ድለ

ምዕባሌ ሓቀኛ ዝኸውን መንፈስ ምስትውዓልን ብስለትን ንዝውንን መንፈስ ሽምግልና ምስ ዝቅበል እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ። ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረአዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጽሉ ነበረ። ብመንፈስ ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ነቲ የሱስ ሕጻን፡ ወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡ ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሐቘፎ፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፥ ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ’ (ሉቃ 2,25-32)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ሽምግልና ኣብ እነካይዶ ኣስተንትኖ ሎሚ ብዛዕባ ክልተ ዝሸምገሉ ሰባት ሉቃስ ወንጌላዊ ብለውሃቶም ኣጸባብቅ ኣቢሉ ዘቅርበለና ስምዖንን ሃናን ክንምልከት ኢና። ካብዚ ዓለም እዚ ቅድሚ ምስንባቶም ክሳብ ኣብቲ ዕድመ እቲ ምጽናሖም እግዚአብሔር ክበጽሖም ይጽበዩ ነበሩ። እግዚአብሔር ክበጽሖም ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ ክመጾም ይጽበዩ ነበሩ። ብድፍኢት መንፈስ ቅዱስ ስምዖን ንመሲሕ ከይረኣየ ከምዘይመውት ይፈልጥ ነሩ። ሃና ዕለት ዕለት ኣብ ቤተመቅደስ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝተጸምደት ነበረት። ክልቲኦም ጐይታ ነቲ ንነውሕ ዝተጸበይዎ ምጽንናዕ ከምዝሃቦምን ንመጨረሻ ምዕራፍ ጒዕዞ ሕይወቶም ከምዘጸበቀሎምን ብሕጻን ኢየሱስ ኣቢሉ ከምዝበጽሖምን ኣብ መንጎኦም ከምዘሎን ይግንዘቡ። እዚ ምፍናው እዚ ንኢየሱስ ክርስቶስ ንመጨረሻ ግዜ ረኺብካ ኣብ ንየዋይ ዓለም ክትረኽቦ ምስንባት ምልክት እዩ።

ንሕናኸ ካብዞም ክልተ ዝሸምገሉ እንተኾነ መንፈሳዊ ጉብዝና ዘይተፈልዮም እንታይ ንመሃር!

ልዕሊ ኩሉ ከምዚ ዓይነት ምትእምማን ዝመልኦ ትጽቢት ንሕዋሳትና ይስሕል። ብዝተረፈ ነዚ ሥራሕ እዚ ዝገብር መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ማለት ንሕዋሳትና ዘብርህ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ጥንታዊ ማሕሌት መንፈስ ቅዱስ ነዓ ኦ መንፈስ ቅዱስ ቢልና አንክንጽሊ ንሕዋሳትና ኣብርህ ብርሃን ሃቦም ኢልና ንጽሊ። መንፈስ ቅዱስ ነዚ ክገብር ይኽእል፣ ክንዮ ድሩትነትናን ቊስልታት ሥጋዊ ኣካልና ንሕዋሳት ነፍስና ይስሕል። ሽምግልና እንተ በዚ እንተ በቲ ንሕዋሳት ስጋና የዳኽም እዩ፣ ብሽምግልና ንቅድሚት ክትደፍእ እናጸመምካ እናዓወርካ ወዘተ እዩ ዝኽየድ። እንተ እዚ ኮይኑ እንተ እቲ ግን ምምጻእ እግዚአብሔር ዝጽበ ሽምግልና ግን መንገዲ ኣይስሕትን እኳ ደኣ ንክቅበሎ ይሸባሸብ፣ ጐይታ ብጥቃኡ ኪሓልፍ እንከሎ ንክቅበሎ ዝለዓለ ስምዒት ህዋሳት የጥሪ። ናብራ ክርስትና ንምብጻሕ ጐይታ ተጠንቂቅካ ምጽባይ ምዃኑ ንዘክር፣ ከመይ ጐይታ ኣብ መነባብሮ ዝተፈላለየ ኣስተንፍሶን ግልጸትን እናሃበ ክንመሓየሽ ወትሩ ይዕድመና እዩ። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ‘ጐይታ ብጥቃይ ኪሓልፍ እንከሎ ከየስተውዓልኩ ከይሓልፈኒ እፈርህ’ ይብል ነበረ። ስለምታይ ትፈርህ እንተበልኩምኒ ‘እወ ከይተረደኣኒ ከይሓልፍ እሞ ካብ ትጽቢተይ ከይበኩር እፈርህ’ እብለኩም። ጐይታ መኣስ ከምዝበጽሓና ንህዋሳትና ከምዝርድኡ ዝገበሮምከስ ከምቲ ናይ ስምዖንን ሃናን መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ከም ሎሚ እዚ ጸጋ እዚ ብዘይመጠን የድልየና ኣሎ! ሕያው መንፈሳዊ ሕዋሳት ዝውንን ሽምግልና፣ ንምልክታት እግዚአብሔር ኣለልዩ ዝኽእል ሽምግልና፣ እኳ ደኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ምልክት እግዚአብሔር ምዃኑ ኣለልዩ ዝኽእል ሽምግልና ብጣዕሚ የድልየና ኣሎ። ነቲ ደቂሱ ዘሎ ሕይወትና ዝንቅንቅን ኣብ ቅልውላው ዘእቱን ምልክት የድልየና ኣሎ። ከመይ ከምቲ ሉቃስ ወንጌላዊ ዝብሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን እዩ’። እንተኾነ እዚ ምልክት ምጽራር እዚ ብሓጐስ እዩ ዝመልኣና፣ ምኽንያቱ ከኣ ቅልውላው ናብ ሓዘን ኣይኮነን ዝወስደና እኳ ኣብ ኣገልግሎት እግዚአብሔር ከም እንጽመድ ገቢሩ ብዙሕ ግዜ ሰላምን ደስታን ይህበና። ብኣሉታዊ ኣበሃህላ መደንዘዚ መንፈሳውያን ሕዋሳት ክንብሎ ንኽእል! ማለትሰብነትና ብናይ ዘመንና ሕማም ዘለዓለማዊ ጒብዝና ብምምናይ ክህወጽን ክጨንቆን እንከሎ የህድኦ። በዚ መንፈስ እዚ ምህዳኣ እውን ኣይተስተውዕለሉን። እዚ ወትሩ ዘጋጥም እዩ፣ ኣብ ዘመንና እውን ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ጒዳይ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ዝደንዘዙ ህዋሳትና እንታይ ከምዝወረዶም ከይተረዶኦም ውሳጣዊ ህዋሳትና ማለት መንፈሳውያን ህዋሳትን ህላዌ እግዚአብሔር ዶ ይኸውን ወይስ ናይ ጸላኤ ሠናያት የለልያ፣ እዚኦም እውን እንተደንዚዞም ግን ክፈላልያኦ ኣይክእላ።

ህዋሳት ምትንካፍ ወይውን ጣዕሚ ክተጥፍእ እንከሎኻ ብኡ ንብኡ ይርደኣካ። እንተ ናይ ነፍሲ ህዋሳት ምጥፋእ ንነዊሕ ግዜ ክጐዓዝ ይከኣል፣ ህዋሳት ነፍሲ ጠፊኦም ከምዘለው ከይተረዳእካ ክንበር ይከኣል እዩ። ህዋሳት ነፍሲ ክንብል እንከሎ ንማለቱ ብዛዕባ እግዚአብሔር ወይውን ብዛዕባ እምነት ንምሕሳብ ኣይኮነን ዝምልከት፣ እንታይ ደኣ ንርሕራሔን መንፈሳውነትን ከማኡ እውን ንሕፍረትን ጣዕሳን ምትእምማንን ወፈያን ለውሃትን ክብርን ሓላፍነትካ ምስካምን ብዛዕባ ቃንዛ ካልኦት ምግዳስን ዝብል መንፈሳዊ ስምዒታት ክጠፍእ እንከሎ እዩ። ዘገርም እዩ መንፈሳውያን ህዋሳት ምስ ዝድንዝዙ ርሕራሔ እንታይ ምዃኑ ኣይትርድኦን ከማኡ እውን መንፈሳውነት እዚ ከኣ ሕማቅ ነገር ምስ እትፍጽም ምንም ዓይነት ሕንከትን ጣዕዛን ኣይስመዓካን። በዚ ከምዚኸስ ዝደንዘዙ መንፈሳውያን ህዋሳት ንኩሉ ድንግርግር የብሉልካ ንመንፈሳውነት ዝምልከት ምንም ከምዘይስመዓካ ይገብሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ህሞት ሽምግልና ካብተን ዝጠፍኣ ነገራት ቀዳመይቲ ትኸውን። ማለት ናይዚ ድንዛዜ እዚ ቀዳማይ ግዳይ ትኸውን። ንግዝያዊ ደስታ እትደንፍዕ ማሕበረሰብ ናብ ተኣፋፈቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝግበር ተዳስነት የንቈልቊል ናብቶም ተወዳዲሮም ዝዕወቱ ጥራይ ተድህብ። በዚ ከምዚ ከኣ ህዋሳት ይድንዝዙ። ርግጽ እዩ ኣብ ፖሎቲካዊ ሃልኪ ንኩሉ ነጠቃልል ኢና ዝብል ኣምር ይጋዋሕ። እንተኾነ ናብቲ ሓቀኛ ክውንነት እንክትዕዘብ ክእረም ዘለዎ ብዙሕ ጉዳያት ኣሎ፣ ነዚ ንክፍውሲ ያኢ ማሕበራዊ ለውሃት ዘለዎ ባህሊ ብምህናጽ ጥራይ እዩ ክእረም ዝከኣል ይብሉ።  እንተኾነ እቲ ሓቀኛ ፈውሲ መንፈስ ሕውነት ደቂሰባት ምስራጽ እዩ። እንተ እቲ ብጉልባብ ማሕበራዊ ደገፍ ዝግበር ዝኣረገ ክዳን ክተድንቅ ምፍታን እዩ እዚ ግን ኣብ ቤተመዘክር ኢኻ እተቀምጦ። ከመይ ሰብኣዊ ስምዒት የጥፍእ። እዚ ምንቅስቃሳት እዚ ነቲ ሰብ ዝገብረና መንፈስ የጥፍኡ ኣለው።

ብርግጽ ኣብ ህልው ናብራ ሕይወትና ብዙሓት መንእሰያት ነዚ ሕውነት እዚ ብዕምቈት ዘኽብርዎ ኣለው። እንተኾነ እቲ ጸገም ምስክርነት ናይዞም ምንጪ ማሕበረ ደገፍ ዝኾኑ ንመንእሰያት ዝጽዕንዎ ኣተሓሳስባ ናይ ምግላልን ምጒሓፍን ባህሊ እዩ። ነዛ ናይ ምጒሓፍ ኣተሓሳስባ ክንፍውስ እንታይ ምግባር የድሊ።

ካብ ታሪኽ ስምዖንን ሃናን ከማኡ እውን መንፈስ ምስትውዓል ዝመልኦም ብዙሓት ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሽማግለታት ታሪኽ ተሓቢኣ ዘላ ግን ቀዳማይ ቦታ ክትሕዝ ዘለዎ ምልክት ኣላ። ሕጽር ብዝበለ መንገዲ እቲ ንመንፈሳዊ ህዋሳት ስምዖንን ሃናን ዘብርህ ግልጸትሲ ኣበይ ኣሎ! እንተበልና፣ ኣብ ሓደ ዘይወልድዎ እሞ ኸኣ ንመጀመርያ ግዜ ዝርእይዎ ዘለው ሕጻን ርግጸኛ ምርኣይ እግዚአብሔር ከምዘሎ ከለልዩ ኣብ ምኽኣሎም እዩ። ንሳቶም ናይቲ ኩነት ተዋሳእቲ ክኾኑ ኣይደለዩን፣ እንታይ ደኣ መሰኻኽር ክኾኑ ጥራይ ክኾኑ ኣሜን ቢሎም ተቀበሉ። ሓደ ሰብ ቀንዲ ተዋሳኣይ ዘይኮነ ምስክር ጥራይ ንክኸውን ኣሜን ቢሉ ክቅበል እንክሎ ዝበለጸ እዩ! እቲ ሰብ እቲ ሰብኣይስ ይኹን ሰበይቲ ብዘየገድስ ብሓቂ ከምዝበሰለ ንርዳእ። ኣብ ክንዲ ከምዚ ባዕልኻ ተዋሳኣይ ክትከውን ምስ እትፍትን ኣብዚ ብስለት እዚ ክትበጽሕ ኣብ ፍጽምና ሽምግልና ዝግበር ጒዕዞ ክትበስል ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ሕይወቶም እቶም ተዋሳእቲ ጥራይ እምበር መሰኻኽር ክኾኑ ዘይፈቅዱ ሰባት ምርኣይ እግዚአብሔር ፈጺሙ ኣይከውንን። ከም መዳሕንቲ ከቅርቦም ኣይክእልን። ጐይታ ኣብ ዘመኖም ምሥጢረ ሥጋዌ ክውን ኣይገብርን! ብድሕሪኦም ንዝመጽእ ወለዶ የሰጋግሮ። ከመይ እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ መንፈስን ብብስለት ምንባርን የጥርፍኡ እሞ ከምቲ ብዙሕ ግዜ እንብሎ ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ይነብሩ። ዓቢ ወለዶ ኣፍኣዊ ናብራ ኮይኖም ንጒዳያት ብህዋሳት መንፈስ ክሰምዑ ኣይክእሉን። ስለምታይ እዮም ነዚ ክገብሩ ዘይደልዩ እንተበልና፤ ብሓደ ወገን ትህኪት እንክኸውን በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንኩሉ ኣጥፊኦም ምንም ስለዘይብሎም ክኸውን ይከኣል። ሓደ ምዕባሌ ማሕበረሰብ መንፈሳዊ ምስትውዓል ከጥፍእ እንከሎ ብጣዕሚ ሕማቅ እዩ። እንተ ከም ስምዖንን ሃናን ዚኣመሰሉ ነዚ መንፈሳዊ ምስትውዓል ተኣንጊኦም ዝተፈላለየ ኩነታት ክርድኡ ዝኽእሉ ኣብ ቅድሚኦም ንዘሎ ግልጸት መሲሕ ከለልዩ ዝኽእሉ ሽማግለታት ምርካብ ግን ትዕድልቲ እዩ። ኣብ ከምዚ ዚኣመሰል ናይ ትጽቢት ህሞት እንክርከቡ ምንም ዘጣዕስ ጉዳይ ወይውን ዝጠፍአ ግዜ የልቦን። እኳ ደኣ መንፈሳውያን ህዋሳት ገና ዝሰርሑ እንተዀይኖም ዓቢ ምድፍናቅን ምጽንናዕን ይህቡ። ታሪኽ ወለዶኦምን ትጽቢቶምን ንከንቱ ከምዘይኮነን ከምዘይጠፍኤን ምርኣይን ምምስካርን ዝህቦ ምድንፋቅን ምጽንናዕንከስ ምስጋና ነቲ ኣብ ወለዶኦም ዝፍጸም ምሥጢረ ሥጋዌ ኣብቲ ዝስዕብ ወለዶኦም ምሉእ ብምሉኡ ይግለጽ። ሓደ ዝሸምገለ ሰብ ደቁ ደቁ መጺኦም ከዘራርብዎ እንከለውኸስ እዚ ስምዒት እዚ እዩ ዝስምዖ፣ ዳግም ከምዝተፈጥሩ ኰይኑ ይስምዖም።  ንደቂደቆም እናክርእዩ ሕይወተይ ኣብዚኦም ትቅጽል ኣላ ይብሉ። ናብ ዝሸምገሉ ሰባት ምኻድ ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ! ጽን ኢልካ ምስማዖም እውን ኣድላዪ እዩ። ምሳኦም ምዝርራብ ንምልውዋጥ ምዕባሌ ከማኡ እውን ኣብ መንጎ መንእሰያትን ሽምግለታትን ምልውዋጥ ብስለት ይፈጥር። በዚ ከምዚ ከኣ ሥልጣኔና ብስለት ብዝዓሰሎ ጐዳና ንቅድሚት ይግስግስ።

ነዛ ትሕትን ኣንጸባራቂትን ምስክርነት እዚኣ ሓቀኛ ብዝኾነ መንገድን ንኩሉ ኣብነት ንክትከውንን መንፈሳዊ ሽምግልና ጥራይ እዩ ክህበና ዝኽእል። ብህዋሳት ነፍሲ ዝተኰስኰሰትን ዝበሰለትን ሽምግልና ኣብ መንጎ ወለዶታ ክገሃድ ንዝከኣል ዝኾነ ቅንእን ጣዕሳን ነታ ብምስንባትካ እትውዳእን ንመጻኢ ወለዶን እትሰጋገር ፍጻሜ ተግባር እግዚአብሔር ክቀርብ ንዝኽእል ስኽፍታን ወቀሳን ተወግድ። ኣብ መንጎ እቲ ብክፉት ልቢ ንኩሉ ኣረኪቡ ዝሰናበት ሽማግለን ዝቅበል መንእሰይን ዝፍጸምከስ እዚ እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ንሕይወቱ ንሓዲስ ወለዶ ምርካብ ማለት እዩ። ናይ ስምዖንን ሃናን ምስንባትከስ እዚ እዩ። ‘ንባርያኻ ብሰላም ኣሰናብቶ’ ይብሉ። መንፈሳዊ ስምዒት ህዋሳት ሽምግልናኸስ ነቲ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ውድድርን ግጭትን ተኣማኒ ብዝኾነ ብዘየዳግም ኣገባብ ክፈትሖ ይኽእል እዩ። ሽማግለታ በዚ መንፈሳዊ ምስትውዓልን ርድኢትን ስምዒትን ገቢሮም ክንዮ ማንም ግጭት ይሰግሩ እሞ ግጭት ዘይኮነ ውህደት ይርእዩ። ርግጽ እዩ እዚ ብደቂ ሰባት ዘይከኣል እዩ እንተ ብእግዚአብሔር ግን ዝከኣል እዩ። ሎሚ ሎሚ እዚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብጣዕሚ የድልየና ኣሎ! መንፈሳዊ ምስተውዓል ብመንፈስ ምብሳል የድልየና ኣሎ፣ ለባማትን ጥበበኛታትን ብመንፈስ ዝበሰሉ ንሕይወትና ተስፋ ዝህቡና ሽማግለታት የድልዩና ኣለው።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 March 2022, 17:35
ንኩሉ ኣንብብ >