቅባልን ምሕጋዝን ምዃኑ እንክገልጽ ምናዳ ድሕሪ እዚ ውግእ ኡክራይናን ራሻን ብዝተኻእሎም ሕጻናትን ኣደታትን ከምዝተቀበሉ ገሊጹ። ኩሉ ውዑይ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ነቲ ናይ ሽዑ ጸገም ምስ ፈታሕካ ንውሒ ግዜ ሓሲብካ ክግበር ዘለዎ ምናዳ ነቶም ሕጻናት ምስ ካልኦት ክዋስኡን ትምህርቶም ክቅጽሉሉ ዝኽእሉ መንገዲ ንምምሃዝ ሓያል ቃልሲ ከምዘካይዱ እውን ኣብሪሁ። ብኣውቶቡሳት ዕለት ዕለት ብሓምሳታት ከምዝመጽኡ ምንም ስለዘይብሎም ከኣ ካብ መግቢ ዕለትን ክዳንን ጀሚርካ ንኩሉ ከምዝሓልዩሎም ነዚ ከኣ ነቶም ኣብ ሃገረ ጣልያን ንዝመጹ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝሃለው ይሃልው ንሕጻናት ንምርዳእ ከምዝነጥፉ እቲ ኩነት ብሓቂ ልብኻ ዝትንክፍ ምዃኑ ልዕሊ ኩሉ ግን ሕጻንነት ዝተነፍጎም ምዃኑ ኣብ መበል ዕሥራን ሓደን ክፍለዘመን ዘሕዝን ፍጻሜ ምዃኑ ገሊጹ። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ካብታ ውግእ ዝጀመረላ ዕለት 24 ለካቲት ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 144 ሕጻናት ከምዝሞቱን ብዙሓት ከምዝቆሰሉን ልዕሊ 1,8 ሚልዮን ዝኾኑ ናይቶ ከባቢ 3 ሚልዮን ስደተኛታት ሕጻናት እዮም። ምስዚ ተታሓሒዙ ከኣ ትምህርቲ የለ ሕክምና የለ ምስ ኮነ ነቲ ጉዳይ መሊሱ የኽርሮ። ናይ ዝተሰዱ ጥራይ ዘይኮነ ናይቶም ኣብ መረበቶም ተሪፎም ዘለው ጉዳይ ብዘይ ጽሩይ ዝስተ ማይን ካልእ መሠረታዊ ነገራትን ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ከተማታት ተሪፎም ዝሳቀዩ ዘለው ልዕሊ 1,4 ሚልዮን ከምዝግመት እውን ጸብጻባት ዪኒሰፍ ይሕብሩ።